ካልኦት ንየሆዋ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ ሓግዝዎም
‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍረ እናፈሬኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ እተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱን ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን።’—ቈሎሴ 1:9, 10
1, 2. ምንጪ ሓጐስን ዕግበትን ክኸውን ዝኽእል ነገር ብፍላይ እንታይ ኢዩ፧
“ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣብ ተንቀሳቓሲ ገዛ ኢና እንነብር። ናብራና ገፊሕ ስለ ዘይኰነ ንሰባት ብስራት ንኽንሰብከሎም ብዙሕ ግዜ ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ንኽውፍዩ ናይ ምሕጋዝ መሰል ብምርካብና ኣዚና ተባሪኽና ኢና።”—ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር
2 ንኻልኦት ምሕጋዝ ሓጐስ ከም ዘምጽእ ኣይትሰማምዓሉንዶ ኢኻ፧ ገሊኦም ንዝሓመሙ: ንእተጠለዩ: ወይ ጽምዋ ንዝስምዖም ሰባት ኵሉ ግዜ ንምሕጋዝ ብምጽዓር ዕግበት ይረኽቡ ኢዮም። ሓቀኛታት ክርስትያናት እቲ ንኻልኦት ዝሕግዝሉ ዝዓበየ መገዲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ከም ዝፈልጡ ምግባር ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። ካልኦት በጅነት የሱስ ዝቕበሉ: ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ዘማዕብሉ: ድሕርዚ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረኽቡ ብቑዓት ዝዀኑ እዚ ፍልጠት እዚ ምስ ዝረኽቡ ጥራይ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19-21፣ 13:48
3. እንታይ ዓይነት ሓገዝ ንምሃብ ኢና ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዝግብኣና፧
3 ነቶም በታ “መገዲ” ብምምልላስ ድሮ ንኣምላኽ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት ምሕጋዝከ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 19:9) ኣብኦም ዘሎካ ተገዳስነት ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ከም ዝውስኽ ኣየጠራጥርን ኢዩ: እንተዀነ ግን ብኸመይ ኣጸቢቕካ ክትገብሮ ከም እትኽእል ወይ ብኸመይ ብቐጻሊ ክትሕግዞም ከም እትኽእል ኣይትፈልጥን ትኸውን። ወይ ኵነታትካ ነቲ ንምሕጋዞም ዘሎካ ድሌት ስለ ዝድርቶ እቲ ክትረኽቦ ትኽእል ዝነበርካ ዕግበት እውን ይድረት ይኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ብዛዕባ እዚ ክልተ መዳያት እዚ ካብ መጽሓፍ ቈሎሴ ክንማሃር ንኽእል ኢና።
4. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከሎ ኢዩ ንሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፈሎም፧ (ለ) ኤጳፍራስ ኣብኡ እቱው ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ ኣብ ሮሜ ኣብ መንበሪኡ ብወተሃደራት ኢዩ ዝሕሎ ነይሩ: ሰባት ክበጽሕዎ ግን ይኽእሉ ነበሩ። ጳውሎስ ነቲ ዝነበሮ ድሩት ናጽነት ከምቲ ልማዱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ይጥቀመሉ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:16-31) ክርስትያናት ብጾቱ ንጳውሎስ ይበጽሕዎ: አረ ገሊኦምሲ ሓድሓደ ግዜ ምስኡ እውን ይእሰሩ ነይሮም ኢዮም። (ቈሎሴ 1:7, 8፣ 4:10) ሓደ ካብዚኣቶም እቲ ቀናእ ወንጌላዊ ዝነበረ ካብ ቈሎሴ ዝመጸ ኤጳፍራስ ኢዩ። ቈሎሴ ኣብታ ኣብ ንእሽቶ እስያ (ዘመናዊት ቱርኪ) ምብራቕ ካብ ኤፌሶን ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዝነበረት ፍርግያ እትርከብ ከተማ ኢያ ነይራ። ኤጳፍራስ ኣብ ቈሎሴ ጉባኤ ንኽትምስረት ብዙሕ ሓጊዙ ኢዩ: ነተን ኣብ ከባቢ ቈሎሴ ኣብ ሎዲቅያን ሂራጶሊስን ዝነበራ ጉባኤታት ንምሕጋዝ እውን ኣበርቲዑ ጽዒሩ ኢዩ። (ቈሎሴ 4:12, 13) ኤጳፍራስ ንጳውሎስ ንምርካብ ንሮሜ ዝኸደ ስለምንታይ ኢዩ: ካብቲ ናይ ጳውሎስ ግብረ-መልሲኸ እንታይ ኢና እንማሃር፧
