ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/3 ገጽ 28
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ግዝረት ምልክት ስብእነት ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/3 ገጽ 28

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብቲ ኣብ ዘጸኣት 4:24-26 ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ: ህይወት መንከ እዩ ኣብ ሓደጋ ነይሩ፧

ሙሴ ንጺጶራ ሰበይቱን ጌርሾምን ኣልኣዛርን ንዚበሃሉ ደቁን ሒዙ ናብ ግብጺ ኣብ ዚኸደሉ እዋን: “ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ: እግዚኣብሄር ተራኸቦ: ኪቐትሎውን ደለየ። ሽዑ ጺጶራ ጽልጽለ ወሲዳ: ዕልቦ ወዳ ገዘረት: ናብ ኣእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፤ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ: በለት። ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፤ ብምኽንያት ግዝረት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ: በለት።” (ዘጸኣት 4:20, 24-26) እዚ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ንጹር እኳ እንተ ዘይኰነ: ቅዱሳት ጽሑፋት እተወሰነ መብርሂ ይህበና እዩ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ናይ መን ህይወት ኣብ ሓደጋ ኸም ዝኣተወ ብንጹር ኣይነግርን እዩ። ይኹን እምበር: ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንኼውጽኦም ኣምላኽ መዚዝዎ ስለ ዝነበረ: ህይወቱ ኣይኰነትን ኣብ ሓደጋ ኣትያ ኽንብል ንኽእል ኢና። (ዘጸኣት 3:10) ነቲ እተዋህቦ መዝነት ኪፍጽም ኣብ ዚኸደሉ እዋን መልኣኽ ኣምላኽ ንሙሴ ኪቐትሎ ኸም ዝሓሰበ ጌርካ ምውሳድ ዘይከውን እዩ ዚመስል። እምበኣር: ንሓደ ኻብቶም ደቁ ኪቐትሎ ደልዩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ግዝረት ንኣብርሃም እተዋህበ ሕጊ: “ዘይተገዝረ ተባዕታይ: ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ: እታ ነፍሲ እቲአ ኺዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ: ካብ ህዝባ ኽትምንቘስ እያ” ዚብል ተጠቒሱ ንረክብ። (ዘፍጥረት 17:14) ሙሴ ንወዱ ኻብ ምግዛር ዕሽሽ ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ነቲ ቘልዓ ኪቐትሎ ደለየ።

ጺጶራ ነቲ ጕዳይ ንምዕራይ ዕልቦ ወዳ ምስ ገዘረት ናይ መን እግሪ እያ ዝተንከየት፧ ንእግሪ እቲ ዘይተገዝረ ወዲ ኪቐትሎ ዚኽእል ዝነበረ መልኣኽ የሆዋ እዩ። እምበኣር: ጺጶራ ነቲ ኺዳን ከም እተኣዘዘት መርትዖ ንምሃብ: ነቲ ዕልቦ ንእግሪ እቲ መልኣኽ ከም ዚትንክፍ እያ ገይራ።

እቲ “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ብምባል እተዛረበቶ ዘረባ ዘይልሙድ መግለጺ እዩ። እዚ ኣዘራርባ እዚ ብዛዕባኣ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ነቲ ኺዳን ግዝረት ብምፍጻማ: ምስ የሆዋ ኺዳን ከም እተኣታተዉ ኣፍልጦ እያ ሂባ። ጸኒሑ ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝኣተወሎም ሕጊ ኺዳን: ንሱ ኸም ሰብኣይ: እቲ ምስኡ ኺዳን ዚተኣታቶ ድማ ከም ሰበይቲ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣነጺርዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 54:5) ስለዚ: ጺጶራ ንየሆዋ (በቲ ወኪልዎ ዝመጸ መልኣኽ ገይራ) “ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ” ምባላ: ነቲ እቲ ኺዳን ዝኣዘዞ ነገራት ክትግዛእ ኸም ዘለዋ ኣፍልጦ ዝሃበት እዩ ዚመስል። ኣብቲ ኺዳን ግዝረት ንሳ ናይ ሰበይቲ ቦታ ኽትሕዝ ከላ: የሆዋ ኣምላኽ ድማ ናይ ሰብኣይ ቦታ ኸም ዝሓዘ ዜመልክት እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ዝዀነ ዀይኑ: ነቲ ኣምላኽ ዝሓተቶ ብቕዓት ንምምላእ ብተኣዛዝነት ወሳኒ ስጕምቲ ብምውሳዳ: ህይወት ወዳ ኻብ ሓደጋ ደሓነ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