ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/4 ገጽ 29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኣትኵሮ ኣብ ኣፍሪቃ
    ንቕሑ!—2015
  • ብሉጽ ውህበት ምንዳይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/4 ገጽ 29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ንሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ስለቲ ዝዓየየሉ ዕዮ ሞቕሽሽ ወይ ህያብ ኪህቦ ይኽእል ድዩ: ወይስ እዚ ኸም ጉቦ ጌርካ እዩ ዚርአ፧

ክርስትያናት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ: ኣብ ሓደ ዓዲ ቕቡልን ሕጋውን ዝዀነ ነገር ኣብ ካልእ ዘይቅቡልን ዘይሕጋውን ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣብ ዓዶም ዘሎ ዅነታት ብጥበብ ኪሕዝዎ ኣለዎም። (ምሳሌ 2:6-9) ልክዕ እዩ: ሓደ ክርስትያን ዝዀነ ይኹን ኣብ ‘ድንኳን [የሆዋ] ኺሓድር’ ዚደሊ ሰብ ካብ ጉቦ ወይ መማለጃ ኺርሕቕ ከም ዘለዎ ኺርስዕ ኣይግባእን።—መዝሙር 15:1, 5፣ ምሳሌ 17:23

ጉቦ እንታይ እዩ፧ ብመሰረት ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ጉቦ ምሃብ ኪበሃል ከሎ ንሓደ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ሓላፍነቱ ወይ ሕጊ ጠምዚዙ ምእንቲ ኺጠቕመካ ኢልካ ሓደ ዋጋ ዘለዎ ነገር ምሃብ ማለት እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። እምበኣር: ሓደ ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓዲ ይንበር ብዘየገድስ: ፍትሒ ንኼጥምም ኢልካ ንዳኛ ወይ ንፖሊስ ገንዘብ ወይ ህያብ ምሃብ ከምኡውን ንሓደ መርማሪ ጕድለት ርእዩ ኸም ዘይረኣየ ንኺሓልፎ ኢልካ ገንዘብ ምሃብ ከም ጉቦ እዩ ዚርአ። ነቶም ብተራኦም ዚቕድሙኻ ዝነበሩ ሰባት ንኽትሓልፎም ወይ ካልእ ሓለፋ ምእንቲ ኺግበረልካ ኢልካ ህያብ ምሃብ እውን ምስ ጉቦ እዩ ዚቝጸር። ከምዚ ምግባር ፍቕሪ ኸም እትጐድለካ የርኢ።—ማቴዎስ 7:12፣ 22:39

ሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ሕጋዊ ኣገልግሎት ንኺህበካ ወይ ገልታዕታዕ ንኸየብለካ ኢልካ ህያብ ወይ ሞቕሽሽ ምሃብ ግን ምስ ጉቦ ድዩ ዚቝጸር፧ ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ሃገራት ገሊኦም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ሞቕሽሽ እንተ ዘይተዋሂብዎም ንውሉዳት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺምዝግቡ: ንሕሙማት ናብ ሆስፒታል ኬእትዉ: ወይ ኣብቲ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ ዜድሊ ሰነዳት ማሕተም ኪገብሩ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ወይ ድማ ፍቓድ ዋኒን ንምሕዳስ ዝቐረበ ምልክታ ሎሚ ጽባሕ እናበሉ የመላልሱኻ።

ሞቕሽሽ ምሃብ ኰነ ብዛዕባኡ ዘሎ ኣረኣእያ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። ኣብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ገንዘብ ምሃብ ልሙድ ዝዀነሉ ወይ ትጽቢት ዚግበረሉ ዓድታት: ገሊኦም ክርስትያናት ሕጊ ኽሳዕ ዘይጠሓሱ ንሓደ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኺሰርሖ ዚግባእ ስራሕ ንኺፍጽመሎም ሞቕሽሽ ምሃቦም: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ዚጋጮ ዀይኑ ኣይስምዖምን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ህያባት: ነቲ ትሑት ደሞዝ ዘለዎ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዚኸውን ተወሳኺ ኣታዊ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ኣብ መንጎ ሕጋዊ ዕዮ ኺፍጸመልካ ኢልካ ህያብ ምሃብን ዘይሕጋዊ ሓለፋ ኺግበረልካ ኢልካ ጉቦ ምሃብን ግን ፍልልይ ከም ዘሎ ኣይትረስዕ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ሕቶ እናቕረቡ ኽነሶም: ኣብቲ ህያብ ምሃብ ልሙድ ዝዀነሉ ዓድታት እውን ከይተረፈ ንተቘጻጸርቲ: ንናይ ግምሩክ ሰራሕተኛታት: ከምኡውን ንኻልኦት ሰባት ሞቕሽሽ ከይህቡ ወሲኖም እዮም። ንጹሃትን ቅኑዓትን ምዃኖም ስለ ዚፍለጡ: ሓድሓደ ግዜ ንኻልኦት ሰባት ከይኸፈሉ ዘይኰነሎም ነገራት እዩ ዚሰልጠሎም።—ምሳሌ 10:9፣ ማቴዎስ 5:16

ብሓፈሻኡ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ የሆዋ ሓደ ሕጋዊ ኣገልግሎት ንኺረክብ ወይ ንኸይከላበት ኢሉ ሞቕሽሽ ኪህብ እንተ ዀይኑ: ብርእሱ እዩ ኺውስን ዘለዎ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ሰናይ ሕልና ኸም ዚህልዎ ዚገብርን ንስም የሆዋ ዘየጽርፍን ንኻልኦት ዘየዐንቅፍን መገዲ ኺስዕብ ኣለዎ።—ማቴዎስ 6:9፣ 1 ቈረንቶስ 10:31-33፣ 2 ቈረንቶስ 6:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