ንሰብ ቈሎሴ እተገብረ ስሉጥ ሓገዝ
5. ናይቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
5 ኤጳፍራስ ብዛዕባ ኵነታት ጉባኤ ቈሎሴ ምስ ጳውሎስ ንኽዘራረብ ናብ ሮሜ ኣድካሚ ጕዕዞ ገበረ። እቶም ኣብ ጉባኤ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘርኣይዎ እምነት: ፍቕሪ: ናይ ወንጌላውነት ጻዕሪ ንጳውሎስ ነገሮ። (ቈሎሴ 1:4-8) ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ መንፈሳውነት እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣንጸላልዩ ዝነበረ ኣሉታዊ ነገራት ዝነበሮ ስክፍታታት እውን ንጳውሎስ ነጊርዎ ክኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ድማ ምስቲ ገለ ናይ ሓሶት መምሃራን ዘስፋሕፍሕዎ ዝነበሩ ኣረኣእያ ዝጻረር: መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ጸሓፈሎም። ብፍላይ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ኣገዳሲ ተራ ኣተኲሩ ኢዩ ጽሒፍሎም።a እቲ ዝገበሮ ሓገዝ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ምጕላሕ ጥራይ እተሓጽረ ድዩ ነይሩ፧ ንሰብ ቈሎሴ ብኻልእ ብኸመይ ሓጊዝዎም: ንሕናኸ ኻብኡ ብዛዕባ ንኻልኦት ምሕጋዝ እንታይ ኢና እንማሃር፧
6. ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘጕልሐ፧
6 ጳውሎስ ኣብ መእተዊ ናይ መልእኽቱ ብዛዕባ ሓደ ክንገብሮ እንኽእል ግን ከኣ ምናልባት ሸለል ክበሃል ዝከኣል ዓይነት ሓገዝ ኣጕልሐ። ጳውሎስን ኤጳፍራስን ካብ ቈሎሴ ኣዝዮም ርሒቖም ስለ ዝነበሩ ካብ ርሑቕ ኴንካ ሓገዝ ክትህበሉ እትኽእል ኣስላጢ መገዲ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ “ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና: ንኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ነመስግን አሎና” ብምባል መረጋገጺ ሃበ። እወ: እዚ ምእንቲ እቶም ሰብ ቈሎሴ ዝቐርብ ዝነበረ ፍሉይ ጸሎት ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ወሲኹ “ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና: በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም: ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን” በለ።—ቈሎሴ 1:3, 9
7, 8. ብብሕትናን ኣብ ጉባኤን እንገብሮ ጸሎት ዝበዝሕ ግዜ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
7 የሆዋ ‘ጸሎት ዝሰምዕ’ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ነቲ ከም ፍቓዱ ገይርና እነቕርቦ ጸሎት ንኽሰምዖ ቅሩብ ምዃኑ እምንቶ ክንገብር ንኽእል ኢና። (መዝሙር 65:2፣ 86:6፣ ምሳሌ 15:8, 29፣ 1 ዮሃንስ 5:14) ብዛዕባ ካልኦት ክንጽሊ ኸሎና ግን ጸሎትና ከመይ ኢዩ፧
