ማሕበር የሆዋ ተድልየና ኢያ
ገለ ሰብ “ኣብ ኣምላኽ እኣምን ኢየ: ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበር ግን እምነት የብለይን” ክብል ከሎዶ ሰሚዕካ ትፈልጥ፧ ኣብ ሓደ እዋን ብውዕዉዕ ስምዒት ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ዝነበሩ ድሓር ግን ሃይማኖቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ከማልኣሎም ብዘይምኽኣሉ ተስፋ ቈሪጾም ዝጠንጠንዎ ሰባት ብዙሕ ግዜ ምስዚ ዝመሳሰል ኣረኣእያ ይገልጹ ኢዮም። መብዛሕትኦም ግን ሽሕ’ኳ ብሓፈሻ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ተስፋ እንተ ኣቝረጻኦም ንኣምላኽ ከምልኹ ከም ዝደልዩ ይዛረቡ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ክንዲ ምስ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ወይ ካልእ ማሕበር ኰይኖም ዘምልኹ: ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ምምላኽ ዝሓሸ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝኣምኑ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝብል፧ ኣምላኽ ክርስትያናት ምስ ሓንቲ ማሕበር ክሓብሩ ድዩ ዝደልዮም፧
ቀዳሞት ክርስትያናት እተመሓደሩ ብምንባሮም ተጠቒሞም ኢዮም
ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ዘፍሰሰ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሓደ ደርቢ “ብሓንሳእ” ዝነበሩ ጕጅለ ሰብኡትን ኣንስትን ድኣ ኢዩ እምበር ኣብ እተፈላለዩ ኣመንቲ ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1) ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ ዓለምለኻዊት ማሕበር ዝዀነት ክርስትያን ጉባኤ ተመስረተት። እዚ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ናይ ሓቂ በረኸት ኰይንሎም ኢዩ። ስለምንታይ፧ ብቐዳምነት: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ብዘላ ዓለም” ናይ ምስባኽ ዓቢ መዝነት ተዋሂብዎም ነበረ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብታ ጉባኤ እቶም ሓደስቲ እተለወጡ ሰባት ካብቶም ተመክሮ ዘለዎም ኣመንቲ ብጾቶም ብኸመይ ነቲ ዕዮ ስብከት ክቕጽሉ ከም ዘለዎም ክማሃሩ ይኽእሉ ነበሩ።
ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን እቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ የሩሳሌም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሩሑቕ ቦታታት እውን ተዘርግሐ። ኣብ መንጎ 62ን 64ን ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም “ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢታንያን ፋሕ ኢሎም” ዝነበሩ ክርስትያናት ናይ መጀመርታ ደብዳበኡ ጸሓፈሎም፣ እዚ ቦታታት እዚ ኣብዛ ሕጂ ቱርኪ እትበሃል ዘላ ይርከብ። (1 ጴጥሮስ 1:1) ብተወሳኺውን ኣብ ጳለስጢና: ሊባኖስ: ሶርያ: ቆጵሮስ: ግሪኽ: ቅሬጥስ: ከምኡውን ኢጣልያ ኣመንቲ ነበሩ። ከምቲ ጳውሎስ ብ60-61 ከ.ኣ.ዘ. ንሰብ ቈሎሴ ክጽሕፍ ከሎ ዝበሎ: እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር ተሰቢኹ ነበረ።’—ቈሎሴ 1:23
ኣባል ሓደ ማሕበር ናይ ምዃን ካልኣይ ጥቕሚ እቲ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ክገብርዎ ዝኽእሉ ምትብባዕ ኢዩ። ክርስትያናት ምስ ጉባኤ ብምሕባሮም ዘነቓቕሕ ዝርርብ ክሰምዑ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓባር ኰይኖም ከጽንዑ: እምነት ዘደልድል ተመክሮታት ክነጋገሩ: ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾቶም ብሓባር ኰይኖም ክጽልዩ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14) ብሱላት ሰብኡት ከኣ ‘ንመጓሰ ኣምላኽ ክጓስይዎ’ ይኽእሉ።—1 ጴጥሮስ 5:2
ክርስትያናት ኣባል ናይታ ጉባኤ ከም ምዃኖም መጠን ንሓድሕዶም ክፋለጡን ክፋቐሩን ኣለዎም። እቶም ናይ ጥንቲ ክርስትያናት በቲ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮም ሕብረት ይህነጹን ይበራትዑን ኢዮም ነይሮም እምበር ፈጺሙ ጾር ኰይኑ ይስምዖም ኣይነበረን።—ግብሪ ሃዋርያት 2:42፣ 14:27፣ 1 ቈረንቶስ 14:26፣ ቈሎሴ 4:15, 16
ሕብረት ዘለዋ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ወይ ማሕበር እተድልየሉ ካልእ ምኽንያት ሓድነት ንምድንፋዕ ኢዩ። ክርስትያናት ‘ሓደ ዘረባ ምዝራብ’ ተማሂሮም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 1:10) እዚ ኣድላዪ ነበረ። ኣባላት ናይታ ጉባኤ ካብ እተፈላለየ ትምህርታውን ማሕበራውን ድሕረ-ባይታ ዝመጹ ነበሩ። እተፈላለየ ቋንቋታት ይዛረቡ ነበሩ: ብዘይጥርጥር ከኣ እተፈላለየ ባህርያት ነበሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-11) ሓድሓደ ግዜ: ኣብ ኣረኣእያ ናይ ሓቂ ፍልልይ ተራእዩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ከጋጥሞም ከሎ ካብታ ጉባኤ ሓገዝ ይረኽቡ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2፣ ፊልጲ 4:2, 3
