እቲ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ዝግበር ጻዕሪ ብኸመይ ክዕወት ይኽእል፧
ኣብዚ ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል: ወድሰብ ኣብቲ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ዝገብሮ ጻዕሪ ዓወት ከም ዝረክብ ገለ ሰባት ድልዱል ተስፋ ኣለዎም። ሓደ ኻብዚኣቶም ዶ/ር ሮናልድ ክላጽ ኢዩ። ንሱ ናይቲ ዕምሪ ህይወት ወድሰብ ንምንዋሕ ሓርኰትኮት ዝብሉ ሓኻይምን ሊቃውንትን ዝሓቘፈ ኣብ ጸረ-እርጋን ዝዀነ መድሃኒት ዘተኰረ መጽናዕቲ ዘካይድ ናይ ኣመሪካ ኣካዳምያዊ ማሕበር (ኣሜሪካን ኣካዳሚ ኦቭ ኣንቲ-ኤጂን ሜዲስን) ፕረዚደንት ኢዩ። ንሱን መሳርሕቱን ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ኽነብሩ ወጢኖም ኣለዉ። ዶ/ር ክላጽ “እንተወሓደ ን130 ዓመታት ክነብር ትጽቢት ኣሎኒ” ብምባል ይዛረብ። ቀጺሉ ድማ “እርጋን ዘይጠፍእ ነገር ኢዩ ዝብል እምነት የብልናን። ነዚ ሎሚ ከም ባህርያዊ እርጋን ዝውሰድ ምድካም ኣካላትን ሕማምን ከደናጕዮን ደው ከብሎን ዝኽእል ምናልባት እውን ካብዚ ሓሊፉ ኣካላት እናተሓደሰ ከም ዝኸይድ ክገብር ዝኽእል ስነ-ኪነት ኣሎ።” ዶ/ር ክላጽ ንባዕሉ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ኣብ መዓልቲ ዳርጋ 60 ከኒና ይውሕጥ።
ናይ ሆርሞን ሕክምናን ስነ-ጂንን —ተስፋ ዝንበረሎም ድዩ፧
ናይ ሆርሞን ሕክምና ተስፋ ዝህብ ዘሎ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት ኢዩ። ኣብቲ ዲ.ኤች.ኢ.አይ. ዝብል ናይ እንግሊዝኛ መጸውዒ ስም ዘለዎ ሆርሞን እተገብረ ፈተነታት ከም ዘርእዮ: መስርሕ እርጋን እቶም ምርምር እተገብረሎም እንስሳታት እተደናጐየ ኢዩ ዝመስል።
እታ ኣብ ሽወደን እትሕተም ኣፍቶንብላደት እትበሃል መዓልታዊት ጋዜጣ ነቲ ዴንማርክ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኦርሁስ ዝምህር ዶ/ር ሱረሽ ራታን እተዛረቦ ብምጥቃስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣታኽልቲ ዘሎ ካይነቲን ዝበሃል ሆርሞን ከምዚ ዝስዕብ በለት:- “ኣብ ላባራቶሪ ዝገበርናዮ ፈተነታት ከም ዘረጋግጾ ኣብ ውሽጢ ካይነቲን ዝዓብዩ ዋህዮታት ቈርበት ወድሰብ በቲ ልሙድ መስርሕ እርጋን ኣይሓልፉን ኢዮም። ምሉእ ህይወቶም ሓደስቲ ዀይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ።” እዚ ሆርሞን እዚ ዝውሃቦም ንኣሽቱ ነፍሳት ካብቲ ኽነብርዎ ዝግብኦም ዕድመ ካብ 30 ክሳዕ 45 ሚእታዊት ከም ዝውስኹ ተዘሪብሎም ኣሎ።
ሜላቶነን ዝበሃል ሆርሞን እተዋህበን ኣናጹ ዕድሚአን ዳርጋ ብ25 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ተዘሪቡለን ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እተን ኣናጹ ብዝያዳ ንኣሽቱን ጥዑያትን ድልዱላትን መሲለን ተራእያ።
ኤች.ጂ.ኤች. ዝበሃል ሆርሞን ፍቱን መድሃኒት ኢዩ ኢሎም ዝጣበቑ ሰባት ብዛዕባ እዚ ሆርሞን እዚ ክዛረቡ ኸለዉ ብሩህ ቈርበት: ድልዱል ጭዋዳታት: ልዑል ጾታዊ ድሌት: ብሩህ ኵነት-ኣእምሮ: ብልሒ ኣእምሮ: ከምኡውን እቲ ኣብ ውሽጢ ኣካላት መንእሰይ ዝካየድ ምውህሃድ ቀመማት ንኽህሉ ከም ዝሕግዝ ይሕብሩ።
