እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ይገለጽ
“እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:15
1. ሓደ ፍረ ኸም ዝበሰለ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧
እትፈትዎ ዓይነት ፍረ—ኩኽ: ባናና: ማንጉስ: ወይ ካልእ—ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣል። ምብሳሉን ዘይምብሳሉን ትፈልጦዶ፧ እወ: ብርግጽ ትፈልጦ ኢኻ። መኣዛኡ: ሕብሩ: ከምኡውን ብኢድካ ኽትሕዞ ኸሎኻ: ንኽትበልዖ የወናውነካ። ሓንሳእ ምስ ጠዓምካዮ ጥዑም ምዃኑ ስምዒትካ ትገልጽ ትኸውን። ኣየ ኽጥዕም! ኣየ ኽምቅር! ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣልካ።
2. ብስለት ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ: ኣብ ብሕታዊ ርክባትከ እንታይ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ፧
2 ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት ምስዚ ቐሊል ግን ከኣ ባህ ዘብል ተመክሮ ዝመሳሰል ነገር ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ፍረ ኽበስል ከሎ ብቐሊሉ እንፈልጦ: ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ብስለት ከርኢ ኸሎ ድማ ብእተፈላለየ መገድታት ይርአ ኢዩ። ምስትውዓል: ጥበብ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከንጸባርቕ ከሎ እቲ ሰብ ኣብ ብስለት ከም ዝበጽሐ ንፈልጥ። (እዮብ 32:7-9) ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባያትን ተግባራትን ምስ ዘንጸባርቑ ሰባት ምምሕዛውን ሓቢርካ ምዕያይን ብርግጽ ዘሐጕስ ኢዩ።—ምሳሌ 13:20
3. እቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ዝሃቦ ሓሳብ: ብዛዕባ ብስለት እንታይ ይገልጽ፧
3 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ሓደ ሰብ ዕድሚኡ እኳ ዓቢ እንተዀነ: ዘረባኡን ጠባዩን ግን ብስምዒታውን መንፈሳውን መዳይ ከም ዘይበሰለ የርኢ ይኸውን። ንኣብነት: የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ነቓጽ ወለዶ ኽዛረብ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ዮሃንስ እማ መጸ: ኣይበልዕ ኣይሰቲ: ጋኔን አለዎ: ይብሉ። ወዲ ሰብ መጸ: ይበልዕ ይሰቲ፤ እንሆ: በላዕን ሰታይ ወይንን . . . ይብሉ።” እዞም ሰባት እዚኣቶም ዓበይቲ እኳ እንተ ነበሩ: ጠባዮም ግን ከም “ቘልዑ” ምዃኖም ማለት ብስለት ከም ዘይነበሮም የሱስ ገለጸ። ስለዚ: ወሲኹ “ጥበብ ብደቃ [“ብግብራ:” NW ] ጸደቐት” በለ።—ማቴዎስ 11:16-19
4. እናወሰኽካ ትኸይድ ምህላውካን ብስለትካን ብኸመይ ክግለጽ ይኽእል፧
4 ሓደ ሰብ እቲ መለለዪ ብስለት ዝዀነ ሓቀኛ ጥበብ ኣለዎ ድዩ የብሉን በቲ ዝገብሮ ተግባራትን ዘፍርዮ ፍረን ከም ዝግለጽ ካብ ቃላት የሱስ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ እሞ ኣስተብህለሉ። ጳውሎስ: ጢሞቴዎስ እንታይ ክስዕብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምዝርዛር “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” በሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) እወ: ሓደ ክርስትያን ናብ ብስለት ንኽበጽሕ ዝገብሮ ወሰኽ ‘ዝግለጽ’ ወይ ብንጹር ዝርአ ኢዩ። ክርስትያናዊ ብስለት ዘይርአ ወይ ስዉር ባህርይ ኣይኰነን: ልክዕ ከም ብርሃን ኢዩ። (ማቴዎስ 5:14-16) ስለዚ: እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘሎናን ብስለትናን ዝግለጸሉ ኽልተ ቐንዲ መገድታት እስከ ንርአ:- (1) ብፍልጠት: ምርዳእ: ከምኡውን ብጥበብ ወሰኽ ምግባር፣ (2) ፍረ መንፈስ ምፍራይ።
