ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/10 ገጽ 3-4
  • ኣብ እዋን ቅልውላው መጸናንዒ ምርካብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ እዋን ቅልውላው መጸናንዒ ምርካብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ሕሰም ዘለዎ ኣረኣእያ
  • መን ደኣሉ ተሓታቲ፧
  • ‘ንልብና ይመልኦ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ብዛዕባ ካልኦት ብሓቂ ዝግደስ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝርከብ ምጽንናዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/10 ገጽ 3-4

ኣብ እዋን ቅልውላው መጸናንዒ ምርካብ

ኣብዚ ግዜና እንሰምዖ ዜና ዘጸናንዕ ኣይኰነን። ሓደ ሰብኣይ ‘ኣብዚ ግዜና ዘሎ ፍጻመታት ኣዝዩ ዘሕዝን ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ዜና ምስማዕ እኳ ኸፍርሃና ጀሚሩ ኣሎ’ በለ። ዓለም ብውግእ: ግብረ⁠-​ሽበራ: ስቓይ: ዓመጽ: ሕማም: ኰታስ ብእተፈላለየ ጸገማት ኢያ መሊኣ ዘላ። ገለ ኻብዚ ጸገማት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተንኪፉና: ብሕጂ ምትንካፉ ዘይተርፍ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እዚ ዅነታት እዚ ብንጹር ተነብዩ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና ኽገልጽ ከሎ ውግእ ከም ዝበዝሕ: ፌራን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ድማ ኸም ዝኸውን ገሊጹ ነይሩ። (ሉቃስ 21:⁠10, 11) ብተመሳሳሊ ሃዋርያ ጳውሎስ “ክፉእ ዘመን” ክመጽእ ምዃኑ: ሰባት ድማ ጨካናት: ፈተውቲ ገንዘብ: ከምኡውን ሰናይ ዘይፈትዉ ክዀኑ ምዃኖም ጽሒፉ ኢዩ። ነዚ ግዜ እዚ ኸኣ “ዳሕሮት መዓልትታት” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5

ስለዚ ብዛዕባ ዅነታት ዓለም እንሰምዖ ዘሎና ዜና ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢት ብመጠኑ ምምስሳል ኣለዎ። እንተዀነ ግን: እቲ ምምስሳል ኣብዚ ጥራይ ኢዩ። ብዝተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዜና ዘይንረኽቦ ኣረኣእያ ኣለዎ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ሕሰም ስለምንታይ ከም ዝበዝሐ: ኣብ መጻኢውን እንታይ ተስፋ ኸም ዘሎ ኽነግረና ይኽእል ኢዩ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ሕሰም ዘለዎ ኣረኣእያ

ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕሰም እንታይ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። ሽግራት ከም ዝመጽእ ብትንቢት ገሊጹ እኳ እንተ ነበረ: ንሱ ግን ኣየምጽኦን: ንሓዋሩ ክቕጽል ክሓድጎ ድማ መደብ የብሉን። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) የሆዋ ንሰባት ኣዝዩ ኢዩ ዝሓልየሎም: ንዅሉ ኽፍኣት ከኣ ይጸልኦ ኢዩ። ኣምላኽ ሰናይን ርሕሩሕን ስለ ዝዀነ: ነዚ ዘሎ ጸገማት ድማ ካብ ምድሪ ንኸወግዶ ሓይልን ድሌትን ስለ ዘለዎ ብምትእምማን ካብኡ ምጽንናዕ ክንጽበ ንኽእል ኢና። ነዚ ኣመልኪቱ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ኣምላኽ ዝሸሞ ሰማያዊ ንጉስ] ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:12-14

ነቶም ብዙሕ ስቓይ ዘሕልፉ ሰባት ትድንግጸሎምዶ፧ ምናልባት ትድንግጸሎም ትኸውን። ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና: ርሕራሐ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ኣብ ውሽጥና ዘንበረልና ባህርያት ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠26, 27) ስለዚ እምበኣር: የሆዋ እውን ስቓይ ደቅሰብ ከም ዝርድኦ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ንየሆዋ ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ የሱስ: የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዝሓልየልናን ዝድንግጸልናን ምሂሩ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠29, 31

ፍጥረት ንገዛእ ርእሱ እውን ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ከም ዝሓልየሎም የርኢ ኢዩ። የሱስ “[ኣምላኽ] ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ” በለ። (ማቴዎስ 5:45) ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ልስጥራ “[ኣምላኽ] ጽቡቕ እናገበረ: ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ: ርእሱ ብዘይ​ ምስክር ኣይሐደገን” በሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 14:17

መን ደኣሉ ተሓታቲ፧

ጳውሎስ ንሰብ ልስጥራ “[ኣምላኽ] ብዝሐለፈ ወለዶ ንዅሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም” ኢሉ እተዛረቦ ነገር ኣርዚንካ ኽርአ ኣለዎ። ስለዚ በዚ ዘሎ ዅነታት ብቐዳምነት ተሓተትቲ ሰባት ኢዮም። ኣምላኽ በዚ ኣይሕተትን ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠16

የሆዋ ሕማቕ ነገራት ንኽህሉ ዘፍቀደ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ገለ ስጕምቲዶኸ ክወስድ ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ኣብ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ኽርከብ ዝከኣል። ከምዚ ዝዀነ ኸኣ እቲ መልሲ ምስ ሓደ ኻልእ መንፈሳዊ ፍጡርን ምስቲ ንሱ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዘልዓሎ ሕቶን ኣጸቢቑ ስለ ዝተኣሳሰር ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ሰባት እኳ ድንጋጽ ዘርእዩ ኻብ ኰኑ: ኣምላኽ ደኣኸ ስቓይ ደቅሰብ ኣይስምዖንዶ፧

[ምንጪ ስእሊ]

Upper left, Croatia: UN PHOTO 159208/S. Whitehouse; starving child: UN PHOTO 146150 BY O. MONSEN

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