ብዙሓት ከኣ ናብ ስነ-ጂን ገጾም ቍሊሕ ይብሉ። ሊቃውንቲ ኣብ ጂን ውሕሉል ጽገናዊ ለውጥታት ብምግባር ናይቶም ኔማቶድ ብዝብል ስነ-ፍልጠታዊ ስያመ ዝፍለጡ ወይ ራውንድዎርም ዝበሃሉ ዓይነት ህዋሳት ዕድመ ምቍጽጻር ይከኣል ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ኣለዉ። አረ ንገለ ዘርኢ ካብቶም ህዋሳትሲ ሽዱሽተ ዕጽፊ ናይቲ ንቡር ዕድሚኦም ክውስኹሎም ክኢሎም ኢዮም። እዚ ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጂን ኣብ ወድሰብ ናይ ምርካብን ውሕሉል ጽገናዊ ለውጢ ናይ ምግባርን ተስፋ ኸም ዝዓቢ ገይሩ ኣሎ። መጽሔት ታይም ነቲ ዶ/ር ሲግፍሪድ ሀኪሚ ኣብ ሞንትርየል ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ማጊል ከምዚ ዝስዕብ ክብል እተዛረቦ ትጠቅስ:- “ንዅሎም እቶም ዕድመ ወድሰብ ዝውስኑ ጂን እንተድኣ ረኺብናዮም: ምናልባት ነቲ ዝውስንዎ ግዜ ብመጠኑ ኸም ዝናዋሕ ክንገብሮ ንኽእል ንኸውን ኢና።”
እቲ ቴሎሚር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ጫፍ ወገን ናይ ክሮሞዞም ዝርከብ ክፍሊ ዋህዮ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዋህዮ ዝራብሓላ እዋን ቍመቱ እናሓጸረ ከም ዝኸይድ መጽናዕቲ ስነ-ህይወት ዘካይዱ ሰባት ካብ ዝፈልጡ ሓያለይ ኰይኑ ኢዩ። ቴሎሚር ካብ ቍመቱ ዳርጋ 20 ሚእታዊት ምስ ጐደለ እቲ ዋህዮ ናይ ምርባሕ ክእለቱ ይደክምን ይጠፍእን። ቴሎመሬዝ ዝበሃል ኤንዛይም ጥራይ ከኣ ኢዩ ነቲ ቴሎሚር ናብቲ ንቡር ቍመቱ ከም ዝምለስ እሞ እቲ ዋህዮ ድማ ምርብሑ ኸም ዝቕጽል ክገብሮ ዝኽእል። ኣብ መብዛሕትኡ ዋህዮታት እዚ ኤንዛይም እዚ እተዓብጠን ዝደስከለን ኢዩ። ይኹን እምበር: ንጡፍ ቴሎመሬዝ ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ምስ ገለ ዋህዮታት ከም ዝሕወስ እተገብረሉ ኣጋጣሚ ነይሩ ኢዩ: ሽዑ ድማ እቶም ዋህዮታት ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ዓበዩን ተመቓቐሉን።
ተመራመርቲ ከም ዝበልዎ እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሜላ ነቲ ኣብ እዋን እርጋን ዝመጽእ ሕማማት ንምቅላስ ዘኽእል ድንቂ ዝዀነ መገዲ ዝኸፍት ኢዩ። ነቶም ስተም ሰልስ ዝበሃሉ ዋህዮታት (ንኣካሊት ሓደስቲ ዋህዮታት ዝህብዎም) በቶም ብንጡፍ ቴሎመሬዝ ኤንዛይም ናይ “ዘይሙማት” ኵነታት እተፈጥረሎም ስተም ሰልስ ምትካእከ ውጽኢታዊዶ ምዀነ፧ ዶ/ር ዊልያም አይ. ሃሰልቲን ከምዚ ይብል:- “እዚ ነቲ ኣብ ዝቕጽል 50 ዓመታት በብቝሩብ ዝተኣታቶ ወድሰብ ዘይሞተሉ ኵነታት ዘርኢ ንጹር ንድፊ ኢዩ።”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ።
ናኖቴክኖሎጂ ከምኡውን ክራይኦኒክስ —ፍታሕ ዝህቡ ድዮም፧