8 ብዛዕባ እቶም ‘ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና’ ብዙሕ ግዜ ንሓስብን ንጽልን ንኸውን። (1 ጴጥሮስ 5:9) ወይ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዎ ከባቢ ዘለዉ ክርስትያናትን ካልኦትን ናብ የሆዋ ንጽሊ ንኸውን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እቶም ካብ ይሁዳ ርሒቖም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ጥሜት ምስ ሰምዑ ረድኤት ቅድሚ ምስዳዶም እውን ከይተረፈ ምእንቲ ኣሕዋቶም ብዙሕ ጸልዮም ክዀኑ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30) ኣብዚ ግዜና እውን ብዛዕባ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ወይ ብዛዕባ ብዙሓት ኣሕዋት ዝርከብዎ ጕጅለ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይጽለ ኢዩ: ኣብዚ ኸኣ ብዙሓት ነቲ እተባህለ ተረዲኦም “ኣሜን” ይብሉ።—1 ቈረንቶስ 14:16
ፈሊኻ ብምጥቃስ ጸሊ
9, 10. (ሀ) ብዛዕባ ገለ ሰባት ፈሊኻ ብምጥቃስ ምጽላይ ቅኑዕ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧ (ለ) ንጳውሎስ ተባሂሉ ፍሉይ ጸሎት እተገብረ ብኸመይ ኢዩ፧
9 ብፍላይ ጠቒስካ ኣብ ክንዲ ካልኦት ጸሎት ክግበር ከም ዝከኣል ዘርኢ ኣብነት እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ኣብ ሉቃስ 22:31, 32 ዘሎ የሱስ ዝሃቦ ሓሳብ እስከ ኣስተንትነሉ። ምስኡ 11 እሙናት ሃዋርያት ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ክመጽእ ዝነበሮ ጽንኩር እዋናት ኵላቶም ናይ ኣምላኽ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ ኢዩ: የሱስ ድማ ኣብ ክንድኦም ጸልዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:9-14) ገና ግን የሱስ ንጴጥሮስ ጥራይ ፈልዩ ብምጥቃስ ምእንትኡ ለሚኑ ኢዩ። ካልእ ኣብነታት:- ኤልሳእ ብዛዕባ እቲ ኣገልጋሊኡ ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ኣምላኽ ጸልዩ ኢዩ። (2 ነገስት 6:15-17) ሃዋርያ ዮሃንስ ድማ ጋይዮስ ብስጋን መንፈስን ጥዕና ክረክብ ጸልዩ ኢዩ። (3 ዮሃንስ 1, 2) እተወሰኑ ጕጅለ ጥራይ ዝጠቅስ ካልእ ጸሎት እውን ኣሎ።—እዮብ 42:7, 8፣ ሉቃስ 6:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:60፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2
10 ፈሊኻ ምጥቃስ ኣድላዪ ምዃኑ እተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት የጕልሓ ኢየን። ኣብ ክንድኡ: ወይ ኣብ ክንድኡን ኣብ ክንዲ ብጾቱን ክጽልዩ ነጊሩ ኢዩ። ቈሎሴ 4:2, 3 ከምዚ ትብል:- “ጸሎት ኣዘውትሩ: ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። እቲ ብዛዕባኡ ተአሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ: . . . ምእንቲ ኽገልጾ: ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ክኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ።” ነቲ ኣብ ሮሜ 15:30፣ 1 ተሰሎንቄ 5:25፣ 2 ተሰሎንቄ 3:1፣ እብራውያን 13:18 ዘሎ ካልእ ኣብነታት እውን ኣስተውዕለሉ።
11. ኤጳፍራስ ኣብ ሮሜ ኸሎ ብዛዕባ መን ኢዩ ዝጸለየ፧
11 እቲ ኣብ ሮሜ ምስ ጳውሎስ ዝነበረ ኤጳፍራስ እውን ከምኡ ኢዩ ዝገብር ነይሩ። “እቲ ሓደ ኻባኻትኩም . . . ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ።” (ቈሎሴ 4:12) እታ “ዚጋደለልኩም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቃል ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ሓደ ስፖርታዊ ኣብ ውድድር ክካፈል ከሎ ዘርእዮ “ጻዕሪ” ኢያ እተመልክት። ኤጳፍራስ ብዛዕባ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ኣሕዋት ወይ ብዛዕባ እቶም ኣብ መላእ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ሓቀኛታት ኣመንቲ ብሓፈሻ ድዩ ኣበርቲዑ ዝጽሊ ነይሩ፧ ኤጳፍራስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋት ፈልዩ ብምጥቃስ ይጽሊ ምንባሩ ጳውሎስ ሓቢሩ ኣሎ። ኤጳፍራስ ኵነታት ናይቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣሕዋት ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንዅሎም በብስሞም ኣይንፈልጦምን ኢና ወይ እውን እንታይ ግድላት የጋጥሞም ከም ዝነበረ እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ገለ ካብቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ዝነበረ ነገራት እስከ ሕሰቡ። እቲ መንእሰይ ሊኖስ እቲ ሽዑ ሰፊኑ ዝነበረ ፍልስፍና ከይጸልዎ: ሩፎስ ከኣ በቲ ቕድም ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣይሁድነት ተግባራት ከይሰሓብ ንኽቃለሱ ሓይሊ የድልዮም ነይሩ ይኸውን። ጰርሲስ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ስለ ዝነበራ ደቃ ብጐይታ ንኸተዕቢ ምጽማምን ጥበብን: እታ ክቐትል ዝኽእል ሕማም ዝነበራ ኣሰንቅሪጦስ ድማ ተወሳኺ ምጽንናዕ የድልያዶ ነይሩ ይኸውን፧ እወ: ኤጳፍራስ ነዞም ኣብታ ኣብ ዓዱ ዘላ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ይፈልጦም ነይሩ ኢዩ። እዞም ውፉያት ሰባት እዚኣቶም ንየሆዋ ዝበቕዑ ኰይኖም ክመላለሱ ድሌቱን ድሌት ጳውሎስን ስለ ዝነበረ ድማ ምእንትኦም ኣበርቲዑ ይጽሊ ነበረ።
12. ኣብቲ ብብሕትና እነቕርቦ ጸሎት ፈሊና ብምጥቃስ ክንጽሊ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኣብነት ክዀነና ዝኽእል መገድታት ርኢኹምዶ፧ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እተፈላለዩ ሰማዕቲ ስለ ዘለዉ እቲ ኣብኡ ዝቐርብ ጸሎት ዝበዝሕ ግዜ ሓፈሻዊ ኢዩ። ኣብቲ ብብሕትና ወይ ምስ ስድራቤትና እነቕርቦ ጸሎት ግን ፈሊና ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ንዅሎም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ወይ መንፈሳውያን ጓሶት ክመርሖምን ክባርኾምን ንጽሊ እኳ እንተዀንና: ሓድሓደ ግዜ ዝያዳ ፈሊና ክንጠቅስዶ ኣይምኸኣልናን፧ ንኣብነት: ነቲ ንጉባኤኹም ዝበጽሓ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ወይ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍኩም መራሒ ፈሊኻ ብስሙ ብምጥቃስ ብዛዕብኡ ዘይትጽሊ፧ ፊልጲ 2:25-28 ከምኡውን 1 ጢሞቴዎስ 5:23 ጳውሎስ ብዛዕባ ጥዕና ጢሞቴዎስን ኤጳፍሮዲጦስን ብፍላይ ይሻቐል ከም ዝነበረ ኢየን ዘርእያ። ንሕናኸ ንገለ ሓሚሞም ዘለዉ እንፈልጦም ኣሕዋት ኣብ ጸሎትና ብምጥቃስ ኣብኦም ዘሎና ተገዳስነት ከነርኢዶ ንኽእል፧
13. ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎትና ክንጠቕሶ እንኽእል ከመይ ዝበለ ኵነታት ኣሎ፧
13 ኣብ ጕዳይ ካልኦት ኣቲና ክንሓዋውስ ከም ዘይብልና ርዱእ ኢዩ: እንተዀነ ግን ነቶም እንፈልጦምን እንሓልየሎምን ሰባት ኣብ ጸሎትና ክንጠቕሶም ግቡእ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:13፣ 1 ጴጥሮስ 4:15) ሓደ ሓው ካብ ስራሕ ይወጽእ እሞ ካልእ ስራሕ ኣብ ምርካብ ድማ ክንሕግዞ ኣይንኽእልን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ብብሕትና እንገብሮ ጸሎት ስሙ ጠቒስና ብዛዕባ ጸገሙ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 37:25፣ ምሳሌ 