ናይ እምነትን ፍልጠትን ሕብረት
5. ብስለት እንታይ ተባሂሉ ኽትርጐም ይኽእል፧
5 መብዛሕትኡ መዝገበ-ቓላት ነታ ብስለት እትብል ቃል ምሉእ ብምሉእ ምዕባይ: እኹል ምዃን: ኣብ መጨረሻ ወይ ኣብ ክብጻሕ እተደልየ ደረጃ ምብጻሕ ኢሉ ኢዩ ዝትርጕማ። ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ ሓንቲ ፍረ በሲላ እንብላ ተፈጥሮኣዊ ዑደታ ወዲኣ ትርኢታ: ሕብራ: መኣዛኣ: ከምኡውን መቐረታ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ምስ እትበጽሕ ኢዩ። ስለዚ: ብስለት ምስ ንኡድ ምዃን: ምሉእነት: ከምኡውን ምስ ፍጹምነት እውን ከይተረፈ ምትሕሓዝ ኣለዋ።—ኢሳይያስ 18:5፣ ማቴዎስ 5:45-48፣ ያእቆብ 1:4
6, 7. (ሀ) የሆዋ ኵሎም ኣምለኽቱ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ኽበጽሑ ኣጸቢቑ ኸም ዝደሊ ዘርእየና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) መንፈሳዊ ብስለት ምስ ምንታይ ኢዩ ኣጸቢቑ ዝተሓሓዝ፧
6 የሆዋ ኣምላኽ ኵሎም ኣምለኽቱ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ክበጽሑ ይደሊ ኢዩ። ነዚ ደረጃ ምእንቲ ኽንበጽሖ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘደንቕ ምድላዋት ገይሩልና ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት: ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ: ናብ እኹል ሰብኣይ: ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ: እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ: ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት: ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን: ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ [ኣይንኹን]።”—ኤፌሶን 4:11-14
7 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣምላኽ ኣብ ጉባኤ ኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ምድላዋት ካብ ዝገበረሉ ገለ ምኽንያታት ‘ኵላትና ናብ ሕብረት እምነትን ፍልጠትን’ ንኽንበጽሕ: ናብ “እኹል ሰብኣይ” ንኽንዓቢ: ከምኡውን ናብ ‘ልክዕ ብጽሕና ክርስቶስ’ ንኽንበጽሕ ኢዩ። ድሕርዚ ጥራይ ኢና ኸምቶም ብናይ ሓሶት ሓሳባትን ትምህርትታትን ንየው ነጀው ዝድፍኡ ብመንፈስ ቈልዑ ዝዀኑ ሰባት ዘይንኸውን። ስለዚ: ኣብ ክርስትያናዊ ብስለት ንምብጻሕ ወሰኽ ምግባር ምስ “ናብ ሕብረት እምነት: ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ” ምብጻሕ ኣጸቢቑ ኸም ዝተሓሓዝ ክንርኢ ኢና። ኣብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብዙሕ ነጥብታት ስለ ዘሎ እንተ ኣቕለብናሉ ሰናይ ኢዩ።
8. ናብ “ሕብረት” እምነትን ፍልጠትን ምብጻሕ እንታይ ኢዩ ዝሓትት፧
8 ብቐዳምነት “ሕብረት” ክህሉ ይግባእ። ሓደ ብሱል ክርስትያን ኣብ እምነትን ፍልጠትን ምስ ኣመንቲ ብጾት ሓድነት ክህልዎን ምሉእ ብምሉእ ክሰማማዕን ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘለዎ ምርዳእ ናይ ብሕቱ ሓሳባት ቅኑዕ ገይሩ ብምውሳድ ኣይጣበቕን ወይ ኣትሪሩ ኣይዛረብን: ወይ ከኣ ውልቃዊ ኣተሓሳስባ ኣይሕዝን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ኣብቲ የሆዋ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ከምኡውን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዝገልጾ ሓቂ ምሉእ እምንቶ ኣለዎ። ካብቲ ብክርስትያናዊ ጽሑፋት: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ኣቢሉ “በብጊዜኡ” ዝቐርብ መንፈሳዊ መግቢ ብቐጻሊ ምስ እንምገብ: ኣብ እምነትን ፍልጠትን ምስ ኣመንቲ ክርስትያናት ‘ሕብረትና’ ኸም እንዕቅብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 24:45
9. ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ተጠቒሙላ ዘሎ “እምነት” እትብል ቃል እንታይ ማለት ምዃና ግለጽ።
9 ካልኣይ: እታ “እምነት” እትብል ቃል ነቲ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብብሕቱ ዘለዎ ምርዳእ ዘይኰነስ: ‘ንምግፋሕን ምንዋሕን ምዕማቝን ቍመትን’ ናይ ሓፈሻዊ እምነትና ዘመልክት ኢዩ። (ኤፌሶን 3:18፣ 4:5፣ ቈሎሴ 1:23፣ 2:7) ሓደ ክርስትያን ገለ ኽፋል ናይታ “እምነት” ጥራይ ዝቕበል እንተድኣ ዀይኑ ኸመይ ገይሩ ኢዩ እሞ ምስ ኣመንቲ ብጾቱ ሕብረት ክህልዎ ዝኽእል፧ እዚ ኸኣ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ብምፍላጥ: ብዛዕባ ሓቂ ዋግዋጎ ወይ ከፊል ምርዳእ ብምርካብ ጥራይ ክንዓግብ የብልናን ማለት ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: የሆዋ ብማሕበሩ ኣቢሉ ኣብ ቃሉ ብዕምቈት ንኽንኵዕት ዝገበረልና ምድላዋት ብምሉኡ ንኽንጥቀመሉ ባህጊ ኽህልወና ኣለዎ። ብእተኻእለና መጠን ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማታትን ኣምላኽ ርጡብን ምሉእን ምርዳእ ንኸነጥሪ ኽንጽዕር ኣሎና። እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ንምንባብን ንምጽናዕን: ሓገዝን መምርሕን ደሊኻ ናብ ኣምላኽ ንምጽላይ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ንምክፋል: ከምኡውን ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ምሉእ ተሳትፎ ንምግባር ግዜ ምምዳብ ዘጠቓልል ኢዩ።—ምሳሌ 2:1-5
10. እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:13 ዘሎ “ኵላትና . . . ክሳዕ እንበጽሕ” ዝብል መግለጺ እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧
10 ሳልሳይ: ጳውሎስ ነቲ ሰለስተ ሸቶታት ንምግላጽ “ኵላትና . . . ክሳዕ እንበጽሕ” ዝብል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። ብዛዕባ እታ “ኵላትና” እትብል ቃል ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ “ኵላቶም በብሓደ ወይ በብውልቆም ዘይኰነስ ብሓባር” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ነፍሲ ወከፍና ምስ ኵሎም ኣሕዋትና ብሓባር ኣብ ክርስትያናዊ ብስለት ንምብጻሕ እኹል ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ልክዕ ከምቲ ብምሉኡ ኣካላት ጥዕና ረኺቡ እንተ ዘይዓብዩ ሓደ ኽፍሊ ኣካል በይኑ ዘይዓቢ: መንፈሳዊ ምልኣት ድማ ሓደ ውልቀ-ሰብ ካብ ካልኦት ተፈልዩ ኣይኰነን ዝበጽሖ።” ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ንብምሉኡ ስፍሓት እምነት ንምርድኡ “ምስ ኵሎም ቅዱሳን” ኰይኖም ክጽዕሩ ኢዩ ኣዘኻኺርዎም።—ኤፌሶን 3:18
11. (ሀ) ብመንፈስ እናወሰኽካ ምኻድ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኣይኰነን፧ (ለ) እናወሰኽካ ንኽትከይድ እንታይ ኽትገብር የድልየካ፧
