ኣንበብቲ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተሓጐሱ
“እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። ”—ራእይ 1:3
1. ሃዋርያ ዮሃንስ ንራእይ ክጽሕፋ ኸሎ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ነበረ: እዚ ራእያት እዚኸ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ እተጻሕፈ፧
“ኣነ ዮሃንስ . . . ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ።” (ራእይ 1:9) ሃዋርያ ዮሃንስ ንመጽሓፍ ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ ክጽሕፋ ኸሎ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ነበረ። ብግዜ እቲ ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ክግበር ዘገድድን ንክርስትያናት ዘሳድድን ዝነበረ ሮማዊ ሃጸይ ዶሚሽያን (81-96 ከ.ኣ.ዘ.) ኣብ ጳጥሞስ ተሓይሩ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብ ጳጥሞስ ከሎ ተኸታታሊ ራእያት ተቐበለ እሞ ኣብ ጽሑፍ ኣስፈሮ። እዚ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዘዘንተወሎም ክፈርሁ ኢሉ ዘይኰነስ: ነቲ ዘሕልፍዎ ዝነበሩን ነቲ ክመጽእ ዝነበሮን ፈተናታት ኣብ ግምት ብምእታው ንኽበራትዑ: ንኽጸናንዑ: ከምኡውን ንኸተባብዑ ኢሉ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:22፣ ራእይ 1:4፣ 2:3, 9, 10, 13
2. እቲ ዮሃንስን ክርስትያናት ብጾቱን ዝነበርዎ ኵነታት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዘገድሶም ስለምንታይ ኢዩ፧
2 እዛ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ክትጸሓፍ ከላ ዝነበረ ኵነታት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣዝዩ የገድሶም ኢዩ። ዮሃንስ ናይ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ምስክር ስለ ዝነበረ መስጐጕቲ ይወርዶ ነበረ። ንሱን ክርስትያናት ብጾቱን ዝንኣዱ ዜጋታት ንምዃን እናጸዓሩ ክነሶም: ኣብ ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ብዘይምክፋሎም ምጽራር የጋጥሞም ነበረ። (ሉቃስ 4:8) ሎሚ እውን ኣብቲ መንግስቲ “ብሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ቅኑዕ” ዝበሃል ነገራት ባዕሉ ክውስን ዝፍትነሉ ሃገራት ዝርከቡ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዮም ዘለዉ። ስለዚ ኸኣ እተን ከምዚ ዝስዕብ ዝብላ ኣብ መእተዊ ናይ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ዘለዋ ቃላት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዓ ኰን ኢየን:- “እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።” (ራእይ 1:3) እወ: እቶም ጥንቁቓትን እዙዛትን ኣንበብቲ ራእይ ዮሃንስ ሓቀኛ ሓጐስን ብዙሕ በረኸታትን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
3. ምንጪ ናይቲ ንዮሃንስ እተገልጸሉ ራእይ መን ኢዩ፧
3 ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ራእይ መን ኢዩ: ንምትሕልላፉኸ እንታይ መትረብ ኢዩ እተጠቕመ፧ እታ ናይ መጀመርታ ቍጽሪ ከምዚ ትብለና:- “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ: ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ: ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ: ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።” (ራእይ 1:1) ብሓጺሩ: ምንጪ ናይቲ ራእይ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ: ንየሱስ ከኣ ሃቦ: የሱስ ድማ ብመልኣኽ ገይሩ ንዮሃንስ ኣመሓላለፈሉ። ተወሳኺ ምርምር ምስ እንገብር የሱስ ነቲ መልእኽትታት ናብተን ጉባኤታት ንምልኣኽን ንዮሃንስ ራእይ ንኸርእዮን መንፈስ ቅዱስ እውን ከም እተጠቕመ ይበርሃልና ኢዩ።—ራእይ 2:7, 11, 17, 29፣ 3:6, 13, 22፣ 4:2፣ 17:3፣ 21:10፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:33 ኣረኣእዮ።