10:3) ነቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን” ዝብል ስርዓት ንምኽባር ስለ ዘይተመርዓወት ብዘይውላድ ንዘላ ንጽል ሓብቲ ንዝክራዶ ኢና፧ (1 ቈረንቶስ 7:39) የሆዋ ክባርኻን ኣብ ኣገልግሎታ እምንቲ ዀይና ክትቅጽልን ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎትና ፈሊና ንምንታይ ዘይንጠቕሳ፧ ወይ ክልተ ሽማግለታት ንሓደ እተጋገየ ሓው ምኽሪ ሂቦምዎ ይዀኑ። ነፍሲ ወከፎም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎቶም ብስሙ ጠቒሶም ብዛዕብኡ ክጽልዩ ይኽእሉ ኢዮም።
14. ፈሊኻ ብምጥቃስ ዝግበር ጸሎት ንኻልኦት ምስ ምሕጋዝ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧
14 ካብ የሆዋ ሓገዝ: ምጽንናዕ: ጥበብ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ወይ ፍሪኡ ዘድልዮም እሞ ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎትካ ክትጠቕሶም እትኽእል ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም። ካባኻ ርሒቖም ስለ ዘለዉ ወይ ብምኽንያት ካልእ ኵነታት እቲ ክትገብረሎም እትኽእል ስጋዊ ወይ ካልእ ቀጥታዊ ሓገዝ ድሩት ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ ክንዲ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምጽላይ ኣይትረስዕ። ንየሆዋ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ ከም ዝደልዩ ትፈልጥ ኢኻ: እንተዀነ ግን ንሓዋሩ ምስ የሆዋ ንኽመላለሱ ኣጸቢቑ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ክትሕግዘሉ እትኽእል እቲ ቐንዲ መገዲ ጸሎት ኢዩ።—መዝሙር 18:2፣ 20:1, 2፣ 34:15፣ 46:1፣ 121:1-3
ንኻልኦት ንምብርታዕ ጽዓሩ
15. ኣብ መደምደምታ ናይታ ናብ ሰብ ቈሎሴ እተጻሕፈት መልእኽቲ ክንግደስ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
15 እንተዀነ ግን: ንኻልኦት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም መቕረባኻን እትፈትዎም ሰባትን እትሕግዘሉ መገዲ ፈሊኻ ብምጥቃስ ዝግበር ጸሎት ጥራይ ኣይኰነን። እታ ናብ ሰብ ቈሎሴ እተላእኸት መልእኽቲ ነዚ ተነጽሮ ኢያ። ጳውሎስ ንሰረተ-እምነት ዝምልከት መምርሕን ተግባራዊ ምኽርን ምስ ሃበ ሰላምታ ከም ዝወሰኸሉ ብዙሓት ምሁራት ይሰማምዕሉ ኢዮም። (ቈሎሴ 4:7-18) እንተዀነ ግን: እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ቁም ነገር ዘለዎ ምኽሪ ዝሓዘ ምዃኑ ድሮ ርኢናዮ ኣሎና: ካብኡ እንማሃሮ ብዙሕ ነገራት ድማ ኣሎ።
16, 17. ብዛዕባ እቶም ኣብ ቈሎሴ 4:10, 11 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣሕዋት እንታይ ኢና ክንብል እንኽእል፧
16 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም አሎ: እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ: ወዲ ሓው ኣቦኡ ንበርናባስ: ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ: ተቐበልዎ። ዮስጦስ ዚብሀል የሱስውን: ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት: እዚኣቶም ጥራይ እዮም።”—ቈሎሴ 4:10, 11
17 ጳውሎስ ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበረሎም ዝነበሮም ገለ ኣሕዋት ኢዩ ጠቒሱ ዘሎ። እዚኣቶም ካብቶም መበቈሎም ኣይሁድ ዝዀኑ ግዙራት ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ሮሜ ብዙሓት እተገዝሩ ኣይሁድ ነይሮም ኢዮም: ገለ ኻብኣቶም ከኣ ኣብቲ እዋን እቲ ክርስትያናት ኰይኖም ነበሩ። ይኹን እምበር እቶም ጳውሎስ ጠቒሱዎም ዘሎ ሓጊዞምዎ ኢዮም። ምስቶም መበቈሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ክርስትያናት ክሓብሩ ከም ዘይፈርሁ ርግጽ ኢዩ: ንኣህዛብ ኣብ ምስባኽ ድማ ምስ ጳውሎስ ተሓጒሶም ይሓብሩ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም።—ሮሜ 11:13፣ ገላትያ 1:16፣ 2:11-14
