ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 1/1 ገጽ 21-23
  • “ፖሊሽ ብረዘርን” እተሰጉ ስለምንታይ ኢዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ፖሊሽ ብረዘርን” እተሰጉ ስለምንታይ ኢዮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እተኸፋፈለት ቤት
  • ታሪኻዊ ፍጻመ ቡድኒ
  • ትምህርቲ ከም ዘስፋሕፍሕ ይገብሩ ነበሩ
  • እታ ቤተ⁠-​ክርስትያንን እቲ መንግስትን መጥቃዕትታት የውርዱ
  • ንፖላንድ እተዋህበ “ዓብዪ ውህበት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ነታ ቐጣን መገዲ ኣናደይዋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዕንቅፋት ኰይኑኒ ነበረ
    ንቕሑ!—2003
  • ብፍታው መስዋእቲ ብምኽፋልና ዝረኸብናዮ ዜዕግብን ዜሐጕስን ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 1/1 ገጽ 21-23

“ፖሊሽ ብረዘርን” እተሰጉ ስለምንታይ ኢዮም፧

ብ1638 ባይቶ ፖላንድ ኣብ ልዕሊ እቶም “ፖሊሽ ብረዘርን” ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ሒደት ሃይማኖታዊ ጕጅለ ከቢድ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ቤተ⁠-​ክርስትያኖምን ቤት ማሕተሞምን ተደምሰሰ። ዩኒቨርሲቲ ራካው ተዓጽወ: እቶም ኣብኡ ዝምህሩ ዝነበሩ መማህራን ድማ ናብ ስደት ከዱ።

ድሕሪ ዕስራ ዓመት እቲ ባይቶ ካብኡ ዝገድድ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ኵሎም እቶም 10,000 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣቢሎም ዝዀኑ ኣባላት ናይቲ ጕጅለ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዘዘ። ኣብታ ሓንቲ ካብተን ዝያዳ ተጻዋርነት ዝነበረን ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ፖላንድ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር ኵነታት ክፍጠር ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ እቶም ፖሊሽ ብረዘርን ተባሂሎም ዝጽውዑ ከምዚ ዝበለ ሕሱም ኣተሓሕዛ ዝወረዶም እንታይ ኢዮም ገይሮም፧

እዚ ጕጅለ እዚ ዝጀመረ ኣብ መንጎ ኣባላት ናይታ ኣብ ፖላንድ ዝነበረት ቤተ⁠-​ክርስትያን ካልቪኒስት ምፍልላያት ምስ ተፈጥረ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣከራኻሪ ነጥቢ ሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣባላት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝዀኑ መራሕቲ ናይቲ ሓድሽ ሓሳባት ዘምጽአ ጕጅለ: ንሰረተ⁠-​እምነት ስላሴ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት የለን ኢሎም ነጸግዎ። እዚ ድማ ንመራሕቲ ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣቘጥዖም እሞ እቶም ነዚ ሓድሽ ሓሳብ ዝሓዙ ጕጅለ ንበይኖም ተፈልዩ።

ካልቪኒስት ነቶም ምስቲ ናቶም ሓሳባት ዘይተሰማምዑ ጕጅለ ደቂ ኣርዮስa ኢሎም ጸውዕዎም: እቶም ሰዓብቲ ናይቲ ሓድሽ ጕጅለ ግና ንገዛእ ርእሶም ክርስትያናት ወይ ፖሊሽ ብረዘርን ኢሎም ክጽውዑ መረጹ። ሶኪንያንስ ተባሂሎም እውን ይጽውዑ ኢዮም። እዚ ድማ ካብቲ ጽልዋ ናይ ሴርቨቱስ ዝነበሮ ላይሊዩስ ሶኪኑስ እተባህለ ጣልያናዊ ዝወሰድዎ መጸውዒ ኢዩ። እቲ ፋውስቱስ ሶኪኑስ ዝብሃል ወዲ ሓዉ ድማ ናብ ፖላንድ ብምኻድ ኣብቲ ምንቅስቓስ ኣውራ ኰነ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ያን ሸንየንስኪ እተባህለ ሃብታም ወዲ ፖላንድ እታ ሓዳስ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ “ህዱእን ግሉልን ቦታ” ኢሉ ዝሓሰቦ ከባቢ ክትምዕብል ደለየ። ነቲ ብንጉስ ፖላንድ እተዋህበ ፍሉይ መሰል ብምጥቃም ድማ ሸንየንስኪ ነታ ድሓር ማእከል ናይ ሶኪኒስም ዝዀነት ከተማ ራካው መስረታ። ሸንየንስኪ ነቶም ተቐማጦ ከተማ ራካው ኣብ ርእሲ ናይ ኣምልኾ ናጽነት እተፈላለየ ካልእ መሰላት እውን ሃቦም።