4. የሆዋ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቡ ንምምራሕ ሎሚ እውን እንታይ መገዲ ይጥቀም ኣሎ፧
4 የሆዋ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ንምምሃር ሎሚ እውን በቲ ‘ርእሲ ማሕበር’ ዝዀነ ወዱ ይጥቀም ኢዩ። (ኤፌሶን 5:23፣ ኢሳይያስ 54:13፣ ዮሃንስ 6:45) ብተወሳኺ የሆዋ ንህዝቡ መምርሒ ንምሃብ መንፈሱ ይጥቀም ኢዩ። (ዮሃንስ 15:26፣ 1 ቈረንቶስ 2:10) ልክዕ ከምቲ የሱስ ነተን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበራ ጉባኤታት ከጽንዐን ዝኽእል መንፈሳዊ መግቢ ንምሃብ “ንባርያኡ ዮሃንስ” እተጠቕመ: ሎሚ ኸኣ ንስድራቤቱን ንብጾቶምን መንፈሳዊ “ምግቦም በብጊዜኡ” ንምሃብ በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ‘ኣሕዋቱ’ ዝቘመ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ይጥቀም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ 25:40) እቶም ንምንጪ ናይቲ ከም መንፈሳዊ መግቢ ኰይኑ ዝመጸና ‘ጽቡቕ ውህበታትን’ ንሱ ዝጥቀመሉ መትረብን ዝፈልጡ ሕጕሳት ኢዮም።—ያእቆብ 1:17
ብክርስቶስ ዝምርሓ ጉባኤታት
5. (ሀ) ክርስትያን ጉባኤታትን ተዓዘብተንን ብምንታይ ተመሲሎም ኣለዉ፧ (ለ) ናይ ደቅሰብ ዘይፍጽምና እኳ እንተሎ: ንሓጐስና ኣበርክቶ ዝገብር ግን እንታይ ኢዩ፧
5 ኣብ መጀመርታ ምዕራፋት ናይ ራእይ: ክርስትያን ጉባኤታት ብቐንዴል ተመሲለን ኣለዋ። ተዓዘብተን ድማ ብመላእኽትን (ልኡኻት) ከዋኽብትን ተመሲሎም ኣለዉ። (ራእይ 1:20)a ክርስቶስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ከሎ ንዮሃንስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክጽሕፍ ነገሮ:- “እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ: ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል አሎ።” (ራእይ 2:1) እቲ ናብተን ኣብ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ ሸውዓተ መልእኽትታት እተን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበራ ጉባኤታትን ሽማግለታተንን ሓያልን ድኹምን ጐኒ ከም ዝነበሮም ይሕብር። ሎሚ እውን ከምኡ ኢዩ። ስለዚ: እቲ ርእስና ዝዀነ ክርስቶስ ኣብ መንጎ እዘን ጉባኤታት ምህላዉ እንተ ዘይረሲዕና ዝያዳ ሕጕሳት ክንከውን ኢና። እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ብልክዕ ይፈልጥ ኢዩ። እቶም ተዓዘብቲ ብምሳልያዊ መገዲ “ኣብ የማናይ ኢዱ” ኢዮም ዘለዉ: እዚ ማለት ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩን መሪሕነቱን ኢዮም ዘለዉ፣ ነተን ጉባኤታት ብኸመይ ከም ዝጓሰይወን ከኣ ጸብጻብ ይህቡ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ እብራውያን 13:17
6. ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ብዝገብርዎ ተሓተቲ ዝዀኑ እቶም ተዓዘብቲ ጥራይ ከም ዘይኰኑ ዝሕብረና እንታይ ኢዩ፧