18. ጳውሎስ ንገለ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዩ ዝነኣዶም፧
18 ጳውሎስ ዝሃቦ ሓሳብ ኣስተብህለሉ:- “ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ . . . እዚኣቶም ጥራይ እዮም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዛ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ጥራይ እትርከብ ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ። ብዙሓት ተርጐምቲ ኸኣ “ምጽንናዕ” ኢሎም ተርጒሞምዋ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ግዜ “ምጽንናዕ” ተባሂላ እትትርጐም ዝያዳ ልምድቲ ናይ ግሪኽ ቃል (ፓራካሌኦ) ኣላ። ጳውሎስ ነዛ ቓል እዚኣ ኣብታ ናብ ቈሎሴ ዝሰደዳ መልእኽቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ተጠቒሙላ እኳ እንተሎ: ኣብ ቈሎሴ 4:11 ግን ነዛ ቓል እዚኣ ኣይኰነን ተጠቒሙ።—ማቴዎስ 5:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:36፣ 9:31 NW፣ 2 ቈረንቶስ 1:4፣ ቈሎሴ 2:2፣ 4:8
19, 20. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝሕግዝዎ ዝነበሩ ኣሕዋት ንምግላጽ እተጠቐመሉ ሓሳብ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዮም ሓጊዞምዎ ክዀኑ ዝኽእሉ፧
19 እቶም ጳውሎስ ጠቒስዎም ዘሎ ሰባት ብቓላት ካብ ምጽንናዕ ንላዕሊ ገይሮምሉ ክዀኑ ኣለዎም። እታ ኣብ ቈሎሴ 4:11 ‘ምጽንናዕ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንፈሳዊ ዘይኰነ ጽሑፋት ካብ ጭንቀት ንዘዕርፈካ መድሃኒት እውን ትውዕል ኢያ። ኒው ላይፍ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) “ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ሓገዝ ዝዀኑኒ!” ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ። ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ድማ “ዓቢ ሓገዝ ኢዮም ኰይኖምኒ” ዝብል ኣገላልጻ ተጠቒሙ ኣሎ። እዞም ምስ ጳውሎስ ዝነበሩ ኣሕዋት ንኽሕግዝዎ እንታይ ኢዮም ገይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ፧
20 ጳውሎስ ሰባት ክበጽሕዎ ይፍቀደሉ ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ከም መግብን ንቝሪ ዝኸውን ክዳውንትን ዝኣመሰለ ቀንዲ ዘድልዮ ነገራት ወጺኡ ክገዝእ ኣይፍቀደሉን ኢዩ ነይሩ። ንመጽናዕቲ ዝኸውን ጥቕላላት ወይ ንመጽሓፊ ዝኸውን ነገራት ከመይ ኢሉ ክገዝእ ይኽእል ነይሩ፧ (2 ጢሞቴዎስ 4:13) ነቶም ከም ምሽማት ወይ መልእኽቲ ምብጽጻሕ ዝኣመሰለ ነገራት ዝገብርሉ ዝነበሩ ሰባት እሞ ሕሰቦም። ንሓንቲ ጉባኤ ከመይ ከም ዘላ ክፈልጥን ክሃንጻን ይደሊ ነይሩ ይኸውን። ተሓይሩ ስለ ዝነበረ ግን ክወጽእ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ: ስለዚ እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብ ክንዲ ጳውሎስ ኰይኖም ይበጽሑ: መልእኽትታት ይወስዱ: ኵነታት ናይተን ጉባኤታት ዝገልጽ ጸብጻብ ድማ የምጽእሉ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!
