ኣብ ስጋኦም ንዘሎ ግራጭ ተጸሚመምዎ ኢዮም
“ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ . . . መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።”—2 ቈረንቶስ 12:7
1. ሎሚ ንሰባት ከመይ ዝኣመሰለ ጸገማት ኢዩ ዘጋጥሞም ዘሎ፧
ምስ ሓደ ቐጻሊ ዝዀነ ፈተና ትቃለስ ዲኻ ዘሎኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተድኣ ኣሊኻ በይንኻ ኣይኰንካን። እሙናት ክርስትያናት ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ዘጸግም ጽንኩር ግዜ” (NW ) መሪር ምጽራር: ናይ ስድራቤት ግድላት: ሕማም: ምስ ቍጠባዊ ዅነታት እተተሓሓዘ ጭንቀት: ስምዒታዊ ውጥረት: ሞት ናይ ዘፍቅርዎ ሰብን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብድሆታትን ተጻዊሮም ይሓልፍዎ ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ከኣ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ብዋሕዲ መግብን ውግእን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።
2, 3. እቲ ዘጋጥመና ከም ግራጭ ዝበለ ግድላት ከመይ ዝበለ ኣሉታዊ ስምዒታት ኢዩ ከምጽኣልና ዝኽእል: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ሓደገኛ ዝኸውን፧
2 እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግድላት ብፍላይ ኣብ ርእሳ ርእሲ ምስ ዝደራረብ ዓቕልኻ ኸም ዝጸበካ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 24:10 ከምዚ ትብል:- “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።” እወ: ብሰንኪ እቲ ዘጋጥመና ፈተናታት ተስፋ ምስ እንቘርጽ: ሓይልና ይውዳእ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ንኽንጽመም ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከኣ ይደክም። ብኸመይ፧
3 ተስፋ ምቝራጽ ናይ ምምዝዛን ክእለትና ከም እነጥፍእ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ንሽግራትና ኣዕቢና ኽንርእን ክንምረርን ቀሊል ኢዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ሕሉፍ ሓሊፎም “እዚ ኽበጽሓኒ ስቕ ኢልካ እትርኢ ስለምንታይ ኢኻ፧” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ይጠርዑ ኢዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ልቢ ሰብ ሱር እንተድኣ ሰዲዱ: ንሓጐሱን እምንቶኡን ከጥፍኣሉ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣዝዩ ተስፋ ካብ ምቝራጹ እተላዕለ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት” ካብ ምግዳል ከቋርጽ ይኽእል ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:12
4, 5. ሓድሓደ ግዜ ሰይጣን ኣብ ግድላትና ኢዱ ዘእቱ ብኸመይ ኢዩ: እንተዀነ ግን ከመይ ዝኣመሰለ እምንቶ ኢዩ ኽህልወና ዝኽእል፧
