ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዚፍጸመሉ ግዜ ቐሪቡ
ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ኣምላኽ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” ኢሉ ኣዘዞም።—ዘፍጥረት 1:28
ነዛ ምድሪ ኺመልክዋ እንተደኣ ዀይኖም: ንእተወሰነ ኽፋላ ኻብ ምዅስኳስ ወይ ካብ ምክንኻን ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ከምኡውን ደቆም እታ ገነት ንምድሪ ኽሳዕ እትመልኣ ኼስፍሕዋ ነበሮም። ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብምሕጣኦም ካብ ገነት ኤድን ተባረሩ። (ዘፍጥረት 3:23, 24) እዚ ግን ምድሪ ፈጺሙ ዚመልካ ኣይህሉን ማለት ኣይኰነን።
ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰብ ኪባርኾም ስለ ዝዀነ: ንሳቶም ንምድሪ ኺመልክዋ እዮም። ኣምላኽ ነቶም ጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል በረኸት ኬውርደሎም ከሎ: ግራውቶም ጽቡቕ ኣእካል የፍሪ: ኣእዋሞም ድማ ብሉጽ ፍረታት ይህብ ነበረ። እዛ ምድርና ቐስ ብቐስ ገነት ክትከውን ከላ ተመሳሳሊ ነገር ኪፍጸም እዩ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይመባጻዕ:- “ምድሪ ፍሬኣ ሂባ: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።” (መዝሙር 67:6) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ሸኻታትን ኣኽራንን: ኣእዋምን ዕንባባታትን: ከምኡውን ወሓይዝን ባሕርታትን ኪሕጐሱ እዮም። (መዝሙር 96:11-13፣ 98:7-9) ምድርና: ለምለም ኣትክልቲ: በብዓይነቱ ዝሕብረን ኣዕዋፍ: ዜደንቑ እንስሳታት: ከምኡውን ተፈተውቲ ሰባት ዝመልእዋ ቦታ ኽትከውን እያ።
ሓዳስ ዓለም ቀሪባ!
ሕጂ ኣብ ድርኵኺት እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ኢና እንርከብ። ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ሓድሓደ ሰባት ንቓላት ጴጥሮስ ምስ ኣንበብዎ: እዛ ፕላነት ፈጺማ ገነት ኣይክትከውንን እያ ኢሎም ይድምድሙ ይዀኑ። እዚ ብዓይንና እንርእዮ ሰማያትን ምድርን ብኻልእ ኪልወጥ እዩ ኢሎም ይሓስቡ። ግን ከምኡ ድዩ፧
እቲ “ሓድሽ ሰማያት” እንታይ እዩ፧ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብዓይንና እንርእዮ ሰማያት ኣይኰነን። (መዝሙር 19:1, 2) ጴጥሮስ ነቲ ምሳልያዊ “ሰማያት:” ማለት ነቶም ኣብ ልዕሊ ተገዛእቶም ልዕል ዝበሉ ወይ ክብ ዝበሉ ሰብኣውያን መንግስትታት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። (2 ጴጥሮስ 3:10-12) እዞም “ሰማያት” እዚኣቶም ንደቅሰብ ኣብ ምግዛእ ስለ ዘይተዓወቱ ኺጠፍኡ እዮም። (ኤርምያስ 10:23፣ ዳንኤል 2:44) እቲ ዚትክኦም “ሓድሽ ሰማያት” በቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን በቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚተንስኡ መዋርስቱ ዝዀኑ 144,000ን ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ እያ።—ሮሜ 8:16, 17፣ ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3
ጴጥሮስ: “ሓድሽ ምድሪ” ኢሉ እውን ጠቒሱ ኣሎ: ሓንቲ ሓዳስ ፕላነት ግን ኣይኰነትን። የሆዋ ንምድሪ: ሰባት ንዘለኣለም ንኺነብሩላ ኢሉ ፍጽምቲ ገይሩ እዩ ሰሪሕዋ። (መዝሙር 104:5) ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ብዚምልከት ኪዛረብ ከሎ “ምድሪ” እትብል ቃል ይጠቅስ እዩ። (ዘፍጥረት 11:1) እዛ ኣብ ቀረባ እዋን እትጠፍእ “ምድሪ:” በቶም ንገዛእ ርእሶም ክፍሊ እዛ እክይቲ ዓለም ዝገበሩ ሰባት ዝቘመት እያ። ብተመሳሳሊ: እታ ብግዜ ኖህ ዝነበረት ናይ ሓጥኣን ዓለም ብማይ ኣይሂ ጠፊኣ እያ። (2 ጴጥሮስ 3:5-7) እቲ “ሓድሽ ምድሪ” ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ በቶም “ቅኑዓት ልቢ” ዝዀኑ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ዝቘመ ሓድሽ ሕብረተሰብ እዩ። (መዝሙር 125:4፣ 1 ዮሃንስ 2:17) ነቲ “ሓድሽ ምድሪ” ዚኸውን ሕግታት ካብቲ “ሓድሽ ሰማያት” እዩ ዚመጽእ። እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እሙናት ሰብኡት ድማ እዚ መምርሒታት እዚ ይፍጸም ከም ዘሎ ኼረጋግጹ እዮም።
ሓድሽን ዜደንቕን ነገራት