21, 22. (ሀ) እተን ኣብ ቈሎሴ 4:11 ዘለዋ ቃላት ከገድሳና ዘለወን ስለምንታይ ኢየን፧ (ለ) ኣብነት ናይቶም ምስ ጳውሎስ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ግብሪ ከነውዕለሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
21 እቲ ጳውሎስ ንኻልኦት ‘ዘጸናንዕ’ ብዛዕባ ምዃን ዝጸሓፎ ሓሳባት ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ፍልጠት ዝውስኸልና ኢዩ። ንሳቶም ብስነ-ምግባራዊ መለክዒታት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከትን ብምክፋል ዝመጸ ንየሆዋ ዝበቕዑ ኰይኖም ይመላለሱ ይዀኑ። ከምዚ ብምግባሮም ብቓላት ከነማስዎም ዝግባእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከምቶም ምስ ጳውሎስ ዝነበሩ ኣሕዋት ብዝያዳ ‘መጸናናዕቲ’ ምእንቲ ክንከውን ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ኣሎዶ ኢዩ፧
22 ሓንቲ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:37 (NW ) ዘሎ ምኽሪ ብጥበብ ዘቕለበትሉ እሞ ስድራቤት ዘይብላ ሓብቲ ምስ እትህሉ ኣብቲ ከም ምሳሕ ወይ ምስ ገለ ፈተውቲ ወይ ኣዝማድ ኴንኩም እትገብርዎ ከም ምዝናግዕ ዝኣመሰለ ናይ ስድራቤት ንጥፈታት ከተእትዉዋ ምኸኣልኩምዶ፧ ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝግበሮ ቦታ ወይ ንዕረፍቲ ክትከዱ ኸለኹም ምሳኹም ንኽትከይድ ምዓደምኩማዶ፧ ወይ ዝጥዕማ እንተድኣ ዀይኑ ክትሽምቱ ክትከዱ ኸለኹም ከተሰንየኩም ተወከስዋ። ንመበለታትን ኣንስቶም ዝሞትኦምን ወይ ማኪና ክዝውሩ ዘይክእሉ እውን ከምኡ ገይርካ ምሕጋዝ ይከኣል ኢዩ። ተመክሮኦም ክትሰምዕ ወይ ካብቲ ብዛዕባ ኣተሓራርያ ፍሩታታት ወይ ናይ ቈልዑ ክዳውንቲ ዝኣመሰለ ዘለዎም ፍልጠት እውን ክትረብሕ ትኽእል ኢኻ። (ዘሌዋውያን 19:32፣ ምሳሌ 16:31) እዚ ኸኣ ዝያዳ ከም እትቀራረቡ ይገብረኩም ይኸውን። ድሕርዚ ከም ካብ ፋርማሲ መድሃኒት ምዕዳግ ዝኣመሰለ ሓገዝ ከድልዮም ከሎ ከይተሰከፉ ክሓትኹም ኢዮም። እቶም ምስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት ተግባራዊ ዝዀነ ምጽንናዕ ኣበርኪቶምሉ ክዀኑ ኣለዎም: እቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ እውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምግባር ሽዑ ይኹን ሕጂ ነቲ ማእሰር ፍቕሪ ከም ዝድልድል: ንየሆዋ ሓቢርካ ብተኣማንነት ንምግልጋል ዘሎ ውሳነ ኸኣ ከም ዝጸንዕ ዝገብር ብምዃኑ ተወሳኺ በረኸት ኣለዎ።
23. እንታይ ብምግባር ግዜ እንተ ኣሕለፍና ኢዩ ንነፍሲ ወከፍና ጽቡቕ ክኸውን ዝኽእል፧
