እቲ ዘይከውን ዝመስል ዝነበረ መርዓ ቦኣዝን ሩትን
ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ዝርከብ ዓውዲ ምህርቲ ይሕፈስ ነበረ። እቶም ዓየይቲ ንነዊሕ ሰዓታት ኣበርቲዖም ይዓዩ ነበሩ። ሽታ ናይቲ እተሃንኰተ እኽሊ ምስ ሸተቶም ከኣ ዝበልዕሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ፈለጡ። ነፍሲ ወከፎም ፍረ ጻዕሮም እዮም ክበልዑ።
እቲ ቦኣዝ ዝበሃል ሃብታም ብዓል መሬት ክሳዕ ዝጸግብ ምስ በልዐን ምስ ሰተየን: ኣብ ጸግዒ ቕሚጦ ኸይዱ ኣዕረፈ። ጸኒሑ: ምድሪ ምስ መሰየ ኵሎም እቶም ሰብኡት ዝድቅሱላ ጥጥሕቲ ቦታ ኣናደዩ። ቦኣዝ ድማ ተጐልቢቡ ደቀሰ።
ሰላሕ ኢላ መጸት
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ቦኣዝ ቈሪሩ ተበራበረ። ከመይሲ እግሩ ተቐሊዑ ነይሩ: ኣብ ጐድኑ ዝደቀሰት ሰበይቲ ከም ዘላ ድማ ኣስተብሃለ። በቲ ጸልማት እቲ ኸለልያ ስለ ዘይከኣለ “መን ኢኺ፧” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ “አነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ወራሲ ኢኻ እሞ: ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ” ኢላ መለሰትሉ።—ሩት 3:1-9
ኣብ ጸልማት ሰብ ከይሰምዖም ክዘራረቡ ጀመሩ። ኣንስቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰዓታት ናብ ዓውዲ ኣይመጻን ነበራ። (ሩት 3:14) ይኹን እምበር: ቦኣዝ ንሩት ክሳዕ ወጋሕታ ኣብ እግሩ ኽትድቅስ ፈቐደላ: መሰረት ዘይብሉ ወረ ምእንቲ ኸይንዛሕ ግን ኣንጊሃ ኽትከይድ ነበራ።
እዞም ሰባት እዚኣቶም ፍቕሮም ንምግላጽ ድዮም ተራኺቦም፧ እታ ገና መንእሰይ ዝነበረት ጣኦት ካብ ዘምልኹ ዓዲ ዝመጸት ሩት እትበሃል ድኻ መበለት ነዚ ብዕድመ ዝደፍአ ሃብታም ሰብኣይ ተስሕቶ ድያ ነይራ፧ ወይስ ቦኣዝ ንሩት ኣብቲ ለይቲ እቲ ንበይና ብምርካቡ ይብለጸላ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ኣብዚ እተገብረ ነገራት ንኣምላኽ ተኣማንነትን ፍቕርን ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት ዝዀነና እዩ። ነቲ ጕዳይ ምስ እንምርምሮ ኸኣ ብሓቂ መሳጢ እዩ።
ሩት ግን መን እያ፧ እንታይከ እያ ደልያ፧ እቲ ቦኣዝ ዝበሃል ሃብታም ሰብኣይከ መን እዩ፧
“ለባም ሰበይቲ”
ካብዚ ፍጻመ እዚ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ይሁዳ ጥሜት ዀነ። ሓንቲ ኣርባዕተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት—ማለት ኤሊሜሌክን ናእሚ ሰበይቱን ደቁ ማሕሎንን ኪልዮንን—ናብቲ ፍርያም መሬት ሞኣብ ተሰዱ። እቶም ኣወዳት ሩትን ዖርጳን ዝበሃላ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ። ድሕሪ ሞት እዞም ሰለስተ ሰብኡት: እተን ኣንስቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ዅነታት ከም እተመሓየሸ ሰምዓ። ስለዚ እታ መበለት ብምዃናን ደቂ ዀነ ደቂ ደቂ ስለ ዘይብላን እተመረረት ናእሚ ናብ ዓዳ ኽትምለስ ወሰነት።—ሩት 1:1-14
ናእሚ ናብ እስራኤል ክትምለስ ከላ: ንዖርጳ ናብ ህዝባ ኽትምለስ ኣእመነታ። ድሕርዚ ንሩት “ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃ ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ: ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ። ሩት ግን “ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ አይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ . . . ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት: ኣብኣ ድማ እቕበር” ኢላ መለሰት። (ሩት 1:15-17) በዚ ኸምዚ እዘን ክልተ መበለታት ናብ ቤት-ልሄም ተመልሳ። ኣብኡ ድማ ሩት ንሓማታ ዘርኣየቶ ፍቕርን ሓልዮትን ነተን ጐረባብታ ስለ ዘደነቐን: ንሩት “ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ” ገይረን ይርእያኣ ነበራ። ካልኦት ድማ “ለባም ሰበይቲ” (ትርጕም 1990 ) ይብልዋ ነበሩ።—ሩት 3:11፣ 4:15
