ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/3 ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣቦኹም መሓሪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ፍትሕን ጽድቅን ብምዝውታር ንየሆዋ ምሰልዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ነቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ኣምላኽ ኢና እነገልግል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/3 ገጽ 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ፍትሒ የሆዋ ብምሕረቱ ኢዩ ዝለዝብ ምባልሲ ቅኑዕ ድዩ፧

ቅኑዕ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ነዚ መግለጺ እዚ ንጥቀመሉ እኳ እንተ ነበርና: እንተ ዘይተጠቐምናሉ ግን ዝሓሸ ኢዩ። ከመይሲ እዚ ሓሳብ እዚ ምሕረት የሆዋ ልዕሊ ፍትሑ ከም ዝዀነ ገይርካ ብምውሳድ ንፍትሑ ከም ዘህድኦ ወይ ከም ዝቈጻጸሮ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘመሓላልፍ።

እታ “ፍትሒ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል “ፍርዲ” ዝብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ፍትሒ ምስ ጽድቂ ኣጸቢቓ እተኣሳሰረት ኢያ። ይኹን እምበር: ፍትሒ ዝበዝሕ ግዜ ምስ ሕጊ እተተሓሓዘ ትርጕም ኣለዋ። ጽድቂ ግን ዝበዝሕ ግዜ ከምኡ ኣይኰነትን። ፍትሒ የሆዋ ግቡእ መቕጻዕቲ ከም ዝሕውስ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ ነቶም ዝግብኦም ድሕነት ምሃብ እውን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:⁠20-32፣ ኢሳይያስ 56:⁠1፣ ሚልክያስ 4:⁠2) ስለዚ እምበኣር: ፍትሒ የሆዋ ተሪር ወይ ክለዝብ ከም ዘድልዮ ገይርካ ክርአ የብሉን።

እታ “ምሕረት” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ፍርዲ ኽወሃብ ከሎ ንዝርአ ሕድገት ከተመልክት ትኽእል ኢያ። ነቶም ውጹዓት ራህዋ ዘምጽእ መግለጺ ድንጋጽ እውን ከተመልክት ትኽእል ኢያ።​—⁠ዘዳግም 10:⁠18፣ ሉቃስ 10:⁠29-37

የሆዋ ናይ ፍትሕን ምሕረትን ኣምላኽ ኢዩ። (ዘጸኣት 34:⁠6, 7፣ ዘዳግም 32:⁠4፣ መዝሙር 145:⁠9) ፍትሑን ምሕረቱን ፍጹም ኢዩ: ክልቲኡ ድማ ሓቢሩ ኢዩ ዝዓዪ። (መዝሙር 116:⁠5፣ ሆሴእ 2:⁠19) ክልቲኡ ባህርያት ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ መመላእታ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ፍትሒ የሆዋ ብምሕረቱ ይለዝብ ክንብል እንተድኣ ዀይና: ምሕረቱ እውን ብፍትሑ ይለዝብ ኢዩ ክንብል ከድልየና ኢዩ።

ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር: ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ: ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ [“ፍትሒ:” ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ] እዩ።” (ኢሳይያስ 30:18) ኣብዚ ኢሳይያስ ፍትሒ የሆዋ ንኽምሕር ከም ዝድርኾ ድኣ እምበር ምሕረቱ ንፍትሑ ከም እተልዝቦ ወይ ሕድገት ንኸርኢ ከም እትድርኾ ኣይኰነን ዝገልጽ ዘሎ። የሆዋ ምሕረት ዘርኢ ፍትሓዊ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ ፈቃር ብምዃኑ እውን ኢዩ።

ልክዕ እቲ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ “ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ [“ትዕወት:” NW ] እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእቆብ 2:13ለ) ይኹን እምበር: ያእቆብ ዝሃቦ ሓሳባት ብምሉኡ እንተድኣ ርኢናዮ ብዛዕባ የሆዋ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቶም ንውጹዓትን ንድኻታትን ንኻልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን ሰባት ምሕረት ዘርእዩ ክርስትያናት ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። (ያእቆብ 1:⁠27፣ 2:⁠1-9) እዞም መሓርቲ እዚኣቶም ኣብ ፍርዲ ምስ ዝቐርቡ: የሆዋ ንጠባያቶም ኣብ ግምት ብምእታው: ብመሰረት መስዋእቲ ወዱ ብምሕረት ይቕረ ይብለሎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ዘርእይዋ ናይ ምሕረት ባህሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓላፍነት ከም ዝሕተቱ ክገብሮም ዝኽእል ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ናይ ኵነኔ ፍርዲ ትዕወት።​—⁠ምሳሌ 14:⁠21፣ ማቴዎስ 5:⁠7፣ 6:⁠12፣ 7:⁠2

ስለዚ: ፍትሒ የሆዋ ብምሕረት ክለዝብ ከም ዘድልዮ ገይርካ ብምሕሳብ ፍርዲ የሆዋ ብምሕረቱ ይሃድእ ኢዩ ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክልቲኡ ባህርያት ማዕረ ኢዩ። እዘን ባህርያት እዚኣተን ልክዕ ከምቲ ምስ ፍቕርን ጥበብን ዝኣመሰለ ካልእ ባህርያት የሆዋ ማዕረ ማዕረ ዝኸዳ ኣብ ንሓድሕደን እውን ከምኡ ኢየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