ንየሆዋ ዝፈርህ ልቢ ኣጥሪ
“ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን: ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።”—ዘዳግም 5:29
1. ሰባት ካብ ፍርሂ ናጻ ዝዀንሉ ግዜ ኸም ዝመጽእ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ፍርሂ ንዘመናት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ከንጸላሉ ጸኒሑ ኢዩ። ናይ ጥሜት: ሕማም: ገበን ወይ ናይ ውግእ ፍርሂ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ዘየቋርጽ ጭንቀት ይፈጥረሎም ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ መእተዊ ናይቲ “ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት” ኵሎም ደቅሰብ ካብ ፍርሂ ናጻ ዀይኖም ዝነብሩላ ዓለም ንምምጻእ ዘለዎ ባህጊ ዝገልጽ።a ኣምላኽ እውን ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም ክትመጽእ ምዃና ይነግረና ኢዩ: ግናኸ ብጻዕሪ ሰብ ኣይኰነን። የሆዋ ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ ኣብታ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ‘ንህዝቡ ዘፍርህ ከም ዘይህሉ’ ተመባጺዑልና ኣሎ።—ሚክያስ 4:4
2. (ሀ) ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣምላኽ ኽንፈርሆ ዝምሕጸነና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንኣምላኽ ንምፍራህ ዘሎና ግዴታ ኽንሓስበሉ ኸሎና ከመይ ዝበለ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧
2 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ፍርሃት ኣወንታዊ ጽልዋ እውን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንየሆዋ ክፈርህዎ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ሙሴ ንእስራኤላውያን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ: ንእኡ ድማ ኣገልግል” በሎም። (ዘዳግም 6:13) ዘመናት ጸኒሑ ድማ ሰሎሞን “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብምባል ጸሓፈ። (መክብብ 12:13) በቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ዝፍጸም ዕዮ ስብከትና ንሕናውን ኵሎም ሰባት ‘ንኣምላኽ ክፈርህዎ ኽብሪውን ክህብዎ’ ንምሕጸኖም ኢና። (ራእይ 14:6, 7) ክርስትያናት ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ምፍርሆም ብምሉእ ልቦም እውን ከፍቅርዎ ይግብኦም። (ማቴዎስ 22:37, 38) ንኣምላኽ እናፍቀርና ኽንፈርሆ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ንሓደ ፈቃር ኣምላኽ ምፍራህ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧ ፍርሃት ኣምላኽ ብምጥራይ ከመይ ዝበለ ረብሓታት ኢና ክንረክብ እንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ: መጀመርታ ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑን እዚ ፍርሃት እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዘደልድሎን ክንርዳእ ይግብኣና።
ኣኽብሮትን ፍርሃትን
3. ፍርሃት ኣምላኽ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
3 ፍርሃት ኣምላኽ ክበሃል ከሎ ክርስትያናት ንፈጣሪኦም ክህልዎም ዘለዎ ስምዒት ኢዩ። ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ እዚ ዓይነት ፍርሃት እዚ ዝወሃብ መግለጺ “ንፈጣሪ ዓሚቝ ኣኽብሮት ምርኣይ: ንኸይተጕህዮ ኢልካ ምርዓድ” ዝብል ኢዩ። ስለዚ ፍርሃት ኣምላኽ ንኽልተ መዳያት ናብራና ይጸሉ፣ እዚ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ንሱ ዝጸልኦ ጠባያትን ዘሎና ኣመለኻኽታ ኢዩ። ክልቲኡ መዳያት ኣዝዩ ኣገዳስን ብጥንቃቐ ክሕሰበሉ ዘድልዮን ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርልድ ከም ዝገለጾ: ኣብ ክርስትያናት እዚ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ እዚ ‘ኣብ መንፈሳዊ ይኹን ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት: ንናብራ ህይወት ወድሰብ ናይ ምምራሕ ሓይሊ ኣለዎ።’
