ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/6 ገጽ 17-22
  • ኣብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ጐድኒ ኣናዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ጐድኒ ኣናዲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን
  • ኣብ ስድራ​ቤት
  • ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ
  • ኣብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ነገር ምንዳይ
  • ሕያውነት—ከመይ ጌርካ ኸተማዕብላ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ወትሩ ሰናይ ኣንጸባርቕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • “ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ‘ሕያውነቱስ ክንደይ ዓብዪ እዩ!’
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/6 ገጽ 17-22

ኣብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ጐድኒ ኣናዲ

ዎ ኣምላኸይ: ንጽቡቕ ሕሰበለይ።”​—ነህምያ 13:31

1. የሆዋ ንዅሉ ሰብ ጽቡቕ ዝገብር ብኸመይ እዩ፧

ድብንብን ኢሉ ድሕሪ ምውዓል: ጸሓይ ክትወጽእ ከላ ባህ እዩ ዝብለና። ንብዙሓት ሰባት ፍዅስ ይብሎም: ጽቡቕ ስምዒት ድማ ይስምዖም። ብተመሳሳሊ: ንነዊሕ እዋን መራር ጸሓይን ደረቕ ኵነታት ኣየርን ድሕሪ ምቕናይ: ማይ ክወቅዕ ከሎ እፎይ ኢና እንብል። እቲ ፈቃር ፈጣሪና የሆዋ ንምድሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ኵነታት ኣየር ከም ዝህልዋ ገይሩ እዩ ፈጢሩዋ። የሱስ “ጸላእትኹም ፍተዉ: ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ: ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ: ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ: ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” ኢሉ ኽምህር ከሎ ንልግሲ ኣምላኽ እዩ ኣተኲርሉ። (ማቴዎስ 5:43-45) እወ: የሆዋ ንዅሎም ሰባት እዩ ጽቡቕ ዝገብረሎም። ኣገልገልቱ እውን ናይ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ጐድኒ ብምንዳይ ንኽመስልዎ ኽጽዕሩ ኣለዎም።

2. (ሀ) የሆዋ ኣብ ምንታይ ተመርኲሱ እዩ ጽቡቕ ዝገብር፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ዝገብረልና ጽቡቕ ነገር እነርእዮ ኣቀባብላ ብኸመይ ይዕዘቦ፧

2 የሆዋ ጽቡቕ ዝገብር ኣብ ምንታይ ተመርኲሱ እዩ፧ ኣዳም ካብ ዝሓጥእ ኣትሒዙ: የሆዋ ንሰባት ጽቡቕ ጐድኖም ካብ ምንዳይ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን። (መዝሙር 130:3, 4) ዕላማኡ ንእዙዛት ደቅሰብ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ከም ዝነብሩ ምግባር እዩ። (ኤፌሶን 1:9, 10) ሳላቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ በቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣቢልና ኻብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሓራ ናይ ምውጻእ ተስፋ ተዋሂቡና። (ዘፍጥረት 3:15፣ ሮሜ 5:12, 15) ነቲ በጃ ምስ እንቕበሎ: ኣብ መወዳእታ ናብ ፍጽምና ንኽንበጽሕ መገዲ ይጸርገልና። ኣብዚ ግዜ እዚ የሆዋ ነቲ ልግስናኡ ብኸመይ ከም እንቕበሎን ኣብ ካልእ መዳያትን ይዕዘበና ኣሎ። (1 ዮሃንስ 3:16) ነቲ ዝገበረልና ጽቡቕ ነገራት ዘሎና ሞሳ ንምግላጽ እንገብሮ ዅሉ ይዕዘቦ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠እብራውያን 6:10

3. እንታይ ሕቶ ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

3 ናይ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ጐድኒ ብምንዳይ ደኣ እሞ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ኣርባዕተ መዳይ ህይወትና እስከ ንርአ:- (1) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት: (2) ኣብ ስድራ​ቤት: (3) ኣብ ጉባኤ: (4) ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ።

ኣብ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን

4. ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምስታፍ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ ምንዳይ ዝኸውን ብኸመይ እዩ፧