እቲ ብደረጃ ናኖሜተር (0.000,000,001 ሜትሮ) ኣብ ዝዕቀኑ ነገራት መጽናዕቲ ዘካይድ ናኖቴክኖሎጂ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስነ-ፍልጠታዊ ምህንድስና እውን ተስፋ ይህብ ኣሎ። እቶም ኣብዚ ዓውዲ እዚ ራእይ ዘለዎም ሰባት: ኣብ መጻኢ ካብ ዋህዮታት ኣዝዮም ዝደቐቑ ብኮምፕዩተር ዝሕገዙ ብደረጃ ሞሎኲል ዝሰርሑ ንዝኣረጉ ዋህዮታትን ኣካሊትን ክፍሊ ኣካላትን ዝጽግኑን ዘሐድሱን መሳርሒታት ይህንደሱ ይዀኑ ኢዮም ብምባል ይዛረቡ። ሓደ ተመራማሪ ኣብ ሓደ ብዛዕባ ጸረ-እርጋን እተጋብአ ዋዕላ: እቶም ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ዝህልዉ ሓኻይም ነቲ ወድሰብ ዘይመውት ኣካል ንኽውንን ዘኽእሎ ናኖቴክኖሎጂ ይጥቀሙ ይዀኑ ኢዮም ብምባል ርእይትኡ ገለጸ።
ክራይኦኒክስ ንሬሳ ኣብ በረድ ናይ ምዕቃብ ተግባር ኢዩ: እዚ ኸኣ ስነ-ፍልጠት ንዝሞቱ ዋህዮታት ከሕውየሉ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ እንደገና ንምንባር ብዝብል ተስፋ ኢዩ ዝግበር። ነቲ ሬሳ ብምልኡ ወይ ድማ ሓንጐል ጥራይ ክዕቀብ ይከኣል ኢዩ። አረ ሓደ ሰብኣይሲ ኣንሶላ ዓቂቡ ኢዩ። ኣንሶላ ዝዓቀበ ስለምንታይ ኢዩ፧ እታ ኣንሶላ ናይ ሓደ ዝጠፍአ ዓርኩ ኢያ ነይራ: ዋህዮታት ቈርበትን ሒደት ዝረገፈ ጸጕርን ዝሓዘት ከኣ ኢያ። ኽዕቅባ ዝደለየሉ ምኽንያት ድማ ስነ-ፍልጠት ካብ ሒደት ወይ ካብ ሓንቲ ዋህዮ: ሰብኣዊ ኣካል ዳግም ክሰርዓሉ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ እንተድኣ በጺሑ ንዓርኩ እንደገና ብህይወት ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ንኽፈጥረሉ ኢሉ ኢዩ።
ትውክልትና ኣበይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
ባህርያዊ ባህጊ ወድሰብ ንኽነብር እምበር ንኽመውት ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ኢዩ ነዚ ባህጊ እዚ ንምዕጋብ ዝግበር ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለታት ከይወዓለ ከይሓደረ ዝምጐስን ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉን። ክሳዕ ሕጂ ግን ዲ.ኤች.ኢ.አይ.: ካይነቲን: ሜላቶነን: ኤች.ጂ.ኤች. ወይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሳብስታንስ ንእርጋን ብሓቂ ክገትኦ ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ የልቦን። ኣብቲ ኣብ ዋህዮታት ዝርከብ ቴሎመሬዝ ጽገናዊ ለውጥታት ምግባር ፋይዳ ኸም ዘይብሉ አረ ኻብኡ ሓሊፉስ ሕማም መንሽሮ ዘምጽኡ ዋህዮታት ከም ዝፍጠሩ ይገብር ኢዩ ዝብል ፍርሂ ኣብ ብዙሓት ተጠራጠርቲ ሰፊኑ ኣሎ። እንተ እቲ ናኖቴክኖሎጂ ከምኡውን ክራይኦኒክስ ዝብልዎ ምዕባለታት እሞ: ገና ዘይተዘውተረ ስነ-ፍልጠታዊ ልቢ ወለድ ኢዩ እንተ ተባህለ ይሓይሽ።
ስነ-ፍልጠት ንገለ ሰባት ነዊሕ ዕድመን ዝሓሸ ጥዕናን ከም ዝረኽቡ ገይሩ ኢዩ: ምናልባት እውን ገና ይገብር ይኸውን: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ግን ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦ ኣይክእልን ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ዘይክእል፧ ብሓጺሩ: እቲ ቐንዲ ምንጪ እርጋንን ሞትን ክንዮ እቲ ዓውዲ ሰብኣዊ ስነ-ፍልጠት ክበጽሖ ዝኽእል ብምዃኑ ኢዩ።
ቀንዲ ምንጪ እርጋንን ሞትን