4. ንፈጣሪና ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከነሕድር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ንፈጣሪና ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከነሕድር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ምልኩዕ ቦታ: ዝማርኽ መንጫዕጫዕታ ወይ ከኣ መስተንክር ዕራርቦ ጸሓይ ክንርኢ ኸሎና ንምሰጥ ኢና። ነዚ ነገራት እዚ ዝፈጠሮ ኢድ ኣምላኽ ምዃኑ ብናይ እምነት ኣዒንትና ምስ እነስተውዕሎ ኸኣ እዚ ስምዒት እዚ እናዓመቘ ኢዩ ዝኸይድ። ኣብ ርእሲ እዚውን ልክዕ ከም ዳዊት ምስቲ ዘደንጹ ፍጥረት ኣምላኽ ክንነጻጸር ከሎና ዘይንረብሕ ምዃንና ነስተውዕል። ዳዊት ከምዚ በለ:- “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ . . . እንታይ እዩ፧” (መዝሙር 8:3, 4) እዚ ዓሚቝ ስምዒት እዚ ኸኣ ንየሆዋ ስለቲ ዅሉ ዝገበረልና ኸነመስግኖን ክንውድሶን ይድርኸና። ዳዊት “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” ብምባል ጸሓፈ።—መዝሙር 139:14
5. ንየሆዋ ክንፈርሆ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ: በዚ መዳይ እዚ ዝመጸኸ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ዘሎና፧
5 ኣኽብሮት ናይ ምርኣይ ስምዒት: ነቲ ኣምላኽ ከም ፈጣሪ መጠን ዘለዎ ሓይልን ናይ ኣድማስ ልዑል ገዛኢ ከም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ስልጣንን ጥዑይን ኣኽብሮታውን ፍርሃት ከም እነሕድር ዝገብረና ኢዩ። ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እቶም “ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን . . . ዝሰዐሩ” ማለት ኣብ ሰማያዊ ቦታኦም ዘለዉ ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ: “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። . . . ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧” እናበሉ ኣወጁ። (ራእይ 15:2-4) ካብቲ ንግርማውነቱ ዘለዎም ዓሚቝ ኣኽብሮት ዝምንጭ ፍርሃት ኣምላኽ ነዞም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ መጋዝእቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ቕቡኣት ንኣምላኽ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ገይሮም ከም ዘኽብርዎ ዝገብሮም ኢዩ። ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝዓመሞ ነገራትን ንኣድማስ ንምምሕዳር ዝጥቀመሉ ጽድቃዊ መገድታትን ክንሓስብ ከሎና ንኽንፈርሆ እኹል ምኽንያት ዝህበናዶ ኸይኰነ፧—መዝሙር 2:11፣ ኤርምያስ 10:7
6. ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ዝብል ጥዑይ ፍርሃት ክህልወና ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ይኹን እምበር: ፍርሃት ኣምላኽ ክበሃል ከሎ ኣኽብሮት ጥራይ ዘይኰነስ ኸይተጕህዮ ወይ ዘይእዙዝ ኴንካ ንኸይትርከብ ጥዑይ ረዓድ እውን ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ “ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን” እኳ እንተዀነ “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ምዃኑ ክንዝክር ይግብኣና። (ዘጸኣት 34:6, 7) የሆዋ ፈቃርን መሓርን እኳ እንተዀነ ንእከይን ብፍላጥ ንዝግበር ሓጢኣትን ኣይጻወሮን ኢዩ። (መዝሙር 5:4, 5፣ ኣንባቆም 1:13) እቶም ደይመደይ ኢሎምን ነስሓ ብዘይምርኣይን ኣብ ቅድሚ የሆዋ እከይ ዘበለ ተግባር ዝፍጽሙ እሞ ኣንጻሩ ዝኸዱ ሰባት ከይተቐጽዑ ኣይተርፉን ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝበሎ “ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ ኢዩ።” ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኸይንወድቕ ምፍራህ መወዳእትኡ ዕቝባ ኢዩ ዝዀነና።—እብራውያን 10:31
“ምስኡውን ልገቡ”
7. ኣብቲ ናይ የሆዋ ናይ ምድሓን ሓይሊ ንኽንውከል እንታይ ምኽንያት ኢዩ ዘሎና፧