ሰብ ጥበብ: ሓካይም: ፋርማሲስት: ደቂ ኸተማ: ከምኡውን እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም መኳንንቲ ናብዛ ሓዳስ ከተማ መጹ። ብተወሳኺውን ካብ ፖላንድ: ሊትወንያ: ትራንሲልቨንያ: ፈረንሳ: አረ ካብ ዓዲ እንግሊዝ እውን ከይተረፈ ኣገልገልቲ ናብኣ ወሓዙ። ይኹን እምበር: ኵሎም እዞም ናብኡ ዝኸዱ ሓደስቲ ሰባት ናይ ሶኪንያንስ እምነት ዝስዕቡ ኢዮም ነይሮም ማለት ኣይኰነን፣ ስለዚ ኣብተን ካብ 1569 ክሳዕ 1572 ዝነበራ ሰለስተ ዓመታት ራካው ብዘይምቍራጽ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝዝረበላ ከተማ ኰነት። እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበ፧

እተኸፋፈለት ቤት

ምንቅስቓስ ናይ ሶኪንያን ንባዕሉ ተኸፋፈለ: እቶም ሱር ነቀል ዝዀነ ኣረኣእያ ዝነበሮም ብሓንሳእ: እቶም ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ዝነበሮም ድማ ብሓንሳእ ኰኑ። ኣብ መንጎኦም ፍልልያት እኳ እንተ ነበረ: እቲ ዝነበሮም ናይ ሓባር እምነት ግን ካብ ካልኦት ፍሉይ ኢዩ ነይሩ። ትምህርቲ ስላሴን ምጥማቕ ሕጻናትን ኣይኣምኑን ኢዮም ነይሮም፣ ብሓፈሽኡ ኣጽዋር ውግእ ኣይሕዙን መንግስታዊ ስልጣን ድማ ኣይቅበሉን ኢዮም ነይሮም።b ገሃነም እሳት ዝብሃል መሳቐዪ ቦታ የለን ዝብል እምነት እውን ነበሮም። ነቲ ልሙድ ሃይማኖታዊ ወግዕታት ድማ ነጸጉ።

ናይ ካልቪኒስትን ካቶሊክን ኣቕሽሽቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ጕጅለ እዚ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣውረዱ: እቶም ሶኪንያንስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ግን ነቲ ብኸም ሲጊስሙንድ ካልኣይ ኣውጉስቱስ ከምኡውን ስተፈን ባቶሪ እተባህሉ ናይ ፖላንድ ነገስታት ዝተባባዕ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ምጽዋር ተጠቒሞም ርእይቶታቶም ክምህሩ ክኢሎም ኢዮም።

