ከም ናይ የሱስ ዝበለ ግብሪ ንምፍጻም ትድረኽዶ፧
“ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም: . . . ኪምህሮም [እውን] ጀመረ።”—ማርቆስ 6:34
1. ገለ ውልቀ-ሰባት ሓለፍ ዝበለ ዝነኣድ ባህርያት እንተ ኣንጸባረቑ ዘገርም ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ሓለፍ ዝበለ ዝነኣድ ባህርያት ኣንጸባሪቖም ኢዮም። ነቲ ምኽንያት ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ፍቕሪ: ሕያውነት: ልግሲ ከምኡውን ካልእ ባህ ዘብለና ባህርያት ዝመልኦን ዘንጸባርቕን ኣምላኽ ኢዩ። ደቅሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ኢዮም ተፈጢሮም። ስለዚ ነቲ ብዙሓት ሰባት ፍቕርን ሕያውነትን ድንጋጽን ካልእ መለኮታዊ ባህርያትን ከንጸባርቑ ዝደልይሉ ምኽንያት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ መብዛሕትኦም ሰባት ሕልና ዘለዎም ኰይኖም እተፈጥርዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:26፣ ሮሜ 2:14, 15) ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ካብ ካልኦት ዝያዳ ነዚ ባህርያት እዚ ከንጸባርቕዎ ተስተብህል ትኸውን።
2. ገለ ሰባት ምናልባት ንየሱስ ዝመስልዎ ዘለዉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ዝፍጽምዎም ሰናይ ግብርታት ኣየኖት ኢዮም፧
2 ምናልባት ሕሙማት ዝበጽሑን ዝሕግዙን: ንስንኩላን ዝድንግጹ: ንድኻታት ዝልግሱ ሰብኡትን ኣንስትን ትፈልጥ ትኸውን። ብዛዕባ እቶም ድዉያት ኣብ ዝዕቈብሉ ወይ ድማ ዘኽታማት ኣብ ዝእለይሉ ትካላት ካብ ድንጋጽ ተላዒሎም ብተወፋይነት ዝዓዩ ውልቀ-ሰባት: ብዛዕባ እቶም ኣብ ሆስፒታላት ወይ እውን ኣረጋውያን ይኹኑ ካልኦት ውጹዓት ኣብ ዝዕቈብሉ ትካላት ብወለንታ ዝዓዩ: ወይ ከኣ ብዛዕባ እቶም መዕቈቢ ንዘይብሎም ወይ ንስደተኛታት ክሕግዙ ዝጽዕሩ ሰባት እሞ ሕስብ ኣብል። ገለ ካብዚኣቶም ምናልባት ነቲ ንክርስትያናት ኣርኣያ ዝሓደገሎም የሱስ ዝመስልዎ ዘለዉ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ክርስቶስ ንሕሙማት ከም ዘሕወየ ንጥሙያት ከም ዝመገበ ኣብ ወንጌላት ነንብብ ኢና። (ማርቆስ 1:34፣ 8:1-9፣ ሉቃስ 4:40) እቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍቕሪ: ለውሃት: ድንጋጽ “ሓሳብ ክርስቶስ” ዘንጸባርቕ ኢዩ: የሱስ ከኣ ብግዲኡ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኢዩ ዝመስሎ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 2:16
3. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ሰናይ ግብርታት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንምጥራይ እንታይ ክንምርምር ኢዩ ዘድልየና፧
3 ይኹን እምበር: ሎሚ መብዛሕትኦም ካብቶም ብፍቕርን ድንጋጽን የሱስ ዝትንከፉ ሰባት ነቲ ኣገዳሲ መዳይ ሓሳብ ክርስቶስ ከም ዘይስተብህልሉ ተዓዚብካዶ ኣሎኻ፧ ንማርቆስ ምዕራፍ 6 ተጠንቂቕና ብምምርማር ብዛዕባ እዚ መዳይ እዚ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ሰባት የሱስ ምእንቲ ኸሕውዮም ሕሙማት ሒዞም ናብኡ ይመጹ ከም ዝነበሩ ነንብብ። እቶም ናብኡ ዝመጹ ኣሽሓት ሰባት ከም ዝጠመዩ ምስ ረኣዮም: የሱስ ብተኣምራታዊ መገዲ ከም ዘዐንገሎም እውን ነንብብ ኢና። (ማርቆስ 6:35-44, 54-56) ንሕሙማት ምሕዋይን ንዝጠመዩ ምዕንጋልን ሓለፍ ዝበለ መግለጺ ፍቕራዊ ድንጋጽ እኳ እንተ ነበረ: እዝስ እቲ የሱስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ እተጠቕመሉ ቀንዲ መገዲ ድዩ ነይሩ፧ ብተወሳኺኸ ከምቲ ንሱ ገይሩ ንየሆዋ ዝመሰሎ ነቲ ናይ ፍቕሪ: ሕያውነት: ድንጋጽ ፍጹም ኣብነቱ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
