ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w08 1/7 ገጽ 4-9
  • ካብ ሓዘን ምጽንናዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ሓዘን ምጽንናዕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓዘን እንታይ እዩ፧
  • ካብ ሓዘን ምጽንናዕ
  • ንኣምላኽ ቅረቦ
  • ተስፋ ትንሳኤ
  • ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦ ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
w08 1/7 ገጽ 4-9

ካብ ሓዘን ምጽንናዕ

“ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን [ደቂ ያእቆብ] ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ አበየ: ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ: ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ።”—ዘፍጥረት 37:35

እቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ብሞት ወዱ ኣዝዩ ሓዘነ። ክሳዕ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ብዛዕባኡ ኺሓዝን ተመነየ። ንስኻ እውን ልክዕ ከም ያእቆብ: ብሰንኪ ሞት እተፍቅሮ ሰብ ክትርስዖ ዘይትኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ሓዘን ይስምዓካ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ሓዘን ምሕዛን: ኣብ ኣምላኽ እምነት ከም ዘይብልካ ዜርኢ ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይኰነን!

መጽሓፍ ቅዱስ: ያእቆብ ናይ እምነት ሰብ ከም ዝነበረ እዩ ዚገልጽ። ከም ኣቦሓጎኡ ኣብርሃምን ከም ኣቦኡ ይስሃቅን በታ ሓለፍ ዝበለት እምነቱ ተናኢዱ እዩ። (እብራውያን 11:8, 9, 13) አረ ኣብ ሓደ ኣጋጣምስ በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ምስ ሓደ መልኣኽ ምሉእ ለይቲ ተቓሊሱ እዩ! (ዘፍጥረት 32:24-30) ያእቆብ መንፈሳዊ ሰብ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እሞ ደኣ ኻብቲ ያእቆብ ዝሓዘኖ ሓዘን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እተፈቅሮ ሰብ ምስ ሞተካ ዚስምዓካ መሪር ሓዘንን እህህታን: ምስቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ ድልዱል እምነት ዚጋጮ ኣይኰነን። እተፍቅሮ ሰብ ምስ ሞተ ዚስምዓካ ሓዘን ንቡርን ባህርያውን እዩ።

ሓዘን እንታይ እዩ፧

ሓዘን ብእተፈላለየ መገድታት ኪጸልወና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ብዙሓት ሰባት ግን ብዓሚቝ ስምዒታዊ ስቓይ ይወሓጡ እዮም። ብዛዕባ ዅነታት እቲ ሊዮናርዶ ዚበሃል ወዲ 14 ዓመት ከሎ: ብሰንኪ ሕማም ልብን ናይ ምስትንፋስ ጸገምን ኣቦኡ ዝሞቶ ሰብ እስከ ንርአ። ሓትኖኡ ብዛዕባ እዚ መርድእ ዝነገረቶ መዓልቲ ፈጺሙ ኣይርስዓን። ፈለማ ሓቂ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ሬሳ ኣቦኡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እኳ እንተ ረኣዮ: ሽዑ እውን እንተ ዀነ ሓቂ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ንዳርጋ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ኪበኪ ኣይከኣለን። መብዛሕትኡ ግዜ: ኣቦኡ ኻብ ስራሕ ናብ ቤቱ ንኺምለስ ይጽበዮ ነበረ። ኣቦኡ ኸም ዝሞተ ምሉእ ብምሉእ ንኺርድኦ ዳርጋ ሓደ ዓመት ዚኸውን ወሰደሉ። ሽዑ ድማ ጽምዋ ተሰምዖ። ናብ ጥራዩ ቤት ምምላስን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ተራ ነገራትን ንኣቦኡ የዘኻኽሮ ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ብዙሕ ግዜ ንብዓት ይስዕሮ ነበረ። ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብሓዘን ኣቦኡ ተደቚሱ!

