ሲሪል ሉካሪስ—ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ግምት ዝሃበ ሰብኣይ
ኣብ እዋን ክረምቲ ናይ 1638 ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ጥቓ እታ ርእሲ ኸተማ ሃጸይ ኦቶማን ዝነበረት ኮስታንቲኖፓል (ዘመናዊ ኢስታንቡል) ዝርከብ ባሕሪ ማርማራ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ሬሳ ጸምበለል ክብል ከሎ ምስ ረኣዩ ሰምበዱ። ቀሪቦም ምስ ረኣይዎ እቲ ሬሳ ናይቲ መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ተሓኒቑ እተቐትለ ፓትሪያርክ ናይ ኮንስታንቲኖፖል ምዃኑ ምስ ፈለጡ ረዓዱ። እዚ እቲ ዘሕዝን ኣማውታ ናይቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ውሩይ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ሲሪል ሉካሪስ ኢዩ።
ሉካሪስ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ በቲ ተራ ህዝቢ ዝዛረበሉ ቋንቋ ግሪኽ ተተርጒሙ ክወጽእ ይብህግ ነበረ: እዚ ኣብ መፈጸምታ ክሳዕ ዝበጽሕ ግን ብህይወት ኣይጸንሐን። ካልእ መፈጸምታ ዘይረኸበ ባህጊ ሉካሪስ ከኣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምስቲ “ክርስትያናዊ ወንጌል” ተሰማሚዓ ምርኣይ ኢዩ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ እዚ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ ኣብቲ ዝጽዕረሉ ዝነበረ ግዜኸ እንታይ ዕንቅፋታት ኣጋጠሞ፧
በቲ ጕድለት ትምህርቲ ሓዘነ
ሲሪል ሉካሪስ ብ1572 ኣብታ ብቨኒስ እትመሓደር ዝነበረት ኣብ ቅሬጥስ እትርከብ ካንዲያ (ሎሚ ኢራክሊዮን) እትብሃል ከተማ ኢዩ ተወሊዱ። ናይ ትምህርቲ ተውህቦ ስለ ዝነበሮ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ቨኒስን ፓዱኣን ተማህረ: ብድሕሪኡ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ሰፊሕ መገሻ ፈጸመ። እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ምክፍፋል ስለ ዘጕሃዮ ከምኡውን እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓሳት ስለ ዝማረኾ ኣብታ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ካልቫኒዝም ዝነበረት ጀነቫ እውን ከይዱ ይኸውን ኢዩ።
ሉካሪስ ንፖላንድ ክበጽሕ ከሎ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ዘይተማህሩ ብምንባሮም ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ኵነታት ወዲቖም ከም ዝነበሩ ኣስተውዓለ። ናብ እስክንድርያን ኮንስታንቲኖፖልን ምስ ተመልሰ ካብ ገሊኡ ኣብያተ-ክርስትያናት እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምንባብ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣትራኖስ ከይተረፈ ተላዒሉ ምስ ጸንሖ ሰንበደ!
