ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/9 ገጽ 31
  • ብሕጊ የሆዋ ይፍሳህ ነበረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሕጊ የሆዋ ይፍሳህ ነበረ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ዕዉታት ተማሃሮ ናብ ዕዉታት ሚስዮናውያን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንየሆዋ ብናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምምስጋን!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ መበል 100 ክፍሊ ዘመረቖም ንወጻኢ ይልእኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/9 ገጽ 31

ብሕጊ የሆዋ ይፍሳህ ነበረ

እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ኣልበርት ዳርጀር ሽሮደር ብረቡዕ 8 መጋቢት 2006 ምድራዊ ህይወቱ ዛዘመ። ዕድሚኡ ወዲ 94 ዓመት ነበረ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ድማ ልዕሊ 73 ዓመት ኣሕለፈ።

ሓው ሽሮደር ብ1911 ኣብ ሳግኖ: ሚሽገን: ሕ.መ.ኣ. ተወልደ።a ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዓባዩ እዩ ተማሂሩ: ቃል የሆዋ ናይ ምንባብ ፍቕሪ ኣብ ልቡ ዝተኸለትሉ እውን ንሳ እያ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሽገን ከኣ ቋንቋ ላቲንን ጀርመንኛን ምህንድስና ኤለክትሪክን ተማህረ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮ ሞሳ ምስ ወሰኸ ግን ንትምህርቱ ሓዲጉ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ጀመረ። ብ1932 ድማ ኣባል ስድራ ቤትኤል ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኰነ።

ሓው ሽሮደር ብ1937 ወዲ 26 ዓመት ምስ ኰነ ንዕዮ እቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺከታተል ተመዘዘ። እቲ ንዕዮ ስብከት ዝነበሮ ቕንኣት: ንብዙሓት ሰባት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺጅምሩ ኣተባቢዕዎም እዩ። ሓደ መንእሰይ ድማ ኣብ ቤትኤል ለንደን ምስኡ ኺቀራረብ ጀመረ: ንሱውን ጆን ባር እዩ። ጸኒሖም ንነዊሕ ዓመታት ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ብሓደ ኣገልገሉ።

ሓው ሽሮደር ኣብ እዋን ውግእ ምእንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዓየዮ ዕዮ ሸለል ኢልካ ዚሕለፍ ኣይኰነን። ኣብ ነሓሰ 1942 ካብ ብሪጣንያ ተጠረዘ። ጽንኩር ውግእ እናተኻየደ ድማ ብኣትላንቲክ ውቅያኖስ ገይሩ ኣብ መስከረም ናብ ብሩክሊን በጽሐ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ናይ የሆዋ ኣገልገልቲ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኪዕየ ዘለዎ ሰፊሕ ስራሕ ይጽበዩ ነበሩ። ሓው ሽሮደር ንስርዓተ-ትምህርቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ኣብ ምምዕባል ንኺሕግዝ ምስ ተመደበ: ተደኒቑን ተሓጒሱን እዩ። ንገለ ዓመታት ድማ መምህር ኰይኑ ሚስዮናውያን ብምስልጣን ኣገልገለ። እቶም ኣብ ጊልዓድን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽን ዝመሃሮም ተመሃሮ ምስኡ ዘሕለፍዎ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኣለዎም። ፍቕሪ ሕግታት ኣምላኽ ኣብቶም ተመሃሮ ብምስራጽ ይፍሳህ ከምኡውን ንየሆዋ ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ ነበረ።

ሓው ሽሮደር ብ1956 ንሻርሎት ቦወን ተመርዓዋ: ብ1958 ድማ ወዶም ጁዳ በን ተወልደ። ሓው ሽሮደር ንፉዕ ክርስትያን ሰብኣይን ኣቦን ነበረ። ብ1974 ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ: እቲ ዝነበሮ ምስትውዓል ድማ ኣኽቢርካ ዚርአ እዩ። ነቲ ዓብዪ ስም ኣምላኽ ኬጕልሕ ዚደሊ ሕያዋይን ትሑትን ሰብ እዩ ነይሩ። ሓው ሽሮደር ከም ቅቡእ ክርስትያን መጠን ሰማያዊ ዓስቡ ኸም ዝረኸበ ርግጸኛታት ኢና: ብርግጽ ‘ብሕጊ የሆዋ ዚፍሳህ’ ሰብ እዩ ነይሩ።—መዝሙር 1:2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ታሪኽ ህይወት ሓው ሽሮደር ኣብታ ብ1 መጋቢት 1988 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ይርከብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