ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ብበዓል ቤታ ንዝቐረበላ ሕቶ ፍትሕ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ክትቃወሞ ዘድልያ፧
እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ መርዓ ምስ ተገብረ: ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ‘ክጣበቑ’ ከም ዘለዎም ኢዩ ገሊጹ። (ዘፍጥረት 2:18-24) ጸኒሖም ግን ደቅሰብ ዘይፍጹማት ኰኑ: እዚ ድማ ኣብ ሓያሎ ሓዳር ጸገማት ኣምጽአ። ኣምላኽ ግን ሕጂውን እንተዀነ ሰብ ሓዳር ብሓባር ተጣቢቖም ክነብሩ ኢዩ ዝደሊ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም እተመርዐዉ ግና: ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር: ኣነ ኣይኰንኩን: እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ: [“ኣይትፈለ:” NW ]—እንተ ተፈትሔት [“ተፈልየት:” NW ] ከኣ: በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዐረቕ:—ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ: [“ኣይሕደግ:” NW ] ኢለ እእዝዝ አሎኹ።”—1 ቈረንቶስ 7:10, 11
እዘን ቃላት እዚኣተን ሓድሓደ ግዜ ካብቶም ዘይፍጹማት ሰብ ሓዳር ሓዲኦም ክፍለ ከም ዝውስን ዝሕብራ ኢየን። ንኣብነት: ጳውሎስ እቲ ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ እንተድኣ ተፈልዩ ክልቲኦም ‘በኪ ክነብሩ’ ኢዩ ተዛሪቡ ዘሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓዲኦም እኳ እንተ ተፈልየ: ብዓይኒ ኣምላኽ ግን ሓዳሮም ከም ዘይፈረሰ ኢዩ ዝርአ። ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝኸኣለ የሱስ “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት [ብግሪኽ ፖርኒያ] ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” ብምባል ንክርስትያናዊ ሓዳር ዝኸውን ስርዓት ስለ ዝተኸለ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:9) እወ: እቲ ንሓዳር ከፍርሶ ዝኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት “ዝሙት” ማለት ጾታዊ ብዕልግና ጥራይ ኢዩ። ኣብቲ ጳውሎስ እተዛረበሉ ጕዳይ ዋላ ሓደ ካብቶም ሰብ ሓዳር ርኽሰት ከም ዘይፈጸመ እተረጋገጸ ኢዩ፣ ስለዚ ሓዲኦም እንተ ተፈልየ እኳ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን እቲ ሓዳር ኣይፈረሰን።
ድሕርዚ ጳውሎስ: ብዛዕባ ኵነታት ናይ ሓደ ዘይኣማኒ ናይ መርዓ ብጻይ ዘለዎ ሓቀኛ ክርስትያን ተዛረበ። ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ እሞ ርአ:- “እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና: ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ: ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።” (1 ቈረንቶስ 7:12-16) ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ነታ እምንቲ ሰበይቱ ሓዲግዋ እንተ ኸደ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሕጋዊ ፍትሕ እንተ ደለየ እታ በዓልቲ ቤቱ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ምስኣ ክነብር ትደሊ ትኸውን። ገና እውን ተፍቅሮ: ብዛዕባ ስምዒታውን ጾታውን ድሌት ክልቲኦም ትግደስ: ከምኡውን ንዓኣን ነቶም ንኣሽቱ ደቃን ስጋዊ ደገፍ ከም ዘድልዮም ትፈልጥ ትኸውን። ብተወሳኺውን ድሕሪ ግዜ በዓል ቤታ ኣማኒ ክኸውን እሞ ክድሕን ተስፋ ትገብር ትኸውን። እንተዀነ ግን: ነቲ ሓዳር ንምፍራስ (ብዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ማለት ኢዩ) ስጕምቲ እንተ ወሲዱ: እታ ሰበይቲ ከምቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ‘ክፍለ’ ክትሓድጎ ትኽእል ኢያ። ሓደ ኣማኒ ሰብኣይ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መርዓ ዘለዎ ኣረኣእያ ብምጥሓስ ንኽፈላለዩ ኣትሪሩ ምስ ዝሓትት እውን እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ይውዕል ኢዩ።
እንተዀነ ግን: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንገዛእ ርእሳን ንደቃን ውሕስነት እትረኽበሉ መገዲ ክትፈጥር ኣድላዪ ዀይኑ ይስምዓ ይኸውን። ብኸመይ፧ ንደቃ ፍቕሪ ኣደ ከተርእዮም: ስነ-ምግባራዊ ስልጠና ክትህቦም: ከምኡውን ኣብቲ ብሉጽ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ተመርኲሳ እምነት ከተስርጸሎም ምእንቲ ኽትክእል ባዕላ ክትኣልዮም ትደሊ ትኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 3:15) ፍትሕ ነዚ መሰላት እዚ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: ምስ ደቃ ናይ ምርኻብ መሰል ንምሕላውን በዓል ቤታ ነቲ ራሕሪሕዎ ዝኸይድ ዘሎ ስድራቤት ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንምርግጋጽን: ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣን ብግቡእ ንኽትስማዕ ገለ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል ኢያ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሓንቲ ነቲ ፍትሕ እትቃወሞ ሰበይቲ ምስቲ በዓል ቤታ ዘበገሶ ሕቶ ፍትሕ ከም እተሰማምዐት ከይሓበረት ደቃ ናይ ምዕባይን ቍጠባዊ ደገፍ ናይ ምርካብን መሰል ዝሕልወላ ሕጋዊ ሰነዳት ክትፍርም ትኽእል ኢያ። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ እቲ ኣብቲ ሰነድ ተጻሒፉ ዘሎ ቓላት ምስቲ ፍትሕ ከም እተሰማምዐት ዝሕብር ይኸውን፣ ስለዚ በዓል ቤታ ዝሙት ፈጺሙ እንተድኣ ነይሩ: እታ ሰበይቲ ነዚ ሰነድ እዚ ምፍራማ ከም ዝፈትሓቶ ኢዩ ዘመልክት።
መብዛሕትኦም ኣብቲ ማሕበረሰብን ጉባኤን ዝርከቡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝርዝር ነገራት: ንኣብነት እቲ ፍትሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ነይርዎ ድዩ ኣይነበሮን ኣይፈልጡን ኢዮም። እቲ ጕዳይ ኣብዚ ዅሉ ቅድሚ ምብጽሑ ግን እታ ሰበይቲ ንኣወሃሃዲ ተዓዛብን ኣብታ ጉባኤ ንዝርከብ ካልእ ሽማግለን እንተ ሓበረት (ብጽሑፍ እንተዀነ ይምረጽ) ጥበባዊ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ሽዑ ወይ ጸኒሑ ገለ ሕቶ እንተ ተላዕለ መርትዖታት ክርከብ ይከኣል።
