ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግቡእ ኣተሓሕዛ ደም ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ ብምምርኳስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ ገዛእ ርእስኻ ደም ንዝግበር ሕክምና ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧
ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ብሕታዊ ምርጫ ወይ ኣብ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ተመርኲሱ ኣብ ክንዲ ዝውስን: መጽሓፍ ቅዱስ ንዝብሎ ኣርዚኑ ክሓስበሉ ኣለዎ። እዚ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ የሆዋን ዘሎ ጕዳይ ኢዩ።
እቲ ህይወት ዝሃበና የሆዋ: ደም ከይንወስድ ኣዚዙና ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:3, 4) ኣምላኽ ኣብቲ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: ደም ንህይወት ስለ ዝውክል ኣብ ኣተሓሕዛኡ ቀይድታት ገበረሎም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም:- “ነፍሲ [ወይ ህይወት] ስጋ ኣብቲ ደም እዩ: . . . ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም።” ሓደ ሰብ ንመግቢ ዝኸውን እንስሳ እንተ ሓረደኸ፧ ኣምላኽ “ነቲ ደም ይኽዐዎ: ሓመድ ድማ ይኽደኖ” በሎም።a (ዘሌዋውያን 17:11, 13) የሆዋ ነዚ ትእዛዝ እዚ ደጋጊምዎ ኢዩ። (ዘዳግም 12:16, 24፣ 15:23) እቲ ናይ ኣይሁድ ሶንሲኖ ኹማሽ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “ደም ክዕቈር የብሉን: የግዳስ ናብ ምድሪ ብምፍሳስ ከም ዘይውሰድ ክግበር ኣለዎ።” ዋላ ሓደ እስራኤላዊ ደም ከዕርቕ: ክኽዝን: ከምኡውን ንደም ናይቲ ካብ ኣምላኽ ህይወት እተዋህቦ ካልእ ፍጥረት ክወስድ ኣይክእልን ነበረ።
እቲ መሲህ ምስ ሞተ ንሕጊ ሙሴ ናይ ምእዛዝ ግዴታ ተደምደመ። ኣምላኽ ብዛዕባ ቅድስና ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ግን ኣይቀየረን። ሃዋርያት ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ንክርስትያናት ‘ካብ ደም ክኽልከሉ’ ኣዘዝዎም። እዚ ትእዛዝ እዚ ብቐሊሉ ክርአ የብሉን። ብስነ-ምግባር ደረጃ ማዕረ እቲ ካብ ዝሙትን ኣምልኾ ጣኦትን ምኽልካል ኢዩ ዝርአ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 21:15) ኣብ መበል 20 ዘመን ደም ምልጋስን ምትሕልላፍን ልሙድ ምስ ኰነ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ተግባር እዚ ምስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝጋጮ ተረድኡ።b
ሓደ ሕሙም መጥባሕቲ ቅድሚ ምግባሩ ገለ ሰሙናት ኣቐዲሙ ካብኡ እተወስደ ደም ክኽዘን (ፕሪኦፐራቲቭ ኣውቶለገስ ብላድ ዶኔሽን: ወይ ፒ.አይ.ዲ.) እሞ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ካብቲ እተኸዘነ ደሙ ክጥቀሙ ሓካይም ሓድሓደ ግዜ ይእዝዙ ኢዮም። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ንደም ምዕራቕ: ምኽዛን: ከምኡውን ምትሕልላፍ ምስቲ ኣብ ዘሌዋውያንን ዘዳግምን ዘሎ ሕጊ ብቐጥታ ይጋጮ ኢዩ። ደም ክኽዘን የብሉን፣ ክፈስስ ማለት ብምሳልያዊ ኣበሃህላ ናብ ኣምላኽ ክምለስ ኣለዎ። ልክዕ ኢዩ: ሕጂ ሕጊ ሙሴ ኣይዓዪን ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብቲ ሕጊ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ የኽብርዎ ኢዮም: ካብ ‘ደም ንኽሕለዉ’ እውን ቈሪጾም ኢዮም። ስለዚ: ደም ኣይንልግስን ኢና: እንደገና ናብ ኣካልና ንኽንመልሶ ኢልና እውን ደም ኣይንኽዝንን ኢና፣ ከመይሲ ‘ክከዓው’ ኢዩ ዘለዎ። እዚ ተግባር እዚ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ይጋጮ ኢዩ።
ብንጹር ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ዘይጋጮ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ደም ገይርካ ዝግበር ካልእ መስርሓት ወይ መርመራታት ኣሎ። ንኣብነት: ብዙሓት ክርስትያናት መርመራ ንምግባር ሒደት ካብ ደሞም ክውሰድ ፈቒዶም ኢዮም፣ ድሕሪ እቲ መርመራ እቲ ደም ይጐሓፍ ኢዩ። ካልእ ምስ ደም እተተሓሓዘ እተሓላለኸ ሕክምና እውን ብሓካይም ክእዘዝ ይኽእል ኢዩ።
ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ መጥባሕቲ ሄሞዳይሉሽን ዝበሃል እተወሰነ ደም ካብ ኣካላት ወጺኡ ንኽዘውር ዝገብር ሕክምና ኣሎ። እቲ ኣብቲ ሕሙም ዝተርፍ ደም እተቓጠነ ኢዩ ዝኸውን። ጸኒሑ እቲ ኣብ ወጻኢ ክዘውር ዝጸንሐ ደም ናብ ኣካላት ይምለስ: እዚ ኸኣ ንብዝሒ ናይቶም ኣብ ደም ዘለዉ ዋህዮታት ናብቲ ልሙድ መጠን ከም ዝቀራረብ ይገብሮ። ብተመሳሳሊ: ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ናብቲ ሕሙም ንምምላስ ካብቲ እተጠብሐ ኣካል ዝፈስስ ደም ብትቦ ገይርካ ተጻርዩ ከም ዝምለስ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣሎ፣ እዚ ሴል ሳልቬጅ ይበሃል። ካብዚ ኣብ እተፈልየ ሕክምና ኸኣ እቲ ከም ግቡኡ ብኽፍልታት ኣካላት ሰብ (ንኣብነት ልቢ: ሰናቡእ: ወይ ኰላሊት) ዝዕየ ተግባራት ንግዜኡ ካብ ኣካል ወጻኢ ኣብ ዝዀነ መሳርሒ ከም ዝካየድ ዝግበረሉ ኵነታት ኣሎ። ድሕርዚ እቲ ኣብ መሳርሒ ዝጸንሐ ደም ናብቲ ሕሙም ይኣቱ። ኣብ ካልእ ዓይነት ሕክምና ኸኣ ጕድኣት ከምጽእ ዝኽእል ወይ ጕድለት ዘለዎ ክፋል ናይቲ ደም ምእንቲ ኽውገድ ብመመመዪ መሳርሒ (ሰንትሪፍዩጅ ) ከም ዝሓልፍ ይግበር ኢዩ። ወይ ከኣ ዕላማ እቲ ሕክምና ገለ ተዋጽኦታት ደም ብምፍላይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣካል ንምጥቃም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን: መርመራ ክግበር ከሎ ከም ናይ ሕክምና ምልክት ንምጥቃም ወይ እቲ ደም ምስ ካልእ መድሃኒት ተሓዊሱ ነቲ ሕሙም ንኽወሃቦ ገለ ደም ይውሰድ ኢዩ።
እተፈላለየ ዝርዝር ነገራት ክህሉ ይኽእል ኢዩ: ሓደስቲ ኣሰራርሓታት: ሕክምናታት: ከምኡውን መርመራታት ከም ዝመሃዝ እውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንዅሉ ዓይነት ምስ ዝርዝራቱ መርሚርና ውሳነ ምሃብ ሓላፍነትና ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ኣብ እዋን መጥባሕቲ: ናይ ሕክምና መርመራ: ወይ እቲ መስርሕ ከይተቛረጸ ኣብ ትሕቲ ዝወሃብ ሕክምና ደሙ ብኸመይ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ባዕሉ ክውስን ኣለዎ። ኣብ እዋን ሕክምና: ደም እንታይ ከም ዝግበር ኣቐዲሙ ካብ ሓኪም ወይ ክኢላ ክፈልጥ ኣለዎ። ድሕርዚ ከምቲ ሕልናኡ ዝፈቕደሉ ውሳነ ይገብር። (ሳጹን ርአ።)
ክርስትያናት ንኣምላኽ ዝገብርዎ ወፈያ ከምኡውን ‘ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ብዅሉ ሓይሎምን ብዅሉ ሓሳቦምን ንኸፍቅርዎ’ ዘለዎም ግዴታ ክርስዕዎ የብሎምን። (ሉቃስ 10:27) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣይኰኑን: የግዳስ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ። እቲ ወሃብ ህይወት: ኵሉ ሰብ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክኣምን ይምሕጸን ኢዩ። ከምዚ ዝብል ከኣ ነንብብ:- “ብእኡ [ብየሱስ ክርስቶስ] ብደሙ ምድሓን: ማለት፤ . . . ሕድገት ሓጢኣት አሎና።”—ኤፌሶን 1:7
[እግረ-ጽሑፋት]
a ፕሮፌሰር ፍራንክ ኤች. ጎርማን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንደም ምኽዓው ብዝበለጸ መገዲ ክርድኣና ዝኽእል: ንህይወት ናይቲ እንስሳ ብእኡ ኣቢልካ ድማ ነቲ ህይወት ዝፈጠረን ነታ ህይወት ዝከናኸናን ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዝሃብካ ዝሕብር ናይ ተኣዛዝነት ባህርይ ገይርና ምስ እንርእዮ ኢዩ።”
b ናይ 1 ሓምለ 1951 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) እተለገሰ ደም ምትሕልላፍ ግቡእ ዘይኰነሉ ምኽንያት ብምግላጽ: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንዝለዓል ቀንዲ ሕቶታት ትምልስ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]
ንርእስኻ ክትሓታ ዘሎካ ሕቶታት
ገለ ካብ ደመይ ካብ ኣካለይ ከም ዝወጽእ ተገይሩ እቲ ዑደቱ ዋላ ንሓንሳኢተይ ደው ዝብል እንተ ዀይኑ: ብሕልናይ ነዚ ደም እዚ ከም ክፍሊ ኣካላተይ ገይረ ብምርኣይ: ብስርዓት ናይቲ ‘ናብ ምድሪ ምኽዓው’ ከም ዘይቅየድ ዝገብረኒ ድዩ፧
መርመራ ወይ ሕክምና ክገብር ከለኹ ደመይ ተወሲዱ ገለ ምትዕርራይ ተገይርሉ ናብ ኣካለይ ምስ ዝምለስ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ሕርኽርኽ ይብሎዶ ኢዩ፧