ኣብ 1602 ሉካሪስ ናብ እስክንድርያ ከደ: ኣብኡ ድማ ነቲ ዘመዱ ዝነበረ ፓትሪያርክ መሊቶስ መንበረ ጵጵስና ብምሓዝ ተክኦ። ካብኡ ምስቶም ናይ ተሃድሶ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ እተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ክጸሓሓፍ ጀመረ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ደብዳበታቱ: ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ጌጋ ዝዀነ ልምድታት ከም ዘለዋ ገለጸ። ኣብ ካልእ ደብዳበታቱ ድማ እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ማሪታዊ ዝዀነ ልምድታታ ገዲፋ በቲ “ክርስትያናዊ ወንጌል” ክትመላለስን ነቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ስልጣን ጥራይ ተኣማንነት ከተርእን ከም ዘለዋ ኣጕሊሑ ኢዩ።
መንፈሳዊ ስልጣን ናይቶም ኣበው ቤተ-ክርስትያን ምስቲ ቃላት የሱስን ሃዋርያትን ዘለዎ ስልጣን ማዕረ ምዃኑ ንሉካሪስ ኣሰንቢድዎ ኢዩ። “ሰብኣዊ ልምድታት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ማዕረ ከም ዝዀነ ክዛረቡ ከለዉ ምስማዕ ደጊም ክጻወሮ ኣይክእልን ኢየ” ብምባል ጽሓፈ። (ማቴዎስ 15:6) ወሲኹ ድማ ምስሊ ምምላኽ ጥፍኣት ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ተዛረበ። ናብ “ጻድቃን” ምጽላይ: ነቲ ማእከላይ ዝዀነ የሱስ ከም ምጽራፍ ምዃኑ ተገንዘበ።—1 ጢሞቴዎስ 2:5
ዝፋን ፓትሪያርክ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ
እዚ ርእይቶታት እዝን እቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበሮ ጽልእን ንሉካሪስ በቶም ጀስዊትን በቶም ምስ ካቶሊክ ምሕባር ዝደልዩ ዝነበሩ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝዀኑ ሰባትን ጽልእን መስጐጕትን ኣስዓበሉ። ከምዚ ዝበለ ተቓውሞ እኳ እንተ ነበሮ ብ1620 ሉካሪስ ፓትሪያርክ ናይ ኮንስታንቲኖፓል ክኸውን ተመርጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝኸውን ፓትሪያርክ ናይ ምምራጽ ስልጣን ዝነበሮ ሃጸያዊ ግዝኣት ኦቶማን ኢዩ ነይሩ። ንሓደ ፓትሪያርክ ካብ ስልጣን ኣልጊስካ ንሓደ ገንዘብ ዝኸፍል ካልእ ሓድሽ ፓትሪያርክ ምሻም ንመንግስቲ ኦቶማን ቀሊል ኢዩ ነይሩ።
ጸላእቲ ሉካሪስ: ቀንዲ ድማ እቶም ጀስዊትን እቶም ሓያላትን ዘፍርሑን ዝነበሩ ናይ ጵጵስና ኮንግረጋትዮ ደ ፕሮፓጋንዳ ፊደ (እምነት ናይ ምስፍሕፋሕ ጉባኤ): ምጥቃኑን ኣንጻሩ ውዲት ምግባርን ቀጸሉ። እቲ ኪሪሎስ ሉካሪስ ዝብሃል ጽሑፍ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እዚ ንምግባር እቶም ጀስዊት ብእተኻእሎም መጠን ተንኰል: ጥቀና: ሻሕራ: ልዕሊ ኵሉ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣን [ኦቶማን] ስምረት ንምርካብ ዝያዳ ኣሳልጦ ዝነበሮ ጉቦ ተጠቒሞም ኢዮም።” ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብ1622 ሉካሪስ ኣብ ደሴት ሮደስ ተሓየረ። እቲ ግረጎሪ ዝብሃል ኣማስያ ዝዓዱ ድማ ነቲ ስልጣን ብ20,000 ሰናቲም ብሩር ዓደጎ። ይኹን እምበር: ግረጎሪ እቲ ቃል ዝኣተዎ ገንዘብ ክኸፍል ኣይከኣለን ስለዚ ኸኣ እቲ ኣንቲሙስ ዝብሃል ብዓል ኣድሪያናፖሊ ነቲ ስልጣን ዓደጎ ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ብፍቓዱ ተሰናበተ። እቲ ዝገርም ድማ እቲ መንበረ ፓትሪያርክ ንሉካሪስ ተመልሰሉ።
ሉካሪስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ መጽሓፍ ቅዱስን ሃይማኖታዊ ትራክትታትን ብምሕታም ነቶም ናይ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ክምህር ቈረጸ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ብዕቝባ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ኣምባሳደር ሓንቲ ናይ ሕትመት መሳርሒ ናብ ኮስታንቲኖፓል ከም እትኣቱ ገበረ። ይኹን እምበር: እታ ናይ ሕትመት መሳርሒ ኣብ ሰነ 1627 ኣብታ ከተማ ምስ ኣተወት: ጸላእቲ ሉካሪስ ንፖለቲካዊ ዕላማ ኢዩ ዝጥቀመላ ብምባል ከሰስዎ: ኣብ መወዳእትኡ ድማ ከም እትጕሓፍ ገበሩ። ካብኡ ንደሓር ሉካሪስ በቲ ኣብ ጀነቫ ዝነበረ ኣብያተ-ማሕተም ኣቢሉ ክጥቀም ነበሮ።
ትርጕም ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ
ሉካሪስ ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ሰባት ንምምሃር ዘለዎ ሓይልን ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮ ነቲ ቃላቱ በቲ ተራ ሰብ ዝርድኦ ቋንቋ ክጽሓፍ ባህጊ ሓደሮ። እቲ ኣብ ኢደ-ጽሑፍ ናይቲ በዅሪ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዝነበረ ቋንቋ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ክርድኦ ዘይክእል ምዃኑ ተገንዚቡ ነበረ። ስለዚ እቲ ሉካሪስ ንኽግበር ዝኣዘዞ ናይ መጀመርታ ዕዮ ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ናብቲ ኣብ ግዚኡ ዝዝረበሉ ዝነበረ ግሪኽ ምትርጓም ኢዩ ነይሩ። ሓደ ማክሲሙስ ካሊፖሊቴስ እተባህለ ምሁር ፈላሲ ኣብ መጋቢት 1629 ነዚ ዕዮ እዚ ጀመሮ። ብዙሓት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እቲ ጽሑፍ ነቶም ኣንበብቲ ዘይርድኦም እኳ እንተዀነ ቅዱሳት ጽሑፋት ምትርጓም ግን ዘይግቡእ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ ነይሮም። ንምህድኦም ኢሉ ሉካሪስ ነቲ በዅሪ ጽሑፍን ነቲ ዘመናዊ ትርጕምን ጎድኒ ንጎድኒ ገይሩ ውሑድ ሓጺር መግለጺታት ጥራይ ብምውሳኽ ኣብ ክልተ ዓምዲ ኣቐመጦ። ካሊፖሊቴስ ነቲ ኢደ-ጽሑፍ ንሉካሪስ ድሕሪ ምሃቡ ስለ ዝሞተ ሉካሪስ ባዕሉ ነቲ ቅዳሕ ኣንበቦ። እቲ ትርጕም ሉካሪስ ድሕሪ ሙማቱ ነዊሕ ከይጸንሐ ብ1638 ተሓትመ።
ሉካሪስ ይጥንቀቕ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ትርጕም ኣብ ብዙሓት ኣቡናት ጽልኢ ከም ዝለዓል ገይሩ ኢዩ። ሉካሪስ ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ከም ዝነበሮ በቲ ኣብ መእተዊ ናይቲ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፎ ኣጸቢቑ ተራእዩ ኢዩ። እቲ ሰባት ብዝዛረብሉ ቋንቋ ዝቐረበ ቅዱሳት ጽሑፋት “ካብ ሰማይ እተላእከልና ባህ ዘብል መልእኽቲ ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ። ሰባት “ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕዝቶ [መጽሓፍ ቅዱስ] ዘሎ ክፈልጥዎን ክላለይዎን” ተላበወ። “ብዘይካ እቲ መለኮታውን ቅዱስን ወንጌል . . . [ብዛዕባ] እቲ ንእምነት ዝምልከት ነገራት ብልክዕ” ክምህር ዝኽእል ካልእ መገዲ ፈጺሙ የለን እውን በለ።—ፊልጲ 1:9, 10
ሉካሪስ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ዝኽልክሉ ከምኡውን ነቶም እቲ በዅሪ ጽሑፋት ክትርጐም ዘይደልዩ ዝነበሩ ሰባት “እቲ እንዛረቦን እነንብቦን ዘይርዱእ እንተ ዀይኑ: ቃላትና ናብ ንፋስ ከም ምብታን ኢዩ” ብምባል ኣበርቲዑ ይዅንኖም ነበረ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 14:7-9 ኣረኣእዮ።) ነቲ መእተዊ ክድምድም ከሎ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኵሉኹም ነዚ መለኮታውን ቅዱስን ወንጌል ብቛንቋኹም ከተንብቡ ከሎኹም ካብቲ ብምንባቡ ዝርከብ ጥቕሚ ቅሰሙ . . . ኣምላኽ ድማ ናብ ሰናይ ምእንቲ ክትምርሑ መመሊሱ የብርሃልኩም።”—ምሳሌ 4:18
