ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/10 ገጽ 28-31
  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሽ ትርጕም ስለምንታይ ኣድለየ፧
  • ፍሉይ ዝገብሮ ነገራት
  • ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ምምላስ
  • ነቶም ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ኣንበብቲ ከም ዝበጽሖም ምግባር
  • ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/10 ገጽ 28-31

ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ

ኣብ 1998 ንዅሎም ኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ነበረ። ኣብታ ዓመት እቲኣ: እቲ “ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ” ቅዳሓት 100 ሚልዮን በጽሐ። ስለዚ ኸኣ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዘበንና ዝሰፍሐ ዝርጋሐ ዝረኸበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ኰነ !

ነዚ ብፍላይ ዘደንቕ ዝገብሮ ኸኣ እዚ ትርጕም እዚ ክወጽእ ከሎ ብዙሕ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ ከም ዝነበረ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብ ህላወ ኣይጠፍአን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ናይ ብዙሓት ገዛውቲ ብምእታውን ኣልባብ ብምትንካፍን ተዓዋቲ ኰይኑ ኢዩ! ምንጪ ናይዚ ፍሉይ ትርጕም እዚ እንታይ ኢዩ፧ መን ኢዩ ኣዳልይዎ፧ ካብኡኸ ብኸመይ ክትጥቀም ምኸኣልካ፧

ሓድሽ ትርጕም ስለምንታይ ኣድለየ፧

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ትካል ዝዀነ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ንልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ክዝርግሕ ጸኒሑ ኢዩ። እሞ ድኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ ትርጕም ናይ ቃል ኣምላኽ ከዳልዉ ዘድለዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ሳካይ ኩቦ ከምኡውን ዎልተር ስፐክት ዘዳለውዎ ሶ ሜኒ ቨርሽንስ፧ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ዋላ ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣኺልዎ ተወዲኡ ኢዩ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት እናዓበየ ቋንቋ ድማ እናተለዋወጠ ክኸይድ ከሎ ትርጕማት ክመሓየሽ ኣለዎ።”

ኣብዚ ክፍለ⁠-​ዘበን እዚ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርታ እተጻሕፈሉ ቋንቋታት ማለት እብራይስጢ: ግሪኽ: ከምኡውን ኣረማይስጢ ዘሎ ምርዳእ ዓቢ ወሰኽ ገይሩ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ካብቲ እቶም ናይ ዝሓለፈ ወለዶታት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀመሉ ዝነበሩ ንላዕሊ ጥንታውን ቅኑዕን ዝዀነ ብኢድ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱሳት ተረኺቡ ኢዩ። ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብትኽክል ክትርጐም ይከኣል ኢዩ! እምበኣር ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ኮሚተ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዘመናዊ ቋንቋታት ንኽትርጕም ምቛሙ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዝነበሮ ኢዩ።

ብ1950 እታ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ እንግሊዝኛ ተሓትመት። እቲ ኣርእስቲ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ብልምዲ ንመጽሓፍ ቅዱስ “ብሉይ” ከምኡውን “ሓድሽ” ኪዳን ዝብል ስያመ ብትብዓት ከም ዝነጸጎ ዘርኢ ኢዩ። ኣብቲ ዝቐጸለ ዓሰርተ ዓመታት ክፋላት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብተኸታታሊ ተሓቲሙ ኢዩ። ብ1961 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ጥራዝ ኰይኑ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ወጸ።

ነዚ ዘደንቕ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ መን ኢዩ ተርጒምዎ፧ ናይ 15 መስከረም 1950 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “እቶም ነቲ ናይ ትርጕም ኮሚተ ዘቘሙ ሰባት . . . ኣስማቶም ከይጥቀስ: ብፍላይ ከኣ ብህይወት ከለዉ ዀነ ምስ ሞቱ ኣስማቶም ኣብቲ ጽሑፍ ክሕተም ከም ዘይደልይዎ ገሊጾም። ዕላማ ናይቲ ትርጕም ንስም ናይቲ ህያው ዝዀነ ሓቀኛ ኣምላኽ ክብ ንምባል ኢዩ።” ገለ ነቐፍቲ እቲ ትርጕም ተመክሮ ናይ ዘይብሎም ሰባት ውጽኢት ስለ ዝዀነ ውሑድ ግምት እውን ከይተረፈ ክወሃቦ ኣይግባእን ይብሉ። እንተዀነ ግን ኵሎም ኣይኰኑን ከምዚ ዓይነት ዘይምኽንያታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም። ኣለን ኤስ. ዳቲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናይ ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምቲ ወይ ሓተምቲ መን ምዃኖም ምፍላጥና እቲ ትርጕም ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ኢዩ ኢልና ንኽንውስን ይሕግዘናዶ ኢዩ፧ እቲ መልሲ ኣይሕግዘናን ዝብል ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ትርጕም ምምርማር ዘለዎ ረብሓ ብኻልእ ክትካእ ኣይክእልን ኢዩ።”a