6 ይኹን እምበር: ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ብዝገብርዎ ተሓተቲ ዝዀኑ እቶም ተዓዘብቲ ጥራይ ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ እንተድኣ ሒዝና ንርእስና ነዐሹ ኣሎና። ክርስቶስ ኣብ ሓንቲ ካብተን መልእኽትታቱ ከምዚ በለ:- “ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።” (ራእይ 2:23) እዚ በቲ ሓደ ወገን መጠንቀቕታ ክኸውን ከሎ በቲ ሓደ ወገን ከኣ መተባብዒ ኢዩ። ክርስቶስ: ናይ ውሽጢ ባህጊ ስለ ዝፈልጥ መጠንቀቕታ ክኸውን ከሎ፣ ጻዕርታትና ከም ዝፈልጥ ከምኡውን ዝከኣለና እንተ ገይርና ከም ዝባርኸና ስለ ዘረጋግጸልና መተባብዒ ኢዩ።—ማርቆስ 14:6-9፣ ሉቃስ 21:3, 4
7. እቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ንቓል ትዕግስቲ የሱስ ዝሓለዉዎ’ ብኸመይ ኢዮም፧
7 ክርስቶስ ናብታ ኣብ ግዝኣት ልድያ እትርከብ ከተማ ፊላደልፍያ ዝለኣኾ መልእኽቲ ተግሳጽ ዝበሃል የብሉን: ንዓና ዝያዳ ዅሉ ዘገድሰና መብጽዓ ግን ሒዙ ኣሎ። “ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ: ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ።” (ራእይ 3:10) እታ “ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ” እትብል ናይ ግሪኽ ኣገላልጻ “ነቲ ብዛዕባ ትዕግስቲ ዝበልክዎ ነገር ስለ ዝሓሎኻዮ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። እቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት የሱስ ዝኣዘዞም ሓልዮም ጥራይ ዘይኰነስ ብተኣማንነት ንኽዕገሱ ዝሃቦም ምኽሪ ከም ዝሰዓቡ እውን ቍጽሪ 8 ትሕብረና ኢያ።—ማቴዎስ 10:22፣ ሉቃስ 21:19
8. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ተመባጽዓሎም፧ (ለ) ሎሚ በታ “ሰዓት ፈተና” ዝትንከፉ መን ኢዮም፧
8 የሱስ ካብ “ሰዓት ፈተና” ከም ዝሕልዎም ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበሩ ክርስትያናት እዚ እንታይ ትርጕም ከም ዝነበሮ ኣይንፈልጥን ኢና። ዶሚሽያን ብ96 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ካብ መስጐጕቲ ንቕሩብ እዋን ኣዕሪፎም እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ትራጃን (98-117 ከ.ኣ.ዘ.) ሓድሽ ማዕበል መስጐጕቲ ጀመረ: እዚ ድማ ብዘይጥርጥር ተወሳኺ ፈተናታት ኣምጺኡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እታ ዝዓበየት “ሰዓት ፈተና” ኣብዚ ዘሎናዮ “ዘመን መወዳእታ” “ብመዓልቲ ጐይታ” ኢያ እትኸውን። (ራእይ 1:10፣ ዳንኤል 12:4) ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ደድሕሪኡን ፍሉይ ናይ ፈተና ግዜ ኣሕሊፎም ኢዮም። ገና ግን እታ “ሰዓት ፈተና” ኣይተወድአትን። እዛ ግዜ እዚኣ ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ክድሕኑ ተስፋ ዘለዎም ዓቢ ጭፍራ እውን ወሲኽካ ‘ንዅላ ዓለም’ እትትንክፍ ኢያ። (ራእይ 3:10፣ 7:9, 14) ነቲ ‘የሱስ ብዛዕባ ትዕግስቲ ዝበለና’ ማለት ነተን “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” ዝብላ ቃላቱ እንተድኣ ሓሊናየን ሕጕሳት ክንከውን ኢና።—ማቴዎስ 24:13
ንሉዓላውነት የሆዋ ብሓጐስ እትግዛእ ምዃን
9, 10. (ሀ) እቲ ራእይ ዝፋን የሆዋ ብኸመይ ክጸልወና ኣለዎ፧ (ለ) ንራእይ ዮሃንስ ምንባብና ኣብ ሓጐስና ብኸመይ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል፧
9 እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 4ን 5ን ተገሊጹ ዘሎ ትርኢት ዝፋን የሆዋን ሰማያዊ መጋባእያን ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ከም ዝሓድረና ክገብር ኣለዎ። እቶም ሓያላት ሰማያውያን ፍጡራት ነቲ ጽድቃዊ ሉዓላውነት የሆዋ ብሓጐስ ክግዝኡ ኸለዉ እተዛረብዎ ልባዊ መግለጺ ውዳሰ ክትንክፈና ኣለዎ። (ራእይ 4:8-11) ድምጽና ኣብ መንጎ እቶም ከምዚ ዝስዕብ ዝበሉ ክስማዕ ኣለዎ:- “በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን።”—ራእይ 5:13
