ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/3 ገጽ 28-29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እታ ጉባኤ ንየሆዋ ትወድሶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎም ክቡር ግደ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንክርስትያን ኣንስቲ ደግፈን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/3 ገጽ 28-29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ስቕ ይበላ’ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበረት ክርስትያን ጉባኤ: “ከምቲ ኣብ ኵላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ: ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ: ስቕ ይበላ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 14:33, 34) እዚ ብትኽክል ንኺርድኣና ኣብ ዙርያ እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ዘሎ ሓሳባት ምምርማር ጠቓሚ እዩ።

ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14 ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚምልከት ነገራት ጠቒሱ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት እንታይ ትምህርቲ ኺወሃብ ከም ዘለዎን እዚ ድማ ብኸመይ ኪቐርብ ከም ዚግብኦን ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 14:1-6, 26-34) ቀጺሉ: ዕላማ እዚ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እዚ “እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ” ከም ዝዀነ ኣትሪሩ ተዛረበ።—1 ቈረንቶስ 14:4, 5, 12, 26

ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14 ጳውሎስ ሰለስተ ሳዕ ብዛዕባ ‘ስቕ ምባል’ መምርሒ ሃበ። ሰለስቲኡ ኣብ ጉባኤ ንዝነበሩ እተፈላለዩ ጕጅለ ሰባት ዚምልከት ኰይኑ: ኵሉ ግን ንሓደ ምኽንያት ማለት ‘ኵሉ ብስርዓትን በጋባብን ንኪኸውን’ እዩ ተዋሂቡ።—1 ቈረንቶስ 14:40

ብቐዳምነት: ጳውሎስ “ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ: ክልተ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ: ሓደ ኸኣ ይተርጕሞ። ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና: እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል: ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ” በለ። (1 ቈረንቶስ 14:27, 28) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ፈጺሙ ኣይዛረብን እዩ ማለት ዘይኰነስ: ስቕ ኪብለሉ ዚግባእ እዋናት ከም ዘሎ እዩ ዚሕብር። ከመይሲ: ካልእ ሰብ ዘይርድኦ ቛንቋ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ: እቲ ኣብ ንሓድሕድ ንምትህንናጽ ዝዀነ ዕላማ ኣኼባታት ኪብጻሕ ኣይክእልን እዩ።

ካልኣይ: ጳውሎስ “ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ: እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና: እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል” በለ። እዚ ማለት እቲ ቐዳማይ ነብዪ ኣብ ኣኼባታት ካብ ምዝራብ ይቝጠብ ማለት ዘይኰነስ: ሓድሓደ ግዜ ስቕ ኪብል ኣለዎ። ካብኡ እቲ ራእይ እተገልጸሉ ሰብ ነታ ጉባኤ ይምህራ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ‘ዅላቶም ምእንቲ ኺተባብዑ’ (ትርጕም 1990) ተባሂሉ ዚግበር ኣኼባ: ዕላማኡ ይወቅዕ።—1 ቈረንቶስ 14:26, 29-31

ሳልሳይ: ጳውሎስ ንክርስትያን ኣንስቲ “ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ: ስቕ ይበላ። . . . ይገዝኣ” በለ። (1 ቈረንቶስ 14:34) ጳውሎስ ንኣሓት ነዚ ትእዛዝ ዝሃበን ስለምንታይ እዩ፧ ኣብታ ጉባኤ ስርዓት ንምዕቃብ እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ: ገለ ኺምሀራ እንተ ደለያ: ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ።”—1 ቈረንቶስ 14:35

ምናልባት ገለ ኣሓት ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚንገር ዝነበረ ነገራት ይቃወማ ነይረን ይዀና። እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ: ኣሓት ብዘይ ስርዓት ካብ ምምልላስ ንኺርሕቃን ኣብቲ የሆዋ ዝሰርዖ ናይ ርእስነት ስርዓት: ብፍላይ ምስ ሰብኡተን ብእተተሓሓዘ: ዘለወን ቦታ ብትሕትና ንኪቕበላን ሓጊዝወን እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ብተወሳኺ ድማ: ኣሓት ስቕ ብምባል ኣብ ጉባኤ መምህራን ኪዀና ኸም ዘይብህጋ የርእያ። ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: “ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር: ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ: ኣይፈቅድን እየ” ብምባል ኣንስቲ ኣብ ጉባኤ መምህራን ኪዀና ግቡእ ከም ዘይኰነ ገለጸ።—1 ጢሞቴዎስ 2:12

እዚ ማለት ግን ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ፈጺማ ኽትዛረብ የብላን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ብግዜ ጳውሎስ ክርስትያን ኣንስቲ: ምናልባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኸን: ኣብ ጉባኤ ዚጽልያሉ ወይ ትንቢት ዚንበያሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ርእሰን ብምጕልባብ: ነቲ ቦታአን ኣፍልጦ ይህባሉ።a (1 ቈረንቶስ 11:5) ኣብ ርእሲ እዚውን: ብግዜ ጳውሎስ ኰነ ሎሚ: ኣሓት ምስ ኣሕዋት ብሓባር እሙንቶ ተስፋአን ኬጽንዓ: ማለት ብዛዕባ ተስፋአን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኪዛረባ ተተባቢዐን እየን። (እብራውያን 10:23-25) ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት ዝገብራኦ ተሳትፎ: ዕድል ኪወሃበን ከሎ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተዳልየን ሓሳባት ብምሃብ ከምኡውን መርኣያ ወይ ናይ ተመሃራይ ክፍሊ ንምቕራብ ፍቓደኛ ብምዃን: ብዛዕባ ተስፋአን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ይዛረባ ኸምኡውን ንኻልኦት የተባብዓ እየን።

ስለዚ: ክርስትያን ኣንስቲ ናይ ሰብኣይ ቦታ ንምውሳድ ካብ ምፍታንን ኣብ ጉባኤ ኻብ ምምሃርን እየን ‘ስቕ ዚብላ።’ ንስልጣን እቶም ኣብ ጉባኤ ዚምህሩ ዚጻረር ኣከራኻሪ ሕቶታት ኣየበግሳን እየን። ክርስትያን ኣሓት ግዴአን ብምምላእ: “ኵሉ [እቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ዚግበር] ንምህናጽ” ምእንቲ ኪኸውን: ኣብ ጉባኤ ናይ ሰላም ሃዋሁ ንኺፍጠር ዓብዪ ኣበርክቶ ይገብራ እየን።—1 ቈረንቶስ 14:26, 33

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ግዜና ዘለዋ ብሱላት ኣሓት: ኣብ ጉባኤ ብእተፈላለየ ምኽንያት ንእተጠምቀ ሰብኣይ ተኪአን ኪዓያ ኸለዋ ነዚ ኣብነት እዚ ይስዕባ እየን።—ናይ 15 ሓምለ 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