4 የሆዋ ኣምላኽ ፈተናታት ከም ዘየምጽኣልና ፍሉጥ ኢዩ። (ያእቆብ 1:13) ገሊኡ ፈተናታት ዘጋጥመና ንዕኡ እሙናት ክንከውን ስለ እንጽዕር ኢዩ። አረ ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽሲ ዒላማ ናይቲ ቐንዲ ጸላኢ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዮም። እዚ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ እኩይ ኣብዚ ተሪፍዎ ዘሎ ሓጺር ግዜ ንዝዀነ ይኹን ንየሆዋ ዘፍቅር ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ ኻብ ምግባር ንኸቋርጾ ኢዩ ዝጽዕር። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሰይጣን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኣሕዋትና ብእተኻእሎ መጠን ብዙሕ መከራ ኢዩ ዘውርድ ዘሎ። (1 ጴጥሮስ 5:9) ንዅሉ ግድላትና ብቐጥታ ዘምጽኦ ሰይጣን ኢዩ ማለት እኳ እንተዘይኰነ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኸድክመና ኢሉ ግን ነቲ ዘጋጥመና ግድላት ኽጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ።
5 ይኹን እምበር: ሰይጣን ወይ ኣጽዋሩ ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ይኹን ብዘየገድስ ከነሕምቖ ንኽእል ኢና! ብዛዕባ እዚ ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝዋግኣልና ኢዩ። ኣገልገልቱ ብዛዕባ ውዲታት ሰይጣን ከም ዝፈልጡ ገይሩ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 2:11) አረ ቓል ኣምላኽሲ ብዛዕባ እቲ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝወርዶም ፈተናታት ብዙሕ ኢዩ ዝነግረና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝወረዶ ፈተናታት ኽገልጽ ከሎ ‘ኣብ ስጋ ዘሎ ግራጭ’ ዝብል መግለጺ ኢዩ ተጠቒሙ። ስለምንታይ፧ ቃል ኣምላኽ ነዛ ሓረግ እዚኣ ብኸመይ ከም ዝገልጻ እስከ ንርአ። ሽዑ ንዝወርደና ፈተናታት ንኽንዕወተሉ ሓገዝ የሆዋ ዘድልየና በይንና ኸም ዘይኰንና ክንግንዘብ ኢና።
ፈተናታት ከም ግራጭ ዝዀነሉ ምኽንያት
6. ጳውሎስ ‘ኣብ ስጋ ዘሎ ግራጭ’ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ: እቲ ግራጭከ እንታይ ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል፧
6 ጳውሎስ ኸቢድ ፈተና የጋጥሞ ስለ ዝነበረ ‘እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ: መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ: ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ’ ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 12:7) እዚ ኣብ ስጋ ጳውሎስ ዝነበረ ግራጭ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ሓደ ግራጭ ካብ ቈርበት ሓሊፉ ውሽጢ ምስ ዝኣቱ ብሓቂ ዘሳቒ ኢዩ። ስለዚ እቲ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ንጳውሎስ ከም ዝሳቐ ዝገበሮ ነገር ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር። እዚ ስቓይ እዚ ድማ ኣካላዊ: ስምዒታዊ ወይ ከኣ ኽልቲኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ሕማም ዓይኒ ወይ ከኣ ካልእ ናይ ጥዕና ጸገም ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ከኣ እቲ ግራጭ: እቶም ነቲ ጳውሎስ ከም ሃዋርያ መጠን ዝነበሮ ብቕዓት ብምብዳህ ነቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮኡ ኣብ ሕቶ ዘውድቕዎ ዝነበሩ ሰባት ዘጠቓልል ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 10:10-12፣ 11:5, 6, 13) እቲ ግራጭ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ምስ ጳውሎስ ነይሩ ኢዩ: ክእለ ዝከኣል ድማ ኣይነበረን።
