ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/9 ገጽ 8-9
  • ኣብ ደሴታት ፊጂ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ደሴታት ፊጂ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሆዋ ተኣሚኖም
  • ንሕልና ዘጠቓልል ምርጫ
  • በዳሂ ዕንቅፋታት
  • ሎሚ ኻብ መምርሒ የሆዋ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣብ ደሴታት ሰሜናዊ ጫፍ ኣውስትራልያ ብስራት ተሰብከ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/9 ገጽ 8-9

ንሕና ከምቶም እምነት ዘለዎም ኢና

ኣብ ደሴታት ፊጂ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ

ሓደ እዋን የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ክልተ መገድታት ተዛሪቡ ነይሩ። እታ ሓንቲ ገፋሕ ኰይና ናብ ሞት: እታ ካልኣይቲ ግን ቀጣን ኰይና ናብ ህይወት እትመርሕ ኢያ። (ማቴዎስ 7:⁠13, 14) ሰባት ቅኑዕ መገዲ ክመርጹ ምእንቲ ክኽእሉ: የሆዋ ኣምላኽ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ንኽስበኽ ዕላማ ገበረ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ስለዚ: ኣብ ኵሉ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰምዑ ኣለዉ: ገሊኣቶም ከኣ “ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ብምዃን ህይወት ይመርጹ ኣለዉ። (እብራውያን 10:⁠39) እቶም ኣብ ፊጂን ኣብ ጥቕኣ ኣብ ዝርከባ ደሴታት ደቡባዊ ሰላማዊ ውቅያኖስን ዝነብሩ ሰባት ዝገበርዎ ምርጫ ናይ ህይወት ከተንብብ ንዕድመካ ኣሎና።

ኣብ የሆዋ ተኣሚኖም

ሜረ ብ1964 ንመጀመርታ ግዜ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰምዕ ከላ ተማሃሪት ነበረት። ኣብ ሓንቲ ምሕድግ ዝበለት ደሴት ትነብር ስለ ዝነበረት: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ርክብ ኣይነበራን። ኣብ መወዳእታ ግን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ክትረክብ ከኣለት። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሓለቓ ማይ ቤት ናይታ ቍሸት ተመርዕያ ነበረት። ሜረ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትነብር ስለ ዝመረጸት: ሰብኣያን ኣዝማዱን ኣሳቐይዋ: እቶም ደቂ ዓዳ ድማ ተጸየፉዋ። ይኹን እምበር ብ1991 ተጠምቀት።

ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ እቲ ቾሱዋ ዝስሙ ሰብኣይ ሜረ ኣረኣእያኡ ቐየረ: ኣብቲ ሜረ ምስ ደቆም እትገብሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ እውን ከይተረፈ ኮፍ ኢሉ ክሰምዕ ጀመረ። ቾሱዋ ናብ ናይ ሜቶዲስት ቤተ⁠-​ክርስትያን ምኻድ ኣቋረጸ። ሓለቓ ማይ ቤት ከም ምዃኑ መጠን ግን ነቲ ኣብታ ቍሸት ኣብ ሰሰሙን ዝግበር ኣኼባ ይመርሕ ነበረ። ናይ ሜቶዲስት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዘይትንጸል ክፍሊ ናብራ ሃገረሰብ ፊጂ ስለ ዝዀነት ቾሱዋ ኣብ ኣዒንቲ ተቐማጦ እታ ቍሸት ዘይእሙን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ናይታ ዓዲ ቀሺ ናብ ናይ ቀደም ሃይማኖቱ ክምለስ ተማሕጸኖ።

ቾሱዋ ንሱን ስድራ​ቤቱን ምርጫኦም ከም ዝገበሩ: ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከምልኽዎ ከም ዝወሰኑ ብትብዓት ገለጸ። (ዮሃንስ 4:⁠24) ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ናይታ ቍሸት ኣኼባ: እቲ ዝለዓለ ሓለቓ ማይ ቤት ንቾሱዋን ስድራ​ቤቱን ካብታ ቍሸት ክስጐጉ ወሰነ። ኣብታ ደሴት ገዝኦም: መሬቶም: እኽሎም: ኰታ ዝነበሮም ኵሉ መነባብሮ ገዲፎም ንኽስደዱ ሸውዓተ መዓልቲ ተዋህቦም።