እርጋንን ሞትን ኣብ ናይ ኣካላትና ጂን ብዘይተፈልጠ መገዲ እተሓንጸጹ ምዃኖም መብዛሕትኦም ሊቃውንቲ ዝሰማምዕሉ ኢዩ። ብደረጃ ስነ-ጅን ክንዛረብ እንተድኣ ዄንና እቲ ሕቶ: ‘እርጋንን ሞትን ናብቲ ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ሕጊ ጂን ዝኣተወ መዓስን ብኸመይን ስለምንታይን ኢዩ፧’ ዝብል ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ስያመታት ስነ-ጂን ወይ ዲ.ኤን.አይ. ዘይጥቀም እኳ እንተዀነ ነዚ ብዝምልከት ግን ንጹር መልሲ ይህበና ኢዩ። ሮሜ 5:12 ከምዚ ትንበብ:- “ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።”
እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ነበሮ። ኣካላቱ በቲ ብህይወት ንኽነብርን ዘለኣለማዊ ህይወት ከስተማቕርን ዘኽእሎ ኣድላዪ ዝዀነ መገድታት ኢዩ ተነዲፉ። ይኹን እምበር: እቲ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተኽእሎኡ ኣብ ሓደ ኵነት እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ኣዳም ህይወቱ ንዘለኣለም ከም እትቕጽል ንኽገብራ ምስቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ፈጣሪኡ ዝህቦ መምርሒ ክሰማማዕን ክእዘዞን ነበሮ።—ዘፍጥረት 1:31፣ 2:15-17
ኣዳም ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ምርጭኡ ገበሮ። እዚ ስጕምቲ እዚ ምውሳዱ ድማ: ሰብ ካብ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ምዃን ናይ ገዛእ ርእሱ ምምሕዳር እንተ ሃለዎ ኢዩ እቲ ዝሓሸ ማለቱ ኸም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ሓጢኣት ወደቐ። ሕጊ ጂን ኣዳም ካብኡ ንነጀው ተቐይሩ ማለት ኢዩ። ንዘርኡ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘይኰነስ ሓጢኣትን ሞትን ኣውረሶም።—ዘፍጥረት 3:6, 19፣ ሮሜ 6:23
እቲ ናይ ሓቂ ተስፋ
ይኹን እምበር: እዚ ነባሪ ኵነታት ኣይኰነን። ሮሜ 8:20 ኸምዚ ትብል:- “እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን።” እቲ ፈጣሪ ወድሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ደቅሰብ ስለ ዝበደልዎ ኣብ ትሕቲ ሞት ከም ዝዀኑ እኳ እንተ ገበረ: ተስፋ ዝህብ መሰረት ግን ኣጣጢሕሎም ኢዩ።
እዚ መሰረት እዚ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ብግልጺ ተራእዩ ኢዩ። ዮሃንስ 3:16 ከምዚ ትብል:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ኣብ የሱስ ክርስቶስ ምእማን ካብ ሞት ከድሕነና ዝኽእል ድኣ እሞ ብኸመይ ኢዩ፧
ሓጢኣት ጠንቂ ሞት እንተድኣ ዀይኑ: ሞት ንኽጽረግ ሓጢኣት ከልግስ ኣለዎ። የሱስ መሲሓዊ ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ: ዮሃንስ መጥምቕ “እንሆ: ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። (ዮሃንስ 1:29) የሱስ ክርስቶስ ሓጢኣት ዝበሃል ዘይተንከዮ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ: እቲ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ዝዀነ ሞት ንየሱስ ኣይምልከቶን ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ካልኦት ክቐትልዎ ፈቐደ። ስለምንታይ፧ ከምኡ ብምግባሩ ኢዩ ዋጋ ናይ ኵሉ ሓጢኣትና ዝፈደዮ።—ማቴዎስ 20:28፣ 1 ጴጥሮስ 3:18
