ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/2 ገጽ 20-23
  • ንተስፋ ምቝራጽ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተስፋ ምቝራጽ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካልኦት ስምዒትካ ምስ ዝሃስዩኻ
  • ናይ ኣገልግሎት መሰልዶ ተሓዲግካ ኢኻ፧
  • ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ተስፋ ይቘርጽ
  • ሓገዝ ክርከብ ይከኣል ኢዩ
  • ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ብጸሎት ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ብጸሎት ኣቢላ ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሃና ብኸመይ ሰላም ረኸበት፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/2 ገጽ 20-23

ንተስፋ ምቝራጽ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ!

ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ክብል ጸሓፈ። (ምሳሌ 24:10) ተስፋ ቘሪጽካ ትፈልጥ እንተድኣ ዄንካ ምስዚ ሓሳባት እዚ ከም እትሰማማዕ ፍሉጥ ኢዩ።

ካብ ተስፋ ምቝራጽ ከምልጥ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እቲ ቀሊል ዝበሃል ዘጋጥም ተስፋ ምቝራጽ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ይጸንሕ እሞ ይሃድእ። ስምዒትካ ምስ ዝህሰ ወይ ቂምታ ምስ ዝህልወካ ግን እቲ ግድል ዝነውሐ ግዜ ክጸንሕ ይኽእል ኢዩ። ንብዙሕ ዓመታት እሙናት ዝነበሩ ገለ ክርስትያናት ኣዝዮም ተስፋ ካብ ምቝራጾም እተላዕለ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምክፋልን ኣቋሪጾም ኢዮም።

ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት እንተድኣ ኣልዩካ ኣጆኻ! ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ብሓገዝ የሆዋ ንተስፋ ምቝራጽ ተዋጺኦምሉ ኢዮም: ንስኻውን ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

ካልኦት ስምዒትካ ምስ ዝሃስዩኻ

ካብ ዝዀነ ይኹን ብሸለልታ ዝዝረብ ቃል ወይ ብዘይምግዳስ ዝፍጸም ተግባራት ከይተተንከፍካ ክትነብር ትጽቢት ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ይኹን እምበር: ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ነቲ ንየሆዋ እትገብሮ ኣገልግሎት ንኸይትንክፎ ክትክልክሎ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ስምዒትካ ምስ ዝሃስየካ ሃና ኣደ ሳሙኤል ንዘጋጠማ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ብኸመይ ከም እተዋጽኣትሉ ምፍላጥ ሓጋዚ ዀይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ሃና ውሉድ ክትወልድ ብርቱዕ ሃረርታ ኢዩ ነይርዋ: ይኹን እምበር መኻን ነበረት። እታ ጵኒና ዝስማ ካልአይቲ ሰበይቱ ንበዓል ቤታ ግን ኣወዳትን ኣዋልድን ወሊዳትሉ ነበረት። ጵኒና ንሃና ኣብ ክንዲ እትድንግጸላ: ትተሃላለኻ ስለ ዝነበረት ሃና “በኸየት: ኣይበልዔትን ድማ።”—1 ሳሙኤል 1:2, 4-7

ሓደ መዓልቲ ሃና ክትጽሊ ኢላ ናብቲ ማሕደር ከደት። እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ ከናፍራ ክወሳወስ ከሎ ረኣየ። እንተዀነ ግን ትጽሊ ከም ዝነበረት ስለ ዘይፈለጠ ሰኺራ ክትከውን ኣለዋ ኢሉ ደምደመ። “ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ፧ ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ” በላ። (1 ሳሙኤል 1:12-14) ሃና ከመይ ተሰሚዕዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ክትግምቶዶ ምኸኣልካ፧ ምጽንናዕ ክትረክብ ኢላ ኢያ ናብቲ ማሕደር ከይዳ። ብሓደ ካብቶም ኣብ እስራኤል ልዑል ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ከምዚ ዓይነት ግጉይ ክሲ ክቐርበላ ፈጺማ ኣይተጸበየቶን!