ናይ እምነት ምንዛዝ
ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጅማሩ ሉካሪስ ካልእ ትብዓት ዝሓትት ስጕምቲ ወሰደ። ብ1629 ኣብ ጀነቫ ናይ እምነት ምንዛዝ ጽሓፈ። እዚ ድማ ብሕታዊ መግለጺ ናይቲ ንሱ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ተቐባልነት ክረክብ ዝደለዮ እምነታት ኢዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ዘ ኦርቶዶክስ ቸርች ዝብሃል መጽሓፍ እዚ ምንዛዝ እዚ “ነቲ ብዛዕባ ቤተ-ክህነትን ኣብኡ ዘሎ ንስልጣን ዝምልከት ስርዓታትን ዝገልጽ ናይ ኦርቶዶክስ ሰረተ-እምነት ዘቃልዕ: ከምኡውን ስእልታት ምጥቃምን ንጻድቃን ምልማንን ኣምልኾ ጣኦት ብምዃኑ ዝኹንን ኢዩ።”
እቲ ምንዛዝ ብ18 ዓንቀጻት ዝቘመ ኢዩ። እቲ ካልኣይ ዓንቀጽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ እሞ እቲ ዘለዎ ስልጣን ድማ ካብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝበልጽ ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ይብል:- “ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣምላኽ ከም እተዋህበ ንኣምን ኢና። . . . ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ስልጣን ካብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝበልጽ ንኣምን ኢና። ብመንፈስ ቅዱስ ምምሃር ካብ ብሰብ ምምሃር ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16
እቲ ሻምናይን ዓስራይን ዓንቀጻት የሱስ ክርስቶስ እቲ እንኮ ማእከላይን ሊቀ ኻህናትን ርእሲ ናይታ ጉባኤን ምዃኑ ይገልጽ። ሉካሪስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንበይኑ ከም ሓቀኛን ሕጋውን ሊቀ ኻህናትን ማእከላይን መጠን ኣብ የማን ኣቡኡ ኰይኑ ይማልደልና ምዃኑ ንኣምን ኢና።”—ማቴዎስ 23:10
ዓንቀጽ 12 ኸኣ እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ሓሶት ከም ሓቂ ብምውሳድ ክትጋገ ከም እትኽእል እንተዀነ ግን ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ብዕዮ ናይ እሙናት ኣገልገልቲ ኣቢሉ ከድሕና ከም ዝኽእል ይገልጽ። ኣብ ዓንቀጽ 18 ሉካሪስ መንጽሂ ቦታ ምህዞ ከም ዝዀነ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ናይ መንጽሂ ቦታ ልቢ ወለድ ብምዃኑ ተቐባልነት ክረክብ ከም ዘይብሉ ርዱእ ኢዩ።”
ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ናይቲ ምንዛዝ እተፈላለየ ሕቶን መልስን ኣሎ። ኣብዚ ድማ ሉካሪስ እቲ ጽሑፋት ብዝዀነ ይኹን እሙን ዘበለ ሰብ ክንበብ ከም ዘለዎን ሓደ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ዘየንብብ እንተድኣ ኰይኑ ከም ዝጕዳእን የጕልሕ። ወሲኹውን መጽሓፍ ኣዋልድ ክርሕቕ ከም ዘለዎ ይገልጽ።—ራእይ 22:18, 19
