ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/3 ገጽ 19
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድንግል ማርያም—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “እኔኹ: ኣነ ባርያ የሆዋ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/3 ገጽ 19

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዘይፍጽምና ናይታ ድንግል ዝነበረት ማርያም: ንየሱስ ጠኒሳቶ ኸላ ኣሉታዊ ጽልዋ ገይሩሉዶ ኢዩ፧

እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ብዛዕባ “ልደት” የሱስ “ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ: ከይተራኸቡ: ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት” ይብለና። (ማቴዎስ 1:⁠18) እወ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጥንሲ ማርያም ወሳኒ ግደ ነይርዎ ኢዩ።

ብዛዕባ ማርያምከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ እንቋቝሖኣ ኣብ ጥንሳ ገለ ኣበርክቶዶ ነይርዎ ኢዩ፧ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ነቶም ኣባሓጐታት ማርያም ዝዀኑ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ያእቆብ: ይሁዳን ንጉስ ዳዊትን ዝገበረሎም መብጽዓ: እቲ ዝውለድ ቈልዓ ናይ ሓቂ ዘርኦም ኢዩ ክኸውን ነይርዎ። (ዘፍጥረት 22:⁠18፣ 26:⁠24፣ 28:⁠10-14፣ 49:⁠10፣ 2 ሳሙኤል 7:⁠16) ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እሞ ከመይ ኢሉ ኢዩ እቲ ማርያም እትወልዶ ቘልዓ ሕጋዊ ወራሲ ናይቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓታት ክኸውን ዝኽእል፧ ናይ ሓቂ ወዳ ክኸውን ነበሮ።​—⁠ሉቃስ 3:⁠23-34

መልኣኽ የሆዋ ነታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ከምዚ በላ:- “ማርያም: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ: ኣይትፍርሂ። እንሆ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።” (ሉቃስ 1:30, 31) ጥንሲ ንኽፍጠር ሓንቲ እንቋቝሖ ክትጽገ የድሊ። የሆዋ ኣምላኽ ንህይወት እቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ካብ መንፈሳዊ ቦታ ናብ ምድሪ ብምስጋር ሓንቲ እንቋቝሖ ኣብ ማህጸን ማርያም ከም እትጽገ ገይሩ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ገላትያ 4:⁠4

በዚ መገዲ እዚ ካብ ሓንቲ ፍጽምቲ ዘይኰነት ሰበይቲ እተጠንሰ ቘልዓሲ ኣብ ኣካላዊ መሳርዑ ካብ ሓጢኣት ናጻ ዝዀነ ፍጹም ሰብ ክኸውን ይኽ​እልዶ ኢዩ፧ ፍጽምና ምስ ዘይፍጽምና ኣብ ዝሓብረሉ ዅነታት ሕጊ ስነ⁠-​ውርሻ ብኸመይ ኢዩ ኽዓዪ ዝኽእል፧ ነቲ ናይ ወዲ ኣምላኽ ፍጹም ሓይሊ ህይወት ኣብ ምትሕልላፍን ጥንሲ ኸም ዝፍጠር ኣብ ምግባርን መንፈስ ቅዱስ ይዕየየሉ ምንባሩ ኣይትረስዕ። እዚ ድማ ኣብ እንቋቝሖ ማርያም ንዝነበረ ዝዀነ ይኹን ጕድለት መሊኡ ኣብ ፍጽምና ብምብጻሕ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ፍጹም ዝዀነ ስነ⁠-​ውርሻዊ ንድፊ ከም ዝህሉ ዝገበረ ኢዩ ዝመስል።

እንተ በዚ እንተ በቲ: ዕላማ ኣምላኽ ንኽዕወት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ እዋን እቲ ከም ዝዓየየ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ኸምዚ ብምባል ገለጸላ:- “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ: ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ።” (ሉቃስ 1:35) እወ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝዓቢ ዝነበረ ድቂ ካብቲ እተጠንሰሉ እዋን ኣትሒዙ ዝዀነ ይኹን ዘይፍጽምና ወይ ጐዳኢ ጽልዋ ንኸይትንክፎ ዝከላኸል ምሳልያዊ ቐጽሪ ኣቘመ።

ስለዚ: የሱስ ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ዝረኸባ ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ደኣ እምበር ካብ ሰብ ኣይኰነን። የሆዋ ንየሱስ ‘ስጋ ስለ ዘዳለወሉ’ ካብ ዝጥነስ ኣትሒዙ “ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ: ካብ ሓጥኣን እተፈልየ” ኢዩ ነይሩ።​—⁠እብራውያን 7:⁠26፣ 10:⁠5

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

“ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