7, 8. (ሀ) እታ “ኪስቅየኒ” እትብል ቃል እንታይ ኢያ እትሕብር፧ (ለ) ነቲ ሕጂ ኸሳቕየና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ግራጭ ክንጽመሞ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 እቲ ግራጭ ንጳውሎስ የሳቕዮ ከም ዝነበረ ነስተብህል። እታ ጳውሎስ ኣብዚ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ግሲ ካብታ “ግናዕ ኢድ” እትብል ቃል ዝመጸት ምዃና ዘገርም ኢዩ። እታ ቓል እቲኣ ኣብ ማቴዎስ 26:67 ቃል ብቓሉ ኣብ 1 ቈረንቶስ 4:11 ኸኣ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ምጽፋዕ’ ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኣብ ክልቲኡ ጥቕሲ ኸኣ ብኢድ ኸም እተሃረምካ ዝሕብር ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ። ሰይጣን ኣብ የሆዋን ኣገልገልቱን መሪር ጽልኢ ከም ዘለዎ ስለ እንፈልጥ: ንጳውሎስ ግራጭ ከሳቕዮ ኸሎ ድያብሎስ ባህ ይብሎ ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሎሚ እውን ንሕና በቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ ክንሳቐ ኸሎና ሰይጣን ይሕጐስ ኢዩ።
8 ስለዚ እምበኣር: ከም ጳውሎስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግራጭ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ክንፈልጥ የድልየና። እዚ ምፍላጥና ኸኣ ምስ ህይወትና እተተሓሓዘ ኢዩ! የሆዋ ኣብታ ኸም ግራጭ ዝበለ ግድላት ፈጺሙ ዘይረኣየላ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክንነብር ከም ዝደልየና ኣይትረስዕ። ነዚ ዘደንቕ ዓስቢ እዚ ምእንቲ ኽንረኽቦ: ኣምላኽ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እሙናት ኣገልገልቱ ኣብ ስጋኦም ንዝነበረ ግራጭ ከም እተጸመምዎ ዝሕብር ብዙሕ ኣብነታት ሂቡና ኣሎ። ልክዕ ከማና ተራን ዘይፍጹማትን ሰባት ኢዮም። ንገለ ኻብዞም ብዙሓት “ደበና ምስክር” ምርኣይና ‘በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ንኽንጐዪ’ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 12:1) ብዛዕባ እቲ እተጸመምዎ ነገር ምስትንታንና ነቲ ሰይጣን ንኸሳቕየና ዝጥቀመሉ ዝዀነ ይኹን ግራጭ ክንጽመሞ ከም እንኽእል እምንቶ ዘሕድረልና ኢዩ።
ንመፊቦሸት ዘሳቕዮ ዝነበረ ግራጭ
9, 10. (ሀ) መፊቦሸት ኣብ ስጋኡ ግራጭ ክህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንጉስ ዳዊት ንመፊቦሸት ከመይ ዝበለ ሕያውነት ኢዩ ዘርኣዮ: ንዳዊትከ ብኸመይ ኢና ክንመስሎ እንኽእል፧
9 ብዛዕባ መፊቦሸት ወዲ ዮናታን ዓርኪ ዳዊት ንርአ። መፊቦሸት ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ ኣቦኡ ዮናታንን ኣባሓጎኡ ንጉስ ሳኦልን ከም እተቐትሉ ዝነግር ወረ ተሰምዐ። መጕዚቱ ሰንበደት እሞ ሒዛቶ ሃደመት። “ኰነ ኸኣ: ቀልጢፋ ኽትሀድም ከላ: ንሱ ወደቐ እሞ ሓንካስ ኰነ።” (2 ሳሙኤል 4:4) መፊቦሸት ምስ ዓበየ እዚ ኽጾሮ ዝነበሮ ግራጭ ኰይንዎ ክኸውን ኣለዎ።
