ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 15/11 ገጽ 8-9
  • ብትብዓት ምሉእ ምስክርነት ምሃብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብትብዓት ምሉእ ምስክርነት ምሃብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዋላኳ እንተ ተዘብጠ: ድምብርጽ ኣይበሎን
  • ነቶም ብቐሊሉ ዘይርከቡ ሰባት ምስባኽ
  • “ኣጆኻ!”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 15/11 ገጽ 8-9

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

ብትብዓት ምሉእ ምስክርነት ምሃብ

ሕሱማት መናዓብቲ ንሓደ እዙዝ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪቕጥቅጥዎ ተዳልዮም ነበሩ። ኣብቲ ወሳኒ ግዜ ግን ሮማውያን ወተሃደራት መጺኦም ካብ ማእከሎም መንዚዖም ብምውሳድ ኣሰርዎ። እዚ ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ናይ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ፍጻመታት መጀመርታ ነበረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቶም ልዑል ቦታ ዝነበሮም ሮማውያን ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሰምዑ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ሰብኣይ: ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። ኣብ ከባቢ 34 ድ.ክ. የሱስ ንጳውሎስ (ሳውል) ብዚምልከት ኣብ ቅድሚ “ነገስታት” ስሙ ኺጸውር ምዃኑ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:15) ክሳዕ 56 ድ.ክ. እዚ ኣይተፈጸመን ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምስ በጽሐ ግን ነገራት ኪቕየር ጀመረ።

ዋላኳ እንተ ተዘብጠ: ድምብርጽ ኣይበሎን

ጳውሎስ ነቲ ናብ የሩሳሌም ዚገብሮ ጕዕዞኡ ቐጸሎ፣ ይኹን እምበር: ገሊኦም ክርስትያናት “ብመንፈስ ተደሪኾም” ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸቢድ መስጐጕቲ ኺወርዶ ምዃኑ ኣጠንቀቕዎ። ጳውሎስ ግን ብትብዓት “ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር: ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 21:4-14) ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ምስ በጽሓ: እቶም ነቲ ንሱ ኣብ እስያ ብዕዮ ወንጌላውነት ዝረኸቦ ኣሳልጦ ዚፈልጡ ነበርቲ እስያ ዝዀኑ ኣይሁድ ንኪቐትልዎ ጭፍራ ሰባት ኣለዓዓሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ እዮም ሮማውያን ወተሃደራት ብቕልጡፍ ኬድሕንዎ ዝመጹ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:27-32) እዚ ዅነታት እዚ: ጳውሎስ ነቶም ዚጻረርዎ ዝነበሩ ህዝብን ነቶም ልዑል ስልጣን ዘለዎም ሰባትን: ብዛዕባ ክርስቶስ ዚገልጽ ሓቂ ንኺነግሮም ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ።

ነቶም ብቐሊሉ ዘይርከቡ ሰባት ምስባኽ

ጳውሎስ ናብቲ ኻብ ሓደጋ ናጻ ኪዀነሉ ዚኽእል ልዕል ዝበለ ግንቢ ኣንቶንያ ዚበሃል መደያይቦ ወሰድዎ።a ኣብዚ መደያይቦ ዀይኑ ድማ ነቶም ሃይማኖታውያን ጭፍራ መስከረሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 21:33–22:21) ልክዕ ንኣህዛብ ኪምስክረሎም ከም እተመዘዘ ምስ ተዛረበ ግን ከም ብሓድሽ ዓመጽ ተላዕለ። እቲ ሊስያስ ዝስሙ ሓለቓ ሽሕ ድማ ስለምንታይ ኣይሁድ ከም ዝኸሰስዎ ንምፍላጥ ብመግረፍቲ ኺምርመር ኣዘዘ። ጳውሎስ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ተዛረበ ግን እቲ መግረፍቲ ተረፈ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ድማ ሊስያስ ስለምንታይ ኣይሁድ ከም ዝኸሰስዎ ንምፍላጥ ንጳውሎስ ናብ ቅድሚ ዋዕላኦም ወሰዶ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:22-30

ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደው ኢሉ: ነቶም ኣይሁድ ናይ ምምስካር ኣጋጣሚ ረኸበ። እዚ ተባዕ ወንጌላዊ እዚ ኣብ ትንሳኤ ዘለዎ እምነት ነገሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 23:1-8) እቲ ኣይሁድ ዝነበሮም ክሳዕ ምቕታል ዚበጽሕ ጽልኢ ግን ስለ ዘይዘሓለ: ጳውሎስ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ተወስደ። ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ለይቲ: “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ: ኣጆኻ:” ዚብል ዜተባብዕ መረጋገጺ ኻብ ጐይታ ተቐበለ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:9-11