ኣብ ካልእ ደሴት ዝቕመጡ መንፈሳውያን ኣሕዋት ንቾሱዋን ስድራ​ቤቱን ዝነብሩሉ ቦታን ግራትን ብምሃብ ሓገዝዎም። ኣብዚ እዋን እዚ ቾሱዋን በዅሪ ወዱን ተጠሚቖም ኢዮም: ካልእ ወዶም ድማ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ሜረ ስርዓታዊት ፓይነር (ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ) ኰይና ተገልግል ኣላ። ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርዎ ምርጫ ዝነበሮም መዓርግን ስጋዊ ንብረትን ከም ዘጥፍኡ ገይርዎም ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቲ ዝረኸብዎ ብምውድዳር ነዚ ኣብ ግምት ኣየእትዉዎን ኢዮም።​—⁠ፊልጲ 3:⁠8

ንሕልና ዘጠቓልል ምርጫ

ብመጽሓፍ ቅዱስ ንዝሰልጠነ ሕልና ምስዓብ እምነትን ትብዓትን ዝሓትት ኢዩ። እታ ኣብ ሓንቲ ካብ ደሴታት ኪሪባቲ ኣብ እትርከብ ደሴት ታራዋ እትነብር ሱራንግ እትበሃል ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተጠምቀት መንእሰይ እውን ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዋ። ሱራንግ ኣብ ሓደ መዳይ ዕዮ ናይቲ ኣላዪት ሕሙማት ኰይና እትሰርሓሉ ሆስፒታል ንኸይትዓዪ ፍቓድ ሓተተት። ዘቕረበቶ ሕቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን: ብሰንኪ እዚ ኸኣ ናብ ሓንቲ ኣብ ምሕድግ ዝበለት ደሴት እትርከብ ንእሽቶ ማእከል ጥዕና ንኽትዓዪ ተላእከት እሞ ካብ ናይ እምነት ብጾታ ተፈልየት።

ኣብታ ደሴት ዝዀነ ይኹን ጋሻ ክመጽእ ከሎ ነቲ ናይታ ዓዲ “መንፈስ” ናይ ምስዋእ ልምዲ ነበሮም። እቶም ህዝቢ ከምዚ እንተ ዘይገይርካ ሞት ከም ዘስዕብ ይኣምኑ ኢዮም። ሱራንግ እዚ ኣምልኾ ጣኦት እዚ ንዓኣን ንብጾታን ከይግበር ስለ ዝኸልከለት: እቶም ደቂ ዓዲ በቲ እተቐየመ መንፈስ ክትሕነቕ ይጽበይዋ ነበሩ። ንሱራንግ ኰነ ንብጾታ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ስለ ዘየጋጠሞም ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተኸፍተላ።

እንተ​ዀነ ግን ንሱራንግ ዘጋጠማ ፈተና በዚ ኣይተወድአን። ገለ ኣብታ ደሴት ዝቕመጡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ናብታ ደሴት ክበጽሓ ንዝመጻ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ምስዳዕ ስራሕና ኢሎም ኢዮም ሒዞምዎ ነይሮም። ይኹን እምበር: ሱራንግ ነቲ ናይ ፍትወት ኣቀራርባኦም ኣይተቐበለቶን: ንኣምላኽ ዘለዋ ንጽህና ድማ ሓለወት። አረ: ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ኣላዪት ሕሙማት ኰይና እኳ ትዓዪ እንተ ነበረት: ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ክኢላ ኢያ።

ቀቅድሚ እቲ ሱራንግ ካብታ ደሴት ክትፋኖ ኸላ እተዳለወላ ድግስ: እቶም ናይታ ቍሸት ሽማግለታት ካብቶም ናብታ ደሴት ዝመጹ ሰባት ናይ መጀመርታ ናይ ሓቂ ሚስዮናዊት ከም ዝዀነት ገለጹ። ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ዘለዋ ጽኑዕ ኣቕዋም ብምርኣይ ካልኦት ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብጽቡቕ ተቐቢሎሞ ኢዮም።