10 ድሕሪ ገለ ዓመታት ንጉስ ዳዊት ካብቲ ንዮናታን ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ተላዒሉ ንመፊቦሸት ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣርኣዮ። ንዅሉ ንብረት ሳኦል ንዕኡ ሃቦ: ነቲ ጊልያ ሳኦል ዝነበረ ጺባ ኸኣ ኣላዪ ርስቲ መሬት ገበሮ። ዳዊት ንመፊቦሸት ‘ንሓዋሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ’ እውን በሎ። (2 ሳሙኤል 9:6-10) እቲ ናይ ዳዊት ፍቕራዊ ሕያውነት ንመፊቦሸት ዘጸናንዕ ከም ዝነበረ: ነቲ ብምኽንያት ስንክልንኡ ዝስምዖ ዝነበረ ስቓይ ከኣ ከም ዝነከየሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዝስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ትምህርቲ ዀን ኢዩ ዝዀነና! ንሕናውን ነቶም ምስ ኣብ ስጋኦም ዘሎ ግራጭ ዝቃለሱ ሰባት ሕያውነትና ኸነርእዮም ይግብኣና።
11. ጺባ ብዛዕባ መፊቦሸት እንታይ ኢዩ ዝበለ: ሓሶት ምዃኑ ግን ብኸመይ ንፈልጥ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)
11 ድሕርዚ መፊቦሸት ንኻልእ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ ኽጽመም ኣድለዮ። ንጉስ ዳዊት ብምኽንያት ዕልወት ኣቤሴሎም ወዱ ኻብ የሩሳሌም ይሃድመሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እቲ ጊልያኡ ዝነበረ ጺባ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ኣጸለሞ። ነታ መንግስቲ ንዕኡ ንኽወስዳ ኢሉ ንንጉስ ጠሊሙ ኣብ የሩሳሌም ከም ዝተረፈ ገይሩ ተዛረበሉ።a ዳዊት: ነዚ ጺባ እተዛረቦ ሓሶት ኣሚኑ ንዅሉ ንብረት መፊቦሸት ንዕኡ ሃቦ!—2 ሳሙኤል 16:1-4
12. መፊቦሸት ነቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ብኸመይ መሊስሉ: ሰናይ ኣብነት ዝዀነናኸ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ይኹን እምበር: መፊቦሸት ኣብ መወዳእታ ምስ ንጉስ ዳዊት ምስ ተራኸበ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ዅነታት ነገሮ። እዚ ድማ መፊቦሸት ምስ ዳዊት ክሓብር እናተዳለወ ኸሎ ጺባ ኣታሊልዎ ኸም ዝኸደ ነገሮ። ዳዊት ነቲ እተገብረ ጌጋ ኣሪምዎ ድዩ፧ ምሉእ ብምሉእ ኣይኰነን። ነቲ ንብረት ኣብ ክልቲኦም መቐሎ። እዚ እውን ንስጋ መፊቦሸት ዘሳቒ ካልእ ግራጭ ኢዩ ነይሩ። እሞ ኣዝዩዶ ተስፋ ቘሪጹ ኢዩ፧ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ከም እተገብረሉ ብምጕርምራም ንዳዊት ተማጒትዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ነቲ ውሳነ ናይቲ ንጉስ ብትሕትና ተቐቢልዎ ኢዩ። እቲ ሕጋዊ ንጉስ እስራኤል ብደሓን ብምምላሱ ሓጐሱ ብምግላጽ ኣብቲ ኣወንታዊ መዳያት ጥራይ ኣተኰረ። ስለዚ መፊቦሸት ንስንክልንኡን ንዘጋጠሞ ጸለመን ነቲ ተስፋ ዘቝርጽ ውሳነን ብምጽዋር ብሓቂ ብሉጽ ኣብነት ገዲፉልና ኢዩ።—2 ሳሙኤል 19:24-30
ነህምያ ንፈተናታቱ ተዋጺእሉ ኢዩ
13, 14. ነህምያ ንመናድቕ የሩሳሌም ንምህናጽ ክምለስ ከሎ እንታይ ዓይነት ግራጫት ኢዩ ክጽመም ዝነበሮ፧