እታ ራብዐይቲ ሕቶ ከምዚ ትብል:- “ስእልታት ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧” ሉካሪስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “በቲ ብግልጺ ‘ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ: ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን [ዘጸኣት 20:4, 5]’ ዝብል መለኮታዊ ቅዱሳት ጽሑፋት ኢና እንምሃር: ንፍጥረት ዘይኰነስ ነቲ እንኮ ፈጣርን ደኳንን ናይ ሰማይን ምድርን ኢና ከነምልኽን ከነኽብርን ዝግብኣና። . . . [ንስእልታት] ምምላኽን ምግልጋልን . . . ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተኸልከለ ብምዃኑ ንነጽጎ ኢና። ነዚ እንተ ረሲዕና ነቲ ፈጣርን ደኳንን ገዲፍና ንሕብርታትን ስነ-ጥበብን ፍጡራትን ከነምልኽ ኢና።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:29
ሉካሪስ ኣብቲ ናይ መንፈሳዊ ጸልማት ዝነበረ መዋእል ንዅሉ እቲ ግጉይ ዝዀነ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ እኳ እንተ ዘይከኣለ:a መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት ስልጣን ክህልዎን ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትምህርትታት ንኽፈልጡን ኣብ ምምሃር ዝንኣድ ጻዕሪ ገይሩ ኢዩ።
እዚ ምንዛዝ እዚ ድሕሪ ምዝርግሑ ብኡንብኡ ንሉካሪስ ሓድሽ ማዕበል መስጐግቲ ወረዶ። ኣብ 1633 እቲ ኣብ ከተማ በርያ (ሎሚ ኣሌፖ) ዝነበረ ሲሪል ኮንታሪ እተባህለ በቶም ጀስዊት ዝድገፍ ምስ ሉካሪስ ከኣ ብሕታዊ ጽልኢ ዝነበሮ ነቲ መንበረ ፓትሪያርክ ንምርካብ ምስ መንግስቲ ኦቶማን ተዋገየ። ይኹን እምበር: ኮንታሪ ነቲ እተሓቶ ገንዘብ ምኽፋል ምስ ሰኣነ እቲ ውዲት ፈሸለ። ሉካሪስ ኣብ ስልጣን ቀጸለ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዓመት እቲ ብዓል ተሰሎንቄ ዝነበረ ኣታናሲዩስ 60,000 ሰናቲም ብሩር ከፊሉ ስልጣን ሓዘ። ሉካሪስ ድማ እንደገና ካብ ስልጣን ወረደ። ድሕሪ ወርሒ ግን ጸዊዖም ኣብ ስልጣን መለስዎ። ክሳዕ ሽዑ ሲሪል ኮንታሪ 50,000 ሰናቲም ብሩር ኣከበ። ሉካሪስ ከኣ ኣብ ሮደስ ተሓየረ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዕሩኽቱ ናብ ስልጣኑ ከም ዝምለስ ገበሩ።
ይኹን እምበር: ብ1638 እቶም ጀስዊትን መተሓባብርቶም ዝነበሩ ኦርቶዶክስን ሉካሪስ ኣንጻር ግዝኣት ኦቶማን ከቢድ ክሕደት ከም ዝፈጸመ ገይሮም ከሰስዎ። እቲ ሱልጣን ድማ ክቕተል ኣዘዘ። ሉካሪስ ተኣስረ እሞ ብ27 ሓምለ 1638 ንማሕዩር ይኸይድ ከም ዘሎ ብምምሳል ብሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ተወስደ። እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሐት ሓነቕዎ። ኣብ ገምገም እቲ ባሕሪ ተቐብረ: ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ፍሒሮም ኣውጺኦም ኣብ ባሕሪ ደርበይዎ። ሬስኡ ብገፈፍቲ ዓሳ ተረኽበ እሞ ጸኒሖም ኣዕሩኽቱ ቀበርዎ።
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ሓደ ምሁር ከም ዝብሎ “እቲ ቀንዲ ዕላማ [ሉካሪስ] ፍልጠት ናይቶም ኣብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተን ዓሰርተ ሸውዓተን ክፍለ-ዘበን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ በጺሑ ዝነበረ ኣቕሽሽትን መጓሰን ክብ ምባል ከም ዝነበረ ክንግንዘብ ይግባእ።” ኣብዚ ሸቶ እዚ ንኸይበጽሕ ንሉካሪስ እተፈላለየ ዕንቅፋታት ኣጓኒፍዎ ኢዩ። ካብቲ መንበረ ፓትሪያርክ ሓሙሽተ ግዜ ኣልጊሶምዎ። ምስ ሞተ ድሕሪ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ኣብ የሩሳሌም እተኻየደ ሲኖድ ንእምነት ሉካሪስ ክሕደት ኢዩ ብምባል ወገዞ። እቲ ሲኖድ ወሲኹ ቅዱሳት ጽሑፋት “ብዝዀነ ሰብ ዘይኰነስ በቶም ዓሚቝ ምምርማር ምስ ገበሩ ንዕምቈት ናይ መንፈስ ኣትኲሮም ዝጥምቱ ሰባት: [እዚ ማለት ድማ በቶም ምሁራት ኢዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ኣቕሽሽቲ ጥራይ] ኢዩ ክንበብ ዝግብኦ” ብምባል ገለጹ።