የሆዋ: ምድሪ ንህይወት ሰብ ከም እትጥዕም ገይሩ ስለ ዘዳለዋ ብሓቂ ብልጽቲ መንበሪት እዩ ሂቡና። ባዕሉ እውን ከይተረፈ እቲ ኣብ ምድሪ ዝሰርሖ ነገራት “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ እዩ። (ዘፍጥረት 1:31) ሰይጣን ድያብሎስ ንኣዳምን ሄዋንን ከም ዚዓልዉ ገበሮም። (ዘፍጥረት 3:1-5፣ ራእይ 12:9) ይኹን እምበር: ኣምላኽ: እቶም ቅኑዓት ሰባት “ናይ ሓቂ ህይወት” ንኺረኽቡ ኣብ ቀረባ እዋን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ገነት ዚህሉ ፍጹም ኵነታት: “ህይወት ዘለኣለም” ምርካብ ማለት እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19) ቀጺልና እስከ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚህሉ ሓድሓደ በረኸት ንርአ።
ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ወዮ መታን ከየምጽእ ኪእሰር እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ በለ:- “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ [ሚካኤል እቲ ሊቀ-መላእኽቲ ወይ የሱስ ክርስቶስ] ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ: ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን: ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ።” (ራእይ 20:1-3፣ 12:12) ደቅሰብ: ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ስለ ዚእሰር: ካብ ጽልዋኡ ናጻ ኻብ ምዃን ሓሊፎም: ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ኻልእ ብዙሕ በረኸት እውን ኣሎ።
እከይን ዓመጻን ውግእን ኣይኪህሉን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይመባጻዕ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:10, 11, 29) የሆዋ ኣምላኽ ‘ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።’ (መዝሙር 46:9) ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ሰላምን ደሓንን ኰን እዩ!
ኣኺሉ ዚተርፍ ጥዑይን ምቁርን ምግቢ ኺህሉ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እዚ: “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 72:16) ኣብቲ እዋን እቲ ዋላ ሓደ ሰብ ብጥሜት ኣይኪሳቐን እዩ።
ዋላ ሓደ ሰብ ብሕማም ኣይኪሳቐን እዩ። ብርግጽ: “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ እየ: [“ሕሙም እየ:” ትርጕም 1990] ኣይብልን” እዩ። (ኢሳይያስ 33:24፣ 35:5, 6) የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ለምጻማትን ሓንካሳትን ዕውራትን ኣሕውዩ እዩ። (ማቴዎስ 9:35፣ ማርቆስ 1:40-42፣ ዮሃንስ 5:5-9) ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ከም ዚገብር እሞ ገምቶ! ዕዉራት: ጸማማት: ሓንካሳት: ከምኡውን ዓባሳት ኪጥዕዩ ኸለዉ ዚህሉ ሓጐስ እሞ ገምቶ!
እዙዛት ደቅሰብ ናብ ፍጽምና ምስ በጽሑ: እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤን ኪሰዓር እዩ። ናይ ዓይኒ መነጸር: በትሪ ዓይነ-ስዉራን: ምርኩስ: ብሽክለታ ስንኩላን: ሆስፒታላት: ከምኡውን መድሃኒት ኣይኪህሉን እዩ። ናብ መዓልትታት ጕብዝና ምስ ተመለስና ኸመይ ዝበለ ለውጢ ዀን እዩ ኺህሉ! (እዮብ 33:25) ነፍሲ ወከፍ ንግሆ: ሓይልና ተሓዲሱን ነታ መዓልቲ ዜሐጕስ ዕዮ ንምጅማር ድልዋት ኴንናን ካብ ጥዑም ናይ ለይቲ ድቃስ ክንበራበር ኢና።
ትንሳኤ ፍቑራትናን ካልኦት ሰባትን ንልብና ኼሐጕሶ እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ንኸም እኒ ኣቤል: ኖህ: ኣብርሃም: ሳራ: እዮብ: ሙሴ: ሩት: ዳዊት: ኤልያስ: ኣስቴር: ከምኡውን ንኻልኦት ብዙሓት ሰባት ምቕባል ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ኪትንስኡ እዮም። ዋላኳ መብዛሕትኦም ብዛዕባ የሆዋ ዚፈልጥዎ ዘይብሎም እንተዀኑ: እቶም ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማኡን ከምኡውን ብዛዕባ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ብህንጥዮት ኪምህርዎም ዚደልዩ ሰባት ግን ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዎም እዮም። እቶም ዝተንስኡ ሰባት ንፈጣሪኦም ምስ ፈለጥዎ: ፍልጠት የሆዋ ንምድሪ ኼጐልብባ እዩ።
ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከነምልኾ ኽንክእል ኢና። “ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ” ንኽንግዝኦ ሓለፍ ዝበለ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ኢና: ጽቡቕ ገዛውቲ ኽንሰርሕ: ንመሬት ክንኵስኵሳ: ኣብ መወዳእታ ድማ ንመላእ ምድሪ ኽንገዝኣ ኸለና ብስኒት ሓቢርና ኽንሰርሕ ኢና። (መዝሙር 100:1-3፣ ኢሳይያስ 65:21-24) ኣብታ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኽብሪ እተምጽኣሉ ኸምኡውን ኣብታ እኹል ምህርቲ እተፍርን ሰላማዊትን ጽብቕትን ገነት ምንባርሲ: ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!—መዝሙር 145:21፣ ዮሃንስ 17:3
ንደቅሰብ ዚቐርበሎም ናይ መወዳእታ ፈተና
የሱስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ: ነቲ ዘቕረቦ መስዋእታዊ በጃ ዜምጸኦ ረብሓ ንእዙዛት ደቅሰብ ከም ዚጥቀሙሉ ኺገብር እዩ። ኣብ መወዳእታ: ኵሉ ሓጢኣት ኬልግስን ደቅሰብ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑን እዮም። (1 ዮሃንስ 2:2፣ ራእይ 21:1-4) እቲ ሓጢኣት ኣዳም ዘምጸኦ ሳዕቤን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዜልግስ: ፍጹማት ደቅሰብ ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን መዳይ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ እዮም። በዚ ኸምዚ ናብ ፍጽምና ምስ በጽሑ: ምሉእ “ህይወት” ኪህልዎም እዩ። (ራእይ 20:5) እዚ ነገር እዝን እታ ገነት እትኸውን ምድርን ንየሆዋ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ ዜምጽኣሉ!
ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ምስ ተወድአ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ወይ እቶም እኩያት መላእኽቲ ንሓጺር ግዜ ኻብቲ ቕድሚ ዓሰርተ ዘመን ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ መዓሙቝ ኪፍትሑ እዮም። (ራእይ 20:1-3) ንሰባት ካብ ኣምላኽ ንምርሓቕ ናይ መወዳእታ ፈተነ ንኺገብሩ ዕድል ኪወሃቦም እዩ። ዋላኳ ሓድሓደ ሰባት ብግጉይ ትምኒት እንተ ተሰነፉ: እዚ ዕልወት እዚ ግን ኪፈሽል እዩ። የሆዋ ነቶም ስሱዓት ሰባት ከምኡውን ንሰይጣንን ንዅሎም ኣጋንንቱን ኪፈርዶም እዩ። ብድሕርዚ እከይ ዚበሃል ኣይኪህሉን እዩ። ኵሎም እቶም ገበርቲ እከይ ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም: እቶም ጻድቃን ግን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ራእይ 20:7-10
ኣብኡ ኽትህሉ ዲኻ፧
ኣብ ቅድሚ እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት: ዘለኣለማዊ ሓጐስ ተነቢሩ ኣሎ። ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዜሰልኪ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ፍልጠት የሆዋ ደረት ስለ ዘይብሉ: ህይወት እናሓደረ ባህ ዜብል ኪኸውን እዩ። (ሮሜ 11:33) ኵሉ ሳዕ እትመሃሮ ሓድሽ ነገር ኪህሉ እዩ: ፍልጠት ንምድላብ ድማ እኹል ግዜ ኺህልወካ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ን70 ወይ ን80 ዓመት ጥራይ ዘይኰነስ: ንዘለኣለም ኢኻ ኽትነብር።—መዝሙር 22:26፣ 90:10፣ መክብብ 3:11
ንኣምላኽ ተፍቅሮ እንተደኣ ዄንካ: ፍቓዱ ምግባር ኵሉ ሳዕ ኬሐጕሰካ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:3) እምበኣር: ቅኑዕ ዘበለ ብምግባር ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ኣብ እትጽዕረሉ እዋን ዋላ ሓንቲ ኺዕንቅፈካ ኣይተፍቅደሉ። እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢሩልካ ዘሎ ዜደንቕ ተስፋ ኣይትረስዓዮ። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ቈራጽነት ግበር: ካብዚ መገዲ እዚ ድማ ኣይተግልስ። ድሕርዚ: ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጸም ከሎን እዛ ምድርና ዘለኣለማዊት ገነት ክትከውን ከላን ኣብኡ ኽትህሉ ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኪባርኾም ከሎ ግራውቶም ብዙሕ እቶት ይህብ ነበረ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ገነት እንታይ በረኸት ክትረክብ ኢኻ ተስፋ እትገብር፧