ኣብ መጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ስለ ዝኣተዋ: ሩት ንናእሚ “ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ዝረኽበሉ ስዒበ ኣብ ግራት ከይደ ክቕርም ሕደ[ግ]ኒ” በለታ።—ሩት 2:2
ብገርሃ ናብ ግራት እቲ ቦኣዝ ዝበሃል ዘመድ እቲ ሓሙኣ ዝነበረ ኤሊሜሌክ ከደት። ነቲ ኣብቶም ገላዉ እተመዘዘ ሰብኣይ ክትቕርም ከፍቅደላ ሓተተቶ። ክትቕርም ከላ ኣዝያ ጻዕራም ብምንባራ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ንቦኣዝ ክዛረቦ ኸሎ ነኣዳ።—ሩት 1:22–2:7
መዕቈብን ረዳእን
ቦኣዝ ውፉይ ኣገልጋሊ የሆዋ ነበረ። ንግሆ ንግሆ ንዓጻዶኡ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ሰላምታ ይህቦም ነበረ: ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ይባርኽካ” ይብልዎ ነበሩ። (ሩት 2:4) ሩት ብትግሃት ክትዓዪ ኸላ ምስ ረኣያን ብዛዕባ እቲ ንናእሚ ዘርኣየታ ተኣማንነት ምስ ፈለጠን: እትቕርመሉ ፍሉይ ምድላዋት ገበረላ። ከምዚ ኸኣ በላ:- ‘ኣብ ግራተይ ቀርሚ: ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ። ምስ እዘን ግዙኣተይ ልገቢ: ጕድኣት ድማ ኣይክወርደክን እዩ። እቶም ግዙኣተይ ከይትንክዩኺ ኣዚዘ እየ። ምስ ጸማእኪ ድማ ማይ ክቐድሑልኪ እዮም።’—ሩት 2:8, 9
ሩት ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ: ‘ኣነ ወሰንተኛ ኽነሰይሲ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኸብኩ፧’ በለቶ። ቦኣዝ ድማ “እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮን: ኣቦኽን ኣዴኽን እተወለድክላ ምድርን ከም ዝሐደግኪ: ቅድሚ እዚ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ከም ዝመጻእኪ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ አለዉ። እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ: ዓስብኺ ኸኣ . . . ምሉእ ይኹን” ኢሉ መለሰላ።—ሩት 2:10-12
ቦኣዝ ንኽትፈትዎ ኢሉ ኣይኰነን እዚ ዝበለ። ካብ ልቡ እዩ ዝንእዳ ነይሩ። ሩት ብሓቂ ትሕትና ስለ ዝነበራ: ስለቲ ዘጸናንዕ ዘረባኡ ኣመስገነቶ። እቲ ዝገበረላ ነገራት ዝግብኣ ኸም ዘይነበረ ገይራ እያ ርእያቶ: ብዝያዳ ድማ ኣበርቲዓ ኽትዓዪ ጀመረት። ደሓር ኣብ ግዜ ምሳሕ ቦኣዝ ንሩት ጸዊዑ “ናብዚ ቕረቢ እሞ ካብዚ እንጌራ ብልዒ ቝራስኪ ኸኣ ኣብዚ መጺጽ ጥለቒ” በላ። ክሳዕ እትጸግብ በልዐት: ገለ ኻብቲ እንጌራ ድማ ንሓማታ ክዀና ሓዘቶ።—ሩት 2:14
ምድሪ ኽሳዕ ዝመሲ: ሩት ካብ ሓደ ገረወይና ቝሩብ ዝዛይድ ስገም ቀረመት። ነዝን ነቲ ጸጊባ ዘትረፈቶ መግብን ናብ ናእሚ ወሰደቶ። (ሩት 2:15-18) ናእሚ በዚ ስለ እተሓጐሰት: “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ፧ . . . እቲ እተላለየኪ ብሩኽ ይኹን” በለታ። ኣብ ግራት ቦኣዝ ክትቕርም ከም ዝወዓለት ምስ ፈለጠት ከኣ “ንሱ ንህያዋንን ንምዉታንን ምሕረቱ ዘይገደፈ: እግዚኣብሄር ይባርኮ: . . . እዚ ሰብኣይ እዚ መቕረባና እዩ: ንሱ ኻብቶም ዚወርሱና እዩ” በለታ።—ሩት 2:19, 20
“ዕረፍቲ” ምርካብ
ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ “ዕረፍቲ” ኽትረክብ ወይ ናይ ርእሳ ቤት ክህልዋ ስለ ዝደለየታ: በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒማ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ብምስምማዕ ዝወርስ ሰብ ንምርካብ ምድላዋት ገበረት። (ዘሌዋውያን 25:25፣ ዘዳግም 25:5, 6) ኣቓልቦ ቦኣዝ ንምስሓብ ድማ ንሩት ብዘደንቕን መሳጥን መገዲ ኣሰልጠነታ። ሩት ብዝግባእ ተዳልያን እተዋህባ መምርሒ ተቐቢላን ብጕልባብ ጸልማት ናብ ናይ ቦኣዝ ዓውዲ ኸደት። ደቂሱ ድማ ረኸበቶ። እግሩ ቐልዐት እሞ ክሳዕ ዝበራበር ተጸበየቶ።—ሩት 3:1-7