መንፈሳዊ ድሌቶም ንምዕጋብ ኢዩ ተደሪኹ
4. እቲ ኣብ ማርቆስ 6:30-34 ዘሎ ጸብጻብ ከመይ ይመስል ነበረ፧
4 የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ብቐንዱ ዝደንገጸሎም ስለቲ መንፈሳዊ ድሌቶም ኢዩ። እዚ ድሌት እዚ ካብ ስጋዊ ድሌታቶም ንላዕሊ ኣዝዩ ዘገድስ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ማርቆስ 6:30-34 ዘሎ ጸብጻብ እስከ ንርኣዮ። እቲ ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመ ኣብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ኣብ ኣጋ ፋስጋ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ኣጋጢሙ። እቶም ሃዋርያት ተሓጒሶም ነበሩ: ምሕጓሶም ከኣ ብቕቡል ምኽንያት ኢዩ ነይሩ። ሰፊሕ ቦታ ዝሽፍን ጕዕዞ ዛዚሞም ኢዮም ናብ የሱስ መጺኦም: ተመክሮታቶም ክነግርዎ ተሃንጥዮም ከም ዝነበሩ ምንም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ተኣከቡ። እቶም ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ካብ ምንባሮም እተላዕለ የሱስን ሃዋርያቱን ክበልዑን ከዕርፉን ኣይከኣሉን። የሱስ ንሃዋርያቱ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም: ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ” በሎም። (ማርቆስ 6:31) ባሕሪ ገሊላ ሰጊሮም ናብ ህድእ ዝበለ ስፍራ ንምኻድ ተበገሱ: እቲ ጃልባ እተሰቕልሉ ቦታ ምናልባት ከባቢ ቅፍርናሆም ኢዩ ዝኸውን። እቲ ህዝቢ ግን ብገምገመ ገምገም ብምጕያይ ነታ ጃልባ ቀዲምዋ ኣብቲ ቦታ በጽሐ። የሱስ እንታይ መልሰ-ግብሪ ኣርኣየ፧ ኣብቲ ክብሕተሉ ዝነበሮ እዋን ስለ ዝመጽእዎ ሓሪቑ ድዩ፧ ፍጹም ኣይሓረቐን!
5. የሱስ ብዛዕባ እቶም ናብኡ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ከመይ ተሰምዖ: ከመይ ዝበለ መልሰ-ግብሪኸ ኣርኣየ፧
5 የሱስ ነቶም ካብ ማእከሎም ሕሙማት ዝርከብዎ ሃንቀው ኢሎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ርእይ ምስ ኣበሎም ልቡ ተተንከፈ። (ማቴዎስ 14:14፣ ማርቆስ 6:44) ማርቆስ ናብቲ ንየሱስ ከም ዝድንግጽ ዝገበሮ ነገርን ዘርኣዮ መልሰ-ግብርን ብምትኳር ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም: ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማርቆስ 6:34) የሱስ ክንዮ እቲ እኩብ ህዝቢ ኢዩ ኣተኲሩ። ኣብቶም ዘይዓገበ መንፈሳዊ ድሌት ዝነበሮም ውልቀ-ሰባት ኢዩ ኣተኲሩ። ከም ዝኣልየን ዝሰኣና ፋሕ ዝበላ ኣባጊዕ ኢዮም ነይሮም፣ ልክዕ ከምተን ናብ ልሙዕ ሸኻ ዝመርሐን ወይ ድማ ዝከላኸለለን ጓሳ ዝሰኣና ኣባጊዕ ኢዮም ነይሮም። እቶም ኣለይቲ ጓሶት ክዀኑ ዝነበሮም ርህራሀ ዘይነበሮም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ተራ ህዝቢ ብርግጽ ይንዕቅዎን ንመንፈሳዊ ድሌቱ ዕሽሽ ይብልዎን ከም ዝነበሩ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ህዝቅኤል 34:2-4፣ ዮሃንስ 7:47-49) የሱስ እቲ ካብ ካልእ ንላዕሊ ዝበልጾም ሰናይ ግብሪ ብምግባር: ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኢዩ ክኣልዮም ደልዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ክምህሮም ጀመረ።
6, 7. (ሀ) ወንጌላት ነየናይ ድሌት እቲ ህዝቢ ኣብ ምምላእ የሱስ ዘርኣዮ መልሰ-ግብሪ ኢዩ ብቐዳምነት ዝገልጾ፧ (ለ) የሱስ ከመይ ዝበለ ድራኸ ብምሓዝ ኢዩ ዝሰብኽን ዝምህርን ዝነበረ፧