ናብቲ የሱስ ዝበሎ ንመለስ:- “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ።” ሓደ ሰብኣይ ጾታዊ ርኽሰት ፈጺሙ ክነሱ ሓዳሩ ክፈርስ እንተ ዘይደልዩ: በዓልቲ ቤቱ (ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ኣብነት እቲ ንጹህ ሰብ ማለት ኢዩ) ኣብቲ መደቀስ ኣሚን ክትሓብሮ ወይ ድማ ክትፈትሖ ሓዲኡ ክትመርጽ ኣለዋ። ይቕረ ኢላ ምስቲ ሕጋዊ በዓል ቤታ ክትነብር ፍቓደኛ እንተድኣ ዀይና: ርኽሰት ፈጺማ ክትበሃል ኣይከኣልን ኢዩ።—ሆሴእ 1:1-3፣ 3:1-3
እቲ ጾታዊ ርኽሰት ዝፈጸመ ሰብኣይ ክፋታሕ ደልዩ ኸሎ እውን ይቕረ ትብለሉን ናብኣ ክምለስ ተስፋ ትገብርን ትኸውን። ኣብ ሕልናኣን ኵነታታን ተሞርኲሳ ነቲ ፍትሕ ክትቃወሞ ወይ ክትቅበሎ ብብሕታ ውሳነ ክትገብር ትኽእል ኢያ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሓንቲ ነቲ ፍትሕ እትቃወሞ ሰበይቲ ምስቲ ፍትሕ ከም እተሰማምዐት ከይሓበረት ደቃ ናይ ምዕባይ መሰልን ቍጠባዊ ደገፍ ምርካብን ዝገልጽ ሰነዳት ክትፍርም ትኽእል ኢያ። ነዚ ሰነዳት እዚ ምፍራማ ንበዓል ቤታ ትፈትሖ ከም ዘላ ኣይሕብርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ካልእ ቦታታት ሓንቲ ነቲ ፍትሕ እትቃወሞ ሰበይቲ: ምስቲ ፍትሕ ከም እተሰማምዐት ዝገልጽ ሰነድ ክትፍርም ትሕተት ትኸውን፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰነድ ምፍራማ ነቲ ዝበደለ በዓል ቤታ ፈትያ ከም ዝፈትሓቶ ኢዩ ዝሕብር።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እውን: ዘይምርድዳእ ንምውጋድ እታ ሰበይቲ እንታይ ስጕምትታት ከም እተወስደን ነዚ መሰረት ዝዀኖ ነገራትን ብምጥቃስ ንሽማግለታት ጉባኤ ደብዳበ እንተ ጸሓፈት ጥበባዊ ኢዩ። ንበዓል ቤታ ይቕረ ክትብለሉን ሰበይቱ ኰይና ክትነብርን ፍቓደኛ ምዃና ከም ዝነገረቶ ክትሕብሮም ትኽእል ኢያ። እዚ ኸኣ እቲ ፍትሕ ኣንጻር ድሌታ ከም ዝነበረ ይሕብር፣ ኣብ ክንዲ ንበዓል ቤታ ምፍታሕ: ይቕረ ንምባል ድልውቲ ኢያ ነይራ። ስለዚ ይቕረ ንኽትብልን ሓዳራ ንኸይፈርስን ፍቓደኛ ከም ዝዀነት ድሕሪ ምንጻራ: ንቝጠባዊ ጕዳያት ከምኡውን/ወይ ንኣተዓባብያ ቈልዑ መፍትሒ ንምግባር ጥራይ ሰነዳት እንተ ፈረመት ንበዓል ቤታ ፈትያ ከም ዝፈትሓቶ ኣይሕብርን ኢዩ።a
ድሕሪ ፍትሕ እውን ከይተረፈ ይቕረ ንምባል ድልውቲ ከም ዝዀነት እንተ ኣነጺራ: ንሳ ትኹን በዓል ቤታ ንኻልእ ንኽምርዓዉ ሓራ ኣይኰኑን። እታ ሰበይቲ ማለት እታ ይቕረ ክትብል ድልውቲ ዝነበረት ተቐባልነት እንተ ዘይረኺባ እሞ ጸኒሓ ብሰንኪ ዝፈጸሞ ጾታዊ ርኽሰት ክትፈትሖ እንተድኣ ወሲና: ሽዑ ክልቲኦም ሓራ ይዀኑ። የሱስ እቲ ንጹህ በዓል ሓዳር እዚ ውሳነ እዚ ናይ ምግባር መሰል ከም ዘለዎ ሓቢሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 5:32፣ 19:9፣ ሉቃስ 16:18
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሕጋዊ መስርሓትን ሰነዳትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ ኢዩ። ኣብቲ ሕጋዊ ሰነዳት ክታማ ቅድሚ ምንባራ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ብዛዕባ እቲ ፍትሕ ዝገልጽ ስያመታት ተጠንቂቓ ክትምርምሮ ኣለዋ። ሓንቲ ንጽህቲ ሰበይቲ (ወይ ሰብኣይ) ነቲ ናይ መርዓ ብጻያ ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ ፍትሕ ከም ዘይትቃወም ብምግላጽ ነቲ ሰነዳት እንተ ፈሪማ: ፈትያ ከም ዝፈትሓቶ ኢዩ ዝቝጸር።—ማቴዎስ 5:37