ቦኣዝ ምስ ተበራበረ: እቲ ሩት ዝገበረቶ ዅሉ ነቲ ‘ጫፍ ክዳኑ ኣብ ልዕሊ ግዝእቱ ኽዝርግሕ’ ዘቕረበትሉ ሕቶ ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽግንዘቦ ኸም ዝሓገዞ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ብዕድመ ዝደፍአ ኣይሁዳዊ ዘመድ ናይቲ ማሕሎን ዝበሃል ዝሞተ ሰብኣይ ሩት ብምዃኑ: ከም ወራሲ መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ከም ዝዝክር ገበረቶ።—ሩት 3:9
ቦኣዝ ንሩት ለይቲ ምድሪ ኽትመጾ ኣይተጸበያን። ይኹን እምበር: ካብቲ ዝሃቦ ምላሽ ክንርኢ ኸሎና እቲ ብዛዕባ ውርሲ ዘቕረበቶ ሕቶ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ ኸም ዘይነበረ ኽንርዳእ ንኽእል። ነቲ ዘቕረበትሉ ሕቶ ኽዓየሉ ፍቓደኛ ነበረ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ደሃይ ሩት ገለ ሻቕሎት ተንጸባሪቑ ክኸውን ይኽእል እዩ: ከመይሲ ቦኣዝ “ሕጂ ድማ ጓለይ: ኣይትፍርሂ: ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ዅላ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ: ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ” ብምባል ኣተባብዓ።—ሩት 3:11
ቦኣዝ ነቲ ሩት ዝገበረቶ ቕንዕና ከም ዘስተውዓለሉ “ኣቲ ጓለይ . . . ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ: እግዚኣብሄር ይባርኽኪ” ኢሉ ብምዝራቡ ኣርኣየ። (ሩት 3:10) እቲ ቐዳማይ ተባሂሉ ዘሎ ተግባራ እቲ ሩት ንናእሚ ዝገበረትላ ለውሃት እዩ። እቲ ዳሕራይ ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ ነቲ ብዕድመ ኣጸቢቑ ዝዓብያ ቦኣዝ ከም ወራሲ መጠን ክትላለዮ ብምኻዳ እዩ። ንስም ማሕሎን እቲ ዝሞተ ሰብኣያ ከምኡውን ንናእሚ ዝወርስ ውላድ ከተዕቢ ፍቓደኛ ነበረት።
ሓደ ወራሲ ኣበየ
ንጽብሒቱ: ቦኣዝ ነቲ ንናእሚ ኻብኡ ንላዕሊ ዝቐርባ ዘመዳ ጸውዖ። ኣብ ቅድሚ እቶም ተቐማጦን ዓበይትን እታ ኸተማ ኸኣ “ናእሚ: ነቲ ኽፍሊ ምድሪ ኤሊሜሌክ ሓውና: ክትሸጦ ደልያ። ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጎ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ‘ትወርስ እንተ ዄንካ ውረስ: ዘይትወርስ እንተ ዄንካ ግና ኣነ ኽወርስ እየ’ በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ክወርስ ፍቓደኛ ምዃኑ ገለጸ።—ሩት 4:1-4
እንተዀነ ግን: ቦኣዝ ሕቶኡ በዚ ኣየብቀዐን። ኣስዕብ ኣቢሉ ኣብ ቅድሚ እቶም ኵሎም መሰኻኽር “በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ: ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተቕውም: ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት: ሰበይቲ እቲ ምዉት ከኣ ክትዕድጋ ኢኻ” በለ። እቲ ሰብኣይ ርስቱ ኸበላሹ ስለ ዘይደለየ: “ክወርሳ ኣይክእልን እየ” ብምባል ነቲ መሰሉ ኣሕሊፉ ሃቦ።—ሩት 4:5, 6
ብመሰረት ልማድ እቲ ዓዲ ኸኣ እቲ ምውራስ ዝኣቢ ዘሎ ሰብኣይ ሳእኑ ኣውጺኡ ንብጻዩ ኽህቦ ነበሮ። ስለዚ እቲ ወራሲ ንቦኣዝ “ንስኻ ዐድጎ” ኽብሎ ኸሎ: ሳእኑ ኣውጽአ። ድሕርዚ ቦኣዝ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ ህዝብን ከምዚ በሎም:- “ናይ ኤሊሜሌክ ዝነበረ ዅሉ: ናይ ኪልዮንን ማሕሎንን ዝነበረ ድማ ዅሉ ካብ ኢድ ናእሚ ኸም ዝዐደግክዎ: ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። . . . ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ: ንሩት: እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን: ሰበይተይ ክትኰነኒ ከም ዝዐደግክዋ: ሎሚ ምስክር ኢኹም።”—ሩት 4:7-10