ታሪኻዊ ፍጻመ ቡድኒ

ኣብቲ ግዜ እቲ ሰባት ብሰፊሑ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ብካልቪኒስት እተተርጐመ ኢዩ ነይሩ: እዚ ድማ ንድሌት ብዙሓት ኣንበብቲ ዘዕግብ ኣይነበረን። እቲ ትርጕም ካብቲ ቦዅሪ ቋንቋ እተተርገመ ኣይነበረን: ኣብ ክንድኡስ ካብ ናይ ላቲን ቩልገይትን ካብ ሓደ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ትርጕምን ኢዩ ነይሩ። ሓደ ምንጪ ከም ዝብሎ “ነቲ ጽሑፍ መልክዕ ምሃብ ዝብል ድሌት ንተኣማንነትን ልክዕነት ናይ ሓሳባትን ተተኪኡዎ ነበረ።” ብዙሕ ጌጋታት ተኣታተወ። ስለዚ ሓደ ሺሞን ቡድኒ እተባህለ ውሩይ ምሁር ነቲ ትርጕም ክእርም ተዓደመ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ትርጕም ካብ ምእራም ሓድሽ ትርጕም ምድላው ዝቐለለ ኢዩ ኢሉ ደምደመ። ቡድኒ ኣብ ከባቢ 1567 ተዓጢቑ ክትርጕም ጀመረ።

ክትርጕም ከሎ ቡድኒ ንነፍሲ ወከፍ ቃል ምስቲ እተፈላለየ ኣማራጺታቱ መርመሮ: ቅድሚኡ ኣብ ፖላንድ ከምኡ ዝገበረ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ናይ እብራይስጢ ሓሳባት ናብ ቋንቋ ፖላንድ ምትርጓሙ ከጸግሞ ከሎ ድማ ቃል ብቓሉ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ሕድጋት የመልክት ነበረ። ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ሓደስቲ ቃላት ይምህዝ ነይሩ: ከምኡውን ነቲ ኣብቲ ግዚኡ ማንም ተራ ወዲ ፖላንድ ዝዛረቦ ዝነበረ ቋንቋ ኢዩ ተጠቒሙ። ዕላምኡ ዝእመንን ልክዕን ዝዀነ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንባቢ ንምድላው ኢዩ ነይሩ።

እቲ ቡድኒ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ብ1572 ተሓትመ። ይኹን እምበር: እቶም ሓተምቲ ንትርጕም ናይቲ ዘዳለዎ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣበላሸዉዎ። ተስፋ ኸይቈረጸ ቡድኒ እንደገና እተኣረመ ትርጕም ንምሕታም ክዓዪ ጀመረ: ነዚ ድማ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ወድኦ። እቲ ቡድኒ ዝተርጐሞ ብሩህ ዝዀነ ናይ ግሪኽ ጽሑፋት ካብቲ ቅድሚኡ ብቛንቋ ፖላንድ ዝነበረ ትርጕማት እቲ ዝበለጸ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ነቲ መለኮታዊ ስም የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ቦትኡ ኣእተዎ።

ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 16 ክፍለ⁠-​ዘበንን ኣብተን ናይ መጀመርታ 30 ዓመታት ናይ መበል 17 ክፍለ⁠-​ዘበንን እታ ቀንዲ ማእከል ናይቲ ምንቅስቓስ ዝነበረት ከተማ ራካው: ሃይማኖታዊትን ናይ ምሁራትን ማእከል ኰነት። ናይ ፖሊሽ ብረዘርን መራሕትን ጸሓፍትን ነቲ ትራክትታቶምን ጽሑፋቶምን ኣብኡ ኢዮም ዝሓትሙዎ ነይሮም።

ትምህርቲ ከም ዘስፋሕፍሕ ይገብሩ ነበሩ

እቲ ፖሊሽ ብረዘርን ዝገብርዎ ዝነበሩ ናይ ምሕታም ዕዮ ዝለዓለ ደረጅኡ ዝበጽሐ ብ1600 ኣብ ራካው ቤት ማሕተም ምስ ተመስረተ ኢዩ። እቲ ቤት ማሕተም ብእተፈላለየ ቋንቋታት ንኣሽቱን ዓበይትን ጽሑፋት ከዳሉ ይኽእል ነበረ። ራካው ከም ማእከል ናይ ቤት ማሕተም ኣብ ኣውሮጳ መወዳድርቲ ዘይብላ ኰነት። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ 40 ዓመታት ኣብቲ ቤት ማሕተም እቲ ዳርጋ 200 ዝኸውን ጽሑፋት ተሓቲሙ ይኸውን ኢዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ብሓደ ኣባል ፖሊሽ ብረዘርን ዝውነን ፋብሪካ ነቲ ጽሑፋት ዝኸውን ዝበለጸ ዓይነት ወረቐት የፍሪ ነበረ።