7 ንኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮታዊ ፍርሃትን ብዛዕባ እቲ ዘደንጹ ሓይሉ ዘሎና ፍልጠትን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ትውክልትን እምንቶን ንኽንገብር ዝሕግዘና ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ምስ ኣቡኡ ዘሎ ቘልዓ ዕቝባ ዝስምዖ: ንሕናውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢድ የሆዋ ምዃንና ዕቝባን ምትእምማንን ኢዩ ዝስምዓና። የሆዋ ካብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም እስራኤላውያን እንታይ መልሰ-ግብሪ ከም ዝሃቡ ኣስተብህል:- “እስራኤል እታ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገበራ ዓባይ ኢድ ረአየ እሞ: እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ። ብእግዚኣብሄር . . . ድማ አመኑ።” (ዘጸኣት 14:31) እቲ ናይ ኤልሳእ ተመክሮ እውን ‘መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ከም ዝሰፍርን ከም ዘናግፎምን’ ዘረጋግጽ ኢዩ። (መዝሙር 34:7፣ 2 ነገስት 6:15-17) ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋን ናይ ብሕትና ተመክሮን ኣምላኽ ምእንቲ እቶም ዘገልግልዎ ኢሉ ሓይሉ ከም ዘዘውትር ዘረጋግጸልና ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ስለዚ “ጽኑዕ እምንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር” ከም ዘሎ ንግንዘብ ኢና።—ምሳሌ 14:26
8. (ሀ) ፍርሃት ኣምላኽ ብመገድታቱ ንኽንመላለስ ዝሕግዘና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብኸመይ ናብ የሆዋ ‘ኽንለግብ’ ከም እንኽእል ግለጽ።
8 ጥዑይ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ የሆዋ ትውክልትን እምንቶን ከም ዝህልወና ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ ብመገድታቱ ንኽንመላለስ እውን ይድርኸና ኢዩ። ሰሎሞን ነቲ ቤት መቕደስ ምስ ጸምበሎ ብዛዕባ ህዝቢ እስራኤል “ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኵለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ” ብምባል ናብ የሆዋ ጸለየ። (2 ዜና መዋእል 6:31) ኣቐድም ኣቢሉ እውን ሙሴ ንእስራኤላውያን “ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ: ንእኡ ድማ ፍርሁ: ትእዛዛቱውን ሐልዉ: ቃሉ ድማ ስምዑ: ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ” ብምባል ተላበዎም። (ዘዳግም 13:4) እዚ ጥቕስታት እዚ: ብመገድታት የሆዋ ናይ ምምልላስን ምስኡ ናይ ‘ምልጋብን’ ባህጊ ቅድም ኣብ ኣምላኽ ምውካልን እምንቶ ምግባርን ከም ዝሓትት ኢዩ ዘርኢ። እወ: ፍርሃት ኣምላኽ ንየሆዋ ኽንእዘዞ: ንኸነገልግሎ: ከምኡውን ልክዕ ከምቲ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኣብቲ ዝውከሎን እምንቶ ዘሕድረሉን ኣቦኡ ቃል ብቓሉ ዝለግብ ምስ የሆዋ ንኽንለግብ ይሕግዘና።—መዝሙር 63:8፣ ኢሳይያስ 41:13
ንኣምላኽ ምፍቃር ክበሃል ከሎ ምፍርሁ ማለት ኢዩ
9. ኣብ መንጎ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍርሃት ኣምላኽን ከመይ ዝበለ ርክብ ኢዩ ዘሎ፧
9 ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝገልጾ: ንኣምላኽ ምፍራህና ከም ዘይነፍቅሮ ኣይገብረናን ኢዩ። አረ እስራኤላውያንሲ ‘ንእግዚኣብሄር ክፈርህዎ: ብዅሉ መገዱ ኽመላለሱ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ድማ ከፍቅርዎ’ መምርሒ ተዋሂብዎም ኢዩ። (ዘዳግም 10:12) ስለዚ እምበኣር: ፍርሃት ኣምላኽን ፍቕሪ ኣምላኽን ንሓድሕዱ እተተሓሓዘ ኢዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ብመገድታቱ ኽንመላለስ ይድርኸና: እዚ ድማ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ዘረጋግጽ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) ንሓደ ሰብ ምስ እነፍቅሮ ኸይነጕህዮ ንፈርህ ኢና: ስለዚ ነቲ እነፍቅሮ የሆዋ ምፍራህና ምኽንያታዊ ኢዩ። እስራኤላውያን በቲ ኣብ በረኻ ዘርእይዎ ዝነበሩ ዕልወት ንየሆዋ ኣጕህዮምዎ ኢዮም። ንሰማያዊ ኣቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ጓሂ ከምጽኣሉ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ከም ዘይንደሊ ፍሉጥ ኢዩ። (መዝሙር 78:40, 41) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ‘እግዚኣብሄር በቶም ዝፈርህዎ ስለ ዝሕጐስ’ ተኣዛዝነትናን ተኣማንነትናን ንልቡ የሐጕሶ ኢዩ። (መዝሙር 147:11፣ ምሳሌ 27:11) ንኣምላኽ ምፍቃር ንኸነሐጕሶ ይድርኸና: ፍርሃት ኣምላኽ ከኣ ንኸይነጕህዮ ከም እንጥንቀቕ ይገብረና። እዚ ባህርያት እዚ ንሓድሕዱ ዝደጋገፍ ድኣ እምበር ዝጋጮ ኣይኰነን።
10. የሱስ ንየሆዋ ብምፍርሁ ባህ ይብሎ ከም ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ ኣርእዩ፧