13 ነህምያ ናብታ መናድቓ ፈሪሱ ዝነበረ ኸተማ የሩሳሌም ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ተመልሰ ዘጋጠሞ ምሳልያዊ ግራጭ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እታ ኸተማ ብዘይቀጽሪ ኢያ ጸኒሓቶ: እቶም ኣብኣ ዝነበሩ እተመልሱ ኣይሁድ ከኣ ዘይተመሓደሩን ተስፋ ዝቘረጹን ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ርኹሳት ኢዮም ነይሮም። ነህምያ መናድቕ የሩሳሌም ንኽሃንጽ ካብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ስልጣን ተዋሂብዎ እኳ እንተ ነበረ: ኣመሓደርቲ ናይተን ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ዝነበራ ሃገራት ግን ነዚ ተልእኾ እዚ ኣዝዮም ከም ዝጻረርዎ ቐልጢፉ ተገንዘበ። ንሳቶም “ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ዚሐስበሎም ሰብ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዑ: ዓብዪ ጓሂ ጐሀዩ።”—ነህምያ 2:10
14 እዞም ባዕዳውያን ተጻረርቲ እዚኣቶም ንዕዮ ነህምያ ደው ንምባል ዘይገበርዎ ነገር የለን። ምጕብዕባዖም: ሓሶቶም: ጸለመኦም: ዘጃጁ ሜላታቶም—ነቶም ተስፋ ንኸቝርጽዎ ዝሰደድዎም ሰለይቲ ሓዊስካ—ልክዕ ከም ንስጋኡ ዘሳቒ እተፈላለየ ግራጭ ኰይንዎ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ጸላእቱ ዝፈሓስዎ ፍሕሶ ኢዱ ሂቡ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ከየቋረጸ ምሉእ ትውክልቱ ኣብ ኣምላኽ ገበረ። ስለዚ ኸኣ መወዳእትኡ መናድቕ የሩሳሌም ምስ ተሃንጸ ምዝዛም ናይቲ ዕዮ: የሆዋ ፍቕራዊ ደገፉ ከም ዝገበረሉ ዘረጋግጽ ነባሪ ምስክርነት ኰነ።—ነህምያ 4:1-12፣ 6:1-19
15. ከመይ ዝበለ ኣብቶም ኣይሁድ ዝነበረ ሽግራት ኢዩ ንነህምያ ብዙሕ ኣጨኒቕዎ ክኸውን ዝኽእል፧
15 ነህምያ ከም ኣመሓዳሪ መጠን ምስቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዝርአ ዝነበረ እተፈላለየ ሽግራት ክቃለስ ነበሮ። እዚ ሽግራት እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ዝትንክፎ ስለ ዝነበረ ንነህምያ ኸም ግራጭ ኰይኑ ብዙሕ ኢዩ ዘጨንቖ ነይሩ። ሃብታማት ብብዙሕ ሓረጣ የለቅሑ: እቶም ድኻታት ኣሕዋቶም ከኣ ዕዳኦም ንምኽፋልን ንንጉስ ፋርስ ግብሪ ንምግባርን መሬቶም ከረክቡ ደቆም እውን ከይተረፈ ንባርነት ክሸጡ ይግደዱ ነበሩ። (ነህምያ 5:1-10) ብዙሓት ኣይሁድ መዓልቲ ሰንበት የፍርሱ: ንሌዋውያንን ነቲ ቤት መቕደስን ሓገዞም ካብ ምሃብ ከኣ ኣቋሪጾም ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ “ኣሽዶዳውያን: ዓሞናውያን: ሞኣባውያን” ኣንስቲ ተመርዕዮም ነበሩ። እዝስ ንነህምያ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣሳቕይዎ ክኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር: ኻብዚ ግራጫት እዚ ዋላ ሓደ እውን ይኹን ዕዮኡ ደው ከም ዘብል ኣይገበሮን። ነቲ ጽድቃዊ ሕግታት ኣምላኽ ብቕንኢ ብምድጋፍ ንዘጋጠሞ ዘበለ ግድላት ዕጡቕ ኰይኑ ተዋጺእሉ ኢዩ። ስለዚ: ንሕናውን ካልኦት ዘይእሙናት ምስ ዝዀኑ እቲ ሕማቕ ኣካይዳኦም ነቲ ንየሆዋ ብተኣማንነት እነቕርቦ ኣገልግሎት ከጐናድቦ ኣይነፍቅደሉ።—ነህምያ 13:10-13, 23-27
ብዙሓት ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ እውን ተጸሚሞም ኢዮም
16-18. ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዘጋጥም ዘይምቅዳው ንይስሃቅን ርብቃን: ንሃና: ንዳዊት ከምኡውን ንሆሴእ ዘጨነቖም ብኸመይ ኢዩ፧
