የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዘርኣየኒ ኣምላኽ ኢዩ
ብያኒስ ኣንድሮኒኮስ እተዘንተወ
እዋኑ 1956 ኢዩ ነይሩ። ምስ ተመርዓኹ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልተይ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ግሪኽ: ኣብ ኮሞቲኒ ዝርከብ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ቀረብኩ። እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኸይ እተፈርደኒ ናይ 12 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክለዓለለይ ዝብል ተስፋ ኢዩ ነይሩኒ። እቲ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክእሰር ምስ ወሰነ ግን ዝነበረኒ ተስፋ በኒኑ ጥራይ ዘይኰነስ መጀመርታ ናይቲ ቀጺሉ ዝነበረ ብዙሕ መጋባእያታት ኢዩ ኰይኑ። ኣብዚ ዅሉ ግዜ ግን የሆዋ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዘርእየኒ ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።
ሓደ ጥቅምቲ 1931 ክውለድ ከለኹ ስድራቤተይ ኣብ ከተማ ካቫላ ይነብሩ ነበሩ። ካቫላ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ክገብር ከሎ ከይድዋ ዝነበረ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ቀደም ንያጶሊስ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማ ኢያ። ኣነ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ ኣደይ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት። ምንባብን ምጽሓፍን ዘይትኽእል እኳ እንተ ነበረት: ፍቕሪ ኣምላኽን ንዕኡ ምፍራህን ኣብ ልበይ ንኽትቀርጸለይ ዝከኣላ ዅሉ ጸዓረት። ኣቦይ ነቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ወግዒ ዝስዕብ ኣኽራሪ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ቃል ሓቂ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ኣይነበሮን: ነደይ ከኣ ይጻረራን ብዙሕ ግዜ ይወቕዓን ነበረ።
ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት ኢየ ዓብየ። ኣቦይ ንኣደይ ክሃርማን ክሃስያን: አረ ጠንጢኑና ክኸይድ ከሎ እውን እናርኣኹ ኢየ ዓብየ። ኣደይ ካብ ንእስነተይ ጀሚራ ንዓይን ነታ ንእሽቶ ሓብተይን ሒዛትና ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ትኸይድ ነበረት። እንተዀነ ግን: ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰንኩ ትምኒት ጕብዝናን ርእስኻ ናይ ምፍላይ መንፈስን ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝርሕቕ ገበረኒ። እታ እምንቲ ኣደይ ግን ኣበርቲዓ ጸዓረትለይ: ንዓይ ንምሕጋዝ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ኸኣ ትነብዕ ነበረት።
ብሰንኪ ድኽነትን ዘሕልፎ ዝነበርኩ ብልሽው ናብራን ኣጸቢቐ ሓመምኩ እሞ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ክድቅስ ተገደድኩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ኣዝዩ ትሑት ሓው: ንኣደይ ሓቂ ንኽትማሃር ዝሓገዛ ሓው: ንኣምላኽ ብሓቂ ከም ዘፍቅሮ እተገንዘበ። ብመንፈስ ንኽዕረ ክሕገዝ ከም ዝኽእል ኰይኑ ተሰምዖ። ካልኦት ግን “ንያኒስ ክትሕግዝ ኢልካ ምጽዓር ግዜኻ ምብኻን ኢዩ፣ ፈጺሙ ክዕረ ኣይክእልን ኢዩ” በልዎ። እንተዀነ ግን እዚ ሓው እዚ ዘርኣዮ ትዕግስትን ዘይምሕላልን ፍረ ኣፍረየ። ወዲ 21 ዓመት ምስ ኰንኩ ብ15 ነሓሰ 1952 ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።
ሓድሽ መርዓውን እሱርን
ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሓንቲ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባን ብሉጽ ባህርያትን ዘለዋ ማርታ እትበሃል ሓብቲ ተፋለጥኩ እሞ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ተሓጸኹዋ። ሓደ መዓልቲ ማርታ “ሎሚ ካብ ቤት ናብ ቤት ከገልግል መዲበ ኣለኹ: ምሳይ ክትከይድ ትደሊ ዲኻ፧” ምስ በለትኒ ኣዝየ ሰንበድኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ጥራይ እገብር ብምንባረይ ክሳዕ ማርታ ከምዚ እትብለኒ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣገልጊለ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግሪኽ ዕዮ ስብከት ኣብ ትሕቲ እገዳ ብምንባሩ ስብከት ብሕቡእ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ብዙሕ ማእሰርትን ናይ ቤት ፍርዲ ጕዳያትን ክብድ ዝበለ ፍርድን የጋጥም ነበረ። እንተዀነ ግን ንሕጽይተይ ክኣብያ ኣይከኣልኩን!