እዚ ዅነታት እዚ ንሃና ብቐሊሉ ተስፋ ከም እትቘርጽ ክገብራ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኤሊ ሊቀ ኻህን ኰይኑ ኣብዚ ማሕደር ክሳዕ ዘሎ ፈጺመ ኣይምለስን ኢየ ኢላ ብምምሓል ካብቲ ማሕደር ፈንጠር ኢላ ክትከይድ ምኸኣለት ነይራ። ይኹን እምበር ሃና ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበራ ርክብ ኣኽቢራ ትርእዮ ነበረት። ካብቲ ማሕደር ብእኡ ኣቢላ እንተድኣ ጠፊኣ ከም ዘይሕጐስ ትፈልጥ ነይራ ኢያ። እቲ ማሕደር ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ስሙ ኣብኡ ኣንቢሩ ኢዩ። ኤሊ ዘይፍጹም እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ዝመረጾ ወኪል ኢዩ ነይሩ።

እቲ ሃና ኤሊ ንዘቕረቦ ኽሲ ዝሃበቶ ኣኽብሮታዊ መልሲ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ዝዀነና። ብጌጋ ስለ እተኸሰት ሕጕስቲ ኣይነበረትን: እንተዀነ ግን ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ኢያ መልሲ ሂባትሉ። ከምዚ ኸኣ በለቶ:- “ጐይታይ: ኣይፋለይን: ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤት ሰበይቲ ደኣ እየ: ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን: ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ: ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ: ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርአየኒ።”—1 ሳሙኤል 1:15, 16

ሃና ርትዓዊ ሓሳባት ድያ ኣቕሪባ፧ እወ: ብርግጽ። ይኹን እምበር: ንኤሊ በቲ ዘቕረቦ ክሲ ብምንቃፍ ዘይኰነስ ብሜላ ኢያ ተዛሪባቶ። ንሱ እውን ብግዲኡ “ብሰላም ኪዲ: ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” ብምባል ብሕያውነት መለሰላ። እቲ ነገር ምስ ደቀሰ: ሃና “መገዳ ኸደት: በልዔትውን: ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።”—1 ሳሙኤል 1:17, 18

ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ ሃና ነቲ ግጉይ ምርዳእ ንምፍታሕ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደት: ይኹን እምበር ብዓሚቝ ኣኽብሮት ኢያ ገይራቶ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ምስ የሆዋን ምስ ኤሊን ጽቡቕ ርክብ ክትዕቅብ ከኣለት። ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ንእሽቶ ሜላን ደቀቕቲ ግድላት እናዓበየ ንኸይከይድ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ክሕግዝ ዝኽእል!

ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎካ ዘይምርድዳእ ንምድቃስ ብወገንካን ብወገን እቲ መባእስትኻን ትሕትናን ምትዕጽጻፍን ከም ዝሓትት ምግንዛብ የድሊ። ሓደ ኣማኒ ብጻይ ነቲ ምስኡ ዘሎካ ግድላት ንምፍታሕ ንዝገበርካዮ ጻዕሪ ምላሽ ምስ ዘይህበሉ ነቲ ጕዳይ የሆዋ ኣብቲ ንሱ ዝደለዮ ግዜን በቲ ናቱ መገድን ገይሩ ንኽፈትሖ ኣብ ኢዱ ክትገድፎ ከድልየካ ይኽእል ይኸውን።

ናይ ኣገልግሎት መሰልዶ ተሓዲግካ ኢኻ፧

ገሊኣቶም ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ መሰል ክሓድጉ ምስ ተገደዱ ጓሂ ኣሕዲሮም ኢዮም። ንኣሕዋቶም ምግልጋል የሐጕሶም ስለ ዝነበረ እቲ መሰል ምስ ሰኣንዎ ግን ንየሆዋ ዀነ ንማሕበሩ ዘይጠቕሙ ኰይኑ ይስምዖም። ከምኡ ዝስምዓካ እንተድኣ ዀይኑ ኣብነት ናይቲ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ ማርቆስ: ዮሃንስ ማርቆስ እውን ዝበሃል: ብምስዓብ ምስትውዓል ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:12