11 ብመንፈስ እናወሰኽካ ምኻድ ክበሃል ከሎ ንኣእምሮና ብፍልጠትን ብብዙሕ ትምህርትን ምምላእ ጥራይ ማለት ከም ዘይኰነ ኻብ ቃላት ጳውሎስ ንጹር ኰይኑልና ኢዩ። ብሱል ክርስትያን ክበሃል ከሎ ብናይ ኣእምሮኡ ብልሒ ንኻልኦት ሰባት ዝምስጥ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: መጽሓፍ ቅዱስ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ” ኢዩ ዝብለና። (ምሳሌ 4:18) እወ: እቲ ውልቀ-ሰብ ዘይኰነስ እታ “መገዲ” ኢያ “እናወሰኸት ትበርህ።” ምስቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝህቦም ወትሩ እናበርሀ ዝኸይድ ኣብ ቃሉ ዘለዎ ምርዳእ ማዕረ ማዕረ ንምኻድ ቀጻሊ ጻዕሪ እንተድኣ ገይርና: ብመንፈስ እናወሰኽና ኽንከይድ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ማዕረ ማዕረ ምኻድ ክበሃል ከሎ ሓቢርካ ንቕድሚት ምስጓም ማለት ኢዩ: እዚ እውን ኵላትና ኽንገብሮ ዝከኣል ኢዩ።—መዝሙር 97:11፣ 119:105
“ፍረ መንፈስ” ምፍራይ
12. ብመንፈስ እናወሰኽካ ንምኻድ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ፍረ መንፈስ ምፍራይ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ከምቲ ‘ናብ ሕብረት እምነትን ፍልጠትን’ ምብጻሕ ኣድላዪ ዝዀነ: ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ምፍራይ እውን ክንድኡ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ብስለት ኣብ ውሽጥና ተዓቢጡ ዝተርፍ ነገር ወይ ሕቡእ ዘይኰነስ ንኻልኦት ብዝጠቅምን ዝሃንጽን ንጹር ባህርያት ኢዩ ዝንጸባረቕ። ልክዕ ኢዩ: ብመንፈስ እናወሰኽካ ንምኻድ ጻዕሪ ምግባር ክበሃል ከሎ ገለ ዓይነት ጽቡቕ ጠባይ ዘሎና ንምምሳል ክንጋደል ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ንመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ብምስዓብ ብመንፈስ እናዓበና ብዝኸድና መጠን: ኣብ ኣረኣእያናን ተግባራትናን ዘደንቕ ለውጢ ይህሉ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም” በለ።—ገላትያ 5:16
13. እንታይ ለውጥታት ኢዩ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ብንጹር ዘርኢ፧
13 ቀጺሉ ጳውሎስ ነቲ ብዙሕን ‘ግሁድን’ ዝዀነ “ግብሪ ስጋ” ዘርዘረ። ሓደ ሰብ ኣምላኽ ዝሓቶ ብቕዓታት ጠቓሚ ምዃኑ ቕድሚ ምግንዛቡ: ንህይወቱ ብመገዲ ዓለም ይመርሓ: ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ነገራት እውን ይፍጽም ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ: ዝርግርግ: ቅንኣት: ቅትለት: ስኽራን: ጓይላ: ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ።” (ገላትያ 5:19-21) እንተዀነ ግን: እዚ ሰብ እዚ መንፈሳዊ ዕቤት ምስ ገበረ: ነዚ ዘይድለ “ግብሪ ስጋ” ከርሕቖ ይጅምር: በቲ “ፍረ መንፈስ” ድማ ይትክኦ። እዚ ግሁድ ለውጢ እዚ: እቲ ሰብ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ብንጹር ዝሕብር ኢዩ።—ገላትያ 5:22
14. ነተን “ግብሪ ስጋ” ከምኡውን “ፍረ መንፈስ” ዝብላ ኽልተ ሓረጋት ግለጸን።
14 እተን “ግብሪ ስጋ” ከምኡውን “ፍረ መንፈስ” ዝብላ ሓረጋት ከነተኵረለን ይግባእ። “ግብሪ” ውጽኢት ናይቲ ሓደ ሰብ ዝፍጽሞ ነገር ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ: እቲ ጳውሎስ ግብሪ ስጋ ኢሉ ዝዘርዘሮ ነገራት ሓደ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ዝገብሮ ወይ ሓጥእ ስጋና ብዝገብረልና ድራኸ ዝፍጸም ኢዩ። (ሮሜ 1:24, 28፣ 7:21-25) ብኻልእ ሸነኽ እታ “ፍረ መንፈስ” እትብል መግለጺ ጠባይካ ንምምሕያሽ ብእትገብሮ ጻዕሪ ዝርከብ ባህርያት ዘይኰነስ: መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ሰብ ክዓዪ ኸሎ ዘፍርዮ ፍረ ምዃኑ ኢያ እተመልክት። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ኦም ጽቡቕ ክንክን እንተድኣ ረኺባ ፍረ እተፍሪ: ከምኡውን ፍረ መንፈስ ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ክዓዪ ኸሎ እቲ ሰብ ፍረ መንፈስ የፍሪ።—መዝሙር 1:1-3
