ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/9 ገጽ 6-7
  • ዚጠቕመካ ኣምልኾ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዚጠቕመካ ኣምልኾ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕላማ ህይወት ምህላው
  • ዝሓሸ ሰብ ምዃን
  • ንመጻኢ ተስፋ ምህላው
  • ኣገልገልቲ ኣምላኽ — እተመሓደሩን ሕጉሳትን ህዝቢ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ይፍለጥ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/9 ገጽ 6-7

ዚጠቕመካ ኣምልኾ

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ኣሳፍ “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” በለ። ኣሳፍ ከምቶም ምሹው ህይወት ንምምራሕ ኢሎም ንኣምላኽ ሸለል ዝበልዎ ሰባት ኪኸውን ደልዩ ነበረ። ብድሕሪኡ ግን ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዘለዎ ጥቕሚ ስለ ዘስተውዓለ: ዝሓሸ ምዃኑ ደምደመ። (መዝሙር 73:2, 3, 12, 28) ሎሚኸ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይጠቕመካ ድዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚጠቕመካ፧

ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምምላኽካ ነቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ርእስኻ ጥራይ ዘተኰረ ህይወት ንኽትሰግሮ ኺሕግዘካ እዩ። እቶም ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩ ሰባት ፈጺሞም ሓጐስ ኣይረኽቡን እዮም፣ ከመይሲ: በቲ ‘ኣምላኽ ፍቕሪ’ ኢና ተፈጢርና። (2 ቈረንቶስ 13:11) የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢሉ ብምዝራብ ብዛዕባ ሰብኣዊ ባህርይ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ምሂሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ንፈተውትናን ንስድራቤትናን ሓደ ነገር ምግባር ዜሐጕሰና። ኰይኑ ግን እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ዚርከብ ንኣምላኽ ሓደ ነገር ክንገብረሉ ኸለና እዩ። ንሱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ፍቕርና ዚግብኦ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚደልዮ መገዲ ምምላኽ ኣዝዩ ዜዕግብ ምዃኑ ርእዮምዎ እዮም።—1 ዮሃንስ 5:3

ዕላማ ህይወት ምህላው

ናይ ሓቂ ኣምልኾ: ዕላማ ዘለዎ ህይወት ንኺህልወካ ስለ ዚገብር ይጠቕመካ እዩ። ሓጐስ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ሓደ ጠቓሚ ነገር ምስ ረኸብካ ዚስምዓካ ስምዒት ከም ዚተሓሓዝ ኣስተብሂልካሉዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወቶም ሸቶ ኣለዎም: እዚ ድማ ምስ ስድራቤቶም: ፈተውቶም: ንግዶም: ወይ ምስ ተድላኦም ዚተሓሓዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ህይወቶም ኬጋጥሞም ዘይተጸበይዎ ነገራት ስለ ዜጋጥሞም ግን እዚ ነገራት እዚ ሓጐስ ኣይህቦምን እዩ። (መክብብ 9:11) ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግን ካልእ መዳይ ህይወትካ ዜጕሂ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ: እናሓደረ ዜዕግበካ ዕላማ ንኺህልወካ ኺሕግዘካ እዩ።

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንየሆዋ ምፍላጥን ንዕኡ እሙን ኴንካ ምግልጋልን ዘጠቓለለ እዩ። እቶም ነዚ ዚገብሩ ሰባት ንየሆዋ ይቐርብዎ እዮም። (መክብብ 12:13፣ ዮሃንስ 4:23፣ ያእቆብ 4:8) ኣምላኽ ዓርክኻ ኽሳዕ ዚኸውን ምፍላጡ: ዘይከውን መሲሉ ኺረኣየካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ብምስትንታንን ነቲ ዝፈጠሮ ነገራት ብምርኣይን ንእተፈላለየ ባህርያቱ ኸተስተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 1:20) ብተወሳኺውን ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ: ስለምንታይ ከም እተፈጠርና: ኣምላኽ መከራ ንኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት: ነዚ ብኸመይ ከም ዚዛዝሞ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ እጃምካ ኸተበርክት ከም እትኽእል ክትርዳእ ኢኻ። (ኢሳይያስ 43:10፣ 1 ቈረንቶስ 3:9) ነዚ ኽትርዳእ ምኽኣልካ: ብህይወት ንምንባር ሓድሽ ምኽንያት ኪዀነካ ይኽእል እዩ።