የሱስ ነቲ ዋጋ ብምፍዳዩ ንዅሎም እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ሰባት ከይሞትካ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተኽእሎ ከፈተሎም። ስነ-ፍልጠት ብኣዝዩ እተወሰነ ደረጃ ዕድሜና ከም ዝውስኽ ክገብር ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብ የሱስ ምእማን ግን እቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝወስድ ናይ ሓቂ መገዲ ኢዩ። የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ኣብ ሰማይ ረኺቡ ኢዩ: ከምኡውን እቶም እሙናት ሃዋርያቱን ካልኦት ገለ ካብ ደቅሰብን ከምኡ ዝኣመሰለ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። መብዛሕትና እቶም ኣብ የሱስ እንኣምን ግን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ምድሪ ኢዩ ክውሃበና: እዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ነታ ምድራዊት ገነት ምስ መለሳ ኢዩ ክፍጸም።—ኢሳይያስ 25:8፣ 1 ቈረንቶስ 15:48, 49፣ 2 ቈረንቶስ 5:1
ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት
ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ሓተተ:- “ሞት ኣብ ዘይህልወሉ ደረጃ ምስ ተበጽሐ ህይወት ትርጕም ከም ዘለዋ ገይሮም ዝወስዱዋ ሰባት ክንደይ ኰን ይዀኑ፧” ብሞት ዘየቋርጽ ህይወት ዘሰልኪ ክኸውን ድዩ፧ ህይወት ዘሰልኪ ከም ዘይከውን መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና ኢዩ። “ንዅሉ በብጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ: ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።” (መክብብ 3:11) ፍጥረት የሆዋ ኣምላኽ ታእላው ዘይብሉን ዘደንጹን ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብህይወት ክሳዕ ዘሎና—አረ ንዘለኣለም እውን ይኹን—እናኣደነቐናን ውዕዉዕ ስምዒት እናኣሕደረልናን ሕጕሳት እናገበረናን ክቕጽል ኢዩ።
ሓደ ሳይቤርያን ጄይ ኣብ እትበሃል ዓይነት ዑፍ መጽናዕቲ ዘካይድ ዝነበረ ሰብኣይ ነታ ዑፍ “ድንቅን ባህ እተብልን ብጸይቲ” ብምባል ጸውዓ: ብዛዕብኣ መጽናዕቲ ምክያድ ድማ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወቱ ዘጓነፎ ኣዝዩ ዘሐጕስ ተመክሮታት ከም ዝነበረ ተዛረበ። ኣብታ ዑፍ ዝያዳ መጽናዕቲ ብዝገበረ መጠን: ዝያዳ እተደንቕ ኰይና ረኸባ። ንመጽናዕቱ ካብ ዝጅምሮ 18 ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ: ገና ብዙሕ ብዛዕብኣ ዘይፈልጦ ነገራት ከም ዘለዎ ይዛረብ። ሓንቲ ኻብ ዘርኢ ኣዕዋፍ ንሓደ ኣብኣ ተገዲሱ ን18 ዓመታት ጽዑቕ መጽናዕቲ ዘካይድ ዝነበረ ሰብ ከተደንቖን ውዕዉዕ ስምዒት ከተሕድረሉን ከተሐጕሶን ካብ ከኣለት: ነቲ ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጥረት ብምጽናዕ ክርከብ ዝከኣል ሓጐስን ዕግበትን ክትግምቶ እሞ ፈትን።
