ካብቲ ዝበለጸ ትምህርቲ ተጠቐም!
የሆዋ ኣምላኽ ንሰባትን ንብዘሎ ኻልእ ፍጥረታትን ከም ዝፈጠረ: መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:27፣ ራእይ 4:11) ከም ዓብዪ መምህር መጠን: ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን መሃሮም: በዚ ድማ ኣብታ ጽብቕቲ ገነት ኤድን ንምንባር ኣዳለዎም። ዕላማኡ ድማ ንዕኦም ንዘለኣለም ኪምህሮምን ኪኣልዮምን እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:28, 29፣ 2:15-17፣ ኢሳይያስ 30:20, 21) ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ኪህልወካ ኸሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ!
እቲ ዜሕዝን ግን እቶም ናይ መጀመርታ ሰብ ሓዳር ነዚ ተስፋ እዚ ኣጥፍእዎ። ብዘይምእዛዞም ኣብ ደቅሰብ: ስነ-ምግባራውን ኣካላውን ውድቀት ኣስዓበ። (ዘፍጥረት 3:17-19፣ ሮሜ 5:12) መጽሓፍ ቅዱስ: ደቅሰብ ካብ ዚፍጠሩ ድሕሪ እተወሰነ ወለዶታት ንዝነበረ ዅነታት ብዚምልከት: “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ” ይብል።—ዘፍጥረት 6:5
የሆዋ: ሰብ ዝሕልኖ ዘበለ ወርትግ ክፉእ ከም ዝዀነ: ካብ ዚድምድም ድሮ 4,500 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ: ኵነታት ደቅሰብ ከኣ ሕጂ ኻብ ቀደም ንላዕሊ ኸፊኡ ኣሎ። ሓያሎ ሰባት ብዘይ ሕንከት ይሕስዉ: ይሰርቁ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት መጥቃዕቲ የውርዱ። ጸገማት እናገደዱ ብዝኸዱ መጠን: ብዛዕባ ኻልኦት ምግዳስ ድማ ብእኡ መጠን እናጐደለ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ምስ ካልእ ሰብ ከምኡውን ኣብ መንጎ ስድራቤት ዘሎ ርክብ ኣብ ቅልውላው ደይኰነን ዘሎ፧ ኰይኑ ግን: ኣምላኽ ኪውቀስ ኣይግብኦን እዩ: ብዛዕባ እዚ ግዜና ተገዳስነት ምሕዳሩ ግን ኣየቋረጸን። የሆዋ ዅሉ ግዜ ንሰባት ደሓኖም ምስ ደለየ እዩ፣ ነቶም ሕጉስ ህይወት ንኺረኽቡ ኢሎም መምርሒኡ ዚደልዩ ሰባት ንምምሃር ድማ ድሉው እዩ። ቅድሚ 2,000 ዓመት ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ለኣኾ: ነቶም ኣብ ህይወቶም ዕውታት ኪዀኑ ዝደልዩ ሰባት ኪምህሮም ከም ዚደሊ ድማ ኣርኣየ። የሱስ ንማእለያ ዘይብሉ ግዜያት ካብቲ ዓብዪ መምህር ስለ እተማህረ: መርኣያ እዚ ፍጹም ትምህርቲ እዚ ሓደገ።
ናይ ሓቂ ክርስትና ትምህርቲ እዩ
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ኣገባብ ኣነባብራ ዘለዎ ናይ ሓቂ ክርስትና ኣቘመ። እዚ ክርስትና እዚ ንስም ኣምላኽ ክብርን ውዳሰን ንምምጻእ በተሓሳስባ ይኹን ብተግባር ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ። (ማቴዎስ 22:37-39፣ እብራውያን 10:7) የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ደገፍ ናይ የሆዋ ነይርዎ እዩ። ኣብ ዮሃንስ 8:29 ብዛዕባ እቲ ኻብኡ ዚረኽቦ ዝነበረ ሓገዝ ኪዛረብ ከሎ: “እቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ: በይነይ ኣይሐድገንን እዩ” በለ። እወ: ክሳዕ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ናይ የሆዋ ሓገዝን መምርሕን ኣይተፈለዮን። እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ብዘይ መምርሒ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ጸገማት ኪዋጽኡሉ ኣይተሓድጉን። የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ መሃሮም። ንትምህርትታትን ምሳሌን የሱስ ምስዓቦም ከኣ ዝሓሹ ሰባት ገበሮም። እዚ ሓቂ እዚ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቱ እውን ዚዓዪ እዩ።—ነታ “ጽልዋ የሱስን ትምህርትታቱን” እትብል ኣብ ገጽ 6 እትርከብ ሳጹን ርአ።