16 መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ እቶም ከም ግራጭ ዝበለ ዘጨንቕ ዅነታት እናጋጠሞም እተጸመሙ ኻልኦት ሰባት ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት እውን ሒዙ ኣሎ። ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግራጭ ሓደ ናይ ሓባር ምንጪ ናይ ስድራቤት ጸገማት ኢዩ ነይሩ። እተን ክልተ ኣንስቲ ኤሳው: ንወለዱ ማለት ‘ንይስሃቅን ርብቃን ጓሂ ልቢ ዀይነናኦም ነበራ።’ አረ ርብቃሲ ብሰንኪ እተን ኣንስቲ ህይወታ ከም ዝደኸመት ተዛሪባ ኢያ። (ዘፍጥረት 26:34, 35፣ 27:46) ብዛዕባ ሃናን መኻን ብምንባራ እታ መጻርርታ ጵኒና ክሳዕ ኽንደይ “ተባጭወላ” ኸም ዝነበረትን እውን ንሕሰብ። ምናልባት ሃና ብብሕቲ ኣብ ቤታ እዚ ባጫ እዚ ብተደጋጋሚ የጋጥማ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዘይዚውን ጵኒና እታ ስድራቤት በዓል ንኸተብዕል ናብ ሺሎ ኽትከይድ ከላ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት—ኣብ ቅድሚ ኣዝማድን ፈተውትን—ተባጭወላ ነይራ ኢያ። እዚ ድማ ነቲ ግራጭ ጸቒጥካ ኣብ ስጋ ሃና ንውሽጢ ኸም ዝኣቱ ኻብ ምግባር ፈሊኻ ዝርአ ኣይነበረን።—1 ሳሙኤል 1:4-7
17 ዳዊት ብምኽንያት እቲ ሓሙኡ ንጉስ ሳኦል ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ጽላለ ቕንኢ እተጸመሞ ነገራት እውን ነስተንትነሉ። ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ኣብ በረኻታት ዔን-ገዲ ኣብ ዝርከብ በዓትታት ንኽነብር ተገዲዱ: ናብዚ ቦታታት እዚ ንምኻድ ከኣ ብኣጻድፍ ዝመልኦ ሓደገኛ ኣኻውሕ ሓዂሩ ክሓልፍ ነበሮ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ሳኦል ዝፈጸሞ ገለ ኽፉእ ነገር ብዘይምንባሩ ድማ እቲ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣዝዩ ዘሕርቕ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገና ድማ ንዓመታት ዝኣክል እናሃደመ ክሕባእ ነበሮ። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ዝበጽሖ ድማ ብምኽንያት እቲ ሳኦል ዝነበሮ ቕንኢ ኢዩ።—1 ሳሙኤል 24:14, 15፣ ምሳሌ 27:4
18 ብዛዕባ እቲ ንነብዪ ሆሴእ ኣበሳጭይዎ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ስድራቤቱ ዝነበረ ዘይምስምማዕ እውን ንርአ። ሰበይቱ ዘማዊት ኰይና ነበረት። እቲ ብዕልግናኣ ልክዕ ከም ኣብ ልቡ እተወግአ ግራጭ ዀይንዎ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ብምንዝርናኣ ኽልተ ደቓሉ ምስ ወለደት ኣየ ኸመይ ዝበለ ተወሳኺ ጓሂ ዀን ኢዩ ዀይንዎ ክኸውን ዝኽእል!—ሆሴእ 1:2-9
19. ንነብዪ ሚክያስ ከመይ ዝበለ መስጐጕቲ ኢዩ ዝበጽሖ፧
19 ካልእ ንስጋ ዘሳቒ ግራጭ ከኣ መስጐጕቲ ኢዩ። ተመክሮ ናይ ነብዪ ሚክያስ ንርአ። እቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ ብናይ ሓሶት ነብያት ተኸቢቡ ንዅሉ እቲ ቅሉዕ ሓሶቶም ክኣምኖ ኸሎ እታ ጻድቕ ነፍሲ ሚክያስ ተሰቅያ ክትከውን ኣለዋ። ሽዑ ሚክያስ ንኣከኣብ ኵሎም እቶም ነብያት ብ“ሓሳዊ መንፈስ” ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ምስ ነገሮ: እቲ መራሒ ናይቶም መታለልቲ ነብያት እንታይ ገበረ፧ “ንሚክያስ ኣብ ምንጋጋኡ ጸፍዖ!” የሆዋ ንኣከኣብ ራሞት-ጊልዓድ ንምሓዝ ዘካይዶ ወፈራ ከም ዘይዕወት ምስ ኣጠንቀቖ ዘርኣዮ መልሰ-ግብሪ እቲ ዝኸፍአ ኢዩ ነይሩ። ኣከኣብ: መግብን ማይን ብሒደት መቝነን እናሃቡ ንሚክያስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብይዎ ኣዘዘ። (1 ነገስት 22:6, 9, 15-17, 23-28) ንኤርምያስን በቶም ቀተልቲ ነፍሲ ዝነበሩ ሃደንቱ ዝበጽሖ ዝነበረ መከራን እውን ንዘክሮ።—ኤርምያስ 20:1-9