10 እዚ ብተግባር ክርአ ኸሎ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ነገራት ንፍቓድ የሆዋ ብሓጐስ ተገዛእቲ ምዃን ማለት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ: ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 3:17) ካብ ውሽጢ: ብኣእምሮናን ኣልባብናን ንሉዓላውነት የሆዋ ኣፍልጦ እንተ ሂብናሉ ከምኡውን ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንፍቓዱ ኣብ ግምት ነእቱ እንተድኣ ዄንና: ንራእይ ምንባብና ብሓቂ ሕጕሳት ክገብረና ኢዩ።
11, 12. (ሀ) ናይ ሰይጣን ምድራዊ ኣገባብ ብኸመይ ኢዩ ዝናወጽን ዝጠፍእን፧ (ለ) ብመሰረት ራእይ ምዕራፍ 7 ኣብቲ ግዜ እቲ “ደው ኪብል ዚኽእል” መን ኢዩ፧
11 ንሉዓላውነት የሆዋ ብሓጐስ እትግዛእ ምዃን ብብሕትን ብሓፈሻን መሰረት ሓጐስ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ምሳልያዊ ምንቅጥቃጥ ንምድራዊ ኣገባብ ሰይጣን ካብ መሰረቱ ከናውጾን ከጥፍኦን ኢዩ። እቶም ነቲ ሕጋዊ ወኪል ሉዓላውነት ኣምላኽ ዝዀነ ሰማያዊ መንግስታዊ ምምሕዳር ክርስቶስ ዘይግዝኡ ሰባት መዕቆቢ ኣይክረኽቡን ኢዮም። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ። ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና: በልዎም። እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺአ እያ እሞ: መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧”—ራእይ 6:12, 15-17
12 ሃዋርያ ዮሃንስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብታ ቀጺላ ዘላ ምዕራፍ ክምልሳ ኸሎ: ነቶም ንዓቢ ጭፍራ ዘቝሙ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ ሰባት ከም “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ዘለዉ ገይሩ ይገልጾም። (ራእይ 7:9, 14, 15) ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ ደው ምባሎም ነቲ ዝፋን ኣፍልጦ ከም ዝሃቡሉን ንሉዓላውነት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝግዝኡን የመልክት። በዚ ኸኣ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ ኣቕዋም ይህልዎም።
13. (ሀ) መብዛሕትኦም ተቐማጦ ምድሪ ንመን ኢዮም ዘምልኹ: እቲ ኣብ ኣእዳዎም ወይ ግንባሮም ዘሎ ምልክትከ ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) ስለዚ ትዕግስቲ ኣድላዪት እትኸውን ስለምንታይ ኢያ፧
13 በቲ ኻልእ ሸነኽ: እቶም ዝተረፉ ተቐማጦ ምድሪ ብምሉኦም ነቲ ብኣራዊት ተመሲሉ ዘሎ ናይ ሰይጣን ፖለቲካዊ ኣገባብ የምልኹ ከም ዘለዉ ምዕራፍ 13 ትገልጽ። ኣብ “ግንባሮም” ወይ ኣብ “ኢዶም” ማሕተም ተቐቢሎም ኢዮም፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣገባብ ብሓሳብን ብግብርን ከም ዝድግፍዎ ዘርኢ ኢዩ። (ራእይ 13:1-8, 16, 17) ድሕርዚ ምዕራፍ 14 ከምዚ ትብል:- “ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ: ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተሙ እንተ ተቐበለ: ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይ ምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ። . . . እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ: ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ።” (ራእይ 14:9, 10, 12) ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እቲ ‘ንመን ኢኻ እትድግፍ፧ ንየሆዋን ንሉዓላውነቱንዶ ወይስ ነቲ ብኣራዊት እተመሰለ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኣገባብ፧’ ዝብል ሕቶ ዝያዳ ኢዩ ዝጐልሕ። እቶም ንማሕተም እቲ ኣራዊት ዘይተቐበሉን ተዓጊሶም ብተኣማንነት ንሉዓላውነት የሆዋ ዝግዝኡን ሰባት ሕጕሳት ኢዮም።
