መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ናይ ግዜና ኣድለይቲ ሕቶታት መልሲ ይህብ
መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና ዝኸውንዶ ኢዩ፧ ናይዚ መልሲ እወ ንኽኸውን: እዚ ጥንታዊ መጽሓፍ እዚ ንኣንበብቱ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ዘገድስ ኣርእስትታት መምርሒ ዝህብን ምስዚ ግዜና ዝዛመድን ክኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ዝለዓል ብዙሕ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣርእስትታት ዝኸውን ጠቓሚ ምኽሪ ይህብዶ ኢዩ፧
ንኽልተ እዋናውያን ሕቶታት እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ እንታይ ከም ዝብል ድማ ንመርምር።
ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧
ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵነታት ብምምልካት: ሓደ ካብቲ ብብዝሒ ዝሕተት ሕቶ ከምዚ ዝብል ኢዩ:- ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ክሳቐዩ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብኸቢድ ገበን: ብብልሽውና: ብጃምላዊ ቅትለት: ብብሕቲ ብዘጋጥም ዘሕዝን ፍጻመ: ከምኡውን ብኻልእ ነገራት ዝትንከፉ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ እዚ ሕቶ እዚ ምኽንያታዊ ኢዩ።
ንኣብነት: ኣብ ሰነ 1998 ሓንቲ ቅልጥፍቲ ባቡር ምስ ሓደ ኣብ ሰሜናዊ ጀርመን ዝርከብ ድንድል ተጋጨወት: ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ተጓዓዝቲ ድማ ሞቱ። ነቶም ቁሱላትን ምዉታትን ዝኣልይዎም ዝነበሩ ተመክሮ ዘለዎም ሰብ ሞያ ሕክምናን መጥፋእቲ ሓውን እውን ከይተረፉ በቲ ዝረኣይዎ ህልቂት ሰምቢዶም ኢዮም። ሓደ ናይ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡን “ኣታ ኣምላኽ: እዚ ንምንታይ ኰነ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ ኣቡን ንባዕሉውን መልሲ ኣይሃበሉን።
ንጹሃት ሰባት ምኽንያት መምጽኢኡ ዘይተገልጸ እከይ ምስ ዘጋጥሞም: ሓድሓደ ግዜ ከም ዝምረሩ ካብ ተመክሮ ተራእዩ ኢዩ። ኣብዚ ኢዩ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዝ ዝኽእል: ከመይሲ ንጹሃት ሰባት ናብ እከይን ስቓይን ዝቃልዑ ስለምንታይ ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ።
የሆዋ ኣምላኽ ንምድርን ኣብኣ ንዝርከብ ኵሉ ነገራትን ክፈጥር ከሎ: ደቅሰብ ብእከይን ስቓይን ክሽገሩ ኢሉ ኣይሓሰበን። ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ምኽንያቱ ፈጢሩ ምስ ወድአ “ኣምላኽ . . . ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ።” (ዘፍጥረት 1:31) ንገዛእ ርእስኻ እስከ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ሓደ እከይ ነገር እንተ ዝርኢ ነይረ “ብዙሕ ጽቡቕ” ኢዩ ምበልኩዶ፧’ ከም ዘይትብል እተረጋገጸ ኢዩ! ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ንዅሉ “ብዙሕ ጽቡቕ” ኰነ ክብል ከሎ ኣብ ምድሪ ኣሰር እከይ ኣይነበረን። ስለዚ መዓስን ኣበይን ደኣ ኢዩ እከይ ዝጀመረ፧
እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ምስ ተፈጥሩ ብዙሕ ከይጸንሐ ሓደ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ናብታ ሰበይቲ ቀሪቡ ንናይ የሆዋ ሓቅነትን ንናይ ሉዓላውነቱ መሰልን ብድሆ ኣቕረበሉ። (ዘፍጥረት 3:1-5) እዚ ፍጡር እዚ ማለት ሰይጣን ድያብሎስ ገለ ግዜ ጸኒሑ ሰባት ጸገም እንተድኣ ኣጋጢምዎም ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ከም ዘይቅጽሉ ተዛረበ። (እዮብ 2:1-5) የሆዋ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ገበረ፧ ደቅሰብ ካብኡ ተፈልዮም ስጕምቶም ከቕንዑ ከም ዘይክእሉ ንጹር ምእንቲ ክኸውን ግዜ ክሓልፍ ፈቐደ። (ኤርምያስ 10:23) ፍጥረታት ኣንጻር ሕጋጋትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምስ ዝኸዱ ይሓጥኡ: እዚ ኸኣ ጐዳኢ ሳዕቤን የምጽእ። (መክብብ 8:9፣ 1 ዮሃንስ 3:4) የሆዋ ግን እዚ ኣጸጋሚ ኵነታት እዚ ከሎ እውን ገለ ሰባት ንጽህንኦም ከም ዝሕልዉ ፈለጠ።
ካብቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመ መዓት ዘምጽአ ዕልወት ንነጀው ገለ 6,000 ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ድዩ፧ የሆዋ ንሰይጣንን ደገፍቱን ቅድሚ ዘበናት ከጥፍኦም ይኽእል ነይሩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ መሰል ሉዓላውነት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ደቅሰብ ኣብ ቅድሚኡ ዘርእይዎ ምሕላው ንጽህናን ክሕሰብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ክሳዕ ዝውገድ እንተ ዝጸንሕዶ ኣይምሓሸን፧ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ቤት ፍርዲ ንሓደ ጕዳይ ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይ ጌጋ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዓመታት ክወስድ ዝኽእልዶ ከይኰነ፧
ኣድላይነት ናይቲ ንየሆዋን ንደቅሰብን: ማለት ንኣድማሳዊ ሉዓላውነትን ንንጽህና ደቅሰብን: ዘጋጠመ ብድሆ ኣብ ግምት ብምእታው ኣምላኽ ግዜ ክሓልፍ ምፍቃዱስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ጥበብ ኰን ኢዩ! ሕጂ ደቅሰብ ንሕጋጋት ኣምላኽ ገዲፎም ንጕዳያቶም ባዕሎም ክቈጻጸሩ ኸለዉ እንታይ ከም ዘምጽእ ብንጹር ርኢናዮ ኢና። ፍሪኡ እከይ ከም ዘስፋሕፍሕ ኢዩ ገይሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሎሚ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ዝሳቐዩ ዘለዉ።
እቲ ዘሐጕስ ግን: ቃል ኣምላኽ እከይ ንዘለኣለም ከም ዘይቅጽል ይሕብረና ኢዩ። አረ ኣብዚ ቀረባ ግዜ የሆዋ ንእከይን ነቶም እከይ ዝገብሩን ከጥፍእ ኢዩ። ምሳሌ 2:22 “ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ትብለና። በቲ ሓደ ሸነኽ: እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት እቲ ‘ድሕሪ ደጊም ሞት: ሓዘን: ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ዘይኰነሉ’ ግዜ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክመጽእ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።—ራእይ 21:4
ስለዚ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ንጹሃት ሰባት ስለምንታይ ስቓይ ከም ዘጋጥሞም ብንጹር ይገልጽ ኢዩ። ብተወሳኺውን: እከይን ስቓይን ድሕሪ ሓጺር እዋን መወዳእታ ክግበረሉ ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ህይወት ጸገማት ምስ እንርኢ: ንኻልእ ኣገዳሲ ሕቶ መልሲ ክንህበሉ ከድልየና ኢዩ።
ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧
ምናልባት ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ: ሎሚ ሰባት ዕላማ ናይ ህይወት ንምርካብ ይጽዕሩ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ንገዛእ ርእሶም: ‘ስለምንታይ ኢየ ዝነብር ዘለኹ፧ ንህይወተይ ትርጕም ክረኽበላ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧’ ኢሎም ይሓቱ። እተፈላለየ ኵነታት ነዚ ሕቶታት እዚ ንኽሓቱ ይደፋፍኦም።
ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ህይወት ብዘጋጥሞ ዘሕዝን ፍጻመታት እተበላሸወት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ 1998 ሓንቲ ኣብ ባቫርያ: ጀርመን: እትነብር ጓል 12 ዓመት ተጨውያ ተወስደት እሞ ተቐትለት። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣዲኣ ዕላማ ህይወት ንምርካብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከም እትጽዕር እንተዀነ ግን ዝረብሕ መልሲ ከም ዘይረኸበት ገለጸት። ገለ መንእሰያት ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ንኽሓስቡ ይድረኹ ኢዮም። ድሕንነት: ዕግበት: ከምኡውን ዕቝባ ክረኽቡ ይደልዩ: እንተዀነ ግን ብሰንኪ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግብዝናን ብልሽውናን ተስፋ ኢዮም ዝቘርጹ። ካልኦት ውልቀ-ሰባት ንሞያኦም ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ይህብዎ: ይኹን እምበር እቲ ዝረኽብዎ ስልጣን: ዝና: ከምኡውን ንብረት ነቲ ብውሽጦም ሃረር ዝብልዎ ትርጕም ናይ ምንባር ዘየዕግብ ኰይኑ ይረኽብዎ።
ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ንኽሓትት ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ እዛ ሕቶ እዚኣ ዓሚቝን ዘዕግብን መልሲ ክትረክብ ኣለዋ። ሕጂውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንየሆዋ ከም ናይ ዕላማ ኣምላኽ ማለት ንዝገብሮ ዅሉ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ገይሩ ይገልጾ። ንገዛእ ርእስና: ‘ብዘይዕላማ ቤት ምሃነጽኩዶ፧’ ኢልና ንሕተት። ከም ዘይንገብሮ እተፈልጠ ኢዩ: ከመይሲ ቤት ምህናጽ ብዙሕ ናይ ገንዘብ ወፍሪ ዘድልዮን ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዝወስድን ኢዩ። ንሓደ ቤት እትሃንጾ ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ንኽነብሮ ኢልካ ኢኻ። ብዛዕባ የሆዋ እውን ተመሳሳሊ ምርዳእ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ንምድርን ኣብኣ ንዝነብሩን ዝፈጠረ ብዘይምኽንያት ወይ ብዘይዕላማ ኣይኰነን። (ምስ እብራውያን 3:4 ኣረኣእዮ።) እሞ ድኣ ንምድሪ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ፈጢርዋ፧
ትንቢት ኢሳይያስ ንየሆዋ “ንሱ ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን” ብምባል ይገልጾ። ብርግጽ: ንሱ “ንምድሪ . . . ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ኢዩ። (ኢሳይያስ 45:18) እወ: ምድሪ ካብ እትፍጠር ኣትሒዛ ዕላማ የሆዋ ተቐማጦ ክህልዉዋ ኢዩ። መዝሙር 115:16 “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም: ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” ትብለና። ስለዚ: የሆዋ ንምድሪ ዝፈጠራ ብዝከናኸንዋ እዙዛት ሰባት ክትመልእ ኢሉ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ።—ዘፍጥረት 1:27, 28
እቲ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዕልወት የሆዋ ዕላምኡ ከም ዝቕይር ገይርዎዶ ኢዩ፧ ኣይገበሮን። ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ነዚ ነጥቢ እዚ እስከ ሕሰበሉ:- መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገነት ኤደን ዕልወት ምስ ተፈጸመ ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ ተጻሒፉ። ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላምኡ ሓዲግዎ እንተድኣ ዀይኑ ስለምንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠቕሰ፧ ንምድርን ንደቅሰብን ዝነበሮ ዕላማ ከም ዘይተቐየረ ርግጸኛታት ኴንና ክንድምድም ንኽእል ኢና።
ብተወሳኺውን: ዕላማ የሆዋ ፈጺሙ ኣይፈሽልን ኢዩ። ኣምላኽ ብኢሳይያስ ኣቢሉ እዚ መረጋገጺ እዚ ሃበ:- “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ: ከም ዜፍርን ከም ዜብቍልን ከኣ ከይገበሮ: ዘርኢ ንዘራኢ: ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ: ንድሕሪት ከም ዘይምለስ: እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።”—ኢሳይያስ 55:10, 11
ኣምላኽ ከነማልኦ ዝጽበየና ነገር
እምበኣር እቲ ምድሪ ንዘለኣለም ብእዙዛት ደቅሰብ ብዛዕባ ምምላእ ዝምልከት ዕላማ ኣምላኽ ፍጻሜኡ ከም ዝረክብ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ዘለዎም ሰባት ክንከውን እንተድኣ ዄንና ነቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ዝበሎ ቓላት ክንፍጽም ኣሎና:- “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክብብ 12:13፣ ዮሃንስ 17:3
ምስቲ የሆዋ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ተሰማሚዕካ ምኻድ: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምፍላጥን ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ብቕዓታቱ ተሰማሚዕካ ምንባርን ማለት ኢዩ። ሕጂ ከምዚ እንተድኣ ገይርና: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ክህልወና ኢዩ። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽን ዘደንቕ ፍጥረታቱን ንሓዋሩ ክንማሃር ኢና። (ሉቃስ 23:43) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል ተስፋ ኰን ኢዩ!