በዳሂ ዕንቅፋታት

ገሊአን ኣቝሻት ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ስለ ዝርከባ: እቶም ኣብአን ዝቕመጡ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ኣገልግሎትን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ንኽካፈሉ ብርቱዕ ጻዕሪ ክገብሩ የድልዮም። ናብ ኣኼባታት ክኸዱን ካብኡ ንኽምለሱን ብዙሕ ሰዓታት ዝጓዓዙ ኣብነት ናይ ኣርባዕተ መሰኻኽር​—⁠ሓደ ሓውን ሰለስተ ኣሓትን​—⁠እስከ ንርአ። ኣብ መገዶም ሰለስተ ኣፍላጋት ክሰግሩ ኣለዎም። እቲ ኣፍላጋት ክመልእ ከሎ: መጀመርታ እቲ ሓው ነቲ ቦርሳኦም: መጻሕፍቶም: ከምኡውን ኣብ ኣኼባ ዝኽደንዎ ክዳውንቲ ኣብ ዓቢ ድስቲ ኣእትዩ እናጐተቶ ሓንቢሱ ይሰግር። ድሕርዚ ነተን ሰለስተ ኣሓት ንምሕጋዝ እንደገና ይምለስ።

ኣብ ሓንቲ ካብተን ደሴታት ኪሪባቲ እትርከብ ኖኖውቲ እትበሃል ምሕድግ ዝበለት ደሴት ዝእከቡ ኣባላት ሓንቲ ንእሽቶ ጕጅለ: ካብዚ እተፈልየ ጸገማት ኢዩ ዘጋጥሞም። እቲ ዝእከቡሉ ቤት ሸውዓተ ወይ ሸሞንተ ሰባት ጥራይ ኢዩ ዝሕዝ። ካልኦት ኣብቲ ኣኼባ ዝካፈሉ ሰባት ኣብ ደገ ኢዮም ዝዀኑ: ኣብቲ ንመስርሒ እንዳ ደረውህ ብዝውዕል ሬተ እተሓጽረ ቦታ ኸኣ ተጻቢቦም ኮፍ ይብሉ። እዚ መአከቢ ቦታ እዚ እቶም ዝተረፉ ተቐማጦ እታ ቝሸት ናብቲ ማራኺ ቤተ⁠-​ክርስትያኖም ክኸዱን ካብኡ ክምለሱን ከለዉ ክርእይዎ ኣብ ዝኽእሉ ቃልዕ ቦታ ኢዩ ዝርከብ። ርግጽ ኢዩ: ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክቡር ነገር ዝበሃል ህንጻታት ዘይኰነስ ሰባት ምዃኖም ኣገልገልቲ የሆዋ ይፈልጡ ኢዮም። (ሃጌ 2:⁠7) ኣብታ ደሴት ሓንቲ እተጠምቀት ሓብቲ ጥራይ ኢያ ዘላ። ብዕድመ ስለ ዝደፍአት ከኣ ብእግራ ብዙሕ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢያ። እንተ​ዀነ ግን: ሓንቲ ዘይተጠምቀት መንእሰይ ኣስፋሒት ኣብ ዓረብያ ገይራ ናብ ኣገልግሎት ስለ እትወስዳ ሓገዝ ትረክብ ኢያ። ኣየ ንሓቂ ከመይ ዝበለ ሞሳ ከም ዘለዎም ኰን ኢዮም ዘርኣዩ!

እቶም ኣብ ደሴታት ፊጂ ዘገልግሉ ዘለዉ ካብ 2,100 ዝበዝሑ ኣስፋሕቲ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ንኽቕጽሉ ቈሪጾም ኢዮም። ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት “ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ከም ዝዀኑ ድማ ርግጸኛታት ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኣውስትራልያ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ፊጂ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