ፍሉይ ዝገብሮ ነገራት

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣንበብቲ ነዚ ሓሳብ እዚ ኢዮም ስዒቦም: ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ከኣ ንኸተንብቦ ዝስሕብ ጥራይ ዘይኰነስ ብጥንቃቐ እተተርጐመን ቅኑዕን ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። እቶም ተርጐምቲ እቲ ክርከብ እተኻእለ ዝሓሸ ጽሑፋት ብምጥቃም ካብ ቋንቋታት እብራይስጢ: ኣረማይስጢ: ከምኡውን ግሪኽ ኢዮም ተርጒሞሞ።b ነቲ ጥንታዊ ጽሑፋት ብእተኻእለ መጠን ቃል ብቓሉ ግን ከኣ ብቐሊሉ ክርዳእ ብዝኽእል ቋንቋ ንምትርጓሙ ፍሉይ ጥንቃቐ ተገይሩ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዮም ገለ ምሁራት ነዚ ትርጕም እዚ ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ ዘይረሓቐን ልክዕን ብምዃኑ ዝወደስዎ። ንኣብነት: እታ ናይ ጥሪ 1963 ኣንዶቨር ኒውተን ኳርተርሊ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “እዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ትርጕም ነቲ ኣብ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘጋጥም ጸገማት ብምስትውዓል ዝፈትሑ ብቑዓት ምሁራት ከም ዘለዉ መረጋገጺ ኢዩ።”

እዞም ተርጐምቲ እዚኣቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምርዳእ ሓድሽ መሰረት ኢዮም ኣዳልዮም። ኣቐድም ኣቢሉ ብንጹር ዘይንርድኦ ዝነበረ ጥቕስታት ብዘደንቕ መገዲ በሪሁ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ማቴዎስ 5:⁠3 ዘሎ “እቶም ብመንፈስ ድኻታት እተባረኹ ኢዮም” (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ዝብል ዘደናግር ጥቕሲ “እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጕሳት ኢዮም” ብምባል ርዱእ ብዝዀነ መገዲ ተተርጒሙ ኣሎ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንኣድለይቲ ስያመታት እውን ዘይቀያየር ትርጕም ኢዩ ዝህብ። ንኣብነት: እታ ሳይ·ኪʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ እትርከቦ ቦታ ኵሉ “ነፍሲ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ስለዚ ኸኣ ኣንበብቲ: ነፍሲ ከምቲ ሃይማኖታዊ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ዝብሎ ዘይኰነስ ከም እትመውት ከስተውዕሉ ይኽእሉ ኢዮም!​—⁠ማቴዎስ 2:⁠20፣ ማርቆስ 3:⁠4፣ ሉቃስ 6:⁠9፣ 17:⁠33

ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ምምላስ

ሓደ ካብቲ ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ፍሉይ ዝገብሮ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ምምላሱ ኢዩ። ኣብ ጥንታዊ ቅዳሓት ናይቲ ብእብራይስጢ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ መለኮታዊ ስም የሀወሀ ወይ ጀሀቨሀ ተባሂለን ክትርጐማ ብዝኽእላ ኣርባዕተ ተደመጽቲ ፊደላት ተጻሒፉ ይርከብ። እዚ ፍልይ ዝበለ ስም ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ዝበሃል ጥራይ ዳርጋ 7,000 ግዜ ይርከብ። (ዘጸኣት 3:⁠15 NW ፣ መዝሙር 83:⁠18 NW ) ፈጣሪና ኣምለኽቱ ንስሙ ክፈልጡን ክጥቀምሉን ከም ዝሓሰበ ንጹር ኢዩ!