ሕጂ እውን እንደገና እቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ናይ ቤተ-ክርስትያን ክፍሊ ቃል ኣምላኽ ነተን መጓሰ ንኽበጽሐን እተገብረ ጻዕሪ ዓበጥዎ። ብጭከና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመስረተ እምነቶም ጌጋ ምዃኑ ዝሕብር ድምጺ ስቕ ኣበልዎ። እቶም ዝኸፍኡ ጸላእቲ ሃይማኖታዊ ሓርነትን ሓቅን ምዃኖም ኣረጋገጹ። እዚ ብእተፈላለየ መገዲ ክሳዕ እዚ እዋንና ዘሎ ኣመለኻኽታ ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ። ብኣቕሽሽቲ እተኣልመ ውዲት ኣንጻር ናይ ምዝራብን ሓሳብ ናይ ምግላጽን ናጽነት ክቐውም ከሎ ዘጋጥም እንታይ ምዃኑ ዘርኢ ረዚን መዘኻኸሪ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ዝገበሮ ምንዛዝ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዘይኰነ ሰረተ-እምነት ስላሴ: ዕድሎት: ዘይትመውት ነፍሲ ደጊፉዎ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሉካሪስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት ስልጣን ክህልዎን ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትምህርትታት ንኽፈልጡ ኣብ ምምሃርን ዝንኣድ ጻዕሪ ገይሩ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ሉካሪስን እቲ ኣለክሳንድሪኑስ ዝብሃል ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍን
ሓደ ካብቲ ኣብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-መጻሕፍቲ ዝርከብ ክቡር ነገራት እቲ ኣለክሳንድሪኑስ ዝብሃል ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ኢዩ። እዚ ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፍ ኢዩ። ካብቲ 820 ኣቢሉ ዝኸውን ናይ ፈለማ ገጻት እቲ 773 ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቡ ኣሎ።
ሉካሪስ ፓትሪያርክ ናይ እስክንድርያ: ግብጺ: ከሎ ብዙሕ መጻሕፍቲ ነይርዎ ኢዩ። ናይ ኮስታንቲኖፓል ፓትሪያርክ ምስ ኰነ ድማ ነቲ ኣለክሳንድሪኑስ ዝብሃል ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ሒዙ ከደ። ኣብ 1624 በቲ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ኣምባሳደር ኣቢሉ ንንጉስ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳማዊ ጀይምስ ህያብ ለኣኸሉ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ እቲ ወራሲ መንበር ንግስነት ዝነበረ ቀዳማዊ ቻርለስ ተረከቦ።
ኣብ 1757 እቲ ናይ ንጉስ ቤተ-መጻሕፍቲ ንመንግስቲ እንግሊዝ ተዋህበ: ሎሚ ድማ እዚ ብሉጽ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ እዚ ኣብቲ ስእሊ ዝረኣየሉ ኣደራሽ ጆን ሪትባልት ኣብቲ ሓድሽ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-መጻሕፍቲ ብበጻሕቲ ክርአ ይከኣል ኢዩ።
[ምንጪ ስእሊ]
Gewerbehalle, Vol. 10
From The Codex Alexandrinus in Reduced Photographic Facsimile, 1909
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Bib. Publ. Univ. de Genève