ኣምላኽ ንዅሎም ህዝብታት ይቕበሎም
ጆን ናብ ማሊ ገይሹ ኸሎ ማማዱን ስድራቤቱን ብዝገበሩሉ ኣቀባብላ ተመሰጠ። ምሳታቶም ኣብ ባይታ ኣሳፊሑ ኻብቲ ኣገባብ ኣበላልዕኡ ዘይፈልጦ መኣዲ ኽምገብ ከሎ: ነቲ ኣአንጋዲኡ ኽህቦ ዝኽእል ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸ ውህበት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል ምዃኑ ሓሰበ። ኣብ ማሊ ዝዝረብ ቋንቋ ማለት ፈረንሳይኛ ዝፈልጥ እኳ እንተዀነ: ፈጺሙ እተፈልየ ሃይማኖትን ኣተሓሳስባን ንዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሩ ኸረድኦም ከም ዝኽእል እውን ሓሰበ።
ጆን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ከተማ ባቤል ዝገልጽ ጸብጻብ ከም እተዘከሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኣምላኽ ንቛንቋ እቶም ዓለወኛታት ደቅሰብ ደባለቐ። (ዘፍጥረት 11:1-9) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እተፈላለየ ቛንቋታት: ሃይማኖታት: ከምኡውን ኣተሓሳስባ ዘለዎም ህዝብታት ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ምድሪ ፋሕ በሉ። ሎሚ መገሻን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝን በዚሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣብ ከባቢኦም እውን ከይተረፈ ኸምቲ ንጆን ዘጋጠሞ ብድሆ የጋጥሞም ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ነቶም እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ከም ዘካፍልዎም ኢዩ።
ጥንታዊ ኣብነት
ዮናስ ከምቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኻልኦት ነብያት ብቐዳምነት ንእስራኤላውያን ኢዩ ዘዘራርብ ነይሩ። እታ ዓሰርተ ነገዳት ዝሓዘት ከሓዲት መንግስቲ እስራኤል ብጋህዲ ንኣምላኽ ዘሕስር ተግባራት ኣብ እትፍጽመሉ ዝነበረት ግዜ ኢዩ ዝንበ ነይሩ። (2 ነገስት 14:23-25) ካብ ሃገሩ ወጺኡ ናብ ኣሶር ብምኻድ ነቶም እተፈልየ ሃይማኖትን ባህልን ዝነበሮም ተቐማጦ ነነዌ ኽሰብከሎም ፍሉይ መዝነት ምስ ተዋህቦ እተሰምዖ እሞ ገምቶ። አረ ቛንቋ ሰብ ነነዌ እውን ዘይክእል ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተ ኸኣለ እውን ከም ዘይመልኮ ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ዀይኑ እቲ: እተዋህቦ ከቢድ መዝነት ኻብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ሃደመ።—ዮናስ 1:1-3
የሆዋ ኣምላኽ ንሰብ ደጋዊ ትርኢቱ ዘይኰነስ ልቢ ኸም ዝምርምር ዮናስ ክማሃር የድልዮ ነበረ። (1 ሳሙኤል 16:7) የሆዋ ንዮናስ ብተኣምራታዊ መገዲ ኻብ ምጥሓል ምስ ኣድሓኖ ንተቐማጦ ነነዌ ኽሰብከሎም ንኻልኣይ ግዜ ኣዘዞ። ዮናስ ከምቲ እተባህሎ ገበረ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሰብ ነነዌ ብሓፈሻ ተነስሑ። ገና ግን ዮናስ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኣይነበሮን። የሆዋ ኸኣ ብግብሪ እተሰነየ ትምህርቲ ብምሃብ ኣረኣእያኡ ክቕይር ከም ዘድልዮ መሃሮ። ከምዚ ኢሉ ድማ ሓተቶ:- “ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ: የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ: ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ፧” (ዮናስ 4:5-11) ሎሚኸ ንሕና እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
ንሳምራውያንን ኣይሁድ ዘይኰኑን ምቕባል
ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሱስ ንሰዓብቱ ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኽገብሩ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19) እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ልክዕ ከም ዮናስ ኣይሁዳውያን ኢዮም ነይሮም: ሓደ ዓይነት ድሕረ-ባይታን ባህልን ንዘለዎም ሰባት ጥራይ ከኣ ኢዮም ብብዝሒ ዘዘራርቡ ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣስፋሕፊኡ ዝነበረ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ኣረኣእያ ጸቕጢ ኸም ዝገበረሎም ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ግን ኣገልገልቱ በብቑሩብ ፍቓዱ ምእንቲ ኸስተውዕሉ ይመርሖም ነበረ።
እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሳምራውያንን ዝነበረ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ኣረኣእያ ምጥፍኡ ኢዩ። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይሕወሱን ኢዮም ነይሮም። የሱስ ግን ካብ ሓደ እዋን ንላዕሊ ሳምራውያን ኣብ መጻኢ ነቲ ብስራት ምእንቲ ኽቕበልዎ መገዲ ኣዳለወ። ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ብምዝርራብ ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ኣርኣየ። (ዮሃንስ 4:7-26) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ንሓደ ውፉይ ኣይሁዳዊ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳልያዊ ዛንታ ብምንጋር ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት እውን ንብጻዮም ፍቕሪ ኸርእዩ ኸም ዝኽእሉ ገለጸሉ። (ሉቃስ 10:25-37) የሆዋ ንሳምራውያን ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝገብረሉ ግዜ ምስ ኣኸለ እቶም ኣይሁዳውያን ዝነበሩ ፊልጶስን ጴጥሮስን ዮሃንስን ንተቐማጦ ሰማርያ ሰበኹሎም። መልእኽቶም ከኣ ኣብታ ኸተማ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጽአ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:4-8, 14-17
ክርስትያናት ኣይሁድ ነቶም ብርሑቕ ዝዛመድዎም ሳምራውያን ከፍቅሩ ዘጸግሞም እንተደኣ ነይሩ: ነቶም ብኣይሁድ ዝነዓቑን ዝጽልኡን ዝነበሩ ኣህዛብ ከም ብጾቶም ከፍቅርዎም እሞ ኸኣ ዝያዳ ኣጸጊምዎም ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: የሱስ ምስ ሞተ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ክርስትያናትን ኣህዛብን ዝነበረ ዕንቅፋት ተወጊዱ ኢዩ። (ኤፌሶን 2:13, 14) ጴጥሮስ ነዚ ሓድሽ ምድላው እዚ ክቕበሎ ምእንቲ ክኽእል: የሆዋ ሓደ ራእይ ኣርኣዮ: ኣብኡ ድማ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ: ንስኻ ኣይተርክሶ” ኢሉ ተዛረቦ። ድሕሪኡ መንፈስ የሆዋ ናብቲ ቆርኔሌዎስ ዝበሃል ካብ ኣህዛብ ዝነበረ ሰብኣይ መርሖ። ጴጥሮስ: ኣምላኽ ኣብቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ ተረድኦ—ነዚ ኻብ ኣህዛብ ዝዀነ ሰብኣይ ኣምላኽ ስለ ዘንጽሆ: ርኹስ ክብሎ ኸም ዘይክእል ምስ ኣስተውዓለ—ብመንፈስ ተደሪኹ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል ኢዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:9-35) ኣምላኽ ንቆርኔሌዎስን ስድራቤቱን ከም እተቐበሎም መንፈስ ቅዱሱ ኣብኦም ብምፍሳስ ምስ ኣርኣየ ጴጥሮስ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እተገረመ!
