ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/5 ገጽ 24
  • ስቓይና ይርድኣልና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስቓይና ይርድኣልና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንምዉታት ዝኸውን ርግጸኛ ተስፋ
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • ካብ ንብዓት የሱስ እንምሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ሓልዮት ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/5 ገጽ 24

ንኣምላኽ ቅረቦ

ስቓይና ይርድኣልና

ዮሃንስ 11:33-35

“ድንጋጸ ዚበሃል ስቓይካ ስቓየይ ምስ ዚኸውን እዩ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሚስዮናዊ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ሓደ እዋን ነዛ ባህ እተብል ባህርይ ዝዀነት ድንጋጸ ኺገልጻ ኸሎ እተዛረቦ እዩ።። የሆዋ ኣምላኽ ድንጋጸ ብምርኣይ ዝመጸ ኻብ ኵሉ ዝዓቢ ኣብነት እዩ። እቲ ህዝቡ ዘሕልፍዎ ስቓይ ይስምዖ እዩ። ከምኡ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ድንጋጸ የሆዋ: በቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብቓል ይኹን ብግብሪ ዘርኣዮ ባህርይ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ተንጸባሪቓ እያ። (ዮሃንስ 5:19) ንኣብነት: ነቲ ኣብ ዮሃንስ 11:33-35 ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመ እስከ ንርኣ።

እቲ ዓርኪ የሱስ ዝነበረ ኣልኣዛር ተሳቕዩ ኣብ ዘይእዋኑ ምስ ሞተ: የሱስ ናብ ዓዲ ኣልኣዛር ከደ። ኣሓት ኣልኣዛር ማርያምን ማርታን ብሓዘን ተደቚሰን ነበራ። የሱስ ነዛ ስድራ ቤት እዚኣ ኣዝዩ የፍቅራ ነበረ። (ዮሃንስ 11:5) እሞኸ እንታይ ገበረ፧ እቲ ጸብጻብ: “የሱስ: ንሳ [ማርያም] ኽትበኪ ኸላ: እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ: ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ፤ ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም: ጐይታይ: ንዓ እሞ ርኤ: በልዎ። የሱስ ነብዔ” ይብል። (ዮሃንስ 11:33-35) የሱስ ዝነብዐ ስለምንታይ እዩ፧ ሓቂ እዩ: እቲ ኣዝዩ ፍቑር ዝነበረ ዓርኩ ኣልኣዛር ሞይቱ ነበረ: የሱስ ግና ኬተንስኦ እዩ ተዳልዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 11:41-44) እሞኸ ደኣ ንስምዒት የሱስ ዝተንከፈ ኻልእ ነገር ነይሩ ማለት ድዩ፧

ነተን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ቓላት እንደገና ርኣየን። የሱስ ንማርያምን ነቶም ምስኣ ዝነበሩ ሰባትን ኪበኽዩ ኸለዉ ምስ ረኣዮም “ተኪዙ”ን ‘ኣሕነቕኒቑን’ ከም ዝነበረ ኣስተብህል። እተን ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዚርከባ ቓላት ብርቱዕ ስምዒት ከም ዝነበሮ እየን ዚሕብራ።a የሱስ በቲ ዝራኣዮ ነገር ምሒር ተተንከፈ። ኣዒንቱ ንብዓት ቅጽርጽር ምባለን ድማ ኣዝዩ ኸም እተሰምዖ እዩ ዜርእየና። ብንጹር እምበኣር: ልቢ የሱስ ብናይ ካልኦት ስቓይ ተተንኪፉ እዩ። ሓደ እትሓልየሉ ሰብ ኪበኪ ኸሎ ምስ ረኣኻ: ነቢዕካ ትፈልጥዶ፧—ሮሜ 12:15

ድንጋጸ የሱስ ብዛዕባ ባህርያትን መገድን ኣቦኡ የሆዋ ኽንመሃር ይሕግዘና እዩ። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ስለ ዘንጸባረቐ: “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኪብል ከኣለ። (ዮሃንስ 14:9) ስለዚ: የሱስ “ነብዔ” ዚብል ሓሳብ ከነንብብ ከለና: የሆዋ ነቲ ኣምለኽቱ ዜሕልፍዎ ስቓይ ከም ዚስምዖ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እወ: ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነዚ ሓቂ እዚ ኣረጋጊጾምዎ እዮም። (ኢሳይያስ 63:9፣ ዘካርያስ 2:8) የሆዋ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ለዋህ ኰን እዩ!

ድንጋጸ ሰሓቢት ባህርይ እያ። ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና ወይ ክንጕሂ ኸለና ናብቶም ኵነታትና ዚርድኡልናን ስቓይና ዚካፈሉናን ብጾትና ንቐርብ ኢና። ናብቲ ስቓይና ዚስምዖን ምኽንያት መንብዒና ዚርድኣልና ርሕሩሕ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እሞ ኸኣ ከመይ ኣብሊጽና ዘይንቐርብ!—መዝሙር 56:8

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ “ነብዔ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: መብዛሕትኡ ግዜ “ደሃይ ዘይብሉ ብኽያት” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ብኣንጻሩ ግን: እታ ነቲ ማርያምን ካልኦትን ዝበኸይዎ ብኽያት ንምግላጽ ዝኣተወት ቃል: “ዓው ኢልካ ዚግበር ብኽያት” ዚብል ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