ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/8 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንዳንኤል ዘደንቕ ሽልማት ይመባጽዓሉ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ካብ ትንቢት ዳንኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ተፈቲኖም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ተረኽቡ!
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/8 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ኣብ ጐልጐል ዱራ ዝሰርሖ ዓቢ ምስሊ ኽፍተኑ ኸለዉ: ዳንኤል ኣበይ ኢዩ ነይሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ ኣይብልን ኢዩ: ስለዚ ኣብ ግዜ እቲ ፈተና ዳንኤል ኣበይ ከም ዝነበረ ኽገልጽ ዝኽእል ሰብ የለን።

ገሊኣቶም ዳንኤል ዝነበሮ ስልጣን ወይ ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ዝነበሮ ሞጎስ ካብ ናይ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ዝበልጽ ስለ ዝነበረ: ናብ ጐልጐል ዱራ ክኸይድ ኣይግደድን ኢዩ ነይሩ ዝብል ሓሳብ የቕርቡ ኢዮም። ዳንኤል 2:⁠49 ንእተወሰነ እዋን ካብ ናይቶም ሰለስተ ብጾቱ ዝበልጽ ሓላፍነት ከም ዝነበሮ ትሕብር ኢያ። እንተ​ዀነ ግን: እዚ ኣብቲ ምስሊ ዝነበሮ ጐልጐል ከም ዘይከደ መርትዖ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

ካልኦት ድማ ዳንኤል ኣብቲ ኣኼባ ዘይነበረ ብመንግስታዊ ዕዮ ናብ ካልእ ቦታ ኸይዱ ወይ ሓሚሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ምኽንያት ይህቡ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኣይብልን ኢዩ። በዚ ዀይኑ በቲ: ዳንኤል ዘንቅፍ ነገራት ኣይገበረን: ከመይሲ ከምኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን እቶም ቀናኣት ሰበ⁠-​ስልጣን ባቢሎን ንኽኸስዎ ድሕር ከም ዘይብሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዳንኤል 3:⁠8) ቅድሚ እዚ ፍጻመ እዝን ድሕሪኡን: ዳንኤል ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ ንኣምላኽ እሙን ብምዃን ንጽህናኡ ኸም ዝሓለወ ኣርእዩ ኢዩ። (ዳንኤል 1:⁠8፣ 5:⁠17፣ 6:⁠4, 10, 11) ስለዚ: ዳንኤል ኣብ ጐልጐል ዱራ ስለምንታይ ከም ዘይነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንየሆዋ ኣምላኽ እሙን ምንባሩ ግን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ህዝቅኤል 14:⁠14፣ እብራውያን 11:⁠33

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