ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/11 ገጽ 4-6
  • እቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት መዓስ ኢዩ ዝጅምር፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት መዓስ ኢዩ ዝጅምር፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ መዓስ ኢዩ ተወሊዱ፧
  • እቲ ናይ ሽሓዊ ዓመት ተስፋታቶም ክፈሽልዶ ኢዩ፧
  • 2000 እተፈልየት ዓመትዶ ኢያ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • መጽናዕቲ ቝጽሪ 3-ንፍጻመታት ብመስርዕ ግዜ ምቕማር
    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ፣ መጽናዕቲ ቝ. 3
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/11 ገጽ 4-6

እቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት መዓስ ኢዩ ዝጅምር፧

እቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ኣብ 2000 ዘይኰነስ ኣብ 2001 ኢዩ ዝጅምር ዝብል ዘረባ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ኣበሃህላ እዚ ብመጠኑ ሓቂ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ገሊኣቶም ሓደ እዋን ብዝገመትዎ መሰረት 1 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተወሊዱ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕለት ከም እተወልደ ገይርና እንተድኣ ወሲድናዮ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ሽሕ ዓመት ዘመልክት (1999 ዘይኰነስ) 31 ታሕሳስ 2000 ክኸውን ከሎ 1 ጥሪ 2001 ከኣ መጀመርታ ናይቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ኢዩ።a ይኹን እምበር: ሎሚ ዳርጋ ኵሎም ምሁራት የሱስ ክርስቶስ ኣብ 1 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዘይተወልደ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር መዓስ ኢዩ ተወሊዱ፧

የሱስ መዓስ ኢዩ ተወሊዱ፧

መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ እተወልደሉ ልክዕ ዕለት መዓስ ምዃኑ ኣይገልጽን ኢዩ። ይኹን እምበር: “ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ” ከም እተወልደ ይነግረና ኢዩ። (ማቴዎስ 2:⁠1) ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ሄሮድስ ብ4 ቅ.ኣ.ዘ. ከም ዝሞተ እሞ የሱስ ከኣ ቅድሚኡ ምናልባት ኣብ መጀመርታ ናይ 5 ወይ 6 ቅ.ኣ.ዘ. ከም እተወልደ ኢዮም ዝኣምኑ። ብዛዕባ ሞት ሄሮድስ ዝህብዎ መደምደምታ: ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ጸሓፍ ታሪኽ ዝዀነ ፍለይቨስ ጆሰፈስ ዝሃቦ ሓሳባት እተመስረተ ኢዩ።b

ጆሰፈስ ብዝበሎ መሰረት ቀቅድሚ ንጉስ ሄሮድስ ሙማቱ ወርሒ ንጸሓይ ጋሪዳታ ነይራ ኢያ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ነቲ ብ11 መጋቢት 4 ቅ.ኣ.ዘ. ወርሒ ንጸሓይ ብኸፊል ጋሪዳትሉ ዝነበረት ግዜ ከም መርትዖ ብምቕራብ ሄሮድስ ኣብቲ ዓመት እቲ ኢዩ ሞይቱ ይብሉ። ይኹን እምበር ብ1 ቅ.ኣ.ዘ. ወርሒ ንጸሓይ ኣብ 8 ጥሪ ምሉእ ብምሉእ ኣብ 27 ታሕሳስ ከኣ ብኸፊል ጋሪዳታ ነይራ ኢያ። ጆሰፈስ እተዛረበሉ ነቲ ብ1 ቅ.ኣ.ዘ. እተራእየ ድዩ ወይስ ነቲ ብ4 ቅ.ኣ.ዘ. እተራእየ ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ የለን። ስለዚ እምበኣር ቃላት ጆሰፈስ ነቲ ሄሮድስ ዝሞተሉ ፍሉይ ዓመት ንምሕባር ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን ኢና። ምናልባት ንኽእል ነይርና እንተ ንኸውን እውን ብዘይእኹል ሓበሬታ የሱስ መዓስ ከም እተወልደ ገና ክንውስን ኣይንኽእልን ኢና።