4 የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ምስላ ስርናይን ክርዳድን ክትርጕመሎም ዝሓተትዎ ሕቶ ኽምልሰሎም ከሎ “እታ ግራት . . . ዓለም እያ” በሎም። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለና ደቀ መዛሙርቱ ክርስቶስ እውን ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና እዚ ሓቂ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። (ማቴዎስ 13:36-38፣ 28:19, 20) ኣገልግሎትና ንሰባት እምነትና ምግላጽ ዘጠቓልል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ከምኡውን ኣብ መገዲ ብምግልጋል ዝፍለጡ ምዃኖም: ነቶም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክበጽሖም ብቑዓት ንዝዀኑ ሰባት ኣብ ምንዳይ ትጉሃት ምዃንና ዘርኢ እዩ። የሱስ እውን “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” ኢሉ እዩ መምርሒ ዝሃበ።​—⁠ማቴዎስ 10:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:17፣ 20:20

5, 6. ንሰባት እናሳዕ ኣብ ቤቶም እንበጽሖም ስለምንታይ ኢና፧

5 ሰባት ከይተጸበዩና ኣብ ኣባይቶም ክንከዶም ከለና: ነቲ መልእኽትና ብኸመይ ከም ዝቕበልዎ ንርኢ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ክሰምዓና ኸሎ: ካልእ ኣባል እቲ ስድራ​ቤት “ኣይንደልን ኢና” ብምባል ዝርርብና የቋርጾ። ሓደ ሰብ ዘንጸባርቖ ምጽራር ወይ ዘይምግዳስ ነቲ ሓደ ሰብ ክጸልዎ ኸሎ ብዙሕ ኢና ንጕሂ! ኣብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ጐድኒ ኻብ ምንዳይ ምእንቲ ኸይንሰንፍ ግን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

6 እንደገና ናብታ ቤት ክንከይድ ከለና ነቲ ኣቐዲሙ ንዝርርብና ዝነጸጎ ሰብ ብቐጥታ ናይ ምዝርራብ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። ነቲ ኣቐዲሙ ዘጋጠመና ምዝካርና ንኽንዳሎ ይሕግዘና። እቲ እተጻረረና ሰብ ነቲ ኽሰምዓና ጀሚሩ ዝነበረ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዕ የብሉን ካብ ዝብል ሓሳብ ብምብጋስ ንጽቡቑ ይሓስብ ነይሩ ይኸውን። ምናልባት ኣረኣእያኡ በቲ ብዛዕባና ዝሰምዖ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተጸልዩ ክኸውን ይኽእል። እዚ ግን ኣብታ ቤት እቲኣ ንዝርከቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ከም እነቋርጽ ክገብረና የብሉን: ብብልሓት ነቲ ግጉይ ምርዳእ ከነዕርዮ ኽንጽዕር ኣሎና። ኵሉ ሰብ ናብ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ክመጽእ ኢና እንደሊ። ድሕርዚ ምናልባት የሆዋ ነቲ ሰብ ይስሕቦ ይኸውን።​—⁠ዮሃንስ 6:44፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:4

7. ንሰባት ከነዘራርቦም ከለና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ እዩ፧

7 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝሃቦም ትምህርቲ ኻብ ስድራ​ቤት ዘጋጥም ምጽራር እውን ጠቒሱ ነይሩ። “ወዲ ኻብ ኣቦኡ: ጓል ካብ ኣዲኣ: መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ንሰብ እቶም ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 10:35, 36) ይኹን እምበር: ኵነታትን ኣረኣእያን ይቕየር እዩ። ሃንደበታዊ ሕማም: ሞት ዘመድ: ዕንወት: ስምዒታዊ ጸገማት: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ረቛሒታት ነቲ ሰባት ንስብከትና ዘለዎም ኣቀባብላ ይጸልዎ እዩ። እቶም እንሰብከሎም ሰባት ወትሩ ኣይቅበሉናን እዮም ዝብል ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና: ብሓቂዶ ኣባታቶም ጽቡቕ ኢና እነናዲ ዘለና፧ ኣብ ክንድኡስ ንምንታይ ተሓጒስና እንደገና ዘይንኸዶም፧ እተፈልየ ኣቀባብላ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ እቲ እንዛረቦ መልእኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣዘራርባና እውን ሓሳቦም ንክቕይሩ ኸለዓዕሎም ይኽእል እዩ። ናብ ስብከት ቅድሚ ምኻድና ናብ የሆዋ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት ምስ እነቕርብ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኽንሕዝን እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ብዝስሕብ መገዲ ንኸነቕርቦን ከም ዝሕግዘና ዘጠራጥር ኣይኰነን።​—⁠ቈሎሴ 4:6፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17