ብዙሕ ከይጸንሑ እቶም ፖሊሽ ብረዘርን ነቶም ኣመንቲ ብጾቶምን ንኻልኦትን ምምሃር ኣድላዪ ምዃኑ ተረድኡ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዩኒቨርሲቲ ራካው ብ1602 ተመስረተ። ውሉዳት ናይቶም ፖሊሽ ብረዘርን ከምኡውን ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ኣወዳት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተማህሩ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝጽንዓሉ ቦታ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ትምህርቲ ንሱ ጥራይ ኣይነበረን። ናይ ወጻኢ ቋንቋታት: ኤቲክስ: ቍጠባ: ታሪኽ: ሕጊ: ስነ-​መጎት: ስነ-ፍልጠት: ሕሳብ: ሕክምና: ከምኡውን ምውስዋስ ኣካላት ክፍሊ ናይቲ ስርዓተ⁠-​ትምህርቲ ኢዩ ነይሩ። ሳላ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ቤት ማሕተም እቲ ዩኒቨርሲቲ ብቐጻሊ ዝምዕብል ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ነይርዎ ኢዩ።

መበል 17 ክፍለ⁠-​ዘበን እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ: እቶም ፖሊሽ ብረዘርን እናማዕበሉ ዝኸዱ ይመስሉ ነበሩ። እንተዀነ ግን ከምኡ ኣይቀጸለን።

እታ ቤተ⁠-​ክርስትያንን እቲ መንግስትን መጥቃዕትታት የውርዱ

እቲ ኣብ ፖሊሽ ኣካዳሚ ኦቭ ሳይንስስ ዝሰርሕ ዝቢግንየቭ ኦጎኖፍስኪ እተባህለ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እተን ናይ መጀመርታ 30 ዓመታት ናይ መበል 17 ክፍለ⁠-​ዘበን ክውድኣ ከለዋ ኵነታት ናይቶም ኣብ ፖላንድ ዝነበሩ ደቂ ኣርዮስ ብቕልጡፍ ክበላሾ ጀመረ።” እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ እናበርትዐ ዝኸይድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ናይ ካቶሊክ ካህናት ኢዩ። እቶም ካህናት ነቶም ፖሊሽ ብረዘርን ምእንቲ ከዋርዱ ጸለመን ጠቐነን ሓዊስካ ዝከኣሎም ኵሉ ገበሩ። ብቐሊሉ ከም ዝጥቅዑ ዝዀኑሉ ምኽንያት ድማ ፖለቲካዊ ኵነታት ናይ ፖላንድ ስለ እተለወጠ ኢዩ። እቲ ሲጊስሙንድ ሳልሳይ ቫሳ ዝብሃል ሓድሽ ናይ ፖላንድ ንጉስ ጸላኢ ናይ ፖሊሽ ብረዘርን ኢዩ ነይሩ። እቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ነገስታት ብፍላይ ድማ ጆን ካልኣይ ካዝሚር ቫሳ ነቲ ንፖሊሽ ብረዘርን ንምጥፋእ ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ዝድግፉ ኢዮም ነይሮም።

ገለ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ራካው ኰነ ኢሎም መስቀል ንምርካስ ተላዒሎም ዝብል ሓሳባት እቲ ኵነታት ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ከም ዝበጽሕ ገበሮ። እዚ ፍጻመ እዚ ንማእከል ፖሊሽ ብረዘርን ንምድምሳስ ምኽንያት ኰነ። እቲ ዋና ናይ ዩኒቨርሲቲ ራካው ድማ ነቲ ዩኒቨርሲትን ነቲ ቤት ማሕተምን ብምድጋፉ ‘እከይ ኣስፋሕፊሕካ’ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸሰ። እቶም ፖሊሽ ብረዘርን መናዓብቲ: ብዕሉጋት: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ዘለዎም ተባሂሎም ተኸሱ። እቲ ባይቶ ድማ ዩኒቨርሲቲ ራካው ክዕጾ: እቲ ናይ ፖሊሽ ብረዘርን ንብረት ዝነበረ ቤት ማሕተምን ቤተ⁠-​ክርስትያንን ከኣ ክዓኑ ወሰነ። እቶም ኣመንቲ ካብታ ኸተማ ክወጹ ተኣዘዙ። እቶም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝምህሩ ዝነበሩ መማህራን ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂብዎም ካብታ ዓዲ ክወጹ ተኣዘዙ። ገለ ካብቶም ፖሊሽ ብረዘርን ናብ ከም ሲለስያ ከምኡውን ስሎቫክያ ዝኣመሰለ ደሓን ዝነበረ ቦታታት ከዱ።