ብዛዕባ እቲ የሱስ እተወልደሉ ዕለት ዝበለጸ መርትዖ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ክንረክብ እንኽእል። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከም ዝገልጾ እቲ ንየሱስ በደ ዘመዱ ዝዀነ ዮሃንስ ነቲ ከም ነብዪ መጠን ዝነበሮ ዕዮኡ ኣብ መበል 15 ዓመት ናይቲ ሃጸይ ሮሜ ዝነበረ ቄሳር ጢቤርዮስ ኢዩ ጀሚርዎ። (ሉቃስ 3:⁠1, 2) ዓለማዊ ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ ጢቤርዮስ ብ15 መስከረም 14 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ሃጸይ ኰይኑ: ስለዚ መበል 15 ዓመት ግዝኣቱ ካብቲ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ መበል 28 ከ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዝኸይድ። ዮሃንስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረ ኣብቲ ግዜቲ ክኸውን ከሎ የሱስ ከኣ ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሑ ኢዩ ጀሚሩ። (ሉቃስ 1:⁠24-31) እዚ ምስቲ ካልእ መርትዖ ተደሚሩ የሱስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረ ኣብ ቀውዒ ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ከም ዝዀነ ኢዩ ዘረጋግጽ።c የሱስ ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ “ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ” ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። (ሉቃስ 3:⁠23) ኣብ ቀውዒ 29 ከ.ኣ.ዘ. ወዲ 30 ዓመት እንተድኣ ነይሩ: ኣብ ቀውዒ 2 ቅ.ኣ.ዘ. ተወሊዱ ክኸውን ኣለዎ። ካብ 2 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚርና ክልተ ሽሕ ዓመት እንተድኣ ቈጺርና (ዜሮ ዝበሃል ዓመት ስለ ዘየለ ካብ 2 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 1 ከ.ኣ.ዘ. ክልተ ዓመት ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ) እቲ ካልኣይ ሽሕ ዓመት ተወዲኡ እቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ዝጅምረሉ ግዜ ኣብ ቀውዒ 1999 ከም ዝዀነ ኢና እንግንዘብ!

እሞኸ እዚ ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ድዩ፧ ንኣብነት ምጅማር ናይ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ምጅማር ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ድዩ ዘመልክት፧ ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሳልሳይ ሽሕ ዓመትን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስን ምትሕሓዝ ከም ዘሎ ኣይሕብርን ኢዩ።

የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ዕለት ግምታዊ ሓሳብ ከይህቡ ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቱ “ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን” ብምባል ነገሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠7) የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ ፍርዲ ብምውራድ ነቲ ናይ ክርስቶስ ሽሓዊ ግዝኣት መገዲ ዝጸርገሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ከም ዘይፈልጥ ኣቐድም ኣቢሉ ገሊጹ ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን።”​—⁠ማቴዎስ 24:⁠36

ክርስቶስ ካብቲ ሰብ ኰይኑ እተወልደሉ ልክዕ 2000 ዓመት ጸኒሑ ክምለስ ትጽቢት ክግበረሉስ ምኽንያታዊዶ ኢዩ፧ ኣይኰነን። የሱስ እተወልደላ ዕለት ዝፈልጣ ክኸውን ኣለዎ። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዙ 2000 ዓመት ክቘጽር ከም ዝኽእል እውን ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ዝመጽኣሉ መዓልትን ሰዓትን መዓስ ምዃኑ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። የሱስ ዝምለሰሉ ግዜ ክሳዕ ክንድዚ ብቐሊሉ ዝፍለጥ ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ! ‘ዘመናትን ግዜያትን’ ኣብ ኢድ የሆዋ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ናይ ግዜ መደብ ዝፈልጦ ንሱ በይኑ ኢዩ።

ብተወሳኺ: የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ ሓደ እተወሰነ ጂኦግራፍያዊ ስፍራ ኰይኖም ክጽበይዎ ኣይኣዘዞምን። ኣብ ሓደ ተኣኪቦም ክጽበይዎ ዘይኰነስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ፋሕ ክብሉ እሞ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ኢዩ ኣዚዝዎም። ነዚ ትእዛዝ እዚ ሕጂ እውን እንተዀነ ኣይሰረዞን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8፣ ማቴዎስ 28:⁠19, 20