8. ክርስትያናት ናይ ዘይኣምን ኣባል ስድራ​ቤቶም ጽቡቕ ጐድኒ ኸናድዩ ኸለዉ እንታይ ፍረ ኽርከብ ይከኣል፧

8 ኣብ ገሊኣተን ጉባኤታት ብዙሓት ኣባላት ሓንቲ ስድራ​ቤት ንየሆዋ ብሓባር ከገልግሉ ንርኢ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ብዕድመ ንኣሽቱ ዘበሉ ነቲ ኣብታ ስድራ​ቤትን ኣብ ሓዳሩን ጽቡቕ ርክብ ዘለዎ ኣባል ስድራ​ቤቶም ዘርእዮ ጽንዓት የድንቕዎን የኽብርዎን እዮም: እዚ ድማ ልቦም ንክቕየር መገዲ ይጸርግ። ብዙሓት ክርስትያን ኣንስቲ ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሃበን ምኽሪ ብምስዓበን ንሰብኡተን “ብዘይ​ ቃል” ንኽረብሓኦም ሓጊዝወን እዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:1, 2

ኣብ ስድራ​ቤት

9, 10. ያእቆብን ዮሴፍን ናይ ስድራ​ቤቶም ጽቡቕ ጐድኒ ዘናደዩ ብኸመይ እዮም፧

9 እቲ ንኣባላት ስድራ​ቤት ዘቀራርርቦም ማእሰር እውን ናይ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ ንኸነናዲ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ያእቆብ ምስ ደቁ ኻብ ዝነበሮ ርክብ እንረኽቦ ትምህርቲ እሞ ንርአ። ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 37 ቍጽሪ 3ን 4ን: ያእቆብ ንዮሴፍ ሓለፋ ዅላቶም ከም ዝፈትዎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና። ኣሕዋት ዮሴፍ በዚ ስለ ዝቐንኡ ንሓዎም ንክቐትልዎ እውን ከይተረፈ ተማኸሩ። ይኹን እምበር: ያእቆብን ዮሴፍን ጸኒሑ ዝነበሮም ኣረኣእያ እሞ ኣስተብህለሉ። ክልቲኣቶም ናይ ስድራ​ቤቶም ጽቡቕ ጐድኒ እዮም ዘናድዩ ነይሮም።

10 ዮሴፍ ኣብታ ብጥሜት ማሲና ዝነበረት ግብጺ ቐንዲ ኣመሓዳሪ መግቢ ዀይኑ ኽዓዪ ኸሎ: ነሕዋቱ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበሎም። ብኡንብኡ መንነቱ እኳ እንተ ዘይገለጸሎም: ጽቡቕ ክንክን ከም ዝግበረሎምን ነቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኣቦኦም መግቢ ኸም ዝወስዱሉን ገበረ። እወ: ዮሴፍ ብጽልኢ እኳ እንተ ገፍዕዎ: ንሱ ግን ጽቡቖም እዩ ዝደሊ ነይሩ። (ዘፍጥረት 41:53–42:8፣ 45:23) ያእቆብ እውን ኣብ ኣጋ ሙማቱ ንዅሎም ደቁ ባረኾም። በቲ ዝገበርዎ ጌጋ ገለ ሓለፋታት እኳ እንተ ሰኣኑ: ዋላ ሓደ ኻባታቶም ግን ኣብታ ምድሪ ውርሲ ኣይተኸልአን። (ዘፍጥረት 49:3-28) ኣብዝስ ያእቆብ ከመይ ዝበለት ሓያል ፍቕሪ ዀን እዩ ኣንጸባሪቑ!

11, 12. (ሀ) ኣብ ስድራ​ቤት ጽቡቕ ጐድኒ ምንዳይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ እንታይ ትንቢታዊ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) ካብ ኣቦ እቲ ሓሻሽ ወዲ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንወስድ፧