ጳውሎስ—ነህዛብ ሕሩይ ኣቕሓ
የሆዋ: ኣገልገልቱ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ከፍቅሩን ክሕግዙን ምእንቲ ክኽእሉ ቀስ ብቐስ ብኸመይ ከም ዘዳልዎም ካብ ዘርእየና ዘደንቕ ኣብነታት ሓደ ጳውሎስ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኢዩ። ጳውሎስ ሃይማኖቱ ኣብ ዝቐየረሉ እዋን ስም የሱስ ነህዛብ ዝጸውር ሕሩይ ኣቕሓ ክኸውን ምዃኑ የሱስ ገሊጹ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:15) ድሕሪኡ ጳውሎስ ናብ ምድሪ ዓረብ ከደ: ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ምናልባት ኣምላኽ ምስ ዕላምኡ ብምትሕሓዝ ነህዛብ ብስራት ንምእዋጅ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ንኸስተንትን ኢሉ ኢዩ ዝኸውን።—ገላትያ 1:15-17
ጳውሎስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ንኽሰብከሎም ዘለዎ ቅንኢ ኣርኣየ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:46-48) የሆዋ ኸኣ ንንጥፈታቱ ባረኸሉ: እዚ እውን እቲ ሃዋርያ ምስቲ የሆዋ ዝገበሮ ምድላው ተሰማሚዑ ይዓዪ ምንባሩ ዘረጋግጽ ኢዩ። ጴጥሮስ ካብቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣሕዋቱ ርእሱ ብምፍላይ ኣድልዎ ምስ ኣንጸባረቐ ጳውሎስ ብትብዓት ስለ ዝኣረሞ ንኣረኣእያ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም እተገንዘቦ ኣርኣየ።—ገላትያ 2:11-14
ብተወሳኺውን ንጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ መንፈስ ቅዱስ ኣብታ ሓንቲ ኻብ ኣውራጃታት ሮሜ ዝነበረት ቢቲንያ ኸይሰብኽ ምስ ከልከሎ ኣምላኽ ንጻዕርታቱ ይመርሖ ምንባሩ ተወሳኺ መርትዖ ዀነ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:7) ኣብኡ ኽሰብኽ ግዜኡ ከም ዘይነበረ ንጹር ኢዩ። ድሕሪ ግዜ ግን ገለ ሰብ ቢቲንያ ክርስትያናት ኰይኖም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 1:1) ጳውሎስ ብራእይ ሓደ ብዓል መቄዶንያ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ኢሉ ኽልምኖ ኸሎ ረኣየ: ኣብዛ ሓንቲ ኻብ ኣውራጃታት ሮሜ ብስራት ንምስባኽ መገዱ ክቕይር ከም ዘለዎ ኸኣ ደምደመ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10
ጳውሎስ ምስ ኵነታት ንምውህሃድ ዘለዎ ኽእለት ንሰብ ኣቴና ኽሰብከሎም ከሎ ብዝግባእ ተፈቲኑ ኢዩ። ጓኖት ኣማልኽትን ሓድሽ ሃይማኖታዊ ልምድታትን ምትእትታው ብሕጊ ግሪኽን ሮሜን ክልኩል ነበረ። ጳውሎስ ንሰባት ዝነበሮ ፍቕሪ ንሃይማኖታዊ ልምድታቶም ብጥንቃቐ ንኽምርምሮ ደረኾ። ኣብ ኣቴና “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዝብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸበ። ነዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣብ ዕዮ ምስክርነቱ ጠቐሶ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23) ሕያውነትን ኣኽብሮትን ብዘለዎ መገዲ መልእኽቱ ንምምሕልላፍሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብሉጽ መገዲ ዀን ኢዩ!