ናይ ሓቂ ክርስትና ኻብ ካልእ ፍልይ ዜብሎ ሓደ መገዲ ነእምሮን ልብን ሰባት ዚልውጥ ትምህርቲ ዝሓዘ ብምዃኑ እዩ። (ኤፌሶን 4:23, 24) ከም ኣብነት እስከ ነቲ የሱስ ንብዓልቲ ሓዳር እሙን ብዛዕባ ምዃን ዝመሃሮ ትምህርቲ ንውሰድ:- “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ: ከም እተባህለሎም: ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል መሃረ። (ማቴዎስ 5:27, 28) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ንደቀ መዛሙርቱ: ልቢ ብንጽህና ኺተሓዝ ከም ዘለዎ: ዘይግቡእ ሓሳብን ባህግታትን ድማ ዋላ እውን እንተ ዘይተፈጸመ ኸቢድ ሳዕቤን ከም ዜምጽእ እዩ ዚምህር ነይሩ። ሕማቕ ሓሳባት ንኣምላኽ ናብ ዜጕሂ: ንኻልኦት ሰባት ድማ ናብ ዚጐድእ መገዲ ዚመርሕ ደይኰነን፧
ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ: “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ኢሉ ዚመኽረና። (ሮሜ 12:2) ‘ብሓቂዶ ብትምህርቲ ኣቢልና ብምሕዳስ ሓሳብና ኽንልወጥ ንኽእል ኢና፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብምሕዳስ ሓሳብካ ምልዋጥ ማለት በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሕን ስርዓትን ጌርካ ኻብቲ ቐደም ብእተፈልየ መልክዑ ድራኸ ምሕዳር ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣምላኽ ብቓሉ ኣቢሉ ዚህቦ ትምህርቲ ብምቕባል ኪግበር ይከኣል እዩ።
ለውጢ ንኺገብሩ እተለዓዓሉ
“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።” (እብራውያን 4:12) ቃል ኣምላኽ ሕጂውን እንተዀነ ኣብ ሰባት ሓያል ጽልዋ ኣለዎ: እምበኣር ግዜኡ ዝሓለፎ ኣይኰነን። ንሓደ ሰብ መገዱ ንኪቕይር: ናይ ሓቂ ክርስትና ንኪቕበል: ከምኡውን ዝሓሸ ሰብ ንኪኸውን ኪድርኾ ይኽእል እዩ። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ተመክሮታት: ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ዋጋ ዜርኢ እዩ።
እታ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝጠቐስናያ ኤሚልያ ኸምዚ በለት:- “እቲ ንበይነይ ኰይነ ነቲ ኣብ ገዛና ዝነበረ ዅነታት ንምምሕያሽ ዝገበርክዎ ፋሕተርተር እኹል ኣይነበረን። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርኩ ግን ተስፋ ኸም ዘሎ ፈለጥኩ: ኣረኣእያይ ድማ ኪቕየር ጀመረ። ብዝያዳ ዕግስቲ ንክኸውን: ከምኡውን ምእንቲ ኸይቝጣዕ ርእሰይ ክቈጻጸር ከም ዘሎኒ ተመሃርኩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ ሰብኣየይ ኣብቲ መጽናዕቲ ሓበረኒ። ዋላኳ መስተ ደው ምባል ከቢድዎ እንተ ነበረ: ኬቋርጾ ግን ከኣለ። እዚ ድማ ሓዳርና ኸም ብሓድሽ ታተ ንኺብል ሓገዘ። ሕጂ ሕጉሳት ክርስትያናት ኢና: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣብ ኣልባብ ደቅና ነስርጾ ኣሎና።”—ዘዳግም 6:7
እቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ዚህቦ ትምሀርቲ ንሰባት ካብ ሕማቕ ኣመላትን ዘይስነ-ምግባራዊ ህይወትን ናጻ ኼውጽኦም ይኽእል እዩ። ማኑወልa ነዚ ሓቂ ዀይኑ ረኺብዎ እዩ። ወዲ 13 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብ ገዛኡ ኾብሊሉ ጠፍአ: ማሪዋና ድማ ኪወስድ ጀመረ። ጽንሕ ኢሉ ኸኣ ካብኡ ዚኸብድ ሄሮይን ኪወስድ ጀመረ። መዕቈብን ገንዘብን ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ጾታዊ ርክብ ይፍጽም ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ማኑወል ካብ ሰባት ብምዝራፍ ንርእሱ የመሓድራ ነበረ። ብዘይ ሓሽሽ ድማ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን ነበረ። ዓማጺ ብምንባሩ ኸኣ: ብዙሕ ግዜ ይእሰር ነበረ። ሓደ እዋን ን4 ዓመት ተኣስረ: ኣብኡ ዀይኑ ድማ ኣጽዋር ይነግድ ነበረ። ድሕሪ ምምርዓዉ: ናይቲ ዝገበሮ ሳዕቤን ኪዓጽድ ጀመረ። ማኑወል: “ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ሓደ ሰፈር እንዳ ደርሁ ኣብ ዝነበረ ገዛ ኽንነብር ጀመርና። ሰበይተይ ኣብ ሕጡብ ገይራ ኽትስንክት ከላ ትዝ ይብለኒ። እቲ ዝነበርናዮ ዅነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ብምንባሩ: ሰበይተይ ራሕሪሓትኒ ንኽትከይድ ቤተሰበይ ደፋፍእዋ” ኢሉ የዘንቱ።
