ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/11 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ብጻዕርኻ ጽቡቕ ርአ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ሕልናኻ ብዚግባእ ዝሰልጠነ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/11 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን: ብረት ንኺዓጥቕ ዚሓትት ስራሕ እንተ ዚረክብ እሞ እንተ ዚቕበሎ: ጽሩይ ሕልናዶ ምሃለዎ፧

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስድራኦም ናይ ምንባይ ሓላፍነት ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር: ገሊኡ ዓይነት ስራሕ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዚጋጮ እዩ። ገለ ኻብዚ ምስ ምጥላዕ: ደም ብዘይ ግቡእ ምስ ምጥቃም: ከምኡውን ምስ ትምባኾ ዚተሓሓዝ ዓይነት ስራሕ ኪጥቀስ ይከኣል። (ኢሳይያስ 65:11 ትርጕም 1990፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ 2 ቈረንቶስ 7:1፣ ቈሎሴ 3:5) ገሊኡ ዕዮታት ከኣ ዋላኳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ኣይከልከል እምበር: ንሕልናና ወይ ንሕልና ኻልኦት ዚጐድእ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብረትን ካልእ ኣጽዋርን ንኽትጥቀም ኣብ ዚሓትት ዓይነት ስራሕ ምስራሕ: ብብሕቲ ዚውሰን ጕዳይ እዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ነዚ ስራሕ እዚ ተቐቢሉ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን: ገለ ነገር ተፈጢሩ ነዚ ኣጽዋር እዚ ንኺጥቀመሉ እንተደኣ ተገዲዱ: ናይ ደም ገበነኛ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ንህይወት ሰብ ብዚምልከት ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽትወስደሉ ዚሓትት ዓይነት ስራሕ: ኪሰርሕ ኣለዎ ድዩ ወይስ የብሉን ብጸሎት ኪሓስበሉ ይግባእ። ብተወሳኺውን: ኣጽዋር ምሓዝ ኣብ ርእስኻ ናይ መጕዳእቲ ሞትን ሓደጋ ኼስዕብ ንዚኽእል ቀጥታዊ ዀነ ኣዘንጊዕካ ንዚግበር መጥቃዕቲ ዜቃልዕ እዩ።

ገሊኦም ሰባት ድማ በቲ እተገብረ ውሳነ ኺትንከፉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ቀንዲ ሓላፍነት ሓደ ክርስትያን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣጽዋር ዓጢቕካ ኣታዊ እናረኸብካ ኸለኻ: ንኻልእ ሰብ ግን “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ኢልካ ኽትምህርሲ ግቡእ ድዩ፧ (ሮሜ 12:18) ንደቅኻ ወይ ንኻልኦት ኣባላት ስድራኻ ብዚምልከትከ፧ ኣብ ገዛኻ ኣጽዋር ምቕማጥካ ኣብ ሓደጋ ዜእትዎምዶ ዀን ይኸውን፧ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣቕዋምካ ንኻልኦት ሰባት የዐንቅፎምዶ ይኸውን፧—ፊልጲ 1:10

ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝነብሩ ሰባት: “ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ” እናዀኑ እዮም ዚኸዱ ዘለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 3) ሓደ ሰብ: ብረት ተዓጢቑ ኸሎ ምስ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎም ሰባት እንተደኣ ተጋጭዩ: ‘መንቅብ ዘይብሉ’ ዀይኑዶ ኪቕጽል ይኽእል እዩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:10) ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተግሳጽ ምስ ተዋህቦ እውን ከይተረፈ ነዚ ስራሕ እዚ ዚቕጽሎ እንተደኣ ዀይኑ: እታ ጉባኤ ኸም “መንቅብ ዜብሉ” ገይራ ኣይትርእዮን እያ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2፣ ቲቶስ 1:5, 6) ካብዚ እተላዕለ: ሓደ ሰብኣይ ይኹን ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚርከብ ፍሉይ መሰላት ብቑዓት ኣይኰኑን።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት እንተደኣ ሂቦም: ነቶም ኣብ ህይወቶም ዜድልዮም ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ ከም ዘየድልዮም መረጋገጺ ሃቦም። (ማቴዎስ 6:25, 33) ብርግጽ ድማ ኣብ ህይወትና ንየሆዋ ቐዳምነት እንተ ሂብናዮ: “ንሱ ኺድግፈ[ና] እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” እዩ።—መዝሙር 55:22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