ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/8 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘እቲ ጥበብ ዝረክብ ብጹእ ኢዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • “ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • ‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ናይ ሓቂ ጥበብ ትጭድር ኣላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/8 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ምሳሌ 8:22-31 ብዛዕባ ጥበብ ተጠቒሱ ዘሎ መግለጺ: ነቲ የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዜመልክት ከም ዝዀነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ብዛዕባ ጥበብ ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ: ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ [“ወለደኒ:” ትርጕም 1990]። . . . ኣኽራን ከይተሰረተ: ቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ። . . . ንሰማያት ኬቝሞ ኸሎ: ኣብኡ ነበርኩ። . . . ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ። . . . ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።”

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ወይ ብዛዕባ ሓንቲ ዘይትጭበጥ ጥበብ ኣይኰነትን እትገልጽ ዘላ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ጥበብ ኣብ መጀመርታ መገዲ የሆዋ ‘እተወልደት’ ወይ እተፈጥረት እያ። የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ዘሎን ኵሉ ግዜ ጥበበኛን እዩ። (መዝሙር 90:1, 2) ጥበቡ መጀመርታ የብላን: ፈጺማ ድማ ኣይተፈጥረትን። እወ: ‘ኣይተወልደትን።’ ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: እዛ ጥበብ እዚኣ ንሓደ ሰብ ወኪላ ኸም እትዛረብን ሓደ ነገር ከም እትገብርን ተገሊጹ ኣሎ።—ምሳሌ 8:1

ብመሰረት መጽሓፍ ምሳሌ: ጥበብ ነዊሕ ይገብር ምስቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኸም “ሰራሕተኛ” ዀይና ምስኡ ነበረት። እዚ ብሓቂ ንየሱስ እዩ ዜመልክት። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ነዊሕ ይገብር ምስ የሆዋ ብቐረባ ይዓዪ ስለ ዝነበረ: ቃል ኣምላኽ “ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ: ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ” ይብል።—ቈሎሴ 1:17፣ ራእይ 3:14

ንወዲ ኣምላኽ ብጥበብ ምግላጹ ግቡእ እዩ፣ ከመይሲ: ነቲ ጥበባዊ ዕላማታትን ሕግታትን የሆዋ ዘፍለጠ ንሱ እዩ። የሱስ: ሰብ ቅድሚ ምዃኑ: ቃል ኣምላኽ ወይ ኣፈኛ ነበረ። (ዮሃንስ 1:1) “ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን” ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 1:24, 30) ነቲ ንደቅሰብ ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ኣብ ክንዳኦም በጃ ንኽትከውን ኢሉ ህይወቱ ንኺህብ እተደፋፍአ ወዲ ኣምላኽ: በዚ መገዲ እዚ ምግላጽ ክሳዕ ክንደይ ዚስሕብ ኰን እዩ!—ዮሃንስ 3:16

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ኣኽራን ከይተሰረተ: . . . ኣነ ተወለድኩ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