ኣብ 1658 እቲ ባይቶ ኵሎም ፖሊሽ ብረዘርን ንብረቶም ሸይጦም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ካብታ ዓዲ ክወጹ ወሰነ። ጸኒሑ እቲ ገደብ ግዜ ናብ ክልተ ዓመት ከም ዝወርድ ተገብረ። እቲ ናይ ግዜ ገደብ ምስ ሓለፈ ዝዀነ ይኹን እምነተይ ከም ናይ ፖሊሽ ብረዘርን ኢዩ ዝብል ሰብ ክቕተል ተወሰነ።

ገለ ካብቶም ሶኪንያንስ ኣብ ኔዘርላንድ ተቐመጡ: ኣብኡ ድማ እቲ ናይ ምሕታም ዕዮኦም ቀጸሉ። ኣብ ትራንሲልቨንያ ሓንቲ ጉባኤ ክሳዕ መጀመርታ ናይ መበል 18 ክፍለ⁠-​ዘበን ትዓዪ ነበረት። ኣብቲ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታቶም መዝሙር ይዝምሩ: ስብከት ይሰምዑ: ከምኡውን ካብቲ ትምህርትታቶም ንምግላጽ እተዳለወ ጽሑፍ የንብቡ ነበሩ። ንጽህና ናይታ ጉባኤ ንምዕቃብ: ኣመንቲ ብጾት ይእረሙ: ይተባብዑ: ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ ይስጐጉ ነበሩ።

ፖሊሽ ብረዘርን ተማሃሮ ቃል ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። ክቡር ዝዀነ ሓቅታት ይረኽቡ እሞ ድሕር ከይበሉ ድማ ንኻልኦት የካፍሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣብ ብዘላ ኣውሮጳ ፋሕ በሉ እሞ ሓድነቶም ምዕቃብ እናኸበዶም ከደ። ኣብ መወዳእትኡ ፖሊሽ ብረዘርን ፈጺሞም ካብ ህላወ ጠፍኡ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣርዮስ (250-336 ከ.ኣ.ዘ.) የሱስ ካብ ኣቦ ዝትሕት ምዃኑ እተኸራኸረ ወዲ እስክንድርያ ካህን ኢዩ ነይሩ። ዋዕላ ኒቅያ ብ325 ከ.ኣ.ዘ. ነቲ ናቱ ርእይቶ ነጸጎ።​—⁠ኣብ ናይ 22 ሰነ 1989 ንቕሑ! ገጽ 27 (እንግሊዝኛ) ርአ።

b ናይ 22 ሕዳር 1988 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 19 “ሶኪንያንስ ስለምንታይ ስላሴ ነጺጎም፧” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተመልከት።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

Title card of Biblia nieświeska by Szymon Budny, 1572

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓደ ሶኪንያን ኣገልጋሊ ዝነበረ ገዛ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ላዕሊ:- ራካው ሎሚ፣ ብየማን ዘሎ እቲ “ንደቂ ኣርዮስ ” ንምጥፋእ ብ1650 እተመስረተ ገዳም ኢዩ፣ ኣብ ታሕቲ:- ኣብዚ ቦታ እዚ ናይ ካቶሊክ ካህናት ምስ ፖሊሽ ብረዘርን ምስሕሓብ ንምፍጣር መስቀል ኣቘሙ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