6 ነቲ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ እተዋህበ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ብቐዳምነት ዝስራዕ ኣየናይ ምንባሩ ዝገልጽ መርትዖ ኣስተብህለሉ። እዚ ጸብጻብ እዚ በቲ ሓኪምን ኣብ ኣካላዊ ጥዕና ሰባት ኣዝዩ ግዱስን ዝነበረ ሉቃስ እተጻሕፈ ኢዩ። “እቶም ህዝቢ ኸኣ . . . [ንየሱስ] ሰዐብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም: ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም: ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 9:11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ቈሎሴ 4:14) ኣብ ኵሉ ብዛዕባ ተኣምራት ዝዛረብ ጸብጻባት ዘጋጥም እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣብዚ ሉቃስ ብመንፈስ ተመሪሑ ዝጸሓፎ ጸብጻብ እዚ ግን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ ብቐዳምነት ተዘሪብሉ ዘሎ እቲ የሱስ ነቲ ህዝቢ ከም ዝመሃሮ ዝገልጽ ሓቂ ኢዩ።
7 እዚ ምስቲ ኣብ ማርቆስ 6:34 እንረኽቦ ጐሊሑ ዘሎ ሓሳብ ብርግጽ ዝሰማማዕ ኢዩ። እታ ጥቕሲ ነቲ የሱስ ድንጋጸኡ ከርኢ እተደረኸሉ ቀንዲ ምኽንያት ንጹር ብዝዀነ መገዲ ኢያ እትገልጾ። መንፈሳዊ ድሌቶም ንምዕጋብ ኢዩ ነቲ ህዝቢ ዝመሃሮ። ቅድሚ እዚ ግዜ እዚ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ኸሎ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 4:43) ይኹን እምበር: የሱስ ግዴታ ናይ ዕዮ ስብከት ተሰሚዕዎ ብበጽሓካ በጽሓካ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይእውጅ ከም ዝነበረ ገይርና ንወስዶ እንተድኣ ዄንና ግጉያት ኢና። ምኽንያቱ ንሰባት ብስራት ንኽነግሮም ዝድርኾ ዝነበረ ቀንዲ ረቛሒ እቲ ኣብኦም ዝነበሮ ፍቕራዊ ድንጋጽ ኢዩ። የሱስ—ንሕሙማትን ብኣጋንንቲ እተጠቕዑን ድኻታትን ጥሙያትን እውን ከይተረፈ—ክገብረሎም ዝኸኣለ ቀንድን ኣገዳስን ሰናይ ግብሪ: ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ሓቂ ንኽፈልጥዎን ክቕበልዎን ክፈትውዎን ምሕጋዞም ኢዩ ነይሩ። ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሉዓላውነት የሆዋ ኣብ ምርግጋጽን ንደቅሰብ ዝኸውን ነባሪ በረኸት ኣብ ምድላውን ዘለዋ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው: እዚ ብዛዕብኣ ዝገልጽ ሓቂ እቲ ቐንድን ኣገዳስን ጕዳይ ኢዩ።
8. የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘካይዶ ዝነበረ ዕዮ ስብከትን ምምሃርን ከመይ ዝበለ ስምዒት ነበሮ፧
8 እቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ዘካይዶ ዝነበረ ስብከት: ሕመረት ናይቲ ናብ ምድሪ ዝመጽኣሉ ምኽንያት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣጋ ምውዳእ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: የሱስ ንጲላጦስ ከምዚ ብምባል ነገሮ:- “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።” (ዮሃንስ 18:37) ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓንቀጻት: የሱስ ለውሃት ዘለዎ ናይ ምስጋግ: ተቐራቢ ናይ ምዃን: ሓላዪ ናይ ምዃን: ንኻልኦት ናይ ምእማን: ልዕሊ ዅሉ ድማ ናይ ምፍቃር ስምዒት ዝመልኦ ዓይነት ሰብ ምንባሩ ርኢና ኢና። ሓሳብ ክርስቶስ ክንርዳእ ብሓቂ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ነዚ መዳያት ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ክንግንዘቦ የድልየና። ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ሓሳብ ክርስቶስ ነቲ ቀዳምነት ሂቡ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ዘጠቓልል ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ።