14, 15. ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ ኣርማጌዶን ዝገልጽ ራእይ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዝኣተወ: ንዓናኸ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
14 ገዛእቲ “ኵላ ዓለም” ብዛዕባ ሕቶ ሉዓላውነት ምስ የሆዋ ንኽገጥሙ ናብ ምግጫው ገጾም ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። እቲ ግጥም ኣብ ኣርማጌዶን ማለት ኣብታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ክግበር ኢዩ። (ራእይ 16:14, 16) ኣብ መንጎ እቲ ገዛእቲ ምድሪ ምስ የሆዋ ንምውጋእ ዝገብርዎ ምትእኽኻብ ዝሕብር መግለጺ ሓደ ዝምስጥ ሓበሬታ ይስማዕ። የሱስ ባዕሉ ነቲ ራእይ ኣቋሪጹ ከምዚ በለ:- “እንሆ: ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ: እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።” (ራእይ 16:15) እዚ ነቶም ኣብ ግዜ ሓለዋ እንተ ደቂሶም ክዳኖም ዝቕንጠጥን ኣብ ኣደባባይ ዝዋረዱን ዝነበሩ ሌዋውያን ሓለውቲ ቤት መቕደስ ዘዘኻኽረና ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
15 እቲ መልእኽቲ ንጹር ኢዩ:- ካብ ኣርማጌዶን ክንድሕን እንተድኣ ደሊና: ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንቅጽልን ነቲ ከም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ኣምላኽ ዘፍልጠና ምሳልያዊ ክዳንና ክንሕሉን ኣሎና። ነቲ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ናይታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኢ እናዘርጋሕና ብመንፈስ እንተ ዘይባዕዚዝናን ከይዛሕተልና እንተ ቐጺልናን ሕጕሳት ክንከውን ኢና።—ራእይ 14:6
‘እቲ ነዚ ቓላት እዚ ዝሕሉ ብጹእ ኢዩ’
16. እቲ መዕጸዊ ምዕራፋት ናይ ራእይ ብፍላይ ምንጪ ሓጐስ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
16 እቶም ሕጕሳት ኣንበብቲ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ነቲ ብዛዕባ ግርማዊ ተስፋ ዝገልጽ መዕጸዊ ምዕራፋት ከንብቡ ኸለዉ ብሓጐስ ይሰራሰሩ ኢዮም። እዚ ተስፋ እዚ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ማለት እታ ጻድቕ ሰማያዊት መንግስቲ ነቲ ሓድሽ ዝጸረየ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከተመሓድሮ ኸላ: ኵሉ ነገራት ከኣ ንውዳሰ ‘እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ ክኸውን ከሎ ዝገልጽ ኢዩ። (ራእይ 21:22) እቲ ብተኸታታሊ ዝመጽእ ዝነበረ ዘደንቕ ራእይ ክውዳእ ከሎ እቲ ተላኢኹ ዝመጸ መልኣኽ ንዮሃንስ ከምዚ በሎ:- “እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ: እግዚኣብሄር: እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት: እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዚግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም: መልኣኹ ሰዲዱ አሎ። እንሆ: ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ: እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ።”—ራእይ 22:6, 7