11 የሆዋ ምስቶም ዘይእሙናት ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዘርኣዮ ዓቕሊ: ናይ ህዝቡ ጽቡቕ ጐድኒ ኸም ዘናዲ ብዝያዳ ንኸነስተውዕል የኽእለና። የሆዋ ናይ ነብዪ ሆሴእ ኵነታት ስድራ​ቤት ብምጥቃም: እታ ዘይተቋርጽ ፍቕሩ ኣርኣየ። ጎሜር ሰበይቲ ሆሴእ ብተደጋጋሚ ምንዝር ፈጸመት። ይኹን እምበር: የሆዋ ንሆሴእ “መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቅጫ ዘቢብ ዚፈትዉን ደቂ እስራኤል ዘፍቀሮም: ፈታዊኣ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፍቶ” በሎ። (ሆሴእ 3:1) ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: ካብቶም ካብ መገድታቱ ዝረሓቑ ህዝቢ: ነቲ ዓቕሉ ምላሽ ዝህቡ ውልቀ⁠-​ሰባት ከም ዝህልዉ ይፈልጥ ነበረ። ብዛዕባዚ ሆሴእ “ደሓር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ኪደልዩ ኺምለሱ: በተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሆሴእ 3:5) እዚ ኸኣ ኣብ ስድራ​ቤትና ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ኸነስተንትነሉ ዝግባእ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝዀነና። ናይ ኣባላት ስድራ​ቤትካ ጽቡቕ ጐድኒ ኸየቋረጽካ ምንዳይ: እንተ ወሓደ ብዓቕሊ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ንኽትከውን የኽእለካ።

12 የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ ዝሃቦ ምስላ እውን ጽቡቕ ጐድኒ ስድራ​ቤትና ብኸመይ ኸነናዲ ኸም እንኽእል ብዝያዳ ንኽንርድኦ ይሕግዘና። እቲ ንእሽቶ ወዲ ንገንዘቡ ፈቐዶኡ ምስ ዘረዎ እዩ ናብ ቤቱ ተመሊሱ። ኣቦኡ ግን ብምሕረት ተቐበሎ። እቲ ኣቦ ነቲ ኻብ ቤቱ ፈጺሙ ዘይኰብለለ ዓብዪ ወዱ እተዛረቦ ምጕርምራም እንታይ መልሲ ሃቦ፧ “ወደይ: ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ። ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ” በሎ። እቲ ኣቦ ብሕርቃን ኣይኰነን ነቲ ሓሳባቱ ነጺግዎ: የግዳስ ኣባታዊ ፍቕሩ እዩ ኣርእይዎ። ኣስዕብ ኣቢሉ “እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ: ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ” በሎ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ወትሩ ናይ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ ኸነናዲ ንኽእል ኢና።​—⁠ሉቃስ 15:11-32

ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ

13, 14. ነታ ንጉሳዊ ሕጊ ፍቕሪ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እነንጸባርቐላ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

13 ከም ክርስትያናት መጠን ነታ ንጉሳዊ ሕጊ ፍቕሪ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ እንጽዕር። (ያእቆብ 2:1-9) ልክዕ እዩ: ብስጋዊ ጥሪቶም ካባና ንእተፈልዩ ኣባላት ጉባኤና ንቕበሎም ንኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ ዓሌት: ባህሊ: ወይ እውን ቀደም ዝነበርዎ ሃይማኖት ተመርኲስና “ኣድልዎ” ንገብር ዲና፧ ከምዚ እንተ ዀይኑ: ነቲ ያእቆብ ዝሃቦ ምኽሪ ብኸመይ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ንኽእል፧

14 ንዅሎም እቶም ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝመጹ ሓንጐፋይ ኢልና ምቕባልና: ለዋሃት ምዃንና እዩ ዘርኢ። ናብ ኣኼባና ንዝመጹ ሓደስቲ ሰባት ንምዝርራብ ተበግሶ ምስ እንወስድ: እቲ ፈለማ ዝነበሮም ስክፍታ ወይ ሕፍረት ይጠፍእ። ገሊኣቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ምእካቦም “ኵላቶም ምቝሉላት እዮም። ልክዕ ከምዛ ዝፈልጡኒ ዀይኖም እዮም ተቐቢሎምኒ። ኣብ ቤተይ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ኢሎም ይዛረቡ።

15. ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ንኣሽቱ ኣብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ተገዳስነት ንኸርእዩ ብኸመይ ክተባብዑ ይኽእሉ፧

15 ኣብ ገሊኡ ጉባኤታት ኣኼባ ምስ ተወድአ ገሊኣቶም መንእሰያት ኣብ ውሽጢ እቲ መአከቢ ኣደራሽ ወይ ኣብ ወጻኢ ኻብ ዓበይቲ ርሒቖም በይኖም የዕልሉ ይዀኑ። ነዚ ጠባይ እዚ ምእንቲ ኸወግድዎ እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ፈለማ: ወለዲ ንደቆም ኣብ ቤቶም ከሰልጥንዎምን ንኣኼባታት ከዳልዉዎምን ይግባእ። (ምሳሌ 22:6) ኵሎም ኣባላት ስድራ​ቤት ኣብ ኣኼባ ዘድልዮም ነገራት ምእንቲ ኽማልኡ: ነቲ ዘድሊ ጽሑፋት ድሉው ናይ ምግባር ዕዮ ኽወሃቦም ይኽእል። ብዘይ​ካዚውን ወለዲ ንደቆም ኣብ ኣኼባ ብዕድመ ምስ ዝደፍኡን ከም ልቦም ክንቀሳቐሱ ምስ ዘይክእሉን ንኽዘራረቡ ኸተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም። ቈልዑ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ገለ ቁም ነገር ምስ ዘዕልልዎም: ዕግበት ክስምዖም ይኽእል እዩ።

16, 17. ዓበይቲ ጽቡቕ ጐድኒ ናይቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ መንእሰያት ከናድዩ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ዓበይቲ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ንኣሽቱ ተገዳስነት ከርእዩ ኣለዎም። (ፊልጲ 2:4) ዘተባብዕ ዘረባ ንኽዛረብዎም ተበግሶ ኽወስዱ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣኼባ ዘደንቕ ሓሳባት ይጥቀስ እዩ። ስለዚ ነቶም ንኣሽቱ ዘበሉ እቲ ኣኼባ ኸመይ ከም ዝነበረ: ብፍላይ ከኣ ዘማሰዉሉን ክዓዩሉ ዝኽእሉን ነጥቢ ረኺቦም እንተ ዀይኖም ክሓትዎም ይኽእሉ እዮም። መንእሰያት ክፍሊ እታ ጉባኤ ብምዃኖም ጽን ኢሎም ብምክትታሎም ኣፍልጦ ኽወሃቦም: ኣብቲ ኣኼባ ሓሳብ እንተ ሂቦም ወይ ክፍሊ እንተ ነይርዎም ከኣ ክነኣዱ ይግባእ። እቲ መንእሰያት ምስቶም ኣብ ጉባኤኦም ዝርከቡ ዓበይቲ ዘለዎም ርክብን ኣብ ቤቶም ዝዓይዎ ቀሊል ዕዮታትን ጸኒሖም ዝዓበየ ሓላፍነታት ክስከሙ ኸም ዝኽእሉ የርኢ።​—⁠ሉቃስ 16:10

17 ገሊኣቶም መንእሰያት ሓላፍነት ዝቕበሉ ብምዃኖም ዕቤት ብምግባር ከቢድ ዕዮታት ንምጻር ዘኽእሎም መንፈሳዊ ባህርያት ኣማዕቢሎም እዮም። ብሓደ ነገር ትሑዝ ምዃን ካብ ዕሽነት ንምርሓቕ እውን ክሕግዝ ይኽእል ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታት ነቶም ናይ ጉባኤ ኣገልገልቲ ክዀኑ ዝጽዕሩ ኣሕዋት ‘ንኽምርመሩ’ ወይ ዝበቕዑ እንተ ዀይኖም ንኽፍተኑ የኽእሎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:10) ኣብ ኣኼባታት ብፍታዎም ዝሳተፉ: ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኢ ዝካፈሉ: ከምኡውን ንኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ዝሓልዩ ምስ ዝዀኑ: እቶም ሽማግለታት ተወሳኺ ሓላፍነት ክህብዎም ክሓስቡ ኸለዉ ክእለቶም ንኸስተብህሉሉ ይሕግዞም።

ኣብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ነገር ምንዳይ

18. ሽማግለታት ክፈርዱ ኸለዉ ኻብ ምንታይ እዮም ክጥንቀቑ ዘለዎም: ስለምንታይከ፧

18 ምሳሌ 24:23 “ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን” ትብለና። ሽማግለታት ሰማያዊት ጥበብ እንተ ሃልያቶም: ኣብ ጉባኤ ኽፈርዱ ኸለዉ ኣድልዎ ኣይገብሩን እዮም። ብዛዕባዚ ያእቆብ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት: ብዘይ​ ዝሬትን [‘ሻርነት ዘይብላ:’ ትርጕም 1990 ] ብዘይ​ ግብዝናን እያ” በለ። (ያእቆብ 3:17) ሽማግለታት ኣብ ዝፈርዱሉ እዋን ናይቶም ሰባት ጽቡቕ ጐድኒ ኸናድዩ እኳ እንተለዎም: ብሕታዊ ርክቦም ወይ ስምዒቶም ንምምዝዛኖም ከይሽፍኖ ግን ክጥንቀቑ ኣለዎም። ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣምላኽ ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ [“ከም ኣማልኽቲ ዝበሉ:” ነቶም ሰብኣውያን ደያኑ ዘመልክት እዩ] ደው ይብል: ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ አሎ። ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ፧ ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ፧” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 82:1, 2) ስለዚ: ክርስትያን ሽማግለታት ንፈታዊኦም ወይ ዘመዶም ዝምልከት ጕዳይ ክለዓል ከሎ: ካብ ኣድልዎ ይርሕቑ። በዚ ኸምዚ ሓድነት እታ ጉባኤ ይሕልዉ: መንፈስ የሆዋ ንኽውሕዝ ከኣ ኣይዓግትዎን።​—⁠1 ተሰሎንቄ 5:23

19. ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጐድኒ ኸነናዲ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ኣብ ሓውና ወይ ሓብትና ጽቡቕ ነገር እነናዲ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ጳውሎስ ናብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ኽጽሕፍ ከሎ ዘርኣዮ ዝንባለ ኢና እነንጸባርቕ። ጳውሎስ “እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን: ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት አላትና” በለ። (2 ተሰሎንቄ 3:4) ካልኦት ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ጐድኒ እነናዲ እንተ ዄንና: ጕድለታቶም ንምሽፋን ብዝያዳ ድሉዋት ንኸውን። ነቲ ናይ ነቐፌታ መንፈስ ብምውጋድ: ነሕዋትና እንንእደሉ መገዲ ኢና እነናዲ። ጳውሎስ “ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 4:2) እቶም ኣብ ጉባኤና መገብቲ ዀይኖም ዘገልግሉ ኣሕዋት ጥራይ ዘይኰኑስ: ኵሎም ኣሕዋትን ኣሓትን እሙናት ምስ ዝዀኑ ፍቱዋት እዮም ዝዀኑ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ናብኦም ንሰሓብ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ምሕዝነት ዘሎ ማእሰር የድልድሎ። ከምቲ ጳውሎስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ዝነበሮ ኣረኣእያ ይህልወና። ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳና ዘገልግሉ: ንምጽንናዕውን ዝዀኑና’ ጌርና ንርእዮም። (ቈሎሴ 4:11) በዚ ኸምዚ ኣረኣእያ የሆዋ ነንጸባርቕ።

20. እቶም ኣብ ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ጐድኒ ዘናድዩ እንታይ በረኸት እዮም ክረኽቡ፧

20 ብርግጽ እምበኣር ነቲ ነህምያ “ዎ ኣምላኽ: ንጽቡቐይ ሕሰበለይ” ብምባል ዝጸለዮ ጸሎት ነቃልሖ ኢና። (ነህምያ 13:31) የሆዋ ኣብ ሰባት ጽቡቕ ነገር ዝደሊ ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ! (1 ነገስት 14:13) ንሕናውን ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ከምኡ ንኹን። ከምዚ ምግባርና ድሒንና ኣብታ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ተስፋ ይህልወና።​—⁠መዝሙር 130:3-8

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሆዋ ኣብ ምንታይ መሰረት ተመርኲሱ እዩ ጽቡቕ ዝገብር፧

• ኣብዚ ዝስዕብ መዳያት ናይ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ጐድኒ ኸነናዲ እንኽእል ብኸመይ ኢና:-

• ኣብ ኣገልግሎትና

• ኣብ ስድራ​ቤትና

• ኣብ ጉባኤና

• ምስ ኵሉ ሰብ ኣብ ዘሎና ርክብ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንዮሴፍ እቶም ኣሕዋቱ ኣቐዲሞም እኳ እንተ ጸልእዎ: ንሱ ግን ጽቡቕ ጐድኖም የናዲ ነበረ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ምጽራር ንዅሉ ሰብ ንኸይንሕግዝ ዕንቅፋት ኣይኰነናን እዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ደቂ ያእቆብ ሕማቕ ገይሮም እኳ እንተ ነበሩ: ያእቆብ ግን ንዅላቶም ባረኾም

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንዅሉ ሓንጐፋይ ኢልኩም ተቐበሉ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