ሃዋርያ ጳውሎስ ብምስጢር ናብ ቂሳርያ: ርእሲ ኸተማ እቲ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ምምሕዳር ሮም: ምስ ተላእከ እቲ ንዕኡ ንምቕታል እተገብረ ውዲት ፈሸለ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:12-24) ኣብ ቂሳርያ ድማ ን“ነገስታት” ብምምስካር ተወሳኺ ብሉጽ ኣጋጣሚታት ረኸበ። ብቐዳምነት ግን ነቲ ዝቐረበሉ ኽሲ ኺድግፍ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኸም ዘየለ ንፌሊክስ እቲ ራእሲ ነገሮ። ብድሕሪኡ: ንዕኡን ንድሩሲላ ሰበይቱን ብዛዕባ የሱስን ጽድቅን ንጽህናን እቲ ዚመጽእ ፍርድን ሰበኸሉ። ይኹን እምበር: ፌሊክስ ብላዕ ደልዩ: ንጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽልተ ዓመት ኣሰሮ፣ ጳውሎስ ግን ኣይሃቦን።—ግብሪ ሃዋርያት 23:33–24:27

ፌሊክስ ብፌስጦስ ምስ ተተክአ: እቲ ኣይሁድ ጳውሎስ ምእንቲ ኺፍረድን ኪቕተልን ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ እንደገና ጀመርዎ። እቲ ጕዳይ ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ቂሳርያ ተሰምዐ: እቲ ፍርዲ ኣብ የሩሳሌም ንኸይግበር ድማ ጳውሎስ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም አሎኹ . . . ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:1-11, 20, 21) ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ጳውሎስ ንጕዳዩ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ዳግማይ ምስ ኣቕረበ: እቲ ንጉስ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:1-28) ኣብ ከባቢ 58 ድ.ክ. ጳውሎስ ናብ ሮሜ ተላእከ። እዚ ብልሓተኛ ሃዋርያ እዚ ኣብኡ እሱር ኰይኑ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ ክርስቶስ ዚምስክረሉ መገዲ የናዲ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:16-31) ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ሃጸይ ኔሮ ቐሪቡ: ካብ ገበን ናጻ ምዃኑ ተፈሪዱ: ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ናጻ ሰብ መጠን ነቲ ሚስዮናዊ ንጥፈቱ ኸም ብሓድሽ ዝጀመሮ እዩ ዚመስል። ካብቶም ሃዋርያት ዋላ ሓደ እውን ይኹን ነቲ ብስራት ሒዙ ናብ ከምዚኣቶም ዝበሉ ምርኡያት ሰባት ናይ ምብጻሕ ኣጋጣሚ ዝረኸበ ኸም ዘሎ ዚሕብር ጸብጻብ የለን።

እቶም ንጳውሎስ ብጾቱ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ብምባል ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ መትከል ገለጹ: ንሱ እውን ምስዚ መትከል እዚ ተሰማሚዑ እዩ ዚነብር ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉልና! ሰባት ንሃዋርያ ጳውሎስ ደው ንምባል ዘይሕለል ጻዕሪ እኳ እንተ ገበሩ: ንሱ ግን ነቲ ምሉእ ምስክርነት ንኺህብ እተነግሮ ትእዛዝ ምሉእ ብምሉእ ሓለዎ። ጳውሎስ ንኣምላኽ ነቕ ዘይብል ተኣዛዝነት ስለ ዝነበሮ: ነቲ “ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን . . . ሕሩይ ኣቕሓ” ናይ ምዃን መዝነቱ ብዚግባእ ፈጸሞ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:15

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2006 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕዳር/ታሕሳስ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጳውሎስ ንርእሱ ብዛዕባ ምክልኻል ጥራይ ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧

በን ዊዘሪንግተን ዚበሃል ደራሲ ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ርእይቶ ኺህብ ከሎ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ብኣረኣእያ ጳውሎስ . . . ክትርእዮ ኸለኻ: እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ንርእሱ ምክልኻሉ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ወንጌል ንሰበ-ስልጣን: ንኣይሁድን ንኣህዛብን ምምስካር እዩ ዜገድሶ ነይሩ። . . . ስለዚ: እቲ ወንጌል እዩ ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ ነይሩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