ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/2 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓንቲ ጽቡቕ ፍረ እትህብ ኦም ኣውሊዕ ኣብ ቤት ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ማይ ኣይሂ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • እተቘርጸ ኦም መሊሱ ኺጥጥዕ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/2 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኖህ ካብታ መርከብ ሓንቲ ርግቢ ምስ ሰደደ: “ቈጽሊ ኣውልዕ” ሒዛ ተመልሰቶ። እታ ርግቢ ነታ ቘጽሊ ኻበይ እያ ረኺባታ፧

መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ: ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ” ብምባል እዩ ዝነግረና። (ዘፍጥረት 7:19) እቲ ማይ እናጐደለ ምስ ከደ: ኖህ ሰሙን ሰሙን እናጸንሐ ሰለስተ ሳዕ ርግቢ ሰደደ። ኣብታ ኻልአይቲ ግዜ እታ ርግቢ “ልሙዕ ቈጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነጸፈ ፈለጠ።”—ዘፍጥረት 8:8-11

ቅርጺ መሬት ብማይ ኣይሂ ብዘይጥርጥር ስለ እተቐየረ: ሓደ ኽፋል መሬት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ብማይ ተጥለቕሊቑ ምንባሩ ኽንፈልጠሉ እንኽእል መገዲ የልቦን። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ኸባቢታት ንነዊሕ ግዜ ብማይ ብምሽፋኑ ሓያሎ ኣእዋም እኳ እንተ ሞተ: ገሊኡ ግን ብህይወት ጸኒሑ ክኸውን ኣለዎ: እቲ ማይ ምስ ጐደለ ድማ ክጥጥዕ ከኣለ።

ዘ ኒው ባይብል ዲክሸነሪ ብዛዕባ ኦም ኣውልዕ ኣመልኪቱ “እንተ ተቘሪጹ: ካብ ሱሩ ሓድሽ ጠጥዒ እዩ ዝወጽእ: ብሓንሳእ ክሳዕ ሓሙሽተ ጕንዲ እውን ከውጽእ ይኽእል እዩ። ክመውት ዝቐረበ ኣውልዕ እኳ በዚ ኸምዚ ይጥጥዕ እዩ” በለ። ዘ ኒው ሻፍ-ሀርዞክ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጀስ ኖውለጅ ኦም ኣውልዕ “ዝመውት ኣይመስልን እዩ” በለ። ዋላ ሓደ ሰብ ብዛዕባቲ ማይ ኣይሂ ዝነበሮ መጠን ጨው ኰነ ሙቐት ዝርዝር ነገራት ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ: ኣብ ኦም ኣውልዕ ወይ ካልኦት ኣትክልቲ ኽህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና።

ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብ በረኽቲ ኣኽራን ዝበቍል ዓይነት ኣውልዕ ዝኣመሰለ: ኣብ መሮር ዝበቍል ኣውልዕ: ቍሪ ኽጻወር ኣይክእልን እዩ። ብሓፈሻኡ ኣብ ትሕቲ 1,000 ሜትሮ ብራኸን ገምጋም ሙቐት ካብ 10 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ንላዕሊ ኣብ ዘለዎ ኸባብን እዩ ዝበቍል። እታ ዘ ፍላድ ሪኮንሲደርድ ዘርእስታ መጽሓፍ “ስለዚ: ኖህ ካብታ ሓዳስ እተቐንጠበት ቈጽሊ: እቲ ዝተሓተ ስንጭሮታት እውን ይነጽፍ ከም ዘሎ ኽድምድም ይኽእል ነይሩ” በለት። ኖህ ሓደ ሰሙን ጸኒሑ ነታ ርግቢ ምስ ሰደዳ: ተመሊሳ ኣይመጸቶን: እዚ ኸኣ እታ ርግቢ እኹል ኣትክልትን መዕረፊ ቦታን ከም ዝረኸበት እዩ ዘመልክት።—ዘፍጥረት 8:12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