እቶም ኣብቲ ደገ እታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ ኸኣ “ነዛ ናብ ቤትካ እትአቱ ሰበይቲ: እግዚኣብሄር: ከምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ: ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸኣ ሰልጥን: ኣብ ቤት-ልሄምውን ስሙይ ኩን” በልዎ።—ሩት 4:11, 12
ቦኣዝ በቲ ህዝቢ ድሕሪ ምምራቑ ንሩት ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ንሳ ድማ እዮቤድ ተባሂሉ እተሰምየ ወዲ ወለደትሉ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ሩትን ቦኣዝን ኣብ መስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት ብእኡ ኣቢሎም ድማ ኣብ መስመር ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ኣተዉ።—ሩት 4:13-17፣ ማቴዎስ 1:5, 6, 16
‘ምሉእ ዓስቢ’
ቦኣዝ ካብቲ ንዓጻዶኡ ሰላምታ ዝሃበሉ ኣገባብ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ንስም እንዳ ኤሊሜሌክ ንምዕቃብ ሓላፍነት ምስካሙ: ኰታስ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዛንታ ስጕምቲ ዝወስድን ሓላፍነት ዝስምዖን ፍሉይ ሰብኣይ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሱ ዝገትእ: እምነት ዘለዎ: ከምኡውን ንጹህ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ ለጋስ: ሕያዋይ: ብስነ-ምግባር ንጹህ: ንትእዛዛት የሆዋ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዝሕሉ ነበረ።
ሩት እውን እቲ ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕሪ: ንናእሚ ዘርኣየታ ተኣማንነት: ከምኡውን ዘንጸባረቐቶ ትግሃትን ትሕትናን ጐሊሑ እዩ ዝርአ። እቲ ህዝቢ “ለባም ሰበይቲ” ገይሩ እንተ ረኣያ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። “እንጌራ ትህኪት” ኣይበልዐትን: ትግህቲ ብምንባራ ኸኣ ነታ ድኻ ሓማታ ትሕግዛ ነበረት። (ምሳሌ 31:27, 31) ንናእሚ ንኽትኣልያ ሓላፍነት ብምስካማ ድማ ካብ ምሃብ ዝመጽእ ሓጐስ ረኺባ ኽትከውን ኣለዋ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8
ኣብ መጽሓፍ ሩት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢና እንረክብ! የሆዋ ንናእሚ ኣይረስዓን። ሩት ዓባዩ ንየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ብምኽኣላ ‘ምሉእ ዓስባ’ ረኺባ እያ። ቦኣዝ “ለባም ሰበይቲ” ብምርካቡ ተባሪኹ እዩ። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንዓናውን ኣብነት እምነት ይዀኑና እዮም።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]
ጩራ ተስፋ
ኣብ ዘሕዝን እዋን ትነብር ከም ዘለኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ዛንታ ሩት ጩራ ተስፋ ክዀነካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ሩት ንመጽሓፍ መሳፍንቲ እተደንቕ መዛዘሚ ምዃና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ የሆዋ ካብ ሓንቲ ትሕትና ዘለዋ ሞኣባዊት መበለት ንህዝቡ ዝኸውን ንጉስ ብኸመይ ከም ዘምጽአ እያ እተዘንትወልና። ምስቲ ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዝርከብ ዛንታ ከነተሓሕዞ እንተደኣ ዄንና: እምነት ሩት ከም ብርሃን እዩ ዘብርህ።
ዛንታ ሩት ምስ እተንብብ: ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እውን ኣምላኽ ወትሩ ንህዝቡ ኸም ዝሓልን ዕላማኡ ኸም ዝፍጽምን መረጋገጺ ክዀነካ ይኽእል እዩ።