ብሽማግለታት ጉባኤ ክፍታሕ ዘይተኻእለ ከበድቲ ሕቶታት: ናብቶም ከም ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ብሱላት ገየሽቲ ተዓዘብቲ ይመሓላለፍ ነበረ። ንኣገዳሲ ሰረተ-እምነት ዝምልከት እንተድኣ ዀይኑ ድማ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል ይመሓላለፍ ነበረ። ኣብ መጀመርታ እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ብሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ዝቘመ ኢዩ ነይሩ: ድሓር ግን ሽማግለታት ናይተን ኣብ የሩሳሌም ዝነበራ ጉባኤታት ሓቘፈ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካልን ወኪላቱን ነቲ ኣገልግሎት ከመሓድሩ: ኣብ ናይ ኣገልግሎት ቦታታት ሰባት ክሾሙ: ንሰረተ-እምነት ዝምልከት ጕዳያት ውሳነ ክገብሩ ብኣምላኽ እተዋህቦም መዝነት ምዃኑ ኣፍልጦ ትህብ ነበረት። እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ሓደ ጕዳይ መልሲ ምስ ለኣኸ: እተን ጉባኤታት ነቲ ውሳነ ተቐበላኦ: ‘በቲ ምጽንናዕ ኸኣ ተሓጐሳ።’—ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2, 28, 30, 31
እወ: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን የሆዋ ሓንቲ ማሕበር ተጠቒሙ ኢዩ። ሎሚኸ ይጥቀምዶ ኣሎ ኢዩ፧
ሎሚ ሓንቲ ማሕበር ተድልየና ኢያ
ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ብጾቶም ነቲ ብስራት መንግስቲ ንኽሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ኣኽቢዶም ኢዮም ዝርእይዎ። ነዚ ዕዮ እዚ ዝገብሩሉ ሓደ መገዲ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዙ ጽሑፋትን ብምዝርጋሕ ኢዩ፣ ነዚ ንምፍጻም ከኣ ማሕበር ክትህሉ የድሊ።
ክርስትያናዊ ጽሑፋት ብጥንቃቐ ክዳሎ: ልክዕነቱ ክረጋገጽ: ክሕተም: ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ጉባኤታት ክለኣኽ ኣለዎ። ድሕርዚ: ክርስትያናት ነቲ ጽሑፋት ናብቶም ከንብብዎ ዝደልዩ ሰባት ከብጽሕዎ ኣለዎም። እቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ በዚ መገዲ እዚ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት በጺሕዎም ኢዩ። ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ገለ ዞባታት ዝያዳ ክዕየ ኸሎ ገለ ኸኣ ንኸይርሳዕ ጥንቃቐ ብምግባር ናይ ስብከት ንጥፈታቶም ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ክፍጽሙ ይጽዕሩ ኢዮም። ነዚ ዅሉ ንምግባር ማሕበር ክትህሉ ኣለዋ።
‘ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ስለ ዘየለ’ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዙ ጽሑፋትን ክትርጐም ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ኣብዚ እዋን እዚ: እዚ መጽሔት እዚ ብ132 ቋንቋታት ይሕተም: ንቕሑ! ኸኣ ብ83 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። ነዚ ንምግባር ኣብ መላእ ዓለም ብግቡእ እተመሓደረ ጕጅለታት ትርጕም ክህሉ የድሊ።
ኣባላት ጉባኤ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ክካፈሉ ኸለዉ ምትብባዕ ይረኽቡ። ኣብኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዘነቓቕሕ ዝርርባት ይሰምዑ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ብሓባር ኰይኖም የጽንዕዎ: ሃናጺ ተመክሮታት ይነጋገሩ: ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾቶም ብሓባር ኰይኖም ይጽልዩ። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣሕዋቶም ከኣ በቲ እምነት ዘደልድል ምብጻሕ ናይቶም ፈቃራት ገየሽቲ ተዓዘብቲ ይሕጐሱ ኢዮም። ስለዚ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ‘ሓደ መጓሰ ኢዮም: ጓስኦም እውን ሓደ ኢዩ።’—ዮሃንስ 10:16
ርግጽ ኢዩ: ከምቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ፍጹማት ዘይነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ፍጹማት ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ብሓባር ኰይኖም ብሓድነት ክዓዩ ይጽዕሩ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እቲ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ኣብ መላእ ዓለም ይፍጸም ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:36-40፣ ኤፌሶን 4:13
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ‘ሓደ መጓሰ ኢዮም: ጓስኦም እውን ሓደ ኢዩ።’