ንህይወቱ እንታይ ለወጦ፧ ማኑወል ኪምልስ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ሓደ ዝፈልጦ ሰብኣይ ናብ ገዛና መጺኡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ነገረኒ። ብዛዕባ ሰባት ዚግደስ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ንኽገልጸሉ ኢለ ንኺኣቱ ነገርክዎ። ናይ ገዛእ ርእሰይ ህይወት: ነዚ መርትዖ ምዃኑ እየ ዝኣምን ነይረ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዕጉስን ትሑትን ምዃኑ ኣዝዩ ገረመኒ: ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ጉባኤ ንኽካፈል ድማ ተሰማማዕና። ዋላኳ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት እንታይነተይ ዚፈልጡ እንተ ነበሩ: ብፍሽሑው ገጽ ሰላም በሉኒ። ከም ሓደ ኻብኣቶም ኰይኑ ኸም ዚስምዓኒ ድማ ገበሩ። ናይ ብሓቂ ዓብዪ ምጽንናዕ እየ ረኺበ። ካብ ናይ ሓሽሽ ዓለም ወጺአ ጥዑይ ስራሕ ንኽሰርሕ ድማ ወሰንኩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብቲ ናይ ምስባኽ ዕዮ ንኽካፈል ብቑዕ ኰንኩ: ድሕርዚ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።”
ሕጂ ንማኑወልን ስድራቤቱን ናይ ሓቂ ክርስትና እንታይ ማለት እያ፧ ነዛ ሕቶ ኺምልስ ከሎ: “ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይመሃር ነይረ ቕድሚ ሓያሎ ዓመት ምሞትኩ ነይረ። እቲ የሱስ ዝመሃሮ ዓይነት ህይወት: ስድራይ ተመሊሳ ብሓባር ንኽትጥርነፍ ኣኽኣላ። እቶም ክልተ ደቀይ በቲ ኣነ መንእሰይ ከለኹ ዝሓለፍክዎ ዓይነት ህይወት ኪሓልፉ ኣይግደዱን እዮም። ስለቲ ሕጂ ምስ ሰበይተይ ዘሎኒ ጽቡቕ ርክብ ብዛዕባ የሆዋ ሓበንን ሞሳን እዩ ዚስምዓኒ። ገለ ኻብቶም ቀደም ዝፈልጦም ዝነበርኩ ሰባት ሓጐሶም ገሊጾሙለይ: እቲ ሕጂ ዝስዕቦ ዘለኹ ህይወት ድማ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ነጊሮምኒ እዮም።”
ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት: ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ጥራይ ዘይኰነስ: ኣካላዊ ንጽህና እውን ኣድላዪ እዩ። ሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብድኽነት ኣብ እተደቝሰ ኸባቢ ዚነብር ጆን ዝስሙ ሰብኣይ: ነዚ ኣብ ህይወቱ ተመኲርዎ እዩ። “ሓድሓደ ግዜ ጓልና ኸይተሓጽበት ንሰሙን እትጸንሓሉ ግዜያት ነበረ: ዋላ ሓደ ኻባና ድማ ብዛዕባ እዚ ዚግደስ ኣይነበረን” ኢሉ ይዛረብ። ሰበይቱ ድማ ገዛኦም ኣዝዩ ወዛል ምንባሩ ትእመን። ክርስትያናዊ ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ግን ነገራት ኪቕየር ጀመረ። ጆን ምስቶም ማኪና ዚሰርቁ ዓዋሉ ዝነበሮ ርክብ ኣቋሪጹ: ንስድራኡ ብዝያዳ ቘላሕታ ኺህቦም ጀመረ። “ከም ክርስትያናት መጠን: ኣካላትናን ክዳናን ጽሩይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተመሃርና። እተን የሆዋ ቕዱስ ብምዃኑ: ንሕና ድማ ቅዱሳት ክንከውን ከም ዘሎና ዜዘኻኽራና ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:16 ዚርከባ ቓላት ኣዝየ እየ ዝፈትወን። ሕጂ ነታ ንእሽቶ ገዛና ጽቡቕ ጌርና ኢና እንሕዛ” በለ።