ጳውሎስ ነቲ ነህዛብ ሃዋርያ ብምዃን ዝፈጸሞ ዕዮ ዘፍረዮ ፍረ ምልስ ኢሉ ኽርእዮ ኸሎ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዓብዪ ሓጐስ ተሰሚዕዎ ክኸውን ኣለዎ! ኣብ ቈረንቶስ: ፊልጲ: ተሰሎንቄ: ከምኡውን ኣብ ከተማታት ገላትያ ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትያናት ብብዝሒ ዝርከብወን ጉባኤታት ኣብ ምቛም ሓጊዙ ኢዩ። ንኸም እኒ ደማሪስ: ድዮኒስዮስ: ሰርግዮስ ጳውሎስ: ከምኡውን ቲቶስ ዝኣመሰሉ ሰብ እምነት ደጊፍዎም ኢዩ። ንየሆዋ ዀነ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ ሰባት ናይ ሓቂ ክርስትና ኽቕበሉ ምርኣይሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን ኢዩ! ነቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ናብ ፍልጠት ሓቂ ንኽመጹ ኣብ ምሕጋዝ ብዛዕባ ዘበርከቶ እጃም ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ከምቲ: ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም: እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም: ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር: . . . ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ: ወንጌል ከይሰብኽ: ክብረተይ ጌይረዮ አሎኹ።” (ሮሜ 15:20, 21) ካብ ናትና እተፈልየ ባህሊ ንዘለዎም ሰባት ብስራት ኣብ ምስባኽ ክንካፈል ንኽእልዶ፧
ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ምሕጋዞም
ሰሎሞን ብዛዕባ እቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ንኣምላኽ ከምልኹ ኢሎም ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ዝመጹ ሰባት ንየሆዋ ከምዚ ኢሉ ለመኖ:- “ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ . . . ንስኻ ኣብ ሰማይ: ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ: ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዅሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ።” (1 ነገስት 8:41-43 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ስምዒት ኢዮም ዘንጸባርቑ። ከምቶም ብመንፈሳዊ መገዲ “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ሰብ ነነዌ የጋጥምዎም ኢዮም። ካብ ብዙሓት ህዝብታት ንዝመጹ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብዛዕባ ምእካብ ዝገልጽ ትንቢታት ኣብ ምፍጻም ንኽካፈሉ ኸኣ ሃንቀውታ ኣለዎም።—ኢሳይያስ 2:2, 3፣ ሚክያስ 4:1-3
ከምቲ ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ዝነበሩ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ተስፋ እተቐበሉ: ካልእ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት እውን ይቕበሉ ኣለዉ። እዚ ንዓኻ ብኸመይ ክትንክፈካ ኣለዎ፧ ንገዛእ ርእስኻ ብቕንዕና እስከ መርምራ። ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ኣረኣእያ ኣብ ውሽጥኻ ሱር እንተደኣ ሰዲዱ ብፍቕሪ ጌርካ ኻብ ሱሩ ምሓዎ።a ነቶም ኣምላኽ ክቕበሎም ፍቓደኛ ዝዀነ ሰባት ኣይትንጸጎም።—ዮሃንስ 3:16
ካብ ናትካ እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ቅድሚ ምዝርራብካ ኣእምሮኻ ኣዳልዎ። እምነቶም: ዘገድሶም ጕዳያት: ኣተሓሳስባኦም ፍለጥ፣ ድሕሪኡ ሓባራዊ ባይታ ድለ። ሰናይ ባህርን ርህራሀን ኣርእዮም። ኣይትከራኸር: ተዓጻጻፍን ኣወንታውን ድማ ኩን። (ሉቃስ 9:52-56) ከምዚ ብምግባርካ ነቲ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” የሆዋ ተሐጕሶ ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4
ኣብ ጉባኤታትና እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ምህላዎሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሰና! (ኢሳይያስ 56:6, 7) ከም እኒ ሰናይት: ዮሃንስ: ኣማኑኤል: በረኸት ዝኣመሰለ ኣስማት ጥራይ ዘይኰነስ ማማዱ: ጀጋን: ረዛ: ቻን ዝኣመሰለ ኣስማት እውን ክንሰምዕ ከሎና ልብና ብሓጐስ ይመልእ ኢዩ! ብሓቂ ‘ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱልና ኣሎ።’ (1 ቈረንቶስ 16:9) ነቲ ኣድልዎ ዘይብሉ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሎም ህዝብታት ንኽንቕበሎም ዘቕረቦ ዕድመ ንምዝርጋሕ ዘሎና ኣጋጣሚ ንጠቐመሉ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ 8 ሓምለ 1996 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 5-7, 7 ዝርከብ “ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይትለዋወጥ ዝዓግት ሓጹር” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ጳውሎስ ምስ ኵነታት ብምውህሃድ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ሰበኸ: ንኣብነት
. . . ኣብ ኣቴና
. . . ኣብ ፊሊጲ
. . . ኣብ ጕዕዞ ኸሎ