ይኹን እምበር: ኣይሁድ ማሪታዊ ፍርሂ ስለ ዝነበሮም ነዚ መለኮታዊ ስም ካብ ምጥቃም ኣቋረጹ። ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ እቶም ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝቐድሑ ዝነበሩ ነቲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ በተን ኪʹሪ·ዮስ (ጐይታ) ወይ ቴ·ኦስ ʹ (ኣምላኽ) ዝብላ ናይ ግሪኽ ቃላት ተክእወን። እቲ ዘሕዝን ከኣ: ዘመናውያን ተርጐምቲ ንስም ኣምላኽ ካብ መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱሳት ብምውጻእ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣምላኽ ስም ከም ዘይብሉ ገይሮም ብምቕራብ ነዚ ንኣምላኽ ዘሕስር ልምዲ ቀጺሎሞ ኢዮም። ንኣብነት: እቲ ኣብ ዮሃንስ 17:⁠6 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት “ስምካ ገለጽኩሎም” ኢዩ ዝብል። ኣብ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን ግን “ከም እትፍለጥ ገበርኩኻ” ብምባል ተተርጒሙ ኣሎ።

ገለ ምሁራት ኣደማምጻ ናይቲ መለኮታዊ ስም ብትኽክል ስለ ዘይፍለጥ ክወጽእ ይግባእ ኢሎም ይከራኸሩ። እንተዀነ ግን: ከም ኤርምያስ: ኢሳይያስ: ከምኡውን የሱስ ዝኣመሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ፍሉጣት ኣስማት እውን ምስቲ መጀመርታ ዝነበረ ናይ እብራይስጢ ኣደማምጻ ብዙሕ ምምስሳል ብዘይብሉ ኣደማምጻ ኢዩ ብተደጋጋሚ ዝትርጐም። እቲ የሆዋ ዝብል ቃል ነቲ መለኮታዊ ስም ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝገልጾ ከምኡውን ብዙሓት ሰባት ስለ ዝፈልጥዎ እዚ ተቓውሞ እዚ ናይ ቅንዕና ኣይኰነን።

እቲ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ኮሚተ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣብ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ንኸእትዎ ብትብዓት ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ። ነዚ ከም መሰረት ኰይኑ ዘገልገለ ኸኣ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ: ደቡባዊ ፓስፊክ: ከምኡውን ኣብ ምብራቓዊ ክፍለ⁠-​ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ተባሂሉ ብሚስዮናውያን እተዳለወ ትርጕማት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንስም ኣምላኽ ምጥቃም ፍልጠት ንኽህልወካ ኢልካ ጥራይ ዝግበር ኣይኰነን። ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ከም ሓደ ኣካል ገይርካ ንኽትፈልጦ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። (ዘጸኣት 34:⁠6, 7) ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣንበብቲ ንስም ኣምላኽ ክጥቀሙሉ ኣተባቢዑ ኢዩ!

ነቶም ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ኣንበብቲ ከም ዝበጽሖም ምግባር

ኣብ መንጎ 1963ን 1989ን ኣብ ዝነበረ ግዜ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብኸፊሉ ይኹን ብምሉእ ብኻልእ ዓሰርተ ቋንቋታት ተሓቲሙ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ናይ ምትርጓም ዕዮ እዚ ከቢድ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ: ገለ ፕሮጀክት ድማ 20 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመታት ኢዩ ወሲዱ። ድሕርዚ: ብ1989 ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንተርጐምቲ ሓገዝ ዝህብ ክፍሊ ተመስረተ። እዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ጽሕፈት ኮሚተ ኰይኑ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ኣብ ምቅልጣፍ ክዓዪ ጀመረ። ነቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ዝግበር መጽናዕቲ ምስ ናይ ኮምፒዩተር ቴክኖሎጂ ብምጥማር ሓደ ሜላ ኣተራጕማ ተማህዘ። እዚ ሜላ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝዓዪ፧

እቲ ናይ ጽሕፈት ኮሚተ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓደ ቋንቋ ክትርጐም ምስ ኣፍቀደ: ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ጕጅለ ተርጐምቲ ኰይኖም ንኸገልግሉ ይምዝዞም። ብጕጅለ ዝዕየ ዕዮ ካብቲ ብውልቀ⁠-​ሰብ ዝዳሎ ንላዕሊ ሚዛኑ ዝሓለወ ኢዩ ዝኸውን። (ምስ ምሳሌ 11:⁠14 ኣረኣእዮ።) ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ናይ ማሕበር ጽሑፋት ኣብ ምትርጓም ተመክሮ ዘለዎ ኢዩ። ብድሕርዚ እቶም ጕጅለ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓም ክስዕብዎ ዘለዎም ስርዓታት ከምኡውን ነቲ ምምሕያሽ እተገብረሉ ፍልይ ብዝበለ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራም ብኸመይ ከም ዝጥቀሙሉ ልምምድ ይወሃቦም። ኮምፒዩተር ባዕላ ኣይትትርጕምን ኢያ: እንተዀነ ግን ነቶም ጕጅለ ዘድሊ ሓበሬታ ትህቦም ከምኡውን ነቲ እተሰማምዕሉ ሓሳባት ንምዕቃብ ትሕግዞም ኢያ።