20. ናእሚ ከመይ ዝኣመሰለ ግራጭ ኢያ ኽትጽመም ዝነበራ: ብኸመይከ ተባረኸት፧
20 ካልእ ከም ኣብ ስጋ ዝኣተወ ግራጭ ዀይኑ ከሳቕየና ዝኽእል መሪር ዅነታት ከኣ ሞት ናይ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ኢዩ። ናእሚ ሞት በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ክትጽመሞ ዝነበራ መሪር ተመክሮ ኢዩ ነይሩ። በዚ ሕማቕ ተመክሮ ተመሪራ ኸላ ኸኣ ናብ ቤተ-ልሄም ተመልሰት። ንፈተውታ ድማ ማራ ድኣ እምበር ናእሚ ኸይብላኣ ነገረተን። ማራ ዝብል ስያመ ነቲ መሪር ተመክሮኣ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ግን የሆዋ ብሩት ኣቢሉ ምስ ወለዶ ናይቲ መሲሕ እተተሓሓዘ ውሉድ ብምሃብ ነቲ ዘርኣየቶ ምጽማም ባረኾ።—ሩት 1:3-5, 19-21፣ 4:13-17፣ ማቴዎስ 1:1, 5
21, 22. እዮብ በቲ ዘጋጠሞ ጕድኣት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጸቢብዎ ዝነበረ: እንታይ ግብረ-መልሲኸ ኣርኣየ፧
21 እዮብ: ብዛዕባ እቲ ሃንደበታዊ ሞት ናይቶም ዓሰርተ ፍቑራት ደቁ: ከምኡውን ጥፍኣት ናይ ኵሉ ጥሪቱን ኣገልገልቱን ምስ ሰምዐ ክሳዕ ክንደይ ሰንቢዱ ክኸውን ከም ዝኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሃንደበት: ዅሉ ነገራት ጽልምት በሎ! ድሕሪዚ እዮብ ብሰንኪ እዚ እተፈላለየ መከራታት ተናዊጹ ኸሎ: ሰይጣን ብሕማም ወቕዖ። እዮብ እዚ ብርቱዕ ሕማም እዚ ኣብ ሞት ዘብጽሖ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቃንዛኡ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ እኳ ሞይቱ ከዕርፍ ተመንዩ ኢዩ።—እዮብ 1:13-20፣ 2:7, 8
22 እዚ ዅሉ ኸይኣኽሎ ኸኣ ሰበይቱ: ከቢድ ጓህን ጭንቀትን ስለ ዝነበራ ናብኡ ቐሪባ “ንኣምላኽ . . . ኽሓዶ እሞ ሙት” በለቶ። እዝስ ነቲ ዘቐንዝዎ ዝነበረ ስጋኡ ዝወግእ ከመይ ዝበለ በሊሕ ግራጭ ኰን ኢዩ! ድሕርዚ እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽቱ: ኣብ ክንዲ ዘጸናንዕዎ: ናይ ሓሶት ምኽንያት እናኣቕረቡ ኣጥቅዕዎ: ብሕቡእ ሓጢኣት ይፍጽም ከም ዝነበረ ገይሮም ብምውቃስ ከኣ እቲ ዝወረዶ መከራ ብሰንኩ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣቕረብዎ። እቲ ኣብ ሓሶት እተመስረተ መጎተኦም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ መመሊሱ ንውሽጢ ኢዩ ዝደፍኦ ነይሩ። እዮብ እዚ ነገራት እዚ ስለምንታይ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን፣ ካብቲ መዓት እቲ ከም ዝድሕን እውን ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን “በዚ ዅሉ እዮብ ኣይበደለን: ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።” (እዮብ 1:22፣ 2:9, 10፣ 3:3፣ 14:13፣ 30:17) በቲ ብሓንሳእ ዝወረዶ ግራጭ ተናዊጹ እኳ እንተነበረ: ንጽህንኡ ግን ፈጺሙ ኣየበላሸወን። እዝስ ክንደይ ዘተባብዕ ዀን ኢዩ!
