ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/11 ገጽ 8-9
  • “ዎ የሆዋ: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዎ የሆዋ: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ፍጥረት ብዛዕባ የሆዋ ተምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ብፍጥረት ጌርኩም ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ምሃርዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ወድስዎ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ድንቂ ፍጥረታት ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/11 ገጽ 8-9

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ

“ዎ የሆዋ: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ”

ኣብ ከተማ ንንበር ወይ ኣብ ገጠር: ኣብ ኣኽራን ንንበር ወይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብዘየገድስ: ኵላትና በቲ መስተንክር ዝዀነ ፍጥረት ኢና ተኸቢብና ዘለና። ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዜደንቕ ግብርታት የሆዋ ኣምላኽ ዜርኢ ስእልታት ሒዙ ኣሎ።

መማሰውቲ ዝዀኑ ሰባት ወትሩ ንፍጥረት ኣምላኽ የተኵሩሉ እዮም። ንኣብነት: እቲ ጥበቡ “ኻብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ” እተባህለሉ ንጉስ ሰሎሞን ንውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቍል ስምዕዛ ተዛረበሉ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታታን ድማ ተዛረበ” ይብለና። (1 ነገስት 4:30, 33) ንጉስ ዳዊት ኣቦ ሰሎሞን ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ የስተንትን ስለ ዝነበረ: ንፈጣሪኡ “ዎ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:”NW]: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ: ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ” ኢሉ ኼድንቕ ተደረኸ።—መዝሙር 104:24a

ንሕናውን እንተዀና ብዛዕባ ፍጥረት ተገዲስና ኸነስተንትን ይግባእ። ንኣብነት ‘ኣዒንትና ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልና: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። እቲ ‘ዕቤት ምልክን ብርታዐ ሓይልን’ ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ነዚ ፈጢርዎ!—ኢሳይያስ 40:26

ብዛዕባ ግብርታት የሆዋ ምስትንታንና ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ ብውሕዱ ብሰለስተ መገዲ። (1)  ህይወት ንኸነስተማቕራ የዘኻኽረና: (2)  ካልኦት ካብ ፍጥረት ምእንቲ ኺመሃሩ ኽንሕግዞም ይደፋፍኣና: (3)  ንፈጣሪና ዝያዳ ኽንፈልጦን ዝያዳ መማሰውቲ ኽንከውንን ይድርኸና።

ኣፈጣጥራና ኻብ “በሃም እንስሳ” ኣዝዩ ዝበለጸ ምዃኑ: ነቲ መስተንክር ዝዀነ ፍጥረት ተዓዚብና ኸነማስወሉ የኽእለና። (2 ጴጥሮስ 2:12) በዒንትና ውቁብ ገጸ-ምድሪ ንርኢ። በእዛንና ነቲ ጥዑም ደሃይ ዘለዎ መዝሙር ኣዕዋፍ ንሰምዕ። ቦታን እዋንን ናይ ምዝካር ክእለትና ድማ ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ ተዘክሮታት ንኽንዝክር የኽእለና። ሽሕኳ እዚ ሕጂ ዘሎና ህይወት ብዅሉ እተማልአ እንተ ዘይኰነ: ብዙሕ እነስተማቕረሉ ነገራት ግን ኣሎና።

ወለዲ እቲ ውሉዳቶም ንፍጥረት ዘለዎም ኣድንቖት የስተብህልሉ እዮም። ቈልዑ ካብ ገማግም ባሕሪ ዛዕጐል ምእራይ: ምስ እንስሳታት ምጽዋት: ገረብ ምሕኳር ይፈትዉ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ወለዲ ነቲ ኣብ መንጎ ፍጥረትን ፈጣርን ዘሎ ርክብ ከረድእዎም ይኽእሉ እዮም። እቲ ንፍጥረት የሆዋ ዜሕድርዎ ኣድንቖትን ኣኽብሮትን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ኣብ ውሽጦም ኪሓድር ይኽእል እዩ።—መዝሙር 111:2, 10

ነቲ ፍጥረት ኣድኒቕና ነቲ ፈጣሪኡ ሸለል ምባል: ዘይምምዛን እዩ። ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ “እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን: ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን: ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧” ይብለና።—ኢሳይያስ 40:28

እወ: ግብርታት የሆዋ ነቲ መዘና ዘይብሉ ጥበቡ: ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሉ: ነቲ ንዓና ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሩ እዩ ዜርኢ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ጽባቐ ምስ ረኣና ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ባህርያት ገባሪኡ ምስ ፈለጥና: ነዚ “ዎ እግዚኣብሄር: . . . ዚመስለካ የልቦን: ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን” ዚብል ቃላት ዳዊት ኢና እነቃልሕ።—መዝሙር 86:8

እዙዛት ደቅሰብ ንመጻኢ እውን እንተዀነ ብፍጥረት የሆዋ ወትሩ እናተመሰጡ ኸም ዚነብሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንዘለኣለም: ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ንፈልጠሉ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ኢና። (መክብብ 3:11) ዝያዳ ብዛዕባ ፈጣሪና እናፈለጥና ብዝኸድና መጠን: ኣጸቢቕና እናፈተናዮ ኢና እንኸይድ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወርሒ ሕዳር/ታሕሳስ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ምስጋና ንፈጣሪ

ብዙሓት መማሰውቲ ሊቃውንቲ: ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ዘለዎ ግደ ይኣምኑሉ እዮም። ነዘን ዚስዕባ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ:-

“ናይቲ ኣነ ዘጽንዖ ጨንፈር ስነ-ፍልጠት ኣገዳስነቱን ሓጐሱን ዝፍለጠኒ ሓሓሊፈ ሓዲሽ ነገር ምስ ዝረክብን ድሕሪኡ ድማ ንነብሰይ ‘ለካ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ እዩ ሰሪሕዎ’ ምስ ዝብልን እዩ። ሸቶይ ካብቲ ንድፊ ኣምላኽ ቍንጣሮ እትኸውን ምፍላጥ እዩ።”—ናይ ከሚስትሪ ፕሮፈሰር ሄንሪ ሼፈር

“ዩኒቨርስ እናገፍሐ ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት ሰብ ነናቱ ግምታዊ መልሲ ዚህበሉ እኳ እንተዀነ: ብዘይ ብእኡ [ኣምላኽ] ግን ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦን ኣይንኽእልን ኢና።”—ብሪጣንያዊ ተመራማሪ ስነ-ቆዝሞስ ኤድዋርድ ሚለነ

“ንተፈጥሮኣዊ ነገራት ኣምላኽ ስለ ዝፈጠሮ በቲ ብሉጽ ዝዀነ ሕሳብ ኪግለጽ ከም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና።”—ሩስያዊ ናይ ሕሳብ ክኢላ ኣሌክሳንደር ፖልያኮቭ

“ብዛዕባ ፍጥረት ክንመራመር ከለና: ናትና ዘይኰነስ ናይ ፈጣሪ ሓሳብ ንምርምር: ኣምራቱ ነንብቦ: ነቲ ኣገባቡ ድማ ንትርጕሞ ኢና ዘሎና።”—ኣመሪካዊ ናይ ስነ-ህይወት ምሁር ሉዊስ ኣጋሲ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ፐንጒን ገንቱ: ኣብ ሓውሲ ደሴት ኣንታርክቲክ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ግራንድ ቲቶን ናሽናል ፓርክ: ዋዮሚንግ: ሕ.መ.ኣ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Jack Hoehn/Index Stock Photography

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