እቲ ናይ ሽሓዊ ዓመት ተስፋታቶም ክፈሽልዶ ኢዩ፧

ይኹን እምበር ገለ ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ብዛዕባ ዓመት 2000 ዓቢ ትጽቢት ኢዩ ዘለዎም። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሒደት ኣዋርሕ ገለ ክፋል ናይ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ቃል ብቓሉ መፈጸምታ ክህልዎ ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። አረ ኣብቲ ፍጻመ እቲ ብብሕቶም ዝካፈሉ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ንኣብነት ነቲ ኣብ ራእይ 11:⁠3, 7, 8 ዘሎ ትንቢት ይጠቕሱ ኢዮም። እቲ ትንቢት እቲ ብዛዕባ እቶም ክልተ መሰኻኽር ኣብታ “ጐይታኦም እተሰቕለላ: ብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሶዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ” ኰይኖም ከም ዝንበዩ ዝገልጽ ኢዩ። ምስክርነቶም ምስ ወድኡ ኸኣ እቶም ክልተ መሰኻኽር ብሓደ ካብ መዓሙቝ ዝወጸ ጨካን ኣራዊት ተቐትሉ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ናይ 27 ታሕሳስ 1998 ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ማጋዚን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ዝወጸ ጸብጻብ: መራሒ ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ጕጅለ “ንሱ ሓደ ካብቶም ክልተ መሰኻኽር ምዃኑ: ብዛዕባ ጥፍኣት ምድርን ምምጻእ ጐይታን ክእውጅ ከም እተወሰነሉ እሞ ድሕሪኡ ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ብሰይጣን ክቕተል ምዃኑ ንሰዓብቱ ነገሮም።” ሰበ⁠-​ስልጣን እስራኤል ከም እተጨነቑ ርዱእ ኢዩ። ገለ ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ነቲ ትንቢት እቲ ብገዛእ ርእሶም “ንምፍጻም”​—⁠ወተሃደራዊ ምግርጫው ዘለዓዕል እኳ እንተዀነ⁠—​ክፍትኑ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ስግኣት እውን ኣለዎም። ይኹን እምበር ኣምላኽ ዕላምኡ ንምፍጻም ናይ ሰብ “ሓገዝ” ኣየድልዮን ኢዩ። ኵሉ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜን በቲ ናቱ መገድን ኢዩ ዝፍጸም።

ራእይ ዮሃንስ “ብምልክታት” (NW ) ኢያ ተጻሒፋ። ብመሰረት ራእይ 1:⁠1 የሱስ (ንዓለም ብሓፈሻ ዘይኰነስ) “ንባሮቱ” ኢዩ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዝፍጸም እንታይ ምዃኑ ክገልጸሎም ዝደለየ። ባሮት ክርስቶስ ወይ ከኣ ሰዓብቱ ንራእይ ዮሃንስ ምእንቲ ክርድእዋ እቲ የሆዋ ነቶም ባህ ዘብልዎ ዝህቦም መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ የድልዮም። ራእይ ዮሃንስ ቃል ብቓሉ ክትርጐም ትኽእል ነይራ እንተ ትኸውን: እምነት ዘይብሎም ሰባት እውን ኣንቢቦም ምተረድእዋ። ክርስትያናት እውን ንኽርድእዋ ዝሕግዞም መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክወሃቦም ክጽልዩ ኣይመድለዮምን ነይሩ።​—⁠ማቴዎስ 13:⁠10-15

ብመሰረት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መርትዖ: ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ዝቝጸር ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ኣብ ቀውዒ 1999 ከም ዝጅምር: ከምኡውን እታ ዓመት እቲኣ ትኹን 1 ጥሪ 2000 ወይ ከኣ 1 ጥሪ 2001 ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ትርጕም ከም ዘይብሉ ርኢና ኢና። ገና ግን ንክርስትያናት ብሓቂ ዘገድሶም ሽሕ ዓመት ኣሎ። እዚ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት እንተ ዘይኰይኑ ድኣ እሞ ኣየናይ ሽሕ ዓመት ኢዩ ዘገድሰና፧ እዛ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እትዛረብ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶ እዚ ክትምልሶ ኢያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ “2000 ወይስ 2001፧” ዘርእስቱ ሳጹን ርአ።

b ብመሰረት እቲ እዞም ምሁራት እዚኣቶም ዘቕረብዎ መስርዕ ፍጻመታት እቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ኣብ 1995 ወይ 1996 ኢዩ ጀሚሩ።

c ተወሳኺ ዝርዝር ሓሳባት ንምርካብ ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ዝበሃል መጽሓፍ ጥራዝ 1 ገጽ 1094-5 ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