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምትርጓም ፕሮጀክት ክልተ ደረጃታት ኣለዎ። ኣብ ናይ መጀመርታ ደረጃ ነቶም ተርጐምቲ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዝርከብ ዝርዝር ቃላትን መግለጺታትን ይወሃቦም። ከም “ኣቶን: ” “ኣቶንመንት: ” ከምኡውን “ፕሮፕሺየሽን ” ዝኣመሰሉ ንሓድሕዶም ዝዛመዱ ናይ እንግሊዝኛ ቃላት ኣብ ሓደ ጕጅለ ይእከቡ: እዚ ኸኣ ነቶም ተርጐምቲ ነቲ ደቂቕ ናይ ትርጕም ፍልልያት ንኸስተውዕልሉ ይሕግዞም። እቶም ተርጐምቲ ካብ ቋንቋኦም ነዚ ብልክዕ ክገልጽ ዝኽእል ቃላት ይእክቡ። ሓድሓደ ግዜ ግን ሓደ ተርጓሚ ሓንቲ ጥቕሲ ንምትርጓም ክኸብዶ ይኽእል ኢዩ። እቲ ብኮምፒዩተር ዝግበር ናይ ምርምር ፕሮግራም ነቶም ተርጐምቲ ብዛዕባ ናይ ግሪኽን እብራይስጥን ቃላት ሓበሬታ ይህቦም: ከምኡውን ኣብታ ኮምፒዩተር ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ንኽረኽቡ የኽእሎም።

እቲ ፕሮጀክት ናብ ካልኣይ ደረጃ ምስ ሓለፈ: እቲ እተመርጸ ቃላት ናይቲ ቋንቋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይኣቱ። እዚ ኸኣ ነቲ ትርጕም ቅኑዕን ዘይቀያየርን ንኽኸውን ዓቢ ግደ ኣለዎ። ይኹን እምበር: እቲ በዚ “ሰርች ኤንድ ሪፕለይስ” ዝብል ናይ ኮምፒዩተር ኣገባብ ገይርካ ዝኣቱ ንኸተንብቦ ዝምስጥ ኣይከውንን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ጽሑፍ መሳጥን ርዱእን ምእንቲ ክኸውን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ንምእራምን ኣጸሓሕፋኡ ንምትዕርራይን ብዙሕ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ።

እዚ ሜላ ኣተራጕማ እዚ ውጽኢታዊ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ሓደ ጕጅለ ተርጐምቲ ንብምሉኡ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ጥራይ ክትርጕምዎ ክኢሎም ኢዮም። ነዚኣቶም ምስቶም ተመሳሳሊ ቋንቋ ዘለዎም ጕጅለ: ግን ከኣ ብዘይሓገዝ ናይ ኮምፒዩተር ብምስርሖም 16 ዓመታት ዝወሰደሎም ከተወዳድሮ ትኽእል ኢኻ። ክሳዕ ሕጂ እቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ 1989 ኣትሒዙ ብ18 ተወሳኺ ቋንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊሉ ብ34 ቋንቋታት ይርከብ። ስለዚ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተወሓደ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብቋንቋኦም ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።