ተመክሮ ሊዮናርዶ: ሓዘን ኣዝዩ ኸቢድ ኪኸውን ከም ዚኽእል እዩ ዚገልጽ። ክትደዓዓስ ዚከኣል ምዃኑ ግን ባህ ዜብል እዩ። ይኹን እምበር: ግዜ ኺወስድ ይኽእል እዩ። ልክዕ ከምቲ ኣዝዩ ኸቢድ ኣካላዊ መቝሰልቲ ንኺሓዊ እተወሰነ ግዜ ዚወስድ: ሞት እተፍቅሮ ሰብ እውን ከምኡ እዩ። ካብ ሓዘንካ ንኽትደዓዓስ: ኣዋርሕ: ዓመታት: ወይ ካብኡ ዝነውሐ እዋን ኪወስደልካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መጀመርታ ዚስምዓካ ዝነበረ ብርቱዕ ጓሂ ቀስ ብቐስ እናረሳዕኻዮ ኢኻ እትኸይድ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ሓዘን ንኽትጸናናዕን ነቲ ሓድሽ ኵነታት ንኽትለምዶን ከም ዚሕግዝ መስርሕ ጌርካ ኺግለጽ ይከኣል እዩ። እቲ ዝሞተ ሰብ ኣብ ህይወትካ መተካእታ ዘይብሉ ቦታ ኣለዎ። ብዘይ እቲ ሰብ እቲ ንኽንነብር ህይወትና ኸነተዓራሪ የድሊ። ሓዘን ስምዒትካ ንኽትገልጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ: ኵሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ሓዘን ኣይሓዝንን። ይኹን እምበር: ኣብ ኵላትና ዚውዕል ሓደ ሓቂ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ሓዘንካ ዘይምግላጽ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ጕድኣት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። እሞኸ ደኣ ብግቡእ መገዲ ሓዘንካ ኽትገልጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ግብራዊ ዝዀነ ምኽርታት ሒዙ ኣሎ።a

ካብ ሓዘን ምጽንናዕ

ብዙሓት ሓዘንተኛታት: ምዝራብ ስምዒትካ ንኸተውጽእ ዚሕግዝ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ: ዓሰርተ ደቁ ብሞት ዝሰኣነን ካልእ ዜሕዝን ነገራት እተጻወረን እዮብ ዚበሃል ሰብኣይ እተዛረቦ ቓላት ነስተውዕል። “ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታ: ንጥርዓነይ ስቕ ኣየብሎን: ብምረት ነፍሰይ ደኣ ኽዛረብ እየ” በለ። (እዮብ 1:2, 18, 19፣ 10:1) እዮብ ብዛዕባ ጥርዓኑ “ስቕ ኣየብሎን” ከም ዝበለ ኣስተብህል። ከምዚ ኺገብር ዚኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ “ክዛረብ እየ” በለ።

ኣዲኡ ብሞት ዝሰኣነ ፓውሎ: “ንኽጸናናዕ ካብ ዝሓገዘኒ ነገራት ሓደ ብዛዕባ ኣደይ ምዝራብ እዩ” በለ። ስለዚ: እቲ ዚስምዓካ ስምዒታት ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ምክፋል ብመጠኑ ዕረፍቲ ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 17:17) ዮነ ኣዲኣ ምስ ሞተታ: ንክርስትያናት ኣሕዋታ ብተደጋጋሚ ንኺበጽሕዋ ትሓቶም ነበረት። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ: “ምዝራብ ካብ ሓዘንካ ዕረፍቲ ንኽትረክብ ይሕግዘካ እዩ” በለት። ንስኻ እውን ዚስምዓካ ነገር ብቓላት ምዝራብን ነቶም ድንጋጽ ዘለዎም ሰባት ምክፋልን ብቐሊሉ ንኽትጸናናዕ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ምጽሓፍ እውን ስምዒትካ ንኸተውጽእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስምዒቶም ብዘረባ ምግላጽ ዚኸብዶም ገሊኦም ሰባት: ነቲ ዚስምዖም ነገር ብጽሑፍ ምግላጽ ዝቐለለ ዀይኑ ኺረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ሳኦልን ዮናታንን ምስ ሞቱ: እቲ እሙን ዝነበረ ዳዊት ብዛዕባ እቲ እተሰምዖ ሓዘን መልቀስ ጸሓፈ። እዚ ስምዒት ዚትንክፍ መልቀስ እዚ ኽፋል እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ኰይኑ እዩ።—2 ሳሙኤል 1:17-27

ምብካይ እውን ናይ ሓዘን ስምዒትካ ኼቃልለልካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ . . . ንብኽያት ጊዜ አለዎ” ይብል። (መክብብ 3:1, 4) ሞት ናይ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ: ‘እንበኽየሉ ግዜ’ ኸም ዝዀነ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓዘን ንብዓት ምንባዕ ዜሕፍር ኣይኰነን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዙሓት ሓዘኖም ብንብዓት ዝገለጹ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ተጠቒሶም ኣለዉ። (ዘፍጥረት 23:2፣ 2 ሳሙኤል 1:11, 12) የሱስ ክርስቶስ ኣብ መቓብር እቲ ኻብ ዚመውት ብዙሕ ዘይገበረ ዚፈትዎ ዓርኩ ኣልኣዛር ምስ በጽሐ: “ነብዔ።”—ዮሃንስ 11:33, 35

ስምዒታትካ ቐልጢፉ ኺለዋወጥ ስለ ዚኽእል: ሓዘንካ ንምጽዋር ትዕግስቲ የድልየካ። ምንባዕ ኬሕፍረካ ኸም ዘይብሉ ኽትርስዕ የብልካን። ብዙሓት እሙናት ሰባት ንብዓትካ ምፍሳስ: ንቡርን ካብ ሓዘንካ ንኽትጸናናዕ ዚሕግዝ መስርሕን ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

