ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/6 ገጽ 22
  • “ዘይለዓል ስም”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዘይለዓል ስም”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ መን እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስም ኣምላኽ —ትርጕሙን ኣደማምጽኡን
    መለኮታዊ ስም
  • ሀ4 ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ብትኽክል ዘይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ምጥቃም ኣድለየ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/6 ገጽ 22

“ዘይለዓል ስም”

እቲ ኣብ ሰይንት ሉዊስ: ሚዙሪ: ኣብ ሓደ ጥቓ ፈለግ ዚርከብ ጌትወይ ኣርክ ዚበሃል ሓወልቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ ዘሎ ሓወልትታት እቲ ዝነውሐ ዀይኑ: ቍመቱ ድማ 192 ሜተር እዩ። ኣብ ጥቓ እቲ ሓወልቲ ብሓደ ወገኑ: ጥንታዊ ካተድራል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሕጽር ዝበለ ቤተ-ክርስትያን ይርከብ።

እታ በታ ቤተ-ክርስትያን እተሓትመት ዘ ስቶሪ ኦቭ ዘ ኦልድ ካቲድራል ዘርእስታ ጽሕፍቲ: ነቲ ኣብ መእተዊ እታ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ስነ-ህንጻዊ መልክዕ ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል:- “ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ገበላ ዘሎ ስሉስ ኵርናዓዊ ቦታ: እቲ ዘይለዓል ስም ኣምላኽ ብዓብዪ ወርቃዊ ፊደላት እብራይስጢ ተቐሪጹ ኣሎ።” እቲ ስእሊ ኸም ዚሕብሮ: እተን ቴትራግራማተን ዚበሃላ ነቲ መለኰታዊ ስም ዜመልክታ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ יהוה (የሀወሀ) ብንጹር እየን ዚርኣያ።

እቲ ካተድራል ብ1834 ኪህነጽ ከሎ: እቶም ኣብ ትሕቲ ሰበኻ ኣቡን ሰይንት ሉዊስ ዝነበሩ ሰባት: እቲ ብመልክዕ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ተቐሪጹ ዚርከብ ስም ኣገዳሲ ቦታ ኺህልዎ ኸም ዚግባእ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። እቲ መለኰታዊ ስም ከም “ዘይለዓል” ወይ ከም “ዘይድመጽ” እተገብረ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ: ድሕሪ ቝሩብ ግዜ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣመልኪታ: ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቲ ያህወህ [ቴትራግራማተን ኣድማጺ ፊደላት ተወሲኽዎ] ዚብል ስም ፍሉይ ኣኽብሮት ኪወሃቦ ጀመረ: በቲ ኣዶናይ [ጐይታ] ወይ ኤሎሂም [ኣምላኽ] ዚብል ቃላት ናይ ምትካእ ልምዲ ድማ ጀመረ። . . . እዚ ልምዲ እዚ ድሕሪ ግዜ ነቲ ቕኑዕ ኣደማምጻ እቲ ያህወህ ዚብል ስም ከም ዚርሳዕ ገበሮ።” በዚ ኸምዚ: ሰባት ስም ኣምላኽ ምጥቃም ሓደግዎ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ትኽክል ኣደማምጻ ጠፍአ: እቲ መለኰታዊ ስም ድማ ንዓታቶም ዘይለዓል ኰነ።

ስም ኣምላኽ ብልክዕ ብኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: እቲ ኣገዳሲ ነገር ናብኡ ንምቕራብ ስሙ ምጥቃም እዩ። ፈተውትኻ “ኣቶ” ወይ “ወይዘሪት” ኢሎም ኪጽውዑኻ ዲኻ እትደሊ ወይስ ብስምካ ኺጽውዑኻ፧ ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ: ንስምካ ድማ ብግቡእ ኬድምጽዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ: ብስምካ ኺጽውዑኻ ደይኰንካን እትመርጽ፧ ኣምላኽ እውን በቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙ ኽንጽውዖ ይደሊ እዩ።

ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ብስሙ ኺጽውዕዎን በዚ ኸምዚ ናብኡ ኪቐርቡን ግቡእዶ ኸይኰነ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብል።—ያእቆብ 4:8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