እቲ ዩናይትድ ባይብል ሶሳይቲስ ዝሃቦ ጸብጻብ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ 6,500 ቋንቋታት: ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቦ ቋንቋታት 2,212 ጥራይ ምዃኖም ይሕብር።c ስለዚ: 100 ዝዀኑ ተርጐምቲ ነቲ ናይ እብራይስጢ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብ11: ነቲ ናይ ግሪኽ ድማ ብ8 ቋንቋታት ንኽትርጐም ይዓዩ ኣለዉ። ፍቓድ ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) በዚ መዳይ እዚ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዓቢ ግደ ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ስለዚ እዚ ትርጕም እዚ ልዕሊ 100 ሚልዮን ቅዳሓት ብምሕታሙ ዘገድስ ፍጻመ ኢዩ: ኣብ መጻኢ እውን ብዙሕ ሚልዮናት ክሕተም ንጽሊ። ነዚ ትርጕም እዚ ክትምርምሮ ነተባብዓካ። ሓያሎ ፍልይ ዘብሎ ነገራት ስለ እትረኽበሉ ክትሕጐስ ኢኻ። ንጹር ኣጸሓሕፋ: እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ዘሎ ቀንዲ ሓሳባት: ፍሉጣት ጥቕስታት ንኽትረክብ ዝሕግዘካ መሐበሪ: ዝርዝር ሓበሬታ ዘለዎ ካርታ: ከምኡውን ዘደንቕ መመላእታ ጽሑፍ ገለ ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮ ነገራት ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ከኣ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ብቛንቋኻ ብቕኑዕ ከም ዘመሓላልፎ ብምትእምማን ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ዘገርም ድማ ኣብ ገበር ናይቲ ብ1971 ምስ መወከሲኡ እተሓትመ ኒው ኣመሪካን ስታንዳርድ ባይብል ብተመሳሳሊ ከምዚ ዝብል ይርከብ:- “ቃል ኣምላኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ከም ዘለዎ ስለ እንኣምን ከም መወከሲ ወይ ተቐባልነት ንኽረክብ ኢልና ናይ ማንም ምሁር ስም ኣይጠቐስናን።”

b እቲ ወስኮትን ሆርትን ዘዳለዉዎ ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ዘ ኦሪጂናል ግሪክ ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ምትርጓም ከም መሰረት ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። እቲ ኣር. ኪተል ዘዳለዎ ቢብሊያ ሄብራይካ ከኣ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ንምትርጓም ከም መሰረት ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።

c ክልተ ቋንቋታት ዝዛረቡ ብዙሓት ህዝብታት ስለ ዘለዉ: መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ከንብቡዎ ብዝኽእሉ ቋንቋ ተተርጒሙ ኣሎ ተባሂሉ ይእመን።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ትርጕም ነቲ ኣብ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘጋጥም ጸገማት ብምስትውዓል ዝፈትሑ ብቑዓት ምሁራት ከም ዘለዉ መረጋገጺ ኢዩ።”​—⁠ኣንዶቨር ኒውተን ኳርተርሊ: ጥሪ 1963

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት እናዓበየ ቋንቋ ድማ እናተለዋወጠ ክኸይድ ከሎ ትርጕማት ክመሓየሽ ኣለዎ።”

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ምሁራት ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ንኢዶምዎ

ነቲ ኣብ ኣን ኣመሪካን ትራንዝሌሽን ዘሎ ብቛንቋ ግሪኽ እተዳለወ “ሓድሽ ኪዳን” ዝተርጐመ ኢድጋር ጄይ. ጉድስፒድ ኣብታ ብ8 ታሕሳስ 1950 ዝጸሓፋ ደብዳበ ብዛዕባ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምዚ በለ:- “እቲ ኣባላትኩም ዝፍጽምዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ሚስዮናውነት ይምስጠኒ ኢዩ: ብተወሳኺውን እቲ ዘይዓጺቕ: ቅኑዕ: ከምኡውን ንጹር ዝዀነ ትርጕም ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሰኒ። ፍረ ናይቲ ብጻዕቒ ዝግበር ጥዑይን ዓሚቝን ትምህርቲ ምዃኑ የመስክር: ብዛዕባ እዚ መረጋገጺ ክህብ እኽእል ኢየ።”

ኣሌክሳንደር ቶምሶን ዝበሃል ናይ ቋንቋ እብራይስጥን ግሪኽን ምሁር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ትርጕም ነቲ ሓቀኛ መንፈስ ናይ ግሪኽኛ ጽሑፍ በቲ ቋንቋ እንግሊዝ ክገልጾ ዝኽእል ዓቕሚ ንምትርጓም ዝጸዓሩ ክኢላታትን በላሕትን ምሁራት ዘዳለዉዎ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።”​—⁠ዘ ዲፈረንሺየተር: ሚያዝያ 1952 ገጽ 52-7

ፕሮፌሰር ቤንጃሚን ከዳር ዝበሃል ኣብ እስራኤል ዝነብር ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ምሁር ብ1989 ከምዚ በለ:- “ምስ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስን ትርጕማቱን እተተሓሓዘ ናይ ቋንቋ መጽናዕቲ ክገብር ከለኹ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ እንግሊዝኛ ሕታም ኢየ ዝውከስ። እዚ ክገብር ከለኹ: እዚ ትርጕም እዚ ነቲ ጽሑፍ ብእተኻእለ መጠን ብልክዕ ንምርዳእ ጻዕሪ ከም እተገብረ ዘርኢ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጸ ኢየ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