15. ንዅሉ መዳያት “ፍረ መንፈስ” ከነተኵረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ካልእ ክንሓስበሉ ዘሎና ነጥቢ ኸኣ ጳውሎስ ነታ “ፍረ” እትብል ቃል ንዅሉ እቲ ዝጠቐሶ ተደላዪ ባህርያት ከም እትሓቍፍ ገይሩ ምቕራቡ ኢዩ። እቲ መንፈስ ባህ ዝበለና መሪጽና ንኽንወስድ ኢሉ ኣይኰነን እተፈላለየ ፍረታት ዘፍሪ። ብምሉኡ እቲ ጳውሎስ ዘርዚርዎ ዘሎ ባህርያት ማለት ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ከምኡውን ይኣኽለኒ ምባል ብማዕረ ኣድላዪ ኢዩ: ብሓባር ከኣ ሓድሽ ክርስትያናዊ ሰብነት ንኽንለብስ የኽእለና። (ኤፌሶን 4:24፣ ቈሎሴ 3:10) ስለዚ: ብምኽንያት ናይ ውልቅና ባህርይን ዝንባለታትናን ገለ ኻብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ባህርያት ኣብ ህይወትና ዝያዳ ዝንጸባረቕ እኳ እንተዀነ: ንዅሉ እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ባህርያት ከነተኵረሉ ግን ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ንናይ ክርስቶስ ባህርያት ኣብ ህይወትና ብዝያዳ ኸነንጸባርቖ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:12, 21
16. ኣብ ክርስትያናዊ ብስለት ንምብጻሕ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ዕላማና እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ክንበጽሖ ንኽእል፧
16 ኣብ ክርስትያናዊ ብስለት ንምብጻሕ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ: ዕላማና ብዙሕ ፍልጠትን ትምህርትን ንምርካብ ከምኡውን ጽቡቕ ጠባይ ንምጥራይ ከም ዘይኰነ ካብቲ ጳውሎስ ዝበሎ ብዙሕ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ሸቶና መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ኸም ዝዓዪ ንምግባር ኢዩ። ክንድቲ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን መንፈስ ኣምላኽ ንዝህቦ መሪሕነት ዝቕበሎ መጠን: ክንድኡ ኢዩ መንፈሳዊ ብስለት ዝህልወና። ነዚ ሸቶ እዚ ብኸመይ ክንበጽሖ ንኽእል፧ መንፈስ ኣምላኽ ንልብናን ኣእምሮናን ምእንቲ ኽጸልዎ ኽፉት ክንገብሮ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብቐጻሊ ምክፋልን ምስታፍን ዘጠቓልል ኢዩ። ብተወሳኺውን ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ምስ ካልኦት ንዘሎና ርክብን ምርጫታትናን ውሳነታትናን ንኽመርሖ ብምፍቃድ: ንቓል ኣምላኽ እውን ብቐጻሊ ኸነጽንዖን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ኣሎና። ድሕርዚ: እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘሎና ብንጹር ክግለጽ ኢዩ።
ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ እናወሰኽካ ኺድ
17. ዕቤት ምግባር ምስቲ ንሰማያዊ ኣቦና እንህቦ ኽብሪ ብኸመይ ኢዩ ዝተሓሓዝ፧
