ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/10 ገጽ 29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓደ ሓው ለቓሕ ክሓቶ ይግብኣንዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/10 ገጽ 29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ንሰዓብቱ “ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ” ኢሉ ኺእዝዞም ከሎ: ነቲ ማል ወይ ነቲ ለቓሕ ኪምለሰልኩም ኣይትሕተቱ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧

ነተን የሱስ ኣብ ሉቃስ 6:35 እተዛረበን ቃላት ንምርዳእ: ንሕጊ ሙሴ ምዝካር የድሊ። ኣብዚ ሕጊ እዚ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን: ነቶም ዝደኸዩን ሓገዝ ዜድልዮምን ብጾቶም ብዘይ ሓረጣ ወይ ብዘይ ወለድ ገንዘብ ኬለቅሕዎም ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘጸኣት 22:25፣ ዘሌዋውያን 25:35-37) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ለቓሕ ዚወሃብ እቶም ተለቃሕቲ ብንግዲ መኽሰብ ንኪረኽቡ ስለ ዘይኰነ: ብሓረጣ ኣለቂሕካ ኻብ ናይ ብጻይካ ቝጠባዊ ውድቀት ምብላጽ ዓይኒ ዘይብሉ ስስዐ እዩ ዚኸውን። ስለዚ እምበኣር: እቲ ብዘይ ወለድ ዚወሃብ ለቓሕ ካብ ድኽነት ወይ ከኣ ካብ ዘጋጠሞም ጸበባ ኺወጹ ንምሕጋዝ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣለቃሒ ነቲ ማል ወይ ለቓሕ ክሳዕ ዚምለሰሉ ታሕዚ ኺወስድ ይኽእል ነይሩ እዩ።

የሱስ ነዚ ሕጊ እዚ ብምድጋፍ: ‘ክትፍደዩ ኣይትጸበዩ’ ብምባል ስፍሕ ዝበለ ትርጕም ሃቦ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ልክዕ ከም እስራኤላውያን: ሓድሓደ ግዜ ዜድኪ ቝጠባዊ ውድቀት የጋጥሞም እዩ። ሓደ ክርስትያን ሓው ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ቍጠባዊ ሓገዝ ምስ ዜድልዮ ምሕጋዝስ ሰናይዶ ኸይኰነ፧ ርግጽ እዩ: ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘለዎ ሓደ ክርስትያን ሓዉ ብርእሱ ብዘየምጽኦ ጌጋ ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ሽግር እንተ ዚወድቕ ንኺሕግዞ ይድረኽ እዩ። (ምሳሌ 3:27) ንኸምዚ ዝበለ ስኡን ሓው: ካብቲ ኸነለቅሖ እንኽእል መጠን ዝወሓደ እኳ እንተዀነ: ከም ህያብ ጌርና እተወሰነ ገንዘብ ክንህቦ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 37:21

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ ዝጠመዩ ኣሕዋቶም ብኢድ ሃዋርያ ጳውሎስን በርናባስን ገይሮም ረድኤት ሰደዱሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 11:28-30) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ዕንወት ኬጋጥም ከሎ ክርስትያናት ንዝሰኣኑ ኣሕዋቶም ረድኤት ይሰዱሎም እዮም። እዚ ብምግባሮም ድማ ንኻልኦት ዓብዪ ምስክርነት ይህቡ። (ማቴዎስ 5:16) ልክዕ እዩ: እቲ ሰብ ሓገዝ ዚደልየሉ ዘሎ ምኽንያትን ኵነታቱን ኣብ ግምት ኪኣቱ ይግባእ። ንምንታይ እዩ ሓገዝ ኣድልይዎ፧ ነዘን “ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን” ዚብላ ናይ ጳውሎስ ቃላት ኣቓልቦ ኽንገብረለን ይግባእ።—2 ተሰሎንቄ 3:10

ሓደ ሓው ለቓሕ ዘድለዮ ምኽንያት ኣዝዩ ኸቢድ ሽግር ስለ ዘጓነፎ ዘይኰነስ: ካብ ዘጋጠሞ ቝጠባዊ ውድቀት እግሪ ንምትካል ግዜያዊ ሓገዝ ደልዩ እንተደኣ ዀይኑ ብዘይ ወለድ ከነለቅሖ ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ኪፈድየና ኢልና ምልቃሕ ነተን ኣብ ሉቃስ 6:35 ዘለዋ ናይ የሱስ ቃላት ዚጻረር ኣይኰነን። ኣብ መንጎ እቲ ኣለቃሕን ተለቃሕን ኣብ ጽሑፍ ዚሰፍር ስምምዕ ኪህሉ ኣለዎ: እቲ ተለቃሒ ድማ ብመሰረት እቲ እተሰማምዕዎ ንምኽፋል ኪጽዕር ይግባእ። ብርግጽ: ልክዕ ከምታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ነቲ ኣለቃሒ ንኺህብ ዝደረኸቶ: ነቲ ተለቃሒ እውን ነቲ እተለቀሖ ኺመልስ ክትድርኾ ይግባእ።

እቲ ዜለቅሕ (ወይ ድማ እቲ ዚህብ) ሰብ ብዛዕባ ድሌት ስድራቤቱ ኺምርምር ኣለዎ። ንኣብነት: ንኻልእ ሰብ ምልቃሑ ወይ ድማ ምሃቡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ቀዳምነት እተዋህቦ ንኣባላት ስድራቤትካ ምሕላይ ሸለል ንኺብሎ ዚገብሮ ድዩ፧ (2 ቈረንቶስ 8:12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8) ክርስትያናት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዚሰማማዕ መገዲ ፍቕሮም ብምግላጽ ኣብ ንሓድሕዶም ዚፋቐሩሉ ኣጋጣሚ እዮም ዜናድዩ።—ያእቆብ 1:27፣ 1 ዮሃንስ 3:18፣ 4:7-11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