ማርታ ብ1956 በዓልቲ ቤተይ ኰነት። ሽዑ ኸኣ ኢዩ: ማለት ምስ ተመርዓኹ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልተይ: እቲ ኣብ ኮሞቲኒ ዝነበረ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክእሰር ዝወሰነ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣቐድም ኣቢለ ንሓንቲ ማሓዝኣ ንኣደይ ዝነበረት ክርስትያን ሓብቲ “ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንኩ ከመይ ገይረ ኢየ ከርኢ ዝኽእል፧ እምነተይ ዘርእየሉ ኵነታት ፈጺሙ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥ” ዝበልክዋ ሓሳብ ትዝ በለኒ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክትበጽሓኒ ምስ መጸት ነታ ሕቶ ኣዘኻኸረትኒ እሞ ቀጺላ ከምዚ በለትኒ:- “ሕጂ ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅሮ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ተራኻ እዚኣ ኢያ።”
ጠበቓይ ብዋሕስ ንኸውጽኣኒ ገንዘብ ክእክብ ምስ ፈተነ: ፍርደይ ወዲአ ክወጽእ ከም ዝደሊ ነገርክዎ። ነቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፍርደይ ወዲአ ክወጽእ ከለኹ ካብቶም ምሳይ ዝነበሩ እሱራት ክልተ ንሓቂ ተቐቢሎም ክርእስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ! ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት ብስራት ብምስባኸይ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረብኩ።
ፈጺምና ዘይንጠዓሰሉ ምርጫታት
ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ ድሕሪ ገለ ዓመታት ብ1959 ናይታ ጉባኤ ኣገልጋሊ ወይ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኰይነ የገልግል ነበርኩ። ኣብቲ ንናይ ጉባኤ ሽማግለታት ዝወሃብ ስልጠና ማለት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክካፈል ተዓደምኩ። ልክዕ ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ናይ ህዝቢ ሆስፒታል ንዓይን ንስድራይን ጽቡቕ ገይሩ ከናብረና ዝኽእል ቀዋሚ ስራሕ ረኸብኩ። ኣየናይ ኢየ ክመርጽ፧ ድሮ ኣብቲ ሆስፒታል ግዝያዊ ስራሕ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጀሚረ ነበርኩ: እቲ ዳይሬክተር ናይቲ ስራሕ ከኣ ብስርሐይ ዓጊቡ ነበረ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ናይ ሽማግለታት ቤት ትምህርቲ ክካፈል ዕድመ ምስ መጸ ዋላ ደሞዝ ዘይክፈሎ ዕረፍቲ ንምውሳድ ኣየፍቀደለይን። ብጸሎት ኣጸቢቐ ምስ ሓሰብኩሉ: ነቲ ናይ ስራሕ ዕድል ብምግዳፍ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከቐድም ወሰንኩ።—ማቴዎስ 6:33
ዳርጋ ኣብዚ ግዜ እዚ ይኸውን ናይ ኣውራጃን ናይ ወረዳን ተዓዘብቲ ንጉባኤና ክበጽሑ መጹ። እቶም ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽትን እቶም ሰበ-ስልጣንን ኣበርቲዖም ይጻረሩና ስለ ዝነበሩ ኣኼባታትና ኣብ ናይ ብሕቲ ገዛውቲ ንገብሮ ነበርና። ሓንቲ ኣኼባ ምስ ገበርና እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ናባይ ቀሪቡ ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓሲበሉ ዝፈልጥ እንተዀይነ ሓተተኒ። ካብ ዝጥመቕ ኣትሒዘ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሕልመይ ስለ ዝነበረ ብዛዕብኡ ሓሳብ ምስ ኣቕረበለይ ልበይ ተተንከፈ። “ኣዝየ ኢየ ዝደሊ” ኢለ መለስኩሉ። እንተዀነ ግን ድሮ ሓንቲ ጓል ናይ ምዕባይ ሓላፍነት እውን ተወሲኹኒ ነበረ። እቲ ሓው “ኣብ የሆዋ ጥራይ ተወከል እምበር ትምኒትካ ክፍጽመልካ ኢዩ” በለኒ። ስለዚ ድማ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ዕሽሽ ከይበልና ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣብ ታሕሳስ 1960 ንኽንጅምር ኵነታትና ኣጣጣእና። ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሓሙሽተ ፍሉያት ፓይነራት ሓደ ብምዃን ከኣ ኣብ ምብራቓዊ መቄዶንያ ከም ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ጀመርኩ።
