ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/12 ገጽ 3
  • ልዕሊ ዓቕምኻ ምሃብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልዕሊ ዓቕምኻ ምሃብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ይህቡ ድዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕሽር እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓጐስ ዘምጽእ ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • “መማሰውቲ ኹኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/12 ገጽ 3

ልዕሊ ዓቕምኻ ምሃብ

“ለማኒ ትብሉኒ ትዀኑ፣ እዚ ግን ኣይዓጅበንን እዩ። ንየሱስ ኢለ እየ ዝልምን ዘለኹ።” እዘን ሓደ ኣገልጋሊ ፕሮተስታንት እተዛረበን ቃላት: ነቲ ሃይማኖታት ብዛዕባ ዝምወላሉ መገዲ ዝለዓል ክርክር ዘጕልሓ እየን። ዓበይቲ ሃይማኖታት ንኸይፈርሳ ብዙሕ ገንዘባዊ ድጋፍ የድልየን እዩ። ደሞዝ ክኸፍላ: ኣብያተ⁠-​መቓድስ ክሃንጻን ክጽግናን: ናይ ወንጌላውነት ወፈራታት ድማ ክምውላን ኣለወን። ነዚ ዘድሊ ገንዘብ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧

ብዙሓት ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ዕሽር ምሃብ ከም መፍትሒ ይወስዳኦ።a ኖርማን ሮበርትሰን ዝበሃል ቀሺ ወንጌላዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን “ዕሽር ምሃብ ኣምላኽ ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ መንግስቱ ዝምውለሉ መገዲ እዩ። ወንጌል ንኽስበኽ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ቍጠባኡ እዩ” በለ። ነቶም ሰዓብቱ ድማ ስኽፍ ከይበሎ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነዚ ሓላፍነት እዚ ኣዘኻኸሮም:- ‘ዕሽር ምሃብ ዓቕሚ ስለ ዘለኩም ጥራይ እትገብርዎ ነገር ኣይኰነን። ተኣዛዝነትኩም እተርእዩሉ መገዲ እዩ። ዕሽር ዘይምሃብ ብንጹር ትእዛዛት ኣምላኽ ምጥሓስ እዩ። ብሓጺሩ ስርቂ እዩ።’​—⁠ታይቲን​—⁠ጎድስ ፋይናንሻል ፕላን

ወፈያ ምግባር ክፍሊ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ክኸውን ከም ዘለዎ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። ይኹን እምበር: ሕሉፍ ልመና ቕጭ ዘምጽኣልካ ወይ ዘሕርቐካ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ ኢናስዩ ስትራይደር ዝበሃል ብራዚላዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር: ኣብያተ⁠-​ክርስትያን “ጸገማተን ንምፍታሕ” ዕሽር ክእክባ ብምጅማረን ነቒፍወን: ነዚ ተግባር እዚ ኸኣ “ዘይሕጋዊ: ሃሳዪ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ስሕታን” ኢልዎ ኣሎ። ውጽኢቱ ድማ “ስራሕ ዘይብሎም ሰባት: መበለታት: ድኻታት: ከምኡውን ከመዛዝኑ ዘይክእሉ ሰባት ኣምላኽ ራሕሪሕዎም ከብቅዕ ‘ነቲ ሰባኺ’ ብዙሕ ገንዘብ ብምሃብ ስድራ​ቤቶም ከጥምዩ ከም ዝግደዱ እዮም ዝሓስቡ” ብምባል ገለጸ።

ስለዚ: እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ትሓትት ትኸውን:- ‘ዕሽር ክወሃብ ኣለዎ ዝብላ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ንቕዱሳት ጽሑፋት ብግቡእ ተረዲአንኦ ድየን፧ ወይስ ገሊኣተን ሃይማኖታት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወርድ መቕጻዕቲ ኸም መፈራርሂ ተጠቒመን ኣባጊዐን ይላጽያ እየን ዘለዋ፧ ብሓቂ ግን ኣምላኽ ልዕሊ ዓቕምና ኽንህቦ ይጽበየና ድዩ፧’

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዕሽር ክበሃል ከሎ 10 ሚእታዊት ናይ ጠቕላላ ኣታዊ ማለት እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