ዝሓሸ ሰብ ምዃን

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓሸ ሰብ ንኽትከውን ስለ ዚሕግዘካ ጠቓሚ እዩ። ብእኡ ኽትመላለስ ከለኻ: ምስ ካልኦት ሰባት ባህ ዜብል ርክብ ንኺህልወካ ዚገብር ባህርይ ከተማዕብል ኢኻ። ካብ ኣምላኽን ወዱን ብዛዕባ ቕንዕና: ብሕያውነት ብዛዕባ ምዝራብ: ከምኡውን ሓላፍነት ዚስምዓካ ብዛዕባ ምዃን ክትመሃር ኢኻ። (ኤፌሶን 4:20-5:5) ንኣምላኽ ኣጸቢቕካ ኻብ ምፍላጥካ እተላዕለ ምስ ኣፍቀርካዮ: ንዕኡ ንኽትመስሎ ኽትድረኽ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ . . . ብፍቕሪ ተመላለሱ” ይብል።—ኤፌሶን 5:1, 2

ኣብ ማእከል እቶም ንፍቕሪ ኣምላኽ ዚቐድሑ ሰባት ክትከውን ባህ ዜብልዶ ኸይኰነ፧ እቲ ዜሐጕስ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምምላኽ በይናዊ ንጥፈት ዘይምዃኑ እዩ። ምስቶም ነቲ ቕኑዕን ሰናይን ዝዀነ ነገር ዚፈትዉ ሰባት ዜራኽብ እዩ። ብርግጽ እዚ እተወደበ ሃይማኖት ዚብል ሓሳብ ደስ ኣይብለካን ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ: ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት ጸገም ዚርአ ዘሎ እተወደባ ስለ ዝዀና ዘይኰነስ: ብቕኑዕ መገድን ንቕኑዕ ዕላማን ስለ ዘይተወደባ እዩ። ብዙሓት እተወደባ ሃይማኖታት ዘይክርስትያናዊ ተግባራት ይገብራ እየን። ህዝቢ ኣምላኽ ግን ንሓደ ልዑል ዕላማ ተባሂሎም ብየሆዋ እተወደቡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር: ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን” ይብል። (1 ቈረንቶስ 14:33) ከምቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዝረኣይዎ: ንስኻውን ምስቶም ጽቡቕ ስርዓት ዘለዎም ክርስትያናት ብምትሕብባርካ ኣብ ኣረኣእያኻ ሰናይ ጽልዋ ኼሕድረልካ እዩ።

ንመጻኢ ተስፋ ምህላው

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: ኣምላኽ ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዚሰግሩን ነቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ሓድሽ ምድሪ ዚወርሱን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ይውድብ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 7:9-17) ስለዚ: እቲ ዚጠቅመካ ኣምልኾ ነቲ ንኽትሕጐስ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር: ማለት ተስፋ ዚህብ እዩ። ገሊኦም ሰባት ንመጻኢኦም ኣብ መንግስትታት: ኣብ ንግዲ: ወይ ድማ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናን ዜዕግብ ጡረታን ተስፋ ይገብሩ። እዚ ዅሉ ግን ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ተስፋ ብሃንቀውታ ንኽትጽበዮ ዚገብር ጽኑዕ መሰረት ከም ዚህልወካ ዚገብር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ኣብቲ “ህያው ኣምላኽ [ኢና] ተስፋ” እንገብር።—1 ጢሞቴዎስ 4:10

ተጊህካ እንተ ደሊኻ: ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኽትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ዋላኳ እዛ ዓለም ተኸፋፊላ ትሃሉ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ብፍቕርን ሓድነትን እዮም ዚልለዩ። ካብ እተፈላለየ ህዝብን ድሕረ-ባይታን ዝመጹ እዮም፣ ይኹን እምበር: በቲ ንሓድሕዶምን ንየሆዋን ዘላቶም ፍቕሪ ሓቢሮም እዮም። (ዮሃንስ 13:35) ንስኻውን ነዚ ነገር እዚ ባዕልኻ ንኽትርእዮ ዕድመ የቕርቡልካ። ኣሳፍ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” በለ።—መዝሙር 73:28

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