እቲ ዝበለጸ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ተመክሮታት ዘይተለምደ ነገራት ኣይኰነን። ብምኽንያት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ትምህርቲ: በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ዝሓሸ ህይወት ንኺነብሩ ተማሂሮም እዮም። ሓቀኛታትን ህርኩታትን ብምዃኖም ካብ ኣስራሕቶም ናእዳ ረኺቦም እዮም። ሕያዎት ጐረባብትን ብጾትን ኰይኖም: ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ድማ ኪግደሱ ጀሚሮም እዮም። ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕናኦም ንምሕላው ምእንቲ ኬኽእሎም: ዝነበሮም ሕማቕ ኣመላትን ስጋዊ ዝንባለታትን ንምግዳፍ ቈረጹ። ኣታዊኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ሕማቕ ኣመላት: ንርእሶምን ንስድራኦምን ብዚጠቅም መገዲ ኺጥቀሙሉ ይጅምሩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11፣ ቈሎሴ 3:18-23) ነቲ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢርዎ ዘሎ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል: ብናይ ሓቂ ክርስትና ምምልላስ ካብ ኵሉ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑን ካብ ኵሉ ዝበለጸ ትምህርቲ ድማ ከም ዚዀነናን እዩ ዜርኢ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ተሰማሚዑ ዚነብር ሰብ ብዚምልከት: “ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ይብል።—መዝሙር 1:3
እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ንዓና ኺምህረና ኸም ዚደሊ ምፍላጥና ኣዝዩ እዩ ዜበራትዓና። ንሱ ባዕሉ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” በለ። (ኢሳይያስ 48:17) እወ: የሆዋ ብመርኣያን ብትምህርትታትን ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነታ መገዲ ኣርእዩና እዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝሃቦ ትምህርትታት: ንህይወት ብዙሓት ሰባት ቀይሩ እዩ፣ ኣብዚ እዋን እዚውን ንህይወት እቶም ንትምህርትታቱ ዚስዕቡ ሰባት ቀይርዎ እዩ። ስለምንታይ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ እዚ ትምህርትታት እዚ ዝያዳ ዘይትመሃር፧ እቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ጠቓሚ ትምህርቲ እዚ ንኽትረክብ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ እዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ጽልዋ የሱስን ትምህርትታቱን
ዘኬዎስ በቲ ኸም ሓለቓ ተገውቲ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ተጠቒሙ: ካብቶም ተራ ሰባት ገንዘብ ብሓይሊ ብምውሳድን ብስርቅን ሃብቲሙ ነበረ። ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓሉ ግን መገዲ ህይወቱ ተቐየረ።—ሉቃስ 19:1-10
ሳውል ብዓል ጠርሴስ ንክርስትያናት ምስጓጕ ሓደጎ: ክርስትያን ብምዃን ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:5-21፣ ፊልጲ 3:3-9
ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት: ‘ኣመንዝራታት: መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ስሱዓት: ሰካራት: ተጻረፍቲ: ዘረፍቲ’ ነበሩ። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ምስ ተማሃሩ ‘ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተሓጺቦምን ተቐዲሶምን ጸዲቖምን እዮም።’—1 ቈረንቶስ 6:9-11
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ዕዉት ከም እትኸውን ኪሕብረካ ይኽእል እዩ