2000 ወይስ 2001፧

ገሊኣቶም ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ዝቝጸር ሳልሳይ ሽሕ ዓመት 1 ጥሪ 2001 ኢዩ ዝጅምር ዝብልሉ ምኽንያት ንኽንርድኦ እዚ ዝስዕብ ኣብነት ንርአ። ምናልባት 200 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ ተንብብ ኣሎኻ ንበል። ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ገጽ 200 ምስ በጻሕካ 199 ገጻት ኣንቢብካ: ሓንቲ ገጽ ድማ ተሪፋትካ ኣላ ማለት ኢዩ። ክሳዕ ኣብ መወዳእታ ገጽ 200 እትበጽሕ ነታ መጽሓፍ ወዲእካያ ኣይበሃልን ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ብመሰረት እቲ ሓፈሻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ኣቈጻጽራ 999 ዓመታት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሽሓዊ መዋእል ዝውዳእ: ካብ 31 ታሕሳስ 1999 ሓደ ዓመት ጸኒሑ ኢዩ። በዚ ኣቈጻጽራ እዚ ኸኣ እቲ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት 1 ጥሪ 2001 ኢዩ ዝጅምር ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ዓንቀጽ እዚ ከም ዝሕብሮ ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ክንቈጽር እንተድኣ ዄንና ኣብቲ ዓመት እቲ ብልክዕ 2000 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ ክበሃል ኣይክኣልን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ቅ.ል.ክ.⁠-​ዓ.ም. ዝበሃል ኣገባብ ኣቈጻጽራ ብኸመይ ከም ዝማዕበለ

ኣብ ፈለማ ናይ ሻድሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ጳጳስ ዮሃንስ ቀዳማይ ንሓደ ድዮኒሰስ ኤክስገስ እተባህለ ፈላሲ ንኣብ​ያተ⁠-​ክርስትያን ወግዓዊ ዕለት ናይ ፋስጋ ከቝማ ክሕግዘን ዝኽእል ኣገባብ ኣቈጻጽራ ከማዕብል ኣዘዞ።

ድዮኒሰስ ክዓዪ ጀመረ። ንድሕሪት ገጹ ብምቝጻር ነቲ የሱስ ዝሞተሉ ግዜ ሓሊፉ ናብቲ የሱስ እተወልደሉ ኢሉ ዝገመቶ ዓመት በጽሐ እሞ ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ንዝሓለፈ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቈጸሮ። ድዮኒሰስ ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ዓመት ንነጀው ዘሎ ግዜ “ዓ.ም.” (ዓመተ ምሕረት​—⁠“ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ”) ኢሉ ሰመዮ። ሓሳብ ድዮኒሰስ ዓመት ዓመት ፋስጋ ንምብዓል ዝሕግዝ ከተኣማምን ዝኽእል ኣቈጻጽራ ንምምሃዝ ጥራይ እኳ እንተ ነበረ: ከይተፈለጦ ግን ካብቲ ክርስቶስ እተወልደሉ ግዜ ጀሚርካ ዓመታት ናይ ምቝጻር ኣምር ኣተኣታተወ።

መብዛሕትኦም ምሁራት: የሱስ ኣብቲ ድዮኒሰስ ንኣቈጻጽርኡ ከም መሰረት እተጠቕመሉ ዓመት ከም ዘይተወልደ ዝሰማምዕሉ እኳ እንተዀኑ: እቲ እተጠቕመሉ ኣገባብ ኣቈጻጽራ ግን ነገራት እተፈጸመሉ ግዜ ንምሕባርን ኣብ ንሓድሕዱ ዘለዎ ርክብ ንምፍላጥን ይሕግዘና ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