ንኣምላኽ ቅረቦ

መጽሓፍ ቅዱስ: “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብለና። (ያእቆብ 4:8) ሓደ ኻብቲ ንኣምላኽ ክንቀርበሉ እንኽእል ቀንዲ መገዲ ጸሎት እዩ። ንኣድላይነቱ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። መጽሓፍ ቅዱስ: “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ዚብል ዜጸናንዕ መብጽዓ ይህበና። (መዝሙር 34:18) ብተወሳኺውን: “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና። (መዝሙር 55:22) ብዛዕባ እዚ እስከ ሕሰብ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ: ብዙሓት ሰባት ስምዒቶም ንእሙን ፈታዊኦም ምዝራብ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ነቲ ልብና ንምጽንናዕ መብጽዓ ዝኣተወ ኣምላኽ ስምዒትካ ምግላጽ ዝያዳ ጠቓሚዶ ኸይኰነ፧—2 ተሰሎንቄ 2:16, 17

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፓውሎ: “ነቲ ዚስምዓኒ ሓዘን ምጻሩ ኺኣብየኒ ኸሎን ክጸናናዕ ከም ዘይኽእል ኰይኑ ምስ ዚስምዓንን ተንበርኪኸ ናብ ኣምላኽ እጽሊ እየ። ንኺሕግዘኒ ኸኣ እልምኖ” በለ። እቲ ጸሎቱ ድማ ለውጢ ኸም ዘምጽአ ይተኣማመን እዩ። ንዓኻ እውን: “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” መልሲ እቲ ዘየቋርጽ ጸሎትካ: ንኽትጸናናዕ ዜኽእል ትብዓትን ብርታዐን ኪህበካ ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ሮሜ 12:12

ተስፋ ትንሳኤ

የሱስ: “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” በለ። (ዮሃንስ 11:25) መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ይምህር እዩ።b የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ንምዉታት ኬተንስእ ክእለት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንጓል 12 ዓመት ኣተንሲኡ እዩ። ወለዳ እንታይ ተሰምዖም፧ “ዓብዪ ምግራም ተገረሙ።” (ማርቆስ 5:42) እቲ ሰማያዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቱ: ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ኣብታ ሰላምን ጽድቅን ዚሰፍና ምድሪ ኼተንስኦም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ምዉታት ካብ ሞት ተንሲኦም: ምስቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ኪራኸቡ ኸለዉ ዚህሉ ዓብዪ ምግራም እሞ ሕስብ ኣብሎ!

እታ ወዳ ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞታ ክላውደቲ: ስእሊ ሬናቶ ወዳ ኣብ መዝሓሊ ለጠፈቶ። መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ስእሊ ብምምልካት: ‘ኣብ ትንሳኤ እንደገና ኽንራኸብ ኢና’ ትብል። ሊዮናርዶ ንኣቦኡ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ከም ዚትንስእ ኣብ ኣእምሮኡ ይስእሎ እዩ። እወ: ተስፋ ትንሳኤ ነዚኦምን ዜፍቅርዎም ንዝሞትዎም ብዙሓት ሰባትን ናይ ሓቂ ምንጪ ምጽንናዕ ኰይንዎም እዩ። ንዓኻ እውን ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቈልዑ ዜፍቅርዎ ሰብ ምስ ዚሞቶም ንኺጸናንዑ ብኸመይ ከም እትሕግዞም ንምፍላጥ: ነታ ኻብ ገጽ 18 ክሳዕ 20 ዘላ “ውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ሓግዞ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳባት እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።

የሱስ ነቶም ብእኡ ዚኣምኑ ንኼተንስኦም ተመባጽዐ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ እስሊ]

“ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ”

“ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን: ይባረኽ።”—2 ቈረንቶስ 1:3

እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥቕሲ እዚኣ: ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዜጋጥሞም ዝዀነ ይኹን ጸገም ወይ ብድሆ ንኺጻወርዎ ኸም ዚሕግዞም ተመልክት። የሆዋ ምጽንናዕ ዚህበሉ ሓደ መገዲ: ብፈታዊና ወይ ከም ናትና ዓይነት እምነት ብዘለዎ እነፍቅሮ ሰብ ኣቢሉ እዩ።