17 እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘሎና ምስ ዝግለጽ ኣብ መወዳእታኡ ንዓና ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ንኽንበጽሕ ዘኽእለና ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኢዩ ክብርን ውዳሰን ዘምጽኣሉ። የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር: ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 15:8) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ፍረ መንፈስ ብምፍራይን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ብምርካብን ንኣምላኽ ክብሪ ኣምጺኦምሉ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 11:4, 18፣ 13:48
18. (ሀ) ሎሚ እንታይ ዘሐጕስ ናይ ቀውዒ ዕዮ ኢዩ ዝዕየ ዘሎ፧ (ለ) እዚ ዕዮ ቐውዒ እዚ እንታይ ብድሆ ኢዩ ዘለዎ፧
18 ሎሚ: የሆዋ ንህዝቡ ኣብቲ ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ ዕዮ ቐውዒ ተጸሚዶምሉ ዘለዉ እዋን ይባርኾም ኣሎ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ 300,000 ሓደስቲ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ብማይ ጥምቀት የርእዩ ኣለዉ። እዚ ባህ ዘብለና ኢዩ: ንልቢ የሆዋ ኸም ዘሐጕሶ ድማ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) እንተዀነ ግን: እዚ ቐጻሊ ምንጪ ሓጐስን ንየሆዋ ዝውድስን ምእንቲ ክኸውን: እዞም ሓደስቲ ሰባት እዚኣቶም ‘ኣብ ክርስቶስ ተሰሪቶምን ተሃኒጾምን ብምስጋና መሊኦም ክመላለሱ’ የድልዮም። (ቈሎሴ 2:6, 7) እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ድርብ ብድሆ ኢዩ ዝዀኖም። በቲ ሓደ ሸነኽ: ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠመቕካ እንተድኣ ዄንካ: “እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽ” ኣብ ምጽዓር ዘሎ ብድሆ ትቕበሎ ዲኻ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ሓቂ ንእተወሰነ ግዜ እንተድኣ ጸኒሕካ ዄንካ: ንመንፈሳዊ ድሕንነት ሓደስቲ ሰባት ንምስካም ዘሎ ብድሆ ትቕበሎ ዲኻ፧ ኣብ ክልቲኡ መዳይ: ናብ ብስለት ምብጻሕ ኣድላዪ ምዃኑ ንጹር ኢዩ።—ፊልጲ 3:16፣ እብራውያን 6:1
19. እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ እንተ ኣርኢኻ እንታይ መሰላትን በረኸታትን ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧
19 እቶም እናወሰኹ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ዘርእዩ: ዘደንቕ በረኸታት ክረኽቡ ኢዮም። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ እናወሰኸ ክኸይድ ምስ ተማሕጸኖ ቀጺሉ ዝበሎ ዘተባብዕ ቃላት ዘክሮ:- “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:16) እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ብትግሃት ብምርኣይ: ንስም ኣምላኽ ክብሪ ኣብ ናይ ምሃብ መሰል ክትካፈልን ኣምላኽ ዘፍስሶ በረኸት ክትረክብን ኢኻ።
ትዝክሮዶ፧
• መንፈሳዊ ብስለትካ በየናይ መገድታት ክግለጽ ይኽእል፧
• እንታይ ዓይነት ፍልጠትን ምርዳእን ኢዩ ብስለት ዘንጸባርቕ፧
• “ፍረ መንፈስ” ምፍራይ ብመንፈስ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧
• ናብ ብስለት ክንበጽሕ ከሎና ነየናይ ብድሆ ኢና ኽንቅበሎ ዘሎና፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ብስለት ወይ ዕቤት ዝኽወል ነገር ኣይኰነን
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ምስቲ እተገልጸ ሓቂ ማዕረ ማዕረ ብምስጓም ብመንፈስ እናወሰኽና ኽንከይድ ንኽእል ኢና
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ጸሎት “ፍረ መንፈስ ” ንኸነፍሪ ይሕግዘና