ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/10 ገጽ 29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ‘ምዉታት ክትንስኡ ኢዮም’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተስፋ ትንሳኤ ሓይሊ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ትንሳኤ—ርግጽ ተስፋ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/10 ገጽ 29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ክንዲ ምዉታት ምጥማቕ እንታይ ማለት እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ኽጽሕፍ ከሎ: ኣዝዩ ዘገርም ነገር እዩ ጽሒፉ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “እንተ ዘይኰነስ: እቶም ኣብ ክንዲ ምዉታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ አለዉ፧ ብሱሩ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ: ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፧” ዝብል ነንብብ ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:29

ኣብዚ ጳውሎስ እቶም ህያዋን ዘበሉ ኣብ ክንዲ እቶም ከይተጠምቁ ዝሞቱ ምዉታት ክጥመቑሎም ድዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ከምዚ ኣብዚ ዝረኣናዮን ኣብ ገሊኡ ኻልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንርእዮን ከምኡ ኽመስል ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ንቕዱሳት ጽሑፋትን ነቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ በዅሪ ቛንቋ ግሪኽን ተጠንቂቕና ምስ እንምርምር ኣብ ካልእ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ። ጳውሎስ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ናብቲ ኸም ክርስቶስ ንጽህናኦም ሓልዮም ክሞቱ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓይነት ህይወት ከም እተጠመቑ ወይ ከም ዝጠሓሉ እዩ ዝገልጽ ነይሩ። ድሕሪኡ ኸም ክርስቶስ ናብ ሰማያዊ ህይወት ይትንስኡ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ መግለጺ እዚ ይድግፎ እዩ። ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:3) ናብ ሰብ ፊልጲ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ኣብ ስቓዩ ኽካፈል፥ ብሞቱ ኽመስሎ እሞ ኣብ ትንሣኤ ሙታን ገለ ምስታፍ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ” በለ። (ፊልጲ 3:10, 11 ትርጕም 1990) ጳውሎስ ህይወት ሓደ ቕቡእ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናኡ ምሕላው: መዓልታዊ ምስ ሞት ምፍጣጥ: ኣብ መወዳእታ ንጽህናኡ ሓልዩ ሙማት: ድሕሪኡ ኸኣ ሰማያዊ ትንሳኤ ዘጠቓልል ምዃኑ እዩ ዝሕብር ነይሩ።

እዚ ጥቕስታት እዝን ካልእ ንሞት ምስ ጥምቀት ብምትሕሓዝ ዝገልጽ ጥቕስታትን: ነቶም እተጠምቁ ህያዋን ውልቀ⁠-​ሰባት ደኣ እምበር ነቶም ዝሞቱ ኸም ዘይምልከት ኣቓልቦ ኽግበረሉ ይግባእ። ጳውሎስ ንብጾቱ ቕቡኣት ክርስትያናት “ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም: ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም” እውን ኢሉዎም እዩ።​—⁠ቈሎሴ 2:12

እታ ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:29 “ኣብ ክንዲ” ተባሂላ እተተርጐመት ሃይፐር እትብል ናይ ግሪኽ መስተዋድድ: “ን” ማለት ንሓደ ዕላማ ዝብል መልእኽቲ እውን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕስታት ብምስምማዕ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ “እቶም ንኽሞቱ ኢሎም ዝጥመቑ ደኣ እንታይ ክገብሩ እዮም፧ ብሱሩ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ: ንምንታይ ደኣ እዮም ከማታቶም ንክዀኑ ኢሎም ዝጥመቑ፧” ብምባል ብቕኑዕ ተርጒምዋ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