ካልኦት ንኽምስክሩ ተማሕጺኑ ኢዩ
9. ዕዮ ስብከትን ምምሃርን ቀዳማይ ቦታ ክወሃቦ ዝነበሮ ብመን ኢዩ፧
9 ነቲ መግለጽ ፍቕርን ድንጋጽን ዝዀነ ዕዮ ስብከትን ምምሃርን ብቐዳምነት ክሰርዖ ዝነበሮ የሱስ ንበይኑ ኣይኰነን። ንድራኸታቱ ከምኡውን ነቲ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ዝነበረ ነገራትን ዝፍጽሞ ዝነበረ ተግባራትን ክቐድሑ ንሰዓብቱ ተማሕጺንዎም ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ምስ ሓረዮም: እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝነበሮም፧ ማርቆስ 3:14, 15 “ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን: ዓሰርተው ክልተ ገበሮም: ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ: ስልጣን ሀቦም” ብምባል ትነግረና። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነቲ እቶም ሃዋርያት ቀዳምነት ክህብዎ ዝነበሮም ጕዳይ ኣስተብሂልካሉዶ፧
10, 11. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ ክልእኮም ከሎ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝነገሮም፧ (ለ) ሃዋርያት እተላእኽሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧
10 የሱስ ድሕሪ ገለ ግዜ ነቶም 12 ሃዋርያት: ሕሙማት ምሕዋይን ኣጋንንቲ ምውጻእን ከም ዝኽእሉ ዝገበረሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:1፣ ሉቃስ 9:1) “ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ክኸዱ ናብ ርሑቕ ቦታታት ለኣኾም። እንታይ ንኽገብሩ፧ ከምዚ ዝብል መምርሒ ሃቦም:- “ኬድኩም ድማ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ: ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ: ምዉታት ኣተንስኡ: ለምጻማት ኣንጽሁ: ኣጋንንቲ ኣውጽኡ።” (ማቴዎስ 10:5-8፣ ሉቃስ 9:2) ብርግጽዶ እሞ ከምኡ ገይሮም ኢዮም፧ “ንሳቶም ድማ ወጺኦም: [1] ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ። [2] ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም።”—ማርቆስ 6:12, 13
11 ዕዮ ምምሃር ኣብ ኵሉ ፍጻመታት ብቐዳምነት ስለ ዘይተጠቕሰ: እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መስርዕ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ዝበለ ድራኸ ከም እተገብረን ንኽንግንዘብ ዘኽእለና ድዩ፧ (ሉቃስ 10:1-8) ነቲ ዕዮ ምምሃር ቅድሚ ናይ ምሕዋይ ተግባር ተጠቒስሉ ዘሎ ቍጽሪ ከነናእሶ የብልናን! ነቲ ዓውደ-ፍጻመ እስከ ንርኣዮ። ነቶም 12 ሃዋርያት ቀቅድሚ ምልኣኹ: የሱስ ብዅነታት ናይቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ተተንኪፉ ኢዩ። ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “የሱስ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣብ ኵሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ: ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ: ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም። ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፤ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ: በሎም።”—ማቴዎስ 9:35-38
