ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/9 ገጽ 3
  • እሙን ምዃን ረብሓ ኣለዎዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እሙን ምዃን ረብሓ ኣለዎዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዙሕ ዚዝረበሉ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል
  • ነቶም እሙናት ኣስተብህሉሎም!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ንመን ኢኻ እሙን ክትከውን ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/9 ገጽ 3

እሙን ምዃን ረብሓ ኣለዎዶ፧

ካርል ዚበሃል ሓደ ተወካሊ ኩባንያ መድሕን “ንናይ ጥዕና መድሕን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ኢኻ እትኸፍል ዘሎኻ።a ናብ ኩባንያና እንተ ቐይርካ ግን ወርሒ ወርሒ 15 ዩሮ ኽትቍጥብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ እዩ” በለ።

የንስ ድማ “እዚ ምናልባት ሓቂ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ምስዚ ኩባንያ እዚ ናይ ጥዕና መድሕን ካብ ዝኣቱ ብዙሕ ዓመታት እየ ገይረ። ብዙሕ እዮም ከኣ ሓጊዞምኒ። ስለዚ: ንዕኦም እሙን ክኸውን እየ ዝደሊ” ኢሉ መለሰሉ።

ካብኡ ካርል “ተኣማንነት ኣዝዩ ጽቡቕ ባህሪ እዩ። ኰይኑ ግን: እሙን ክትከውን ኢልካ ብዙሕ ገንዘብ ኢኻ ትኸስር ዘለኻ” በሎ።

ካርል እተዛረቦ ልክዕ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ተኣማንነትካ ንምሕላው ኢልካ ገንዘብ ተውጽእ ትኸውን። ግዜ: ጉልበት: ስምዒታዊ ምትእስሳር እውን የድልየካ ይኸውን። እሞ ደኣ እሙን ምዃን ረብሓ ኣለዎዶ፧

ብዙሕ ዚዝረበሉ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል

ኣብ ጀርመን ትካል ምርምር ርእይቶ ኣለንስባኽ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ካብቶም መልሲ ዝሃቡ 96 ሚእታዊት ተኣማንነት ተደላዪ ባህሪ ኸም ዝዀነ ገሊጾም። ካብ 18 ኽሳዕ 24 ዕድመ ኣብ ዚርከቡ እተገብረ ኻልኣይ መጽናዕቲ ድማ ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰለስተ ሰባት እቶም ክልተ: ተኣማንነት ዚነኣድ ባህሪ እዩ ኢሎም ከም ዚኣምኑ ሓቢሩ።

ተኣማንነት ብዙሕ ዚዝረበሉ እኳ እንተዀነ: እሙን ምዃን ግን ቀሊል ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ሓዳር ወይ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ንሓድሕዶም ተኣማንነት ኣየርእዩን እዮም። መብዛሕትኡ እዋን ኣዕሩኽ እውን ኣብ ንሓድሕዶም እሙናት ኣይኰኑን። እቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ከምኡውን ኣብ መንጎ ነጋዶን ዓማዊልን ዝነበረ ምትእምማን ሕጂ የልቦን። ስለምንታይ፧

ሓድሓደ ግዜ እቲ ጕያ ጕያ ዝመልኦ ህይወት ሰባት: ተኣማንነት ዜድልዮ ስምዒታዊ ምቅርራብ ንኸይምስርቱ ይገብሮም። ቅድሚ ሕጂ ብዝነበሮም ርክብ እተጐድኡ ሰባት ድማ ንዋላ ሓደ ሰብ እሙናት ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም። ካልኦት ከኣ ተኣማንነት ዘየድልዮ ግዝያዊ ናብራ ይነብሩ።

ምኽንያቱ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ተኣማንነት ብዙሕ ዚዝረበሉ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል ኣገዳሲ ባህሪ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እስከ ንመርምር:- እሙን ምዃን ረብሓ ኣለዎዶ፧ ረብሓ እንተደኣ ሃልይዎ: ንመን ኢና እሙናት ክንከውን ዘሎና፧ ብምንታይ መዳያትከ፧ እሙን ምዃን እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዀነ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ተኣማንነት ብዙሕ ዚዝረበሉ ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል ኣገዳሲ ባህሪ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