ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/11 ገጽ 28-29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ምሃብ፡ ምድማጽ፡ ከምኡውን ሲቭላዊ ኣገልግሎት
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • “ካብ ዓለም ኣይኰኑን”
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ጽቡቕ ውሳነ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/11 ገጽ 28-29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድማጽ ብኸመይ ኢዮም ዝምል​ከትዎ፧

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ግቡእ ኣረኣእያ ንኽሕዙ ዘኽእሎም ንጹር መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ይኹን እምበር: ምድማጽ ዘየፍቅድ መሰረታዊ ስርዓት ኣሎ ምባል ዘይመስል ነገር ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ዳይረክተራት ቦርድ ንትካሎም ዝምልከት ኣብ ውሳነታት ንምብጻሕ ድምጺ ክህቡ የብሎምን ንምባል ዘኽእል ምኽንያት የለን። ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ንዝግበረሉ ግዜን ኣወዓዕላ ገንዘብ ጉባኤን ዝምልከት: ኣእዳውካ ሓፍ እናበልካ ብዝግበር ድምጺ ኢየን ወትሩ ዝውስና።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ዝግበር ምድማጽከ እንታይ ኢዩ ዝብሃሎ፧ ኣብ ገለ ደሞክራስያውያን ሃገራት ኣብ እዋን ምርጫ 50 ሚእታዊ ካብቲ ህዝቢ ከም ዘየድምጽ ሓቂ ኢዩ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ርኤና ኸኣ ነቲ ካልኦት ንኸድምጹ ዘለዎም መሰል የኽብሩሎም ኢዮም፣ ኣንጻር ፖለቲካዊ ምርጫታት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ጐስጓስ ኣየካይዱን ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ምርጫታት ንዝዕወቱ ሰበ-ስልጣን የኽብርዎምን ይተሓባበርዎምን ኢዮም። (ሮሜ 13:⁠1-7) ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ምርጫ ንዝወዳደር ሰብ ንምድጋፍ ከድምጽ ድዩ ኣይከድምጽን ዝውስን ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተገርሐ ሕልንኡ ከምኡውን ኣብቲ ንኣምላኽን ንመንግስትን ዘለዎ ግዴታ ምርድኡ እተመርኰሰ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:⁠21፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠16) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዝምልከት ብሕታዊ ውሳነ ንምግባር ሓያለይ ረቛሒታት ኢዮም ኣብ ግምት ዘእትዉ።

ቀዳማይ: የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ብምባል ተዛረበ። (ዮሃንስ 17:⁠14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ። ‘ካብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ’ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም ገለልተኛታት ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 18:⁠36

ካልኣይ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ህዝብታት “ኣምባሳደር” ክርስቶስ ኰይኑ ይመላለስ ከም ዝነበረ ገይሩ ንገዛእ ርእሱ ገሊጽዋ ኣሎ። (ኤፌሶን 6:⁠20፣ 2 ቈረንቶስ 5:⁠20 NW ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር የሱስ ክርስቶስ ሕጂ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምኑ ኢዮም: ልክዕ ከም ኣምባሳደራት ከኣ ንህዝብታት እዚ ክእውጅሎም ይግባእ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ ራእይ 11:⁠15) ኣምባሳደራት ገለልተኛታት ክዀኑን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት እተን ዝልኣኹለን ሃገራት ኢዶም ካብ ምእታው ድማ ክቝጠቡን ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሎም። ከም ወኪላት እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እተን ዝነብሩለን ሃገራት ኢዶም ከየእትዉ ይግደዱ ኢዮም።

ኣብ ግምት ዝኣቱ ሳልሳይ ረቛሒ ኸኣ እቶም ሓደ ሰብ ኣብ ስልጣን ንኽድይብ ናይ ደገፍ ድምጺ ዝሃቡ ውልቀ-​ሰባት: እቲ ስልጣን ዝረኸበ ኣካል ብዝገብሮ ነገራት ተሓተትቲ ኢዮም። (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠22 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ኣረኣእዮ።) ክርስትያናት ነዚ ሓላፍነት እዚ ክስከሙ ይደልዩ ድዮም ኣይደልዩን ብጥንቃቕ ክሓስብሉ ኣለዎም።

ራብዓይ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንክርስትያናዊ ሓድነቶም ብኽብሪ ኢዮም ዝርእይዎ። (ቈሎሴ 3:⁠14 NW ) ሃይማኖታት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢደን ከእትዋ ኸለዋ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ ኣባላተን ምፍልላይ ኢዩ ዝስዕብ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሱስ ክርስቶስ ብምቕዳሕ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዶም ካብ ምእታው ይቝጠቡ: ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ክርስትያናዊ ሓድነቶም ይዕቅቡ።​—⁠ማቴዎስ 12:⁠25፣ ዮሃንስ 6:⁠15፣ 18:⁠36, 37

ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን ድማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ምዃኖም: ነቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብቶም እተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጽ ዘለዎም ሰባት ከይተሰከፉ ንኸብጽሕዎ ትብዓት ይህቦም።​—⁠እብራውያን 10:⁠35

ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫታት ንኸየድምጹ ብሕታዊ ውሳነ ይገብሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክገብሩ ኸኣ እቲ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ሕጊ ይድግፎም ኢዩ። ዜጋታት ከድምጹ ዝእዝዝ ሕጊ እንተ ሃለወኸ እንታይ ይኹን፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክመጽእ ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ምስክር ነቲ ዅነታት ብኸመይ ክገጥሞ ከም ዘሎዎ ሕልንኡ ዘፍቅደሉን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን ውሳነ ክገብር ሓላፍነት ኣለዎ። ሓደ ሰብ ኣብቲ መድመጺ ነቝጣ ክርከብ እንተድኣ ወሲኑ: እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ኢዩ። ኣብታ መድመጺት ክፍሊ ኣትዩ እንታይ ይገብር ኣብ መንጕኡን ኣብ መንጎ ፈጣርን ዝተርፍ ጕዳይ ኢዩ።።

ናይ 15 ሕዳር 1950 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 445 ከምኡውን 446 (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለት:- “ኣብቲ ቄሳር ዜጋታት ንኸድምጹ ዘገድደሉ ሃገራት . . . [መሰኻኽር] ናብቲ መድመጺ ነቝጣ ክኸዱን ናብታ መድመጺት ክፍሊ ክኣትዉን ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ቦታ እዚ ግን ኣቕዋሞም እንታይ ምዃኑ ኣብታ መድመጺት ወረቐት ከመልክቱ ወይ ክጽሕፉ ኣለዎም። እቶም ኣድመጽቲ ነታ መድመጺት ወረቐቶም እንታይ ክገብርዋ ከም ዘለዎም ዝውስኑ ባዕሎም ኢዮም። ኣብዚ ደረጃ እዚ እምበኣር ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምስምማዕን ብመሰረት እምነቶምን ኣብ ቅድሚኡ ውሳነ ክገብሩ ዝግብኦም። ነታ መድመጺት ወረቐት እንታይ ክገብሩዋ ከም ዘለዎም መምርሒ ክንህብ ሓላፍነት የብልናን።”

ሓደ ዘይኣምን በዓል ቤት ነታ ክርስትያን ሰበይቱ ናብቲ መድመጺ ነቝጣ ክትከይድ ግዲ እንተ በላኸ፧ ከምቲ ክርስትያናት ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝግዝኡ ንሳውን ንበዓል ቤታ ትእዘዞ ኢያ። (ኤፌሶን 5:⁠22፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠13-17) ንበዓል ቤታ ብምእዛዝ ናብቲ መድመጺ ነቝጣ እንተ ኸይዳ: እዚ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ክወቕሳ ኣይግባእን።​—⁠ምስ ሮሜ 14:⁠4 ኣረኣእዮ።

እቲ እትነብረሉ ሃገር ብሕጊ ንኸተድምጽ ዘይትግደደሉ ክነስኻ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ መድመጺ ነቝጣ ዘይከዱ ሰባት ግን ስምዒት ህዝቢ ዝግንፍለሉን ምናልባትውን ንኣካላዊ ማህሰይቲ እትቃልዓሉን ምስ ዝኸውንከ እንታይ ይገበር፧ ወይ ከኣ ከድምጹ ሕጊ ዘይግድዶም ክነሱ ናብ መድመጺ ነቝጣ ብዘይምኻዶም ግን ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት ብገለ መልክዕ ከቢድ መቕጻዕቲ ምስ ዝወርድከ፧ ኣብ ከምዝን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ኵነታት: ሓደ ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ኢዩ ክገብር ዘለዎ። “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።”​—⁠ገላትያ 6:⁠5

ሓድሓደ ሰባት ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝግበር ምርጫ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ መድመጺ ነቝጣ ከም ዝኸዱ ገሊኦም ግን ከም ዘይከዱ ምስ ዝዕዘቡ ይዕንቀፉ ይዀኑ። ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር መትከል የብሎምን’ ይብሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሕልና ውልቀ-ሰባት ዝምልከት ግዳያት: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብብሕቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ውሳነ ክገብር ከም ዘለዎ ሰባት ክግንዘቡ ይግባእ።​—⁠ሮሜ 14:⁠12

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ ኵነታት ኣጋጢምዎም ብሕታዊ ውሳነ ክገብሩ ከለዉ: ክርስትያናዊ ገለልትነቶምን ነቲ ብዘይ ገለ ስክፍታ ክዛረቡ ዘኽእሎም ትብዓትን ክዕቅቡ ኢዮም ዝጽዕሩ። የሆዋ ምእንቲ ከበርትዖም: ጥበብ ክህቦም: ከምኡውን ብዝዀነ ይኹን መልክዕ ኸይለማመጡ ምእንቲ ክሕግዞም ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኣብኡ ኢዮም ዝውከሉ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ኣብቲ “እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ: ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እምንቶ ዘሕድሩ።​—⁠መዝሙር 31:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