12. እቲ ብየሱስን ሃዋርያትን እተፈጸመ ተኣምራታዊ ተግባራት ንምንታይ ተወሳኺ ዕላማ ኢዩ ክጠቅም ዝኸኣለ፧
12 ሃዋርያት ምስ የሱስ ብምንባሮም ንገለ ካብ ሓሳብ ክርስቶስ ክሕዙ ክኢሎም ኢዮም። ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕርን ድንጋጽን ምርኣይ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምምሃርን ዘጠቓልል ምንባሩ ከስተውዕሉ ክኢሎም ኢዮም፣ እዚ ኸኣ እቲ ቐንዲ መዳይ ናይቲ ዝፍጽምዎ ሰናይ ግብሪ ክኸውን ነበሮ። ምስዚ ብምስምማዕ ድማ እቲ ከም ንሕሙማት ምሕዋይ ዝኣመሰለ ምስ ስጋዊ ሓገዝ ዝጠቓለል ሰናይ ግብርታት: ካብቲ መሳኪን ሰባት ዝረኸብዎ ሓገዝ ንላዕሊ ጠቒሙ ኢዩ። ገለ ሰባት በቲ ዝረኣይዎ ናይ ምፍዋስ ተግባርን ብተኣምራታዊ መገዲ እተረኽበ መግብን ተሳሒቦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክትግምቶ ቀሊል ኢዩ። (ማቴዎስ 4:24, 25፣ 8:16፣ 9:32, 33፣ 14:35, 36፣ ዮሃንስ 6:26) እዚ ተግባራት እዚ ስጋዊ ሓገዛት እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከምኡውን እቲ ሙሴ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ “ነብዪ” ምንባሩ ንተዓዘብቲ ኣርጊጾም ከም ዘስተውዕሉ ገይርዎም ኢዩ።—ዮሃንስ 6:14፣ ዘዳግም 18:15
13. ኣብ ዘዳግም 18:18 ተዋሂቡ ዘሎ ትንቢት ነየናይ ክመጽእ ዝነበሮ “ነብዪ” ዝፍጽሞ ግደ ኢዩ ዘጕለሖ፧
13 የሱስ እቲ “ነብዪ” ምንባሩ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ነብዪ ዝፍጽሞ እንታይ ኣቐዲሙ እተነግረ ኣገዳሲ ግደ ነበረ፧ እቲ “ነብዪ” ተኣምራታዊ ናይ ምሕዋይ ተግባራት ብምፍጻምን ንዝጠመዩ ብድንጋጽ መግቢ ብምቕራብን ድዩ ውሩይ ክኸውን ነይርዎ፧ ዘዳግም 18:18 ከምዚ ብምባል ኣቐዲማ ሓቢራ ነይራ ኢያ:- “ከማኻ [ከም ሙሴ] ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ: ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ: ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ።” ስለዚ ሃዋርያት: ለውሃት ዝመልኦ ስምዒት ክህልዎምን ከንጸባርቑን ተማሂሮም እኳ እንተ ነበሩ: ሓሳብ ክርስቶስ በቲ ናይ ስብከትን ምምሃርን ንጥፈቶም ክንጸባረቕ ከም ዝነበሮ ክድምድሙ ክኢሎም ኢዮም። እዚ እቲ ንሰባት ክገብሩሎም ዝኽእሉ ዝነበሩ ዝበለጸ ግብረ-ሰናይ ኢዩ ነይሩ። በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ከኣ ኢዮም ሕሙማትን ስኡናትን: ነቲ ንሓጺር ዕምሪ ወድሰብ ጥራይ ዝጸንሕ ወይ ድማ ነቲ ካብ ሓንቲ ወይ ክልተ መኣዲ ዘይሓልፍ ጥቕሚ ዘይኰነስ: ነቲ ነባሪ ረብሓ ክረኽብዎ ዝኽእሉ።—ዮሃንስ 6:26-30
ሎሚ ሓሳብ ክርስቶስ ኣማዕብል
14. ሓሳብ ክርስቶስ ብኸመይ ኢዩ ምስቲ እንገብሮ ስብከት ተተሓሒዙ ዘሎ፧
14 ሓሳብ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ የሱስን ነቶም ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓሳብ ክርስቶስ አሎና” ብምባል ዝጸሓፈሎም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርትን ጥራይ ከም ዝምልከት ገይሩ ዝወስዶ ዋላ ሓደ ኻባና የለን። (1 ቈረንቶስ 2:16) ብተወሳኺውን ብስራት ናይ ምንጋርን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ግዴታ ከም ዘሎና ከየማታእና እንኣምነሉ ጕዳይ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) እንተዀነ ግን: ኣብቲ ዕዮ ናይ ገዛእ ርእስና ድራኸ ምስ እነንጸባርቕ ረብሓ ኣለዎ። ናይ ግዴታ ስምዒት ተሰሚዑና ክንገብሮ የብልናን። እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንሳተፈሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኢዩ: ብሓቂ ድማ ንየሱስ ምምሳል ካብ ድንጋጽ ተለዓዒልካ ንኽትሰብኽን ክትምህርን ምድራኽ ዘጠቓልል ኢዩ።—ማቴዎስ 22:37-39
