ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/9 ገጽ 29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክጻወትዶ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣምላኽ ንዓመጻ ብኸመይ ይርእዮ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/9 ገጽ 29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዓመጻ ዝመልኦ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታታት ምጽዋት: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዚትንክፍ ድዩ፧

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ብምባል ጸሓፈ። (መዝሙር 11:5) እታ “ትጸልኦም” እትብል በዅሪ ቓል “ጸላኢ ምዃን” ዚብል ሓሳብ ኣለዋ። ስለዚ: እቲ ዓመጻ ዚፈቱ ሰብ ንርእሱ ጸላኢ ኣምላኽ እዩ ዚገብራ ዘሎ። ዓመጻ ዝመልኦ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታታት ምጽዋት ንዓመጻ ፍቕሪ ንኸነሕድር ኪደፋፍኣና ይኽእልዶ፧

ዓመጻ ዝመልኦ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታታት ኣጠቓቕማ እተፈላለየ ኣጽዋር እዩ ዜርኢ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ነዚ ጸወታታት ዚጻወት ሰብ ኣብ ውግእ ከመይ ገይሩ ኸም ዚዋጋእ እዩ ዚምህሮ። እታ ዘ ኢኮኖሚስት ዘርእስታ መጽሔት “ሰራዊት ኣመሪካ: ስልጠና ንምሃብ ብቐንዱ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታታት እዩ ዚጥቀም። ሕጂ ግን ሓድሓደ ጸወታታት ናብ ዕዳጋ ኪቐርብ ጀሚሩ ኣሎ” በለት።

ብርግጽ: እቶም ነቲ ዓመጻ ዝመልኦ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታታት ዚጻወቱ ሰባት: ብህይወት ንዘለዉ ሰባት ኣይኰኑን ዚቐትሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መዘናግዒ ምርጫ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ልቦም እንታይ እዩ ዜሕድር፧ (ማቴዎስ 5:21, 22፣ ሉቃስ 6:45) ሓደ ሰብ ንኻልእ ብሓሳብ እተፈጥረ ሰብ ብምውጋእ: ብምትኳስ: ኣካላቱ ብምቝራጽ: ከምኡውን ብምቕታል ዚሕጐስ እንተደኣ ዀይኑ: ብዛዕባ እዚ ሰብ እዚ እንታይ ኢልካ ምደምደምካ፧ ነዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ጸወታ ዳርጋ ውሉፍ ክሳዕ ዚኸውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብዙሕ ሰዓታት እናሕለፈ ነቲ ናይ ዓመጻ ትምኒቱ ዜርዊ ምስ ዚኸውንከ፧ ልክዕ ከምቲ ስእለ-ጽዩፍ ዚርኢ ሰብ ርኹስ ትምኒታት ዜሕድር: እዚ እውን ንዓመጻ ፍቕሪ የሕድር ከም ዘሎ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ።—ማቴዎስ 5:27-29

የሆዋ ነቲ ዓመጻ ዚፈቱ ሰብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣምሪሩ ዚጸልኦ፧ ዳዊት “ነፍሱ ትጸልኦም” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። የሆዋ ብግዜ ኖህ ነቶም ፈተውቲ ዓመጻ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጸልኦም ኣርእዩ እዩ። ንኖህ “ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ: መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ: ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ብምባል ተዛረቦ። (ዘፍጥረት 6:13) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምኽንያት እቲ ዓመጻ ዝመልኦ መገዶም ንብምሉኦም እቶም ኣብታ ዓለም እቲኣ ዝነበሩ ደቅሰብ ኣጥፍኦም። ነቶም ዓመጻ ዚጸልኡ ሸሞንተ ሰባት: ማለት ንኖህን ስድራቤቱን ጥራይ እዩ ኻብቲ ጥፍኣት ዘድሓኖም።—2 ጴጥሮስ 2:5

እቶም ኣዕሩኽ የሆዋ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ” ኣለዎም። ይትረፍዶ ዓመጻስ: ድሕሪ ‘ደጊም ውግእ ኣይኪመሃሩን እዮም።’ (ኢሳይያስ 2:4) ኣዕሩኽ የሆዋ ዄንና ኽንቅጽል እንተደኣ ደሊና: ‘ካብ እከይ ክንዘብል ሰናይ ከኣ ክንገብር:’ ከምኡውን ‘ንሰላም ክንደልያ ኽንስዕባውን’ ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 3:12

ዛጊት ናይ ቪድዮ ጸወታታት ንጻወት እንተደኣ ኣሊናኸ፧ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ንኸይንገብር ቈራጽነት ብምግባር ከነሐጕሶ ይግብኣና። ነዚ ንመንፈሳውነትና ኣዝዩ ጐዳኢ ዝዀነ ተግባር ንኸነቋርጾ: ብጸሎት ኣቢልና ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ክንሓትት ንኽእል ኢና። ነተን ከም ሰላም: ሕያውነት: ርእስኻ ምግታእ ዝኣመሰላ ባህርያት ንኺጸልዋና እንተ ፈቒድናለን: ነዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ልማድ ከነቋርጾ ንኽእል ኢና።—ሉቃስ 11:13፣ ገላትያ 5:22, 23 ትርጕም 1990

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