ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/9 ገጽ 3
  • ኣምላኽ ድዩ ወይስ ሰብ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ድዩ ወይስ ሰብ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብኡ ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ን“ክርስቶስ” እንስዕቦ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/9 ገጽ 3

ኣምላኽ ድዩ ወይስ ሰብ፧

“ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር: ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ።” (ዮሃንስ 8:12) እዘን ቃላት እዚኣተን የሱስ ክርስቶስ እተዛረበን እየን። ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ምሁር ድማ “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ” ብምባል ብዛዕባኡ ተዛረበ። (ቈሎሴ 2:3) ብተወሳኺውን መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ይብል። (ዮሃንስ 17:3) ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ንምምላእ: ብዛዕባ የሱስ ርጡብ ፍልጠት ኪህልወና ይግባእ።

ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሰሚዖም እዮም። ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዓብዪ ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን። አረ ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ዓለም ሰባት ዚጥቀምሉ ዓውደ-ኣዋርሕ: ኣብቲ የሱስ ተወሊዱሉ ዚበሃል ዓመት እተመስረተ እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ብዙሓት ሰባት ነቲ ቕድሚኡ ዘሎ እዋን ቅ.ክ. ወይ ቅድሚ ክርስቶስ: ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ድማ ድ.ክ. ወይ ድሕሪ ክርስቶስ እናበሉ እዮም ዚጥቀሙ” ብምባል ይገልጽ።

እንተዀነ ግን: የሱስ መን ከም ዝነበረ እተፈላለየን ኣብ ንሓድሕዱ ዚጻረርን ሓሳባት እዩ ዘሎ። ገሊኦም: ኣብ ታሪኽ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ዝፈጸመ ፍሉይ ሰብ ከም ዝዀነ ጥራይ ይሓስቡ። ካልኦት ሰባት ድማ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ገይሮም የምልኽዎ። ገለ ሰዓብቲ ሂንዱ ኸኣ ምስቲ ስጋ ለቢሱ ኸም ዝመጸ ዚንገረሉ ክሪሽና ዚበሃል ናይ ሂንዱ ኣምላኽ የመሳስልዎ። የሱስ ተራ ሰብ ድዩ ነይሩ: ወይስ ኪምለኽ ዚግብኦ፧ ብትኽክል መን እዩ ነይሩ፧ ካበይ እዩ መጺኡ፧ እንታይ ዓይነት ባህርያት እዩ ነይርዎ፧ ሕጂኸ ኣበይ እዩ ዘሎ፧ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን: ካብቲ ብዛዕባ የሱስ ብዙሕ ዚገልጽ መጽሓፍ ቅኑዕ መልስታት ክንረክብ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