15. ድንጋጽ እቲ ኣድላዪ ክፍሊ ህዝባዊ ምስክርነትና ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧
15 ወትሩ ነቶም ከም ናትና ዝኣመሰለ እምነት ዘይብሎም: ብፍላይ ድማ ዘይምግዳስን ምንጻግን ምጽራርን ከጋጥመና ኸሎ: ድንጋጽ ምርኣይ ቀሊል ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ሰባት ዘሎና ፍቕርን ድንጋጽን እንተድኣ ኣጥፊእና: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዘድሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ድራኸ ክንስእን ኢና። ከመይ ገይርና ደኣ ኢና እሞ ድንጋጽ ከነማዕብል እንኽእል፧ ከምቲ ሰባት ንየሱስ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ኰይኖም ዝርኣይዎ ዝነበሩ ገይርና ንምርኣይ ክንጽዕር ኣሎና። (ማቴዎስ 9:36) ሎሚ ሰባት ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታትዶ ኣይኰኑን ዘለዉ፧ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ጓሶት ዕሽሽ ተባሂሎምን ብመንፈስ ዓዊሮምን ኢዮም ዘለዉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሕፍቲ ዘይብሉ መምርሒ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ ምድርና እተምጽኦ ገነታዊ ኵነታት ብጥራስ ዝፈልጥዎ ነገር የብሎምን። ነቲ ድኽነት: ስኒት ስድራቤት ዘይምህላው: ሕማም: ሞት ዘጠቓልል ኣብ ናብራ ዘጋጥም መዓልታዊ ግድላት ብዘይገለ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ ኢዮም ዝጋጠምዎ። እቲ ዘድልዮም ምሳና ኢዩ ዘሎ: እዚ ኸኣ እቲ ብዛዕባ እታ ሕጂ ኣብ ሰማይ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ህይወት ዘድሕን ብስራት ኢዩ!
16. ብስራት ንኻልኦት ክንነግሮም ክንድረኽ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ብዛዕባ እቲ ዘይዓገበ መንፈሳዊ ድሌታት ናይቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ኣጸቢቕካ ሕስብ ምስ እተብል እምበኣር: ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ዕላማ ኣምላኽ ንኽትነግሮም ዝከኣለካ ዘበለ ንምግባር ልብኻ ኣይደፋፍኣካንዶ፧ እወ: ዕዮና ናይ ድንጋጽ ዕዮ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ኣብ ሰባት ዝነበሮ ድንጋጽ እንተድኣ ኣልዩና: ስምዒትና ኣብ ቃና ድምጽና: ኣብ ገጽና: ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራና ክገሃድ ኢዩ። ኵሉ እዚ መግለጺታት እዚ መልእኽትና ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ሰባት ዝያዳ ከም ዝስሕቦም ክገብር ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:48
17. (ሀ) ገለ ካብቶም ንኻልኦት ፍቕርናን ድንጋጸናን ክንገልጸሎም እንኽእል መገድታት ኣየኖት ኢዮም፧ (ለ) ፍቕርናን ድንጋጸናን ምግላጽ ሰናይ ግብሪ ምግባርን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምስታፍን ዘጣመረ ደኣ እምበር ኣብ ሓዲኡ ጥራይ እተመርኰሰ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧
17 ርግጽ ኢዩ: ፍቕርናን ድንጋጽናን ኣብ ምሉእ መዳያት ናብራና ክንጸባረቕ ኣለዎ። እዚ ድማ ንጽጉማት: ንሕሙማት: ከምኡውን ንስኡናት ኣብ ሽግሮም ብዝከኣለና ንምሕጋዞም ሕያውነትና ምርኣይ ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ነቶም ፍቑራቶም ዝሞትዎም ሰባት ኣብ ሓዘኖም ንምጽንናዕ እንገብሮ ናይ ቃልን ግብርን ጻዕርታትና ዘጣምር ኢዩ። (ሉቃስ 7:11-15፣ ዮሃንስ 11:33-35) እንተዀነ ግን: ከምቲ ገለ ገበርቲ ሰናይ ዝሓስብዎ እቲ ቀንዲ ከነተኵረሉ ዘሎና ሰናይ ግብሪ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፍቕርን ሕያውነትን ድንጋጽን መግለጺታት እተመርኰሰ ክኸውን ኣይግባእን። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ተደሪኽካ ኣብቲ ክርስትያናዊ ዕዮ ስብከትን ምምሃርን ብምስታፍ ዝግበር ጻዕርታት እቲ ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ። ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት እተዛረቦ ነገር ኣይትረስዓዮ:- “ካብ ጨና ኣዳም: ካብ ሽላን: ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ: እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ: ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።” (ማቴዎስ 23:23) የሱስ ነቲ ሓደ ሓዲጉ ነቲ ሓደ ኣይሓረየን፣ ንሰባት ስጋዊ ድሌቶም ብምምላእ ምሕጋዞም ወይ ድማ ነቲ ህይወት ዘውህብ መንፈሳዊ ነገራት ምምሃሮም ዝብል መትከል ኣይነበሮን። ንኽልቲኡ ኢዩ ኣማሊኡ። ገና ግን ነቲ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ምምሃር ዕዮ ቀዳምነት ሂብዎ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ: እቲ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ዝፈጸሞ ሰናይ ግብሪ ኸኣ ኢዩ ዘለኣለማዊ ሓገዝ ከምጽእ ዝኽእል ዝነበረ።—ዮሃንስ 20:16
18. ሓሳብ ክርስቶስ ምምርማርና እንታይ ንምግባር ኢዩ ክድርኸና ዝግባእ፧
18 የሆዋ ሓሳብ ክርስቶስ ስለ ዝገለጸልናስ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግኖ! ናይቲ ኽሳዕ ሕጂ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ሓሳብ: ስምዒት: ባህርይ: ንጥፈታት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ቀዳምነት ዝሃቦ ነገራት ብሓገዝ ወንጌላት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ስለዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዝገልጾ ነገራት ከነንብቦ: ከነስተንትኖ: ከምኡውን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኣባና ኢዩ ተሓዲጉ ዘሎ። ብሓቂ ከም የሱስ ክንመላለስ እንተድኣ ዄንና: ፈለማ ከም ናቱ ገይርና ንኽንሓስብን ንኽስምዓናን ንኽንመምን ምልምማድ ከም ዝግብኣና ኣይትረስዕ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ክሳዕ እቲ ከም ዘይፍጹማት ደቅሰብ መጠን ዓቕምና ዝፈቕደልና ኢዩ። ሃየ እምበኣር ሓሳብ ክርስቶስ ንምምዕባልን ንምንጽብራቕን ቈራጻት ንኹን። ካብዚ ዝበልጽ ዓይነት ኣነባብራ: ካብዚ ዝበልጽ ኣተሓሕዛ ሰባት: ከምኡውን ካብዚ ዝበልጽ ንሕና ንኹን ካልኦት ናብቲ ፍጹም ነጸብራቕ ናይቲ ለዋህ ኣምላኽና የሆዋ ክንቀርበሉ እንኽእል መገዲ ከቶ የልቦን።—2 ቈረንቶስ 1:3፣ እብራውያን 1:3
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰባት ንምሕጋዝ ዘርእዮ ዝነበረ መልሰ-ግብሪ ከም እነስተውዕል ዝገብረና ብኸመይ ኢዩ፧
• የሱስ ንሰዓብቱ መምርሒ ክህቦም ከሎ እንታይ ኢዩ ዘጕልሐ፧
• ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና “ሓሳብ ክርስቶስ” ከነንጸባርቕ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧
[ኣብ ገጽ 23 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ክርስትያናት ንኻልኦት ክገብሩሎም ዝኽእሉ ዝበለጸ ሰናይ ግብሪ እንታይ ኢዩ፧