23. እቶም ክሳዕ ሕጂ ዝረአናዮም እሙናት ሰባት ኣብ ስጋኦም ንዝነበረ እተፈላለየ ግራጭ ክጽመምዎ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
23 እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረአናዮ ኣብነታት ሒደት ጥራይ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ብዙሕ ኣብነታት እውን ይጠቅስ ኢዩ። ኵሎም እዞም እሙናት ኣገልገልቲ እዚኣቶም ነቲ ምሳልያዊ ግራጮም ክጽመምዎ ኣድልይዎም ኢዩ። ኣየ ኸመይ ዝበለ እተፈላለየ ግድላት ኰን ኢዮም ክጋጠሙ ነይርዎም! ይኹን እምበር: ሓደ ናይ ሓባር ነገር ነይርዎም ኢዩ። ሓደ እኳ ኻባታቶም ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣየቋረጸን። ምስቲ ዅሉ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታቶም: በቲ የሆዋ ዝሃቦም ሓይሊ ንሰይጣን ስዒሮምዎ ኢዮም። ብኸመይ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: ነዚ ሕቶ እዚ ኽትምልሶ ኢያ: ከም ግራጭ ኰይኑ ኣብ ስጋና ንዘሳቕየና ዝዀነ ይኹን ነገራት ከኣ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ከም እንኽእል ከተርእየና ኢያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ መማሰውን ትሑትን ዝነበረ መፊቦሸት ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ናይ ምህራፍ ውዲት ክኣልም ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ነቲ ኣቦኡ ዮናታን ዝገደፎ ናይ ተኣማንነት ጸብጻብ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዮናታን ሽሕ’ኳ ወዲ ንጉስ ሳኦል እንተ ነበረ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንኽነግስ ዝሓረዮ ንዳዊት ምዃኑ ብትሕትና ኣፍልጦ ሂቡሉ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 20:12-17) ዮናታን ኣቦ መፊቦሸት ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዝነበሮ ንዳዊት ድማ እሙን ዓርኩ ስለ ዝነበረ: ንወዱ ንጉሳዊ ስልጣን ንኽምነ ምሂርዎ ነይሩ ኢዩ ምባል ምኽንያታዊ ኣይኰነን።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• እቲ ዘጋጠመና ግድላት ምስቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ ክተሓሓዝ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
• ገለ ኻብቲ መፊቦሸትን ነህምያን ክጽመምዎ ዝነበሮም እተፈላለየ ግራጫት እንታይ ኢዩ፧
• ካብቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ እተፈላለየ ግራጫት እተጸመሙ ሰብኡትን ኣንስትን ብፍላይ ዝተንከፈካ ኣየናይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
መፊቦሸት ስንክልና: ጸለመ: ተስፋ ምቝራጽ ተጸሚሙ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ነህምያ ምጽራር እኳ እንተ ኣጓነፎ ተጸሚሙ ኢዩ