እቲ ኣቦኡ ዝሞቶ ሊዮናርዶ: ብርታዐን ምጽንናዕን ዘምጸኣሉ ሓደ ተመክሮ ይዝክር። ናብ ቤቱ በጺሑ: ኣብ ቤት ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ዘከረ ብዘይምቍራጽ ኪበኪ ጀመረ። ኣብ ጥቓ ቤቱ ናብ ዚርከብ መናፈሻ ኸይዱ: ኣብ ሓደ ኾፍ መበሊ ኾፍ ኢሉ ምብካዩ ቐጸለ። እናነብዐ ኸሎ ድማ ኣምላኽ ንኺሕግዞ ለመነ። ሃንደበት: ኣብ ጥቓኡ ማኪና ደው በለት፣ ሊዮናርዶ እቲ መራሕ ማኪና ሓደ ኻብ ክርስትያናት ኣሕዋቱ ኸም ዝዀነ ኣለለዮ። እቲ ሓው ንዓማዊሉ ኣቝሑ ኼበጻጽሕ ከሎ መገዲ ተጋግዩ እዩ ናብቲ ቦታ እቲ ዝኸደ። ንሱ ምምጻኡ: ንሊዮናርዶ ብዙሕ ኣጸናንዖ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ ጽምዋ ተሰምዖ: ኣዝዩ እውን ተጨነቐ። ምድረ ሰማይ ስለ ዝጸልመቶ: ምብካዩ ኬቛርጽ ኣይከኣለን። ሓገዝ ንኺረክብ ንኣምላኽ ለመኖ። እናጸለየ ኸሎ ድማ ስልኪ ተደወለ። እታ ዝደወለት ጓል ጓሉ እያ ነይራ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ: “እቲ ዝገበርናዮ ሓጺር ዕላል ሓድሽ ትብዓት ሃበኒ። ንሳ ምድዋላ መልሲ እቲ ሓገዝ ንምርካብ ዝጸለኽዎ ጸሎት ኰይኑ ተሰምዓኒ” በለ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንኻልኦት ምጽንናዕ

“በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ: ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለናስ: ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።”—2 ቈረንቶስ 1:4

ብዙሓት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንትርጕም እዘን ቃላት እዚአን ተመኪሮምወን እዮም። ዜፍቅርዎም ሰባት ምስ ሞትዎም ምጽንናዕ ስለ ዝረኸቡ: ንኻልኦት ኬተባብዑን ኬጸናንዑን ክኢሎም እዮም።

ንኣብነት ንክላውደቲ እስከ ንውሰድ። ንሳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነታ ንኸተካፍል ንኻልኦት ብስሩዕ ትበጽሖም ነበረት። ወዳ ቕድሚ ሙማቱ: ወዳ ብሕማም ሉኪምያ ንዝሞታ ሰበይቲ ትበጽሓ ነበረት። እታ ሰበይቲ በቲ ምብጻሕ ትሕጐስ እኳ እንተ ነበረት: እቲ ዝነበራ ሓዘን ግን ክላውደቲ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይትርድኣላ ዀይኑ ይስምዓ ነበረ። ይኹን እምበር: ወዲ ክላውደቲ ድሕሪ ሙማቱ ነዊሕ ከይጸንሐ: እታ ሰበይቲ ኽትበጽሓ መጸት፣ ክላውደቲ ወዳ ሞይቱዋ ኽነሱ: ኣብ እምነታ ጸኒዓ እንተ ዀይና ንኽትርኢ ኸም ዝመጸት ነገረታ። በቲ ጽኑዕ እምነት ክላውደቲ ተገሪማ ኸኣ ምስኣ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ካብ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ምጽንናዕ ትረክብ ኣላ።

ሊዮናርዶ: ኣቦኡ ድሕሪ ሙማቱ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ንጽሙማን ምእንቲ ኼካፍል: ቋንቋ ምልክት ኪመሃር ወሰነ። ንጽሙማን ንምሕጋዝ ዝገበሮ ጻዕሪ ብዙሕ ረብሓ ኣምጽኣሉ። ሊዮናርዶ ኸምዚ በለ:- “ንኽጸናናዕ ካብ ዝሓገዘኒ ነገራት ሓደ: ጽሙማን ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺፈልጡ ንምሕጋዝ ዘሎኒ ባህጊ እዩ። ንዕኦም ንምሕጋዝ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ወፍየ እየ። እቲ ናይ መጀመርያ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ዝነበርኩ ሰብ ኪጥመቕ ከሎ ምስ ረኣኹ: እቲ ናይ ሓዘን ስምዒተይ ብሓጐስ ተቐየረ! ኣቦይ ድሕሪ ሙማቱ ንፈለማ ግዜ ዓሚቝ ሓጐስ ተሰምዓኒ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እቲ ዚስምዓካ ስምዒታት ንኻልኦት ምዝራብ ብመጠኑ ዕረፍቲ ኼምጽእ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምጽሓፍ ሓዘንካ ንኽትገልጽ ኪሕግዘካ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምንባብ ናይ ሓቂ ምንጪ ምጽንናዕ ኪኸውን ይኽእል

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