ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/2 ገጽ 10
  • ሓላዪ ጓሳ ማቴዎስ 18:12-14

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓላዪ ጓሳ ማቴዎስ 18:12-14
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምጽንናዕ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ‘ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየን እየ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • የሱስ ንኣባጊዑ ይሓልየለን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/2 ገጽ 10

ንኣምላኽ ቅረቦ

ሓላዪ ጓሳ ማቴዎስ 18:12-14

‘ኣምላኽ ይሓልየለይ ድዩ፧’ ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓቲትካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን ከምዚ ዚስምዓካ። መብዛሕትና ሽግርን ብድሆን የጋጥመና እዩ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ፈጣሪ እዚ ሰፊሕ ዩኒቨርስ ብዛዕባና ይግደስ እንተ ዀይኑ ንጠራጠር ኢና። ‘የሆዋ ኣምላኽ ብውልቂ ይሓልየልና ድዩ፧’ ንዚብል ሕቶ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። እቲ ንየሆዋ ብዝበለጸ ዚፈልጦ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ብምሳሌ ኣቢሉ ነዚ ብምግላጽ ዜሐጕስ መልሲ ሃበ።

እቲ ናብራ ሰብ ማል ብቐረባ ዚፈልጥ ዝነበረ የሱስ ከምዚ በለ:- “ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ: ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ: ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ: ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ: ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ: ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።” (ማቴዎስ 18:12-14) የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣምላኺኡ ዘለዎ ሓልዮት የሱስ ኣብዚ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እስከ ንርአ።

እቲ ጓሳ ንነፍሲ ወከፍ በጊዑ ሓላፍነት ይስምዖ እዩ። ሓንቲ በጊዕ ካብ መጓሰኣ እንተ ርሒቓ: ኣየነይቲ ኸም ዝጠፍአት ይፈልጥ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ በጊዕ በቲ ዜውጽኣለን ስም ይፈልጠን ነበረ። (ዮሃንስ 10:3) እቲ ሓላዪ ጓሳ: እታ ዝጠፍአት በጊዕ ናብ መጓሰኣ ኽሳዕ እትምለስ ምድላይ ኣየቋርጽን እዩ። ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ኪደልያ ኪኸይድ ከሎ: ነተን ዝተረፋ 99 ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኣይሓድገንን እዩ። ጓሶት መብዛሕትኡ እዋን ነተን መጓሰኦም ሓዋዊሶም ብሓደ ይዀኑ ነበሩ።a ስለዚ: እቲ ጓሳ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ኪኸይድ ከሎ: ነተን ካልኦት ኣባጊዕ ንግዜኡ ኺኣልይወን ምስቶም ብጾቱ ጓሶት ኪሓድገን ይኽእል ነበረ። እቲ ጓሳ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ምንም ጕድኣት ከይወረዳ ኺረኽባ ኸሎ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ። ነዛ ዝፈርሀት ፍጥረት ኣብ መንኩቡ ብምሕንጋር ከኣ ናብቲ ዕቝባን ድሕንነትን ዘለዎ መጓሰኣ ይመልሳ።—ሉቃስ 15:5, 6

የሱስ ንኣወዓዕላ እቲ ምሳሌ ኺገልጽ ከሎ: ኣምላኽ “ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ” ከም ዘይደሊ ተዛረበ። የሱስ ኣቐዲሙ: “ካብዞም [ብእኡ] ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ” እኳ ኸየስሕቱ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ። (ማቴዎስ 18:6) እሞኸ እዚ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ንነፍሲ ወከፍ እተን ብዓለም ብዙሕ ዘይጠቕማ ዀይነን ዚረኣያ ኣባጊዑ: እንተላይ ነተን “ናእሽቱ:” ኣጸቢቑ ዚሓሊ ጓሳ እዩ። እወ: ብዓይኒ ኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ኣምላኺኡ ፍሉይን ክቡርን እዩ።

ኣምላኽ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየካ ርግጸኛ ኽትከውን እንተ ደሊኻ: ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ጓሳ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከምኡውን ብኸመይ ዝያዳ ኸም እትቐርቦ ንምንታይ ዘይትምርምር፧ ከምዚ እንተ ጌርካ: ልክዕ ከምቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት በጊዕ ምሳሌ ኺህብ ከሎ ብእዝኑ ሰሚዕዎ ኪኸውን ዚኽእል ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝነበሮ ዓይነት ምትእምማን ኪህልወካ እዩ። ጴጥሮስ ጸኒሑ: “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” በለ።—1 ጴጥሮስ 5:7

[እግረ-ጽሑፍ]

a እተን ኣባጊዕ ናይ ጓሳአን ፍሉይ ድምጺ ኣለልየን ስለ ዚስዕባኦ: ነተን እተሓውሳ መጓሰ ምፍልላይ ዜጸግም ኣይኰነን።—ዮሃንስ 10:4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