ንዅሉ እቲ ንሓደ ብግዜ ዘይድረት ሰብ ዝኽፈተሉ መሳጢ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ብዛዕባ ዅሉ እቲ ንኽትበጽሖ ማራኺ ዝዀነ ቦታታትን ኵሎም እቶም ንኽትረኽቦም ዝበሃጉ ሰባትን ድማ ሕስብ እሞ ኣብል። ነቲ ቘጺርካ ዘይውዳእ ሓደስቲ ነገራት ናይ ምግንዛብን ምምሃዝን ምስራሕን ተኽእሎታት ከኣ ክትግምቶ ፈትን። ነቲ ናይ ምምሃዝ ክእለትና ካብ ምምዕባልን ምጥቃምን ዝግድበና ነገር ኣይክህሉን ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ታእላው ዘይብሉ ፍጥረት ሕስብ ምስ እነብል: ህይወት ሒዛቶ ዘላ ዕቝር ዓቕሚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ንዘለኣለም ምንባር ምስ ዝከኣል ጥራይ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።
እቶም ሞይቶም ዘለዉ እውን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ብትንሳኤ ኣቢሉ ኸም ዝወሃቦም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ካብቲ ብዙሕ ሕጂ ምስጢር ኰይኑና ዘሎ ናይ ታሪኽ ምዕራፋት: እቶም ብእኡ ዝሓለፉ ሰባት ንዝርዝራቱ ክትንትንዎን ንሕቶታትና ክምልስዎን ከለዉ ክንጽረልና ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ እቶም ዝተንስኡ ሰባት ዝህብዎ መብርሂታት ናይቲ ኣብ እተፈላለየ እዋናት እተፈጸመ ታሪኽ እሞ ሕስብ ኣብል።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ክትሓስብ ከሎኻ እዮብ ድሕሪ ትንሳኤኡ ነቲ ኣብ እዮብ 14:1 ዝርከብ ቃላት ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ዘድልዮ ዀይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ሽዑ ግን እዮብ ‘ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ዘለኣለማዊ ዕድመ ዘለዎን በዓል ምሉእ ዕግበትን ኰይኑ’ ይብል ይኸውን።
ነቶም ኣብ የሆዋ ዝውከሉን ኣብ የሱስ ዝኣምኑን ሰባት: ብዘይገለ ደረት ግዜ ዕድመ ክናዋሕ ከቶ ሕልሚ ኣይኰነን። ድሕሪ ሓጺር እዋን ዝጭበጥ ኢዩ። እርጋንን ሞትን ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ። እዚ ምስታ “ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ” እትብል መዝሙር 68:20 ዝሰማማዕ ኢዩ።—ራእይ 21:3, 4
[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእልታት]
ስነ -ፍልጠታዊ ምዕባለ ነዊሕ ዕድመ ኽንበር ከም ዝከኣል ተስፋ ሂቡ ኣሎ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ህይወት ሒዛቶ ዘላ ዕቝር ዓቕሚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ንዘለኣለም ምንባር ምስ ዝከኣል ጥራይ ኢዩ