ንሓደ ዓመት ዝኣክል ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ምስ ኣገልገልኩ: እቲ ኣብ ኣቴንስ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከም ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ዓደመኒ። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ምስ ሰልጠንኩ: ንማርታ ኸኣ ተመክሮታት እናነገርክዋ ከለኹ ዳይሬክተር ናይ ሓደ ዓቢ ትካል ዕደና ማንጋነይዝ: ገዛና መጸ እሞ ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ መጻረዪ ንኽኸውን ዓደመኒ። ናይ ሓሙሽተ ዓመት ኵንትራት: ጸቡቕ ገዛ: ከምኡውን ማኪና ከም ዘዳለወለይ ከኣ ገለጸለይ። ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ መልሲ ክህቦ ድማ ነገረኒ። ሕጂ እውን እንተዀነ ብዘይምውልዋል ናብ የሆዋ ጸለኹ “እኔኹ ልአኸኒ” ኸኣ በልኩ። (ኢሳይያስ 6:8) በዓልቲ ቤተይ ምሉእ ብምሉእ ተሰማምዓትሉ። ኣብ የሆዋ ብምውካል ናይ መገሻ ዕዮ ጀመርና: የሆዋ ድማ ብፍቕራዊ ሕያውነቱ ፈጺሙ ኣይሓደገናን።
ኣብ ግዜ ጽንኩር ኵነታት ምግልጋል
ቍጠባዊ ጸገማት እኳ እንተነበረ: ንቕድሚት ቀጺልና ኢና የሆዋ ኸኣ እቲ ዘድልየና የቕርበልና ነበረ። ኣብ መጀመርታ ነተን ጉባኤታት ንእሽቶ ሞተር ብሽግለታ ገይረ ክሳዕ 500 ኪሎ ሜተር እናተጓዓዝኩ እበጽሐን ነበርኩ። ብዙሕ ግዜ ሽግራት የጋጥመኒ ነበረ: ውሑድ ሓደጋታት እውን ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ክረምቲ ንሓደ ብማይ ዝመልአ ውሕጅ እናተሳገርኩ ከለኹ ሞተር ጠፍአ: ክሳዕ ብርከይ ከኣ ጠልቀኹ። ድሕርዚ ጐማኣ ነፈሰ። መንፍሒ ዝነበሮ ሓላፍ መገዲ ሓገዘኒ እሞ ናብታ ዝቐረበት ቍሸት በጺሐ ነቲ ጐማ ኣዐረኽዎ። ኣብ መወዳእታ ብቝሪ ኸርዲደን ደኺመን ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ገዛ በጻሕኩ።
ካልእ ግዜ ድማ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብታ ሓንቲ ክኸይድ ከለኹ: እታ ሞተር ብሽግለታ ሸተት ኢላ ተገልበጠት እሞ ብብርከይ ወደቕኩ። ስለዚ ኸኣ ስረይ ተቐዳዲዱ ብደም ጠልቀየ። ካልእ ቅያር ስረ ኣይነበረንን: ስለዚ ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣዝዩ ዝገፍሓኒ ስረ ናይ ሓደ ሓው ገይረ ዝርርብ ሃብኩ። ገና ግን እቲ ሓደጋ ነቲ ንየሆዋን ፍቑራት ኣሕዋተይን ከገልግል ዝነበረኒ ባህጊ ከቕህሞ ኣይከኣለን።
ካልእ ግዜ ኣብ ዘጋጠመኒ ሓደጋ ግን ኢደይን ናይ ቅድሚት ኣስናነይን ስለ እተሰብረ ኣዝየ ተሃሰኹ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኢያ እታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትቕመጥ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነት ሓብተይ ዝበጽሓትኒ። ብናታ ሓገዝ ማኪና ምስ ገዛእኩ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢየ ዝረኸብኩ! እቶም ኣብ ናይ ኣቴንስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ሓደጋ ምስ ሰምዑ: ዘጸናንዕ ደብዳበ ልኣኹለይ። ካብቲ ዝጸሓፉለይ ነገራት እተን ‘ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ: ኵሉ ንሰናይ ከም ዝድግፎም ንፈልጥ ኢና’ ዝብላ ኣብ ሮሜ 8:28 ዘለዋ ቃላት ይርከበን። እዚ መረጋገጺ እዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ኵነታተይ ሓቂ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ!