10 ንኣምላኽ እናኣፍቀርና ብኸመይ ክንፈርሆ ከም እንኽእል ናብራ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ብንጹር የብርሃልና ኢዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር: መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን: መንፈስ ምኽርን ሓይልን: መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ። ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ።” (ኢሳይያስ 11:2, 3) ብመሰረት እዚ ትንቢት እዚ: የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ንኽፈርሆ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ እዚ ፍርሃት እዚ ጾር ዘይኰነስ ምንጪ ዕግበት ኢዩ ዝዀነና። የሱስ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብርን ንኸሐጕሶን ባህ ይብሎ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ንኽስቀል ምስ ተፈርዶ ንየሆዋ “ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን” ኢሉ ነገሮ። (ማቴዎስ 26:39) ብምኽንያት እዚ ፍርሃት ኣምላኽ እዚ: የሆዋ ንልመና ወዱ ሰምዖ: ኣበርትዖ: ካብ ሞት ድማ ኣተንስኦ።—እብራውያን 5:7
ንየሆዋ ምፍራህ ተምሃር
11, 12. (ሀ) ንኣምላኽ ምፍራህ ክንማሃር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ንየሆዋ ምፍራህ ዝመሃረና ብኸመይ ኢዩ፧
11 ናይ ተፈጥሮ ሓይልን ዕብየትን ክንርኢ ኸሎና ብባህርይና ይድንጽወና ኢዩ: ፍርሃት ኣምላኽ ግን ከምኡ ብቕጽበት ዝመጽእ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ: እቲ ዝዓበየ ዳዊት የሱስ ክርስቶስ ነቲ “ደቀየ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ: ንዑ ስምዑኒ” ዝብል ዕድመ ብትንቢታዊ መገዲ ዘቕረበልና። (መዝሙር 34:11) ንየሆዋ ብምፍራህ ዝመጸ ብኸመይ ኢና ካብ የሱስ ክንማሃር እንኽእል፧
12 የሱስ ነቲ ዘደንቕ ባህርያት ሰማያዊ ኣቦና ንኽንርድኦ ብምሕጋዝ ንየሆዋ ኽንፈርሆ ምሂሩና ኢዩ። (ዮሃንስ 1:18) የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘንጸባረቖ እቲ ዝገደፎ ኣብነት ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝሓስብን ምስ ካልኦት ከኣ ብኸመይ ከም ዝመላለስን ዝገልጽ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚውን: ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ሕድገት ሓጢኣት ንኽንረክብ ብጸሎት ናብ የሆዋ ናይ ምቕራብ መሰል እውን ረኺብና ኢና። እዚ ሓለፍ ዝበለ መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ክንፈርሆ ዝድርኸና ቐንዲ ምኽንያት ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ምእንቲ ኺፈርሁኻ: ይቕሬታ ምሳኻ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 130:4
13. እንታይ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተዘርዚሩ ዘሎ ስጕምትታት ኢዩ ንየሆዋ ኽንፈርህ ዝሕግዘና፧
13 ፍርሃት ኣምላኽ ከነጥሪ ክሕግዘና ዝኽእል ተኸታታሊ ስጕምትታት ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተዘርዚሩ ኣሎ። “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ . . . ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።” (ምሳሌ 2:1-5) ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንፈርሆ እምበኣር ቃሉ ኸነጽንዕን ትምህርትታቱ ንኽርድኣና ተጊህና ኽንጽዕርን ንምኽርታቱ ኸኣ ተጠንቂቕና ኸነቕልበሉን ይግብኣና።
14. ንነገስታት እስራኤል እተዋህቦም ምኽሪ ብኸመይ ኢና ክንስዕቦ እንኽእል፧
14 ነፍሲ ወከፍ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኽመሃርን ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላት ተጠንቂቑ ኽገብሮን ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ከንብቦ’ ቅዳሕ ናይቲ ሕጊ ከዳሉ መምርሒ ተዋሂብዎ ኢዩ። (ዘዳግም 17:18, 19) ንሕናውን ንየሆዋ ምፍራህ ክንማሃር እንተድኣ ዄንና መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ከነጽንዕን ይግብኣና። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብራ ህይወትና እናኣውዓልናዮ ብዝኸድና መጠን በብቝሩብ መለኮታዊ ጥበብን ፍልጠትን ከነጥሪ ኢና። ኣብ ናብራ ህይወትና ዘፍርዮ ጽቡቕ ፍረ ስለ እንርኢ ‘ንፍርሃት እግዚኣብሄር ነስተውዕሎን’ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ከኣ ኣኽቢርና ንሕዞን ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን ዓበይቲ ይኹኑ ናእሽቱ ምስ ኣመንቲ ብጾት ስርዓታውያን ኰይኖም ብምክፋል ንመለኮታዊ ትምህርቲ ክሰምዑ: ንኣምላኽ ምፍራህ ኽማሃሩ: ብመገድታቱ ድማ ክመላለሱ ይኽእሉ ኢዮም።—ዘዳግም 31:12
ንየሆዋ ዝፈርህ ዘበለ ሕጕስ ኢዩ
15. ፍርሃት ኣምላኽ ምስቲ ንዕኡ እነቕርቦ ኣምልኾ ኽተሓሓዝ ዝኸኣለ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
15 ክሳዕ ሕጂ ከም ዝረኣናዮ ፍርሃት ኣምላኽ መሰረታዊ ክፍሊ ኣምልኾና ስለ ዝዀነ ዅላትና ኸነጥርዮ ዘድልየና ጥዑይ ኣመለኻኽታ ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ ንኽንውከሎ: ብመገድታቱ ንኽንመላለስ: ናብኡ ድማ ንኽንለግብ የቃንዓና። ፍርሃት ኣምላኽ ከምቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዝደረኾ ንዓናውን ነቲ ህይወትና ብምውፋይ ዝኣተናዮ ቓል ሕጅን ንዘለኣለምን ንኽንሕልዎ ክድርኸና ይኽእል ኢዩ።
16. የሆዋ ንኽንፈርሆ ዘተባብዓና ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ፍርሃት ኣምላኽ ዘርዕድ ወይ ኣዝዩ ዝቕይድ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ: ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝሙር 128:1) የሆዋ እዚ ንዕኡ ናይ ምፍራህ ባህሪ እዚ ንዕቝባና ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ንኽንፈርሆ የተባብዓና ኢዩ። ካብቲ ንሙሴ ከምዚ ብምባል እተዛረቦ ቓላት ንፍቕራዊ ሓልዮቱ ከነስተብህለሉ ንኽእል ኢና:- “[እስራኤላውያን] ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጽብቐሎም: ኪፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉን: ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም መን ምሀበ።”—ዘዳግም 5:29
17. (ሀ) ንኣምላኽ ብምፍራህ እንታይ ረብሓታት ኢና ክንረክብ እንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከመይ ዝበለ መዳያት ናይ ኣምላኻዊ ፍርሃት ኢና ኽንርኢ፧
17 ንሕናውን ንኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ እንተድኣ ኣጥሪና ጽቡቕ ክንረክብ ኢና። በየናይ መገድታት፧ ቅድም ቀዳድም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ንኣምላኽ የሐጕሶ ኢዩ: ናብኡ ኸም እንለግብ ከኣ ኽገብረና ኢዩ። ዳዊት ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ: የሆዋ ‘ፍቓድ እቶም ዝፈርህዎ ከም ዝፍጽም: ኣውያቶም ከም ዝሰምዕን ከም ዘድሕኖምን’ ተማሂሩ ኢዩ። (መዝሙር 145:19) ካልኣይ: ፍርሃት ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ እከይ ዘሎና ኣመለኻኽታ ስለ ዝትንክፎ ይጠቕመና ኢዩ። (ምሳሌ 3:7) እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: እዚ ፍርሃት እዚ ኻብ መንፈሳዊ ሓደጋ ብኸመይ ከም ዘዕቝበና ኽትገልጸልና ኢያ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ብዛዕባ ንኣምላኽ ዝፈርህዎን ካብ ክፉእ ዝረሓቑን ሰባት ገለ ኣብነት ክትህበና ኢያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ “ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት” ዘጽደቖ ብ10 ታሕሳስ 1948 ኢዩ።
ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታት ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧
• ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ማለት ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝትንክፈና፧
• ኣብ መንጎ ፍርሃት ኣምላኽን ምስ ኣምላኽ ምምልላስን ከመይ ዝበለ ርክብ ኢዩ ዘሎ፧
• ፍርሃት ኣምላኽን ንኣምላኽ ምፍቃርን እተተሓሓዘ ምዃኑ ኣብነት የሱስ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጸልና፧
• ንየሆዋ ዝፈርህ ልቢ ኸነጥሪ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧
[ምንጪ ስእሊ]
Stars: Photo by Malin, © IAC/RGO 1991
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ነገስታት እስራኤል ሓደ ቕዳሕ ናይቲ ሕጊ ከዳልዉን ከንብብዎን ተኣዚዞም ነበሩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከምቲ ሓደ ውሉድ ኣብ ኣቦኡ ትውክልቲ ዝገብር ንሕናውን ፍርሃት የሆዋ እንተድኣ ኣልዩና ኣብኡ ንኽንውከል ይሕግዘና ኢዩ