ብዙሓት ናይ ህይወት ዕላማ ክረኽቡ ዝደለዩ ሰባት ቈላሕትኦም ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ኢዮም: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ዓቢ ሓጐስ ኣለዎም። ንኣብነት ሓደ ኣልፍረት ዝበሃል መንእሰይ ንህይወት ትርጕም ስኢኑላ ነበረ። ሃይማኖት ኣብ ውግእ ብምክፋሉ የፈንፍኖ ነበረ: ከምኡውን ኣብ ፖለቲካ ዘሎ ግብዝናን ብልሽውናን የጕህዮ ነበረ። ኣልፍረት ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ፍልጠት እንተ ረኸበ ኢሉ ናብቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ህንዳውያን ከደ: እንተዀነ ግን ቀቢጹ ናብ ኣውሮጳ ተመልሰ። ተስፋ ምስ ቈረጸ ናብ ሓሽሽን ጠገለ ዘይብሉ ሙዚቃን ተጸግዐ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜ ስርዓታዊ ኰይኑ ብጥንቃቐ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምስ ገበረ ሓቀኛ ዕላማ ህይወት ንኽፈልጥን ዕግበት ንኽረክብን ሓጊዝዎ ኢዩ።
ንመገድና ትውክልቲ ክንገብረሉ እንኽእል ብርሃን
እሞ ድኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢልና ክንድምድም ንኽእል፧ ምስዚ ግዜና ይዛመድዶ ኢዩ፧ ብርግጽ ይዛመድ ኢዩ: ከመይሲ ብዛዕባ እዋናዊ ሕቶታት መምርሒ ይህብ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንእከይ ዘምጽኦ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ይገልጸልና: ኣብ ህይወትና ኸኣ ዘዕግብ ዕላማ ንኽንረክብ ይሕግዘና። ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕጂ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎም ጕዳያት ብዙሕ ዝብሎ ኣለዎ። ከም መርዓ: ኣተዓባብያ ቈልዑ: ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ: ከምኡውን ምዉታት ዘለዎም ተስፋ ዝኣመሰለ ኣርእስትታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ይርከብ ኢዩ።
ንመጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሕጂ ዘይመርመርካዮ እንተድኣ ዄንካ: በጃኻ ሕጂ ንትሕዝቶኡ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ዋጋ ናይቲ ሒዝዎ ዘሎ ንህይወት ዝኸውን መምርሒታት ምስ ፈለጥካዮ: ልክዕ ከምቲ ካብ የሆዋ ኣምላኽ መምርሒታት ዝጽበ ዝነበረን “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ኢሉ ዝዘመረን ጸሓፍ መዝሙር ክስምዓካ ኢዩ።—መዝሙር 119:105
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኣምላኽ ንጹሃት ክሳቐዩ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ትፈልጦዶ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ዕላማ ዘለዎ ህይወት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