ማርቆስ ንጳውሎስን በርናባስን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣሰንይዎም ነይሩ ኢዩ: ኣብ መንጎ ግን ጠንጢንዎም ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:13) ዳሕራይ: በርናባስ ኣብ ካልእ ጕዕዞ ንማርቆስ ምስኦም ክማልኦ ደለየ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ: ምሳታቶም ከኣ ናብቲ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን።” በርናባስ ግን ኣይተሰማምዐን። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ‘[ጳውሎስን በርናባስን] ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝፋላለዩ: ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሓርዩ ነቐለ’ ይብለና።—ግብሪ ሃዋርያት 15:36-40

ማርቆስ: እቲ ሕፉር ሃዋርያ ጳውሎስ ምስኡ ክሰርሕ ከም ዘይደለዮ: ብሰንኪ እቲ ብዛዕባ ብቕዓቱ ዘልዓሎ ክርክር ከኣ ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ሃጓፍ ከም ዝህሉ ምግባሩ ምስ ፈለጠ ሓሪቑ ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: እቲ ጕዳይ በዚ ኣየብቅዐን።

ጳውሎስን ሲላስን ገና ዘሰንዮም ሰብ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ኣብ ልስጥራ ምስ በጽሑ ድማ: ንማርቆስ ዝትክእ ጢሞቴዎስ ዝስሙ መንእሰይ ረኸቡ። ጢሞቴዎስ ክምረጽ ከሎ ካብ ዝጥመቕ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ኢዩ ገይሩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። ማርቆስ ግን እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብ እትቐውም ጀሚሩ ኢዩ ነይሩ፣ አረ ጳውሎስ እውን እንተዀነ ኣብ ሓቂ ክንድኡ ኣይገበረን። እንተዀነ ግን: ነዚ ሓቢርካ ናይ ምግልጋል መሰል ንጢሞቴዎስ ኢዩ ተዋሂብዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1-3

ማርቆስ ብሓደ ዝነኣሰ: ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሉ መንእሰይ ከም እተተክአ ምስ ፈለጠ እንታይ በለ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፍ ኰይኑ ከም ዝቐጸለ ይሕብረና ኢዩ። ነቲ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ኻልእ መሰላት ተጠቒሙሉ ኢዩ። ምስ ጳውሎስን በርናባስን ኰይኑ ከገልግል እኳ እንተ ዘይከኣለ: ምስ በርናባስ ናብ ቆጵሮስ ክጐዓዝ ክኢሉ ኢዩ። ቆጵሮስ ንበርናባስ ዓዱ ኢዩ ነይሩ። ማርቆስ ምስ ጴጥሮስ ኰይኑ እውን ኣብ ባቢሎን ኣገልጊሉ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ: ኣብ ሮሜ ምስ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ኰይኑ ኸገልግል ኣጋጣሚ ረኺቡ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:1፣ 4:10፣ 1 ጴጥሮስ 5:13) ዳሕራይ ማርቆስ ንሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ወንጌላት እውን ከይተረፈ ብመንፈስ ተደሪኹ ክጽሕፍ ክኢሉ ኢዩ!

ካብዚ ዅሉ ጠቓሚ ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ማርቆስ ነቲ ገና ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መሰላት ምምሳው ክሳዕ ዝስእን ብዛዕባ እቲ እተሓድጎ መሰል ብጭንቀት ኣይተዋሕጠን። እኳ ድኣስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ ኢዩ ነይሩ: የሆዋ ኸኣ ባረኾ።

ስለዚ እምበኣር ሓደ መሰል እንተድኣ ተሓዲግካ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምዕቃብ ኣብ ዕዮ ትሑዝ እንተድኣ ዄንካ ካልእ መሰላት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት ክንኰነሉ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 15:58

ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ተስፋ ይቘርጽ

ንእምነት ኢልካ ብርቱዕ ገድሊ ምግዳል ቀሊል ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ትቘርጽ ትኸውን። ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ፈጺሙ ከምኡ ክስምዖ የብሉን ኢልካ ብምድምዳም ከኣ ተስፋ ብምቝራጽካ ጥራይ ናይ ገበን ስምዒት ይስምዓካ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ሓደ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ውሩያት ነብያት ዝዀነ ኤልያስ እሞ ሕሰብ።

እታ ንኣምልኾ በዓል ቀንዲ መስፋሕፍሒት ዝነበረት ናይ እስራኤል ንግስቲ ኢዛቤል: ኵሎም ነብያት በዓል ብኤልያስ ከም እተቐትሉ ምስ ፈለጠት: ክትቀትሎ መሓለት። ኤልያስ ካብ ኢዛቤል ዝሕይሉ ጸላእቲ ተጋጢሙ ነይሩ ኢዩ: ሕጂ ግን ሞት ክሳዕ ዝምነ ሃንደበታዊ ተስፋ ምቝራጽ ተሰምዖ። (1 ነገስት 19:1-4) እዚ ብኸመይ ኢዩ ክፍጸም ክኢሉ፧ ሓደ ነገር ረሲዑ ነይሩ።

ኤልያስ ከም ምንጪ ሓይሉ ገይሩ ናብ የሆዋ ምጥማት ረሲዑ ነበረ። ንኤልያስ ምዉታት ናይ ምትንሳእን ምስ ነብያት በዓል ናይ ምግጣምን ሓይሊ ዝሃቦ መን ኢዩ፧ የሆዋ ኢዩ። ብርግጽ ከኣ የሆዋ ነታ ተቘጢዓ ዝነበረት ኢዛቤል ንኽጋጠማ ሓይሊ ክህቦ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።—1 ነገስት 17:17-24፣ 18:21-40፣ 2 ቈረንቶስ 4:7

ዝዀነ ይኹን ሰብ ንግዜኡ ካብቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ትውክልቲ ሰንከልከል ክብል ይኽእል ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ግድል ንኽትዋጽኣሉ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ክንዲ እትጥቀም ልክዕ ከም ኤልያስ ሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ይህልወካ ይኸውን። (ያእቆብ 3:17) ይኹን እምበር: ኤልያስ ንግዜኡ ሰንከልከል ብምባሉ ጥራይ የሆዋ ኣይሓደጎን።

ኤልያስ ናብ ብዔር ሸባዕ: ቀጺሉ ድማ ኣብቲ ማንም ኣይረኽበንን ኢዩ ኢሉ ዝሓሰቦ በረኻ ሃደመ። የሆዋ ግን ረኸቦ ደኣ። ከጸናንዖ መልኣኽ ለኣኸሉ። እቲ መልኣኽ ከኣ ኤልያስ ውዑይ ቅጫ ከም ዝበልዕ ማይ ከኣ ከም ዝሰቲ ገበረ። ኤልያስ ምስ ኣዕረፈ: እቲ መልኣኽ 300 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ተጓዒዙ ናብቲ ካብ የሆዋ ተወሳኺ ምጽንናዕ ዝረኽበሉ ከረን ሄርሞን ክኸይድ ሓበሮ።—1 ነገስት 19:5-8

ኤልያስ ኣብ ከረን ሆሬብ እምነቱ ከደልድለሉ ብዝኽእል መገዲ ሓይሊ የሆዋ ክግለጽ ከሎ ርእዩ ኢዩ። ድሕርዚ የሆዋ ብህዱእን ዝሑልን ድምጺ በይኑ ከም ዘይኰነ ኣረጋገጸሉ። የሆዋ ምስኡ ኢዩ ነይሩ: ዘይፈልጦም እኳ እንተዀነ 7,000 ዝዀኑ ካብ ኣሕዋቱ እውን ምስኡ ነይሮም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ የሆዋ ዝዓዮ ዕዮ ሃቦ። ንኤልያስ ነብዪኡ ዀይኑ ካብ ምግልጋል ከም ዘቋርጽ ኣይገበሮን!—1 ነገስት 19:11-18