ደስ ዘብል ኣጋጣሚ
ብ1963 ምስ ሓደ ፍሉይ ፓይነር ኣብ ሓንቲ ተጻረርቲ ሰባት ዘለዉዋ ቍሸት ንሰብኽ ነበርና። ነፍሲ ወከፍና ናይ ሓደ ጐደና ወገን ብምውሳድ በበይንና ከነገልግል ወሰንና። ኣብ ሓደ ገዛ ነቲ ማዕጾ ክዅሕኵሕን ሓንቲ ሰበይቲ ወጺኣ ስሒባ ከተእትወንን ሓደ ኰነ። ነቲ ማዕጾ ኸኣ ብድሕረይ ሰገጠቶ። በቲ ኵነታት ተገሪመ ቀባሕባሕ በልኩ። ድሕርዚ ጽንሕ ኢላ ነቲ ፍሉይ ፓይነር እውን ተቐላጢፋ ኣብቲ ገዛ ኣእተወቶ። ድሕርዚ እታ ሰበይቲ “ስቕ በሉ! ካብ ዘለኹሞ ከይትንቀሳቐሱ!” በለትና። ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ ናይ ብዙሓት ሰባት ዋዕዋዕታ ሰማዕና። ንዓና ኸኣ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። እቲ ኵነታት ዝሕል ምስ በለ እታ ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ነገረትና:- “ከድሕነኩም ኢለ ኢየ ከምዚ ገይረ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃንኩም ስለ ዝኣምን አኽብረኩም ኢየ።” ካብ ልቢ ኣመስጊንና ካብኣ ተፈለና: ብዙሕ ጽሑፋት ድማ ገደፍናላ።
ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ግሪኽ ናይ ወረዳ ኣኼባ ክካፈል ከለኹ: ሓንቲ ሰበይቲ መጺኣ “ሓውና: ትዝክረንዶ፧ ክትምስክሩ ናብ ቍሸትና ምስ መጻእኩም ካብቶም ተጻረርቲ ዘዕቆብኩኹም ሰበይቲ ኢየ” በለትኒ። ንጀርመን ተሰዲዳ: ኣብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ: ምስ ህዝቢ የሆዋ ሓበረት። ሕጂ ብምልኦም ስድራቤታ ኣብ ሓቂ ኣለዉ።
ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ብዙሕ ‘ዘማዕቊበና ደብዳበታት’ ብምርካብ ተባሪኽና ኢና። (2 ቈረንቶስ 3:1) ካብቶም ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽረኽቡ ዝሓገዝናዮም መብዛሕትኦም ከም ሽማግለታት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ከምኡውን ፓይነራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣብቲ ብ1960ታት ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ወረዳታት ዝነበሩ ኣሕዋት ካብ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ናብ ልዕሊ 10,000 ክበጽሑ ምርኣይ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! እዚ ዅሉ ክርከብ እተኻእለ ሳላ እቲ ፍቕራዊ ሕያውነት ዝመልኦ: ንዓና ኸኣ በቲ ናቱ መገዲ እተጠቐመልና ኣምላኽና ኢዩ።
‘ኣብ መደቀሲ ድናሰ’
ኣብቲ ከም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኴንና ዘገልገልናሉ ዓመታት ማርታ ኵሉ ግዜ ሕጕስቲ: ብልጽቲ ደጋፊት ምዃና ኣረጋጊጻ ኢያ። ብጥቅምቲ 1976 ግን ኣዝያ ሓመመት እሞ ከቢድ መጥባሕቲ ገበረት። ካብ ማዓንጥኣ ንታሕቲ ስለ ዝለመሰት ድማ ብብሽግለታ ስንኩላን ጥራይ እትንቀሳቐስ ኰነት። ነቲ ናይ ሕክምና ወጻኢታትን ናይ ስምዒት ምንዋጽን ብኸመይ ኢና ክንዋጽኣሉ እንኽእል፧ ሕጂ እውን እንደገና ኣብ የሆዋ ብምውካል ነታ ፈቃርን ለጋስን ኢዱ ርኢናያ ኢና። ኣብ መቄዶንያ ከገልግል ምስ ከድኩ ማርታ ቴራፒ ዝበሃል ብምድራዝ ዝግበር ዓይነት ሕክምና ንኽትገብር ኣብ ኣቴንስ ኣብ እንዳ ሓደ ሓው ጸንሐት። ስልኪ ደዊላ ኸኣ “ድሓን ኢየ: ስራሕካ ጥራይ ቀጽል: ክንቀሳቐስ ምስ ጀመርኩ ብብሽግለታ ስንኩላን ገይረ ከሰንየካ ኢየ” ዝብል ዘጸናንዕ ቃላት ተስማዓኒ ነበረት። ልክዕ ከምኡ ኸኣ ገበረት። ኣብ ቤትኤል ዝነበሩ ፈቃራት ኣሕዋትና ዘጸናንዕ ብዙሕ ደብዳበታት ይልእኹልና ነበሩ። ማርታ ነተን ኣብ መዝሙር 41:3 ዘለዋ “ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ: እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ” ዝብላ ቃላት ንኽትዝክረን ብተደጋጋሚ ትሕገዝ ነበረት።
ብምኽንያት እዚ ከቢድ ናይ ጥዕና ግድላት ብ1986 ኣብ ካቫላ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ተወሰነ። ኣብ ጥቓ ስድራቤት ፍቕርቲ ጓልና ኸኣ እነብር ነበርኩ። ዝሓለፈ መጋቢት እታ ዘፍቅራ ማርታ ክሳዕ መወዳእታ እምንቲ ኰይና ዓረፈት። ቅድሚ ሙማታ ኣሕዋት “ከመይ ኣሎኺ፧” ኢሎም ክሓትዋ ኸለዉ ኸኣ ብዙሕ ግዜ “ናብ የሆዋ ኣዝየ ስለ ዝቐረብኩ: ጽቡቕ ኣለኹ!” ብምባል ትምልሰሎም ነበረት። ንኣኼባታት ክንዳሎ ኸሎና ወይ ኣብቲ ብዙሕ ፍረ ዘለዎ ቦታታት ኬድካ ንምግልጋል ዕድመ ክቐርብ ከሎ ማርታ “ጆን: ናብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮ ኬድና ነገልግል” ትብለኒ ነበረት። እቲ ዝነበራ ቅንኢ ዝመልኦ መንፈስ ፈጺሙ ጠፊኡ ኣይፈልጥን ኢዩ።
ገለ ዓመታት ይገብር ኣነ እውን ንዘጋጠመኒ ከቢድ ናይ ጥዕና ግድል ክዋጽኣሉ ነበረኒ። ብመጋቢት 1994 ንህይወተይ ዘስግእ ሕማም ልቢ ከም ዘሎኒ: መጥባሕቲ ምግባር ከኣ ናይ ግድን ምዃኑ ተነግረኒ። ሕጂ እውን እንተዀነ እንደገና ኣብዚ ጽንኩር እዋን የሆዋ በታ ፈቃር ኢዱ ክድግፈኒ ርእየ ኢየ። ነቲ ካብቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሉ ቦታ ምስ ወጻእኩ ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብ ጐድኒ ዓራተይ ኰይኑ ዝጸለዮ ጸሎት: ከምኡውን ነቲ ኣብ ናይ ሆስፒታል መደቀስየይ ኰይነ ምስ ኣርባዕተ ንሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኰይነ ዝመራሕክዎ ናይ ድራር ጐይታ በዓል ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ።
የሆዋ ደጋፊና ኢዩ
ግዜ ቀልጢፉ ይሓልፍ ስጋና ኸኣ ይደክም: መንፈስና ግን ብመጽናዕትን ኣገልግሎትን ይሕደስ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:16) ካብቲ “እኔኹ ልአኸኒ” ዝበልኩሉ ግዜ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ 39 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ምሉእን ዘሐጕስን በረኸት ዘለዎን ህይወት ኢዩ። እወ: ሓድሓደ ግዜ “ሽጉርን መስኪንን” ዝዀንኩ ኰይኑ ይስምዓኒ ኢዩ: ደሓር ግን ኣብ የሆዋ ብምትእምማን “ረዳእየይን መናገፍየይን” ኢኻ እብል። (መዝሙር 40:17) ብሓቂ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዘርኣየኒ ኣምላኽ ኢዩ ኰይኑኒ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ብ1956 ምስ ማርታ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ካቫላ ዝርከብ መርሳ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብ1997 ምስ ማርታ