17. (ሀ) ኣብ ራእይ 22:6 እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧ (ለ) ካብ ምንታይ ንምርሓቕ ኢና ንቑሓት ክንከውን ዘሎና፧
17 እቶም ሕጕሳት ኣንበብቲ ራእይ ምስዚአን ዝመሳሰላ ቃላት ኣብ መጀመርታ እቲ “መጽሓፍ” ከም እተጻሕፋ ይዝክሩ ኢዮም። (ራእይ 1:1, 3) እዘን ቃላት እዚአን ኵሉ እቲ ኣብዛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ብትንቢት ተዘሪብሉ ዘሎ “ነገር” “ቐልጢፉ ኪኸውን” ምዃኑ የረጋግጻልና። ናብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣጸቢቕና ስለ ዝቐረብና: እቲ ብዛዕባ እዚ ግዜና እተባህለ ኣብ ራእይ ዘሎ ትንቢታት ድሕሪ ሓጺር እዋን ቀልጢፉ ብተኸታታሊ ክፍጸም ኢዩ። ስለዚ: ዝዀነ ይኹን ነባሪ ዝመስል ናይ ሰይጣን ኣገባብ ከታኽሰና የብሉን። እቶም ንቑሓት ኣንበብቲ ነተን ኣብ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት እተዋህበ መጠንቀቕታታት ብምዝካር ካብ መፈንጠራታት ፍቕረ-ንዋይ: ኣምልኾ ጣኦት: ዘይስነ-ምግባራውነት: ልቡጥ ምዃን: ከምኡውን ናይ ክሕደት ኣንቆራነት ይርሕቁ ኢዮም።
18, 19. (ሀ) የሱስ ገና ብሕጂ ክመጽእ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ: ኣበየናይ ብዮሃንስ እተገልጸ ተስፋኸ ኢና እንካፈል፧ (ለ) የሆዋ ብሕጂ ‘ዝመጽእ’ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ፧
18 ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ: የሱስ ደጋጊሙ “ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ኢሉ ኣዊጁ ኢዩ። (ራእይ 2:16፣ 3:11፣ 22:7, 20ሀ) ንዓባይ ባቢሎን: ንፖለቲካዊ ኣገባብ ሰይጣን: ከምኡውን ነቶም በዛ ሕጂ ቈይማ ዘላ መሲሓዊት መንግስቲ ዝውከል ሉዓላውነት የሆዋ ዘይግዝኡ ሰባት ንምፍራድ ብሕጂ ክመጽእ ኣለዎ። ምስቲ “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ” ዝበለ ሃዋርያ ዮሃንስ ብሓባር ንጨድር።—ራእይ 22:20ለ
19 የሆዋ ባዕሉ “እንሆ: ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ: ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ: ዓስበይ ምሳይ እዩ” በለ። (ራእይ 22:12) ከም ክፍሊ ናይቲ ‘ሓድሽ ሰማይ’ ይኹን ‘ሓዳስ ምድሪ’ ኴንና ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዘደንቕ ዓስቢ ህይወት እናተጸበና: ነቲ “ንዓ . . . ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ዕድመ ንዅሎም ቅኑዓት ሰባት ኣብ ምዝርጋሕ ብቕንኢ ንሳተፍ። (ራእይ 22:17) ንሳቶም እውን ሕጕሳት ኣንበብቲ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶን መንፈስ ዝህብን መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ዝዀኑ ይግበሮም!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብታ ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 28-9, 136 (እግረ-ጽሑፍ) ርአ።
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
◻ የሆዋ ነቲ ራእይ ንምትሕልላፍ እንታይ መትረብ ተጠቕመ: ካብዚኸ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
◻ ናብተን ኣብ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ መልእኽቲ ብምንባብና ስለምንታይ ኢና ክንሕጐስ ዘሎና፧
◻ ኣብ ግዜ እታ “ሰዓት ፈተና” ብኸመይ ኢና ዕቝባ ክንረክብ እንኽእል፧
◻ ንቓላት እቲ ራእይ ሒዙ ዘሎ መጽሓፍ እንተድኣ ሓሊናዮ እንታይ ሓጐስ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ምንጪ ናይቲ ዘሐጕስ ዜና ዝፈልጡ ሰባት ሕጕሳት ኢዮም
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ንቑሕ ኰይኑ ዝጸንሕ ሕጉስ ኢዩ