ሓገዝ ክርከብ ይከኣል ኢዩ

ሓድሓደ ግዜ ብመጠኑ ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዝስምዓካ: ገለ ተወሳኺ ዕረፍቲ ወይ ባህ ዘብል መግቢ ምስ እትወስድ ክፈዅሰልካ ይኽእል ኢዩ። ክሳዕ እቲ ብ1977 ዝዓረፈሉ እዋን ከም ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር ለይቲ ጽቡቕ ድቃስ እንተድኣ ደቂስካ ዓበይቲ ዝመስል ዝነበረ ግድላት ኣዝዩ ደቂቕ መሲሉ ከም ዝረኣየካ ክዕዘብ ክኢሉ ኢዩ። እቲ ግድል ቀጻሊ ምስ ዝኸውን ግን እዚ መፍትሒ እዚ ኣኻሊ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ተስፋ ምቝራጽ ንኽትዋጽኣሉ ሓገዝ ከድልየካ ኢዩ።

የሆዋ ንኤልያስ ዘበራትዕ መልኣኽ ለኣኸሉ። ሎሚ የሆዋ ብሽማግለታትን ብኻልኦት ብሱላት ኣሕዋትን ገይሩ ምትብባዕ ይህብ ኢዩ። ሽማግለታት “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ምዃኖም ብሓቂ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:1, 2) ካባታቶም ምትብባዕ ምእንቲ ክትረክብ ግን ተበግሶ ክትወስድ የድልየካ ይኸውን። ኤልያስ ኣዝዩ ተስፋ ቈሪጹ እኳ እንተ ነበረ መምርሒ ካብ የሆዋ ክረክብ ክሳዕ ከረን ሆሬብ ዝኣክል ተጓዒዙ ኢዩ። ንሕና በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢልና ኢና ዘተባብዕ መምርሒ እንቕበል።

ሓገዝ ረኺብና ንኸም ኣብ ስምዒት ዝወርድ ማህሰይትን መሰል ምሕዳግን ዝኣመሰለ ፈተናታት ብትብዓት ምስ እንዋጽኣሉ: ብዛዕባ እቲ እተላዕለ ኣገዳሲ ክርክር ብወገን የሆዋ ምዃንና ነርኢ ኢና። እዚ ኽርክር እዚ እንታይ ኢዩ፧ ሰይጣን: ሰባት ንየሆዋ ዘገልግልዎ ብስስዐ ተደሪኾም ጥራይ ኢዮም ኢሉ ኢዩ ዝከራኸር። ሰይጣን ኣብ ናብራና ኵሉ ነገራት ጽቡቕ እንተድኣ ዀይኑልና ንኣምላኽ ከነገልግሎ ከም እንኽእል ኣይከሓደን: ግድላት እንተድኣ ኣጋጢሙና ግን ንኣምላኽ ምግልጋል ከም እነቋርጽ ኢዩ ተኸራኺሩ። (እዮብ ምዕራፍ 1 ከምኡውን 2) ተስፋ ምቝራጽ እናሃለወ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከይተነቓነቕና እንተድኣ ጸኒዕና: ነቲ ድያብሎስ ብምክፋእ ዘቕረቦ ክሲ ምላሽ ኣብ ምሃብ እጃምና ከነበርክት ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 27:11

ሃና: ማርቆስ: ኤልያስ ኵሎም ብመጠኑ ንሓጐሶም ክሰርቆም ዝኸኣለ ግድላት ኣጋጢምዎም ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ተዋጺኦምሉ: ዘሐጕስ ናብራ ኸኣ ክነብሩ ክኢሎም ኢዮም። ንስኻውን ብሓገዝ የሆዋ ንተስፋ ምቝራጽ ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