23 ነፍሲ ወከፍና ነዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ኵነታት ከነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። እዚ ኣብነታት ጥራይ ኢዩ: ግን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝያዳ ‘ከነጸናንዓሉ’ እንኽእል ኵነታት ከዘኻኽረና ይኽእል ኢዩ። እቲ ዕላማ ከምቲ ናይ ገበርቲ ሰናይ ዓይነት ስምዒት ንኸነሕድር ኣይኰነን። ዕላማ ናይቶም ኣብ ቈሎሴ 4:10, 11 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣሕዋት ከምኡ ኣይነበረን። ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘገልግሉ’ ኢዮም ነይሮም። እቲ ምጽንናዕ ኸኣ ምስኡ እተተሓሓዘ ኢዩ። እቲ ኵነታትና እውን ከምኡ ይኹን።
24. ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና እንጽልየሉን ንኻልኦት ንኸነጸናንዕ እንጽዕረሉን ቀንዲ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
24 ንኻልኦት ኣብቲ ብብሕትና እነቕርቦ ጸሎት ፈሊና እንጠቕሶም ከምኡውን ንኸነጸናንዖም እንጽዕር በዚ ዝስዕብ ምኽንያት ኢዩ:- ኣሕዋትናን ኣሓትናን ‘ንኣምላኽ ባህ ዘብሉ ንእኡ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ’ ድሌት ከም ዘለዎም ስለ እንኣምን ኢዩ። (ቈሎሴ 1:10) እዚ ምስቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኤጳፍራስ ስለ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ከም ዝጸለየ ክጠቅስ ከሎ “ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ” ዝበሎ ሓሳብ ቀጥታ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኢዩ። (ቈሎሴ 4:12) ብብሕትና ከምዚ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እስከ ንርኣዮ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብተን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለዋ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ጥራዝ 1 ኣብ ገጽ 490-1 (እንግሊዝኛ) ከምኡውን “ኦል ስክሪፕቸርስ ኢዝ ኢንስፓየርድ ኦቭ ጎድ ኤንድ ቤነፊሻል” ኣብ ገጽ 226-8 (እንግሊዝኛ) ርአ።
ኣስተውዒልኩምሉዶ፧
• ኣብቲ ብብሕቲ እንገብሮ ጸሎት ዝያዳ ሓገዝቲ እንኸውን ብኸመይ ኢና፧
• ገለ ክርስትያናት ንጳውሎስ ‘ዘጸናንዕዎ’ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧
• ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢና ‘መጸናናዕቲ’ ክንከውን እንኽእል፧
• ቀንዲ ሸቶ ናይቲ ኣብ ክንዲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንገብሮ ጸሎትን ከነጸናንዖም ኢልና እንገብሮ ጻዕርን እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ኣብቲ ምስ ስድራቤትኩም ካብ ገዛ ወጻኢ እትገብርዎ ምዝንጋዕ ንሓደ ካልእ ሓው ወይ ሓብቲ ክትማልኡ ትኽእሉዶ፧
[ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of Green Chimney’s Farm