ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 1/8 ገጽ 2-3
  • መንፈሳውነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንፈሳውነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈሳውነት እንታይ እዩ፧ ሃይማኖት ዘይብለይ ክነሰይ መንፈሳዊ ክኸውን እኽእልዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስጋዊ ሰብ ዲኻ ወይስ መንፈሳዊ ሰብ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንቕድሚት ገስግስ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 1/8 ገጽ 2-3

መንፈሳውነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከቱ: “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ንስኻ እውን ምስዚ ሓሳባት እዚ ኸም እትሰማማዕ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነብሩ ሰባት ኣብ ህይወቶም መንፈሳውነት ከም ዜድልዮም ይግንዘቡ እዮም: ምስ ረኸብዎ ኸኣ ይሕጐሱ። ይኹን እምበር: እታ “መንፈሳውነት” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧

ሓደ መዝገበ-ቓላት ነታ “መንፈሳውነት” እትብል ቃል: “ኣብ መንፈሳዊ ባህርያት ምምርኳስ ወይ እምነት ምሕዳር” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። ስለዚ: ከም እኒ “መንፈሳውነት” “መንፈሳዊ ምዃን” ወይ “መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘሎካ ምዃን” ዚብል ቃላት ተመሳሳሊ ጌርካ እዩ ዚውሰድ። ነዛ ቓል እዚኣ ንምብራህ: እዚ ዚስዕብ ንጽጽር ርአ:- ሓደ ኣብ ንግዳዊ ጕዳያት ክኢላ ዝዀነ ሰብ ንግዳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ብተመሳሳሊ: ሓደ ንመንፈሳዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኣዕዚዙ ዚርኢ ሰብ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ይበሃል።

ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ብኸመይ እዩ ኺብጻሕ ዚከኣል፧ ዳርጋ ዅለን ሃይማኖታት ብዛዕባ እቲ መንፈሳውነት ዚርከበሉ መገዲ ዚዛረባ እኳ እንተ ዀና: ኵለን ነናተን መምርሒታት እየን ዚህባ። ሓደ ፕሮተስታንት ኣብ ናይ ተሓድሶ ኣኼባ ኸም ዝደሓነ ይዛረብ ይኸውን። ሓደ ካቶሊክ ኣብ ግዜ ቕዳሰ ብቝርባን ምስ ኣምላኽ ኪሓብር ይደሊ። ሓደ ቡድሃዊ ብምስትንታን ካብ ስቓይን ትምኒትን ሓራ ዝዀነ ህይወት ኪርከብ ይጽዕር። ሓደ ሂንዱ ነፍሱ ብምሕሳም ካብ ዑደት ዳግመ-ውልደት ኪላቐቕ ይደሊ። ኵሉ እዚ ናብ ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ዚመርሕ መገድታት ድዩ፧ ወይስ ገለ ኻብኡ ኺመርሕ ዚኽእል እዩ፧

ሓያሎ ሰባት: ኣይፋሉን ኢሎም እዮም ዚምልሱ። መንፈሳውነት ኪበሃል ከሎ ኣባል ናይ ሓደ ቤተ-ክርስትያን ከይኰንካ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ። ካልኦት ከኣ መንፈሳውነት ንሃይማኖታዊ ተመክሮ ዘይኰነስ: ውሽጣዊ ሰላምን ትርጕም ህይወትን ንምርካብ ንዘሎካ ባህጊ ኸም ዜምልክት እዮም ዚኣምኑ። እቶም መንፈሳውነት ኪህልዎም ዚደልዩ ሰባት ንኺረኽብዎ ኣብ ገዛእ ርእሶም ማለት ኣብ ውሽጣዊ ስምዒቶም ደኣ ኬቕልቡ እምበር: ናብ ሃይማኖት ኪጥምቱ ኸም ዘየድልዮም ይገልጹ። ሓደ ጸሓፊ ኸምዚ በለ:- “ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ኣብ ውሽጥና ዚርከብ ነገር እዩ። ንዓለምን ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባትን እተፍቅረሉን እትቕበለሉን ምስኣቶም እትዛመደሉን መገዲ እዩ። ኣባል ቤተ-ክርስትያን ብምዃን ወይ ከኣ ኣብ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ብምእማን ዚርከብ ኣይኰነን።”

እምበኣርከስ: ሰባት ኣብቲ ብዛዕባ መንፈሳውነት ዘለዎም ኣተሓሳስባ ኣጸቢቖም እተፈላለዩ ምዃኖም ንጹር እዩ። ብኣሽሓት ዚቝጸር መጻሕፍቲ: መንፈሳውነት ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ ኸም ዚሕብር ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣንበብቲ ይደናገሩ ደኣ እምበር ኣይዓግቡን እዮም። ይኹን እምበር: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዜተኣማምን መምርሒ ኺህበና ዚኽእል ሓደ መጽሓፍ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ እዚ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሶ መርትዖ ዚህብ መጽሓፍ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዚ መጽሓፍ እዚ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መንፈሳውነት ዘለዎ ትርጕምን ዋጋን እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Background: © Mark Hamblin/​age fotostock

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