ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/7 ገጽ 8
  • ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ “ዝበለጸ መገዲ” ፍቕሪ ትስዕብዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ቅድሚ ዅሉ . . . ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም”
    ንቑሕ ኩን!
  • “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ነባሪ ሓዳር ንምምስራት ዝሕግዛ ክልተ መፋትሕ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/7 ገጽ 8

ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ

ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ወይ ኣብ ሓድሽ ኪዳን: እታ “ፍቕሪ” ተባሂላ ዘላ ቓል: መብዛሕትኡ ግዜ ኣጋፐ ኻብ እትበሃል ናይ ግሪኽ ቃል እያ ተተርጒማ።

ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ a ዝበሃል መወከሲ ጽሑፍ (እንግሊዝኛ) ትርጕም ናይዛ ቓል እዚኣ ኽገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል:- “[ኣጋፐ ] ከምቲ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓስብዎ ብስምዒት እትምራሕ ወይ ኣብ ብሕታዊ ምቅርራብ ጥራይ እተመርኰሰት ኣይኰነትን: የግዳስ ኣብቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ተመርኲሳ ንጽቡቕ ካልኦት ብቕንዕና እትደሊ: ንስርዓታትን ሓላፍነትን ግቡእን ኰነ ኢልካ ብፍታው ኣብ ምቕባል እተመርኰሰት ስነ⁠-​ምግባራዊ ወይ ማሕበራዊ ፍቕሪ እያ። ኣጋፐ (ፍቕሪ) ብብሕታዊ ጽልኢ ዘይትቕየድ ከምኡውን ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ንኽጠሓስን ሕነ ንኽፍደን ዘይተፍቅድ እያ።”

ኣጋፐ ዓሚቝ ስምዒት እውን ከተጠቓልል ትኽእል እያ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ [ኣጋፐ ] ትሀሉኹም” ኢሉ መዓደ። (1 ጴጥሮስ 4:8 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ: ኣጋፐ ከነንጸባርቕ ከለና ልብናን ኣእምሮናን እውን ኣብኡ እቱው እዩ። ነዛ ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ዘለዋ ሓይልን ስፍሓትን ዝገልጽ ጥቕስታት ንምንታይ ዘይትምርምር፧ እዚ ዝስዕብ ጥቕስታት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ:- ማቴዎስ 5:43-47፣ ዮሃንስ 15:12, 13፣ ሮሜ 13:8-10፣ ኤፌሶን 5:2, 25, 28፣ 1 ዮሃንስ 3:15-18፣ 4:​16-21